ሎሚ ሰንበት ዕለት 24-01-2016: ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምህረት ሮተርዳም ዝተኻየደ ቅዳሴ ተኻፊለ:!!

ሎሚ ንግሆ ዕለት 24-01-2016: ካብ’ቲ የዕሪፎሉ ዘለኹ ፑርመረንድ (Purmerend) ዝበሃል ቦታ ኣንጊሀ ኢየ ተበጊሰ:: ጉዕዞይ ናብ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምህረት ሮተርዳም ብምቕናዕ ከኣ: ንኣስታት ሓደ ሰዓትን ዕስራ ደቂቕን መኪና ጉዕዞ ወሲዱለይ:: ብግዜ ኸኣ እዋን ቅዳሴ ኣርኪበ ተኻፊለ:: ሓቂ ንምዝራብ ኣብ ቅዳሴ ቤተ-ክርስትያን ክካፈል እዚ ናይ መጀመርያይ ኢዩ ነይሩ:: በቲ ዝረኣኹዎ ኣገባብ ከኣ ተመሲጠ:: ኣብ ቅዳሴ ኣስታት 450 ዝኾኑ ኣመንቲ: ቅዳሴዕም ንምብጻሕ ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ተሳቲፎም ነይሮም:: እቶም ደቂ-ተባዕትዮ ብወግዕን ሕግን ናይ’ቲ ቤተ ክርስትያን መሰረት: ብየማናይ ሸነኽ ኣብ ዝርከብ ወናብር ኮፍ ክብሉ እንከለዉ: እተን ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ ብጸጋማይ ሸነኽ ናይ’ቲ ወናብር ኮፍ ኢለን:: ኣነ ኸኣ ከም ሰበይ: በቲ ደቂ ተባዕትዮ ዝርከብሉ ቦታ ኮፍ ኢለ: ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ቅዳሴ ብግቡእ ተኸታቲለ:: ኣብ እዋኑ ናይ ዘልዓልክዎ ስእሊ ተመልከት:-

20130118_111008

ድሕሪ ቅዳሴ ብሓደ ካብቶም ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጹ ኣባላት ኮሚቴ ምምሕዳር  ተሰንየ: ንኹሉ ናይ’ቲ ቤተ-ክርስትያን ክፍልታትን ህንጻታቱን በብሓደ ዘይረ ተዓዚበ:: ካብ’ዚ ቀጺለ ኸኣ: ብዛዕባ ኣገባብ ምሕደራ እታ ቤተ-ክርስትያን እትመሓደረሉ ኣገባባት ብሰፊሑ ምስቶም: ክሳብ ሽዱሽተ ዝኾኑ ኣማሓደርቲ ኮሚተ ዝርርብ ኣካይደ:: ካብ’ዚ ርኽክባተይ ከኣ እታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ውሽጣ ካብ ሕማቕ ምሕደራ ዝብገስ: ዓበይቲ ውሽጣዊ ሽግራትን ዘይምትእምማን ከም ዘለዋ ተገንዚበ:: እዚ ጉዳይ ኸኣ ብህጹጽ ክፍታሕ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ተረዲኤ:: እዚ ኣብ ውሽጢ እዛ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ ሽግራት ግን: ምስ’ቲ ኣነ ክምርምሮን ከጽንዖን ዝተበገስኩሉን ዝሰርሓሉ ዘለኹን ዓመጽ ደቂ-ኣንስትዮ ዝምልከት: ዝኾነ ምትእስሳር ዘለዎ ኣይኮነን::

ኣብ መወዳእታ ምድረ-ባሕሪ ነቲ ዛዛሚ ጸብጻብ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ኣመልኪቱ: ናብ ህዝቢ  ኤርትራ ዘቕርበሉ ግዜ ኣብ ምዝዛሙ ከም ዝበጽሐ ክገልጽ እንከሎ: ነቲ ኣብ ጉዳይ ምሕደራ ዝምልከት ዝረኸቦ ሓበሬታ ግን: ካብ’ቲ ቀንዲ ከርሰ ነገር ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ፈልዩ: በበርእስቱ ነጻጺሉ ከቕርቦ ምዃኑ ኣቐዲሙ የዘኻኽር:

ምድረ-ባሕሪ!!!

ዶርስ: ጸገዝኣብ ገብረገርግስ