ሓበሬታ ንህዝቢ፡ ንሓሶት ትበጽሓ/ተዋጋዓ ቅጥፈት!!

0
56


ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)

ሀ) — እቶም ብሰንኪ ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፊ ነበር ብብጊዝኡ ነብሶም ኣግሊሎም ዝነበሩ ኣባላት ሰዲህኤ፡ ኣካል ናይቲ ናይ ምእራም ቃልሲ ከካይድ ዝጸንሐ መሰረታትን ታሕተዎት ኣካላት ሰልፍን ዝለዝኾኑ፡ ብመንፈስ ይኩን ብኣካል ቦቶኦም ኣብ ሰዲህኤ ኩሉ ጊዜ ሕሉው ኢዩ። ስለዝኾነ፡ እዚ ሕጂ “እግሌ እኮ ካብ ሰልፊ የለኹን ኢሉ ኢዩ ከይዱ ነይሩ፡ ሕጂ ከመይ ገይሩ ሰዲህኤ ኢየ ይብል” ዝዓይነቱ ናይ ዓቕሊ ጽበት ዘረባ ዝዝረብ ዘሎ፡ እቶም ተዛረብቱ፡ ባህርን ዲናሚካዊ ጉዕዞን ናይቲ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ቃልሲ ከምዘይተገንዘብዎ ዝሕብር ኢዩ።

ለ) — እዛ ጉጅለ እዚኣ (እዛ ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ህጹጽ ጉባኤ ገይረ ትብል ዘላ) ግን፡ ካብ ሕጊ ሰልፊ ወጻኢ፡ ብባርኾት ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፊ ነበር ብውሽጢ-ውሽጢ ዝተወደበትን መሪሕነታ ዘቖመትን፡ ዘይሕጋዊት ተደራቢ ስርርዕ ኮይና፡ ሰልፊ ናይ ምፍራስ ተልእኮ ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፊ ከተተግብር ዝጸንሐት ምዃና፡ ህዝቢ ከፈልጦ ኣገዳሲ ኢዩ። —

መቸስ፡ ከምቲ መርዓት ኢላቶ ዝባሃል፡ “ጣይታ ዘየብላና ኮይና’ምበር፡ ድቁስ-በርበረ እንተዝህልወናስ፡ ንስንስ ኣብልና ንበላዕና ነርና” ከይኮነና’ምበር፡ ሰዲህኤ፡  ‘ምክፍፋል ዘይኮነስ፡ ሓድነት ዝፈጥር፣ ንኣባላት ዘናቑት ዘይኮነስ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ስኒትን ፍቅርን ከስፍን ዝጽዕት፣ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ጥዑይ ዝምድናታት ከምዝህሉ ዝገብር፣ ንኣባላቱ ዘተባብዕን ዘገልግልን፣ ብዛዕባ ኣባልቱ ዝግደስን ብኣባላት ታኣማኒ ዝኾነን’ “ብቑዕ መሪሕነታዊ ትካል” ብዘድልዮ ዝነበረ ናይ 7 ዓመታት ጽንኩር መድረክ ኢዩ ሓሊፉ። ከምዝፍለጥ፡ ሰዲህኤ ናይ “ሓድነት ኣጀንዳ” ሒዙ፡ ንሕቶ “ፍትሒ፣ ዲሞክራሲ፣ ሓድነት ህዝቢ፣ ምኽባር ልዕልና-ሕጊ፣ ማዕርነት መስል ኣብ ቅድሚ ሕጊ፣ ወ.ዘ.ተ.” ኣብ ኤርትራ ንምፋታሕ ንኽቃለስ፡ ድሕሪ ናይ 5 ዓመታት ጽዑቕን ቀጻልን ምይይጥታት ኣብ መንጎ ሰህኤ/ሰባን (EPP/ELF-RC) ሰዲኤን(EDP) ምክያድ፡ ኣብ ጥሪ 2010 ዝተመስረተ ሰልፊ ኢዩ። ሰዲህኤ ሒዝዎም ዝተላዕለ ዓላማታትን ተለኾታትን፡ ኣዚዮም ኣገደስትን እዋናውያንን ምዃኖም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ዲናሚካዊ ኩለንተና ጉዕዞ ሃገረ-ኤርትራ መሪሕ ተራ ክጻወቱ ዝኽእሉ ኢዮም’ውን። ብገና ካብ ባዓትታት 1970ታትን 1980ታትን ዘይወጹ መራሕቲ ብዝዓብለሉዎ መሪሕነታዊ ትካል ገርካ ክዕወቱ ዝኽእሉ ዓላማታትን ተልእኾታትን ግን ኣይኮኑን። ስለዝኾነ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ሂወት ሰዲህኤ  ኣብ ግምት የእቲካ፡ እቶም ዓላማታትን ተልእኾታትን ክሳብ ሕጂ ዘይምዕዋቶምሲ ከገርምና ዝግቦኦ ኣይኮነን። እቲ ዘገርምን ዘሕዝንን፡ እቲ ከዕውቶም ዝግቦኦ ዝነበረ መሪሕነት ሰልፊ ነበር፡ ሽንፈቱ/ፍሽለቱ ንምሽፋን፡ ሕጂ ንሰዲህኤ ዘይምስሉን ዘይትርጉሙን ከልብሶ ምፍታኑ ኢዩ። ካብቶም ንሰዲህኤ ዘቖሙ ሓይልታት ናይ ሓድ ሸነክ ኣባላት (ሰህኤ (EPP)) ዝነበሩ ጥራሕ ሒዙ ካብ ሰዲህኤ ተጎሊሉ  ከምዘይከደ፡ ሕጂ ኣነ ኢየ “ሰዲህኤ” ዝባሃል ኢሉ ንህዝቢ ከታልል ዝፍትኖ ዘሎ ፈተነ፡ ሓደ መርኣያ ንሰዲህኤ ናይ ምድዋን መደባቱ ኢዩ።

ስለዝኾነ፡ “ንዓመጽ ፍትሒ፣ ንሸፈጥ ርትዒ፣ ንሓሶት ሓቂ” እንዳበሉ፡ ከምዚ ኣብ መስኹቲ ወብ-ሳይታት ትሪእዎ ዘለኹም፡ ንሰዲህኤ ዘይትርጉሙ ክህብዎ ይፍትኑ ስለዘለዉ፡ “ሰዲህኤ መን ኢዩ?” ዝብል ሕቶ ሕጽር ዝበለ መግለጺ ንህዝቢ ደጋጊምካ ምሃብ ኣገዳሲ ኢዩ እብል። ከምቲ ብዙሕ ጊዜ ዝተባህለ፡ ሰዲህኤ እተሰገደ ኣተሓሳስባ ኢዩ። ብብቱን/ብንጽል ከረአ ከሎ ካኣ ሓቂ፣ ፍትሒ፣ ሰላም፣ ቅሳነት፣ ፍቕሪ፣ ሕድሕዳዊ ክብሪ፣ ስኒትን ሓድነትን ንዝብላ ኣምራት ይውክል። ሰዲህኤ ዝልበስ ስነ-ኣእምራኣዊ መንፈስ እምበር ዝጭበጥን ዝድህሰስን ባእታ ኣይኮነን።  እቲ ዓንደ-ሕቐን ቐንዲ መለለዪ ሕላገት ሰዲህኤ.፡ እቲ ብናይ ክልተ ድሕረ-ባይታ ዝነበሮም ሓይልታት (ህ.ግ.ን ተ.ሓ.ኤ.ን) ድሕሪ ናይ 5 ዓመታት (2003-2009) ልዝብ ኣብ ምጀመሪያ 2010 ብዝተገበረ ሓድነታዊ ኪዳን ዝተፈጠረ ናይ ሓድነት፣ ሰላም፣ ስኒት፣ ብሩህ መጻኢን ተስፋን መንፈስ ኢዩ። ሓድነት ሰዲህኤ ዓዂኹን ደልዲሉን፡ ናይ ዝሓለፈ ብሰንኪ ጉድለት ሓድነት ንዝተፈጸሙ ገይጋታት ዝእረምሉ ባይታ ዘንጽፍን፡ ንሕጅን ንመጻእን ናይ ህዝቢ ኤርትራ  ሓድነት ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበሩ ቃልስታት ከምመንጠሪ ዘንጊ ኮይኑ ንኸገልግል ዝተፈጥረ ኣገዳሲ እምነ-ኩርናዕ ታሪኽና ኢዩ። ነዚ ናይ ሓድነት ኪዳን ዘቖሙ ሓይልታት፡ ከም ተራ ሰባት ወይ’ውን ከም እኩባት ሰባት ወይ’ውን ከም ተራ ሰልፍታት ዝጥመቱ ዘይኮኑስ እንታይ ዳኣ ከም ናይ ህዝቢ ኤርትራ ተጻራሪ ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ታሪክን ድሕረ-ባይታን ዝውኩሉ ባእታት ኮይኖም፡ ነቲ ዝሓለፈ ናይ ምብትታንን ፋሕን ታሪኽ ዓጽዮም፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንዝሓለፈ ናይ ቃልሲ ታሪኹ ብምቕርራብን መጻኢ ሓድነቱ ብምርግጋጽን፡ ኣብ ኤርትራ ፍጹም ነባሪ ሓድነት፣ ፍትሒ፣ ልዕልና ሕጊ፣ ዲሞክራሲ፣ ሰላምን ዕብየትን ንኽረጋገጽ ንኽጽዕቱ ኪዳን ዝኣተዉ ኢዮም ነይሮም። እዚ ሓቂ እዚ ካኣ፡ ብኸምዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ጥቕሲ፡ ኣብቲ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ናይ ሰዲህኤ ተንጸባሪቑ ይርኸብ።

“—ነዚ መሰረት ብምግባር ሰሌፊ ዲሞክራሲ ህዜቢ ኤርትራ (“ሰዲህኤ”) ነቲ ልዕሊ ኣርብዓ ዓመታት ዝወሰደ ሽዓብያባ ጀብሃ ዚብል ፖለቲካዊ ቍርቍስን፡ ብውግእ ሕድሕድ ዝሰንበረ መጋረጃ ፍልልይን፡ ኣብ ፈለማ 2010 ... ቀንጢጡ ትጽቢት ህዝብና ዝገሃደሉን፡ ሕድሪ ስዉኣትና ዝረጋገጸሉን፡ ንሕጅን ንመጻእን ማዕደወ ፖለቲካዊ መርሖ (ፕሮግራም) ኣብቦኽሪ ጕባኤኡ ሓንጺጹ እንሆ ምስ ህዝቢ የላልዮ።” (ፖለቲካዊ ፕሮግራም ሰዲህኤ፡ ገጽ 4፡ ቀዳማይ ሕጥቦ ጽሑፍ ተወከስ)

ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ፡ ነቲ ምምስራት ሰዲህኤ ዝፈጠሮ ኩነታት ብብቕዓት ክትመርሖን ከተማሓድሮን ስለዘይካኣላካ፡ ሕጂ ንሰዲህኤ “ብቕርጺ መሪሕነት ሰልፊ” ክትምትሮ ምፍታን፡ መንነት ሰዲህኤ ምድዋን ኢዩ። “ንሱ ንሕና፡ንሕና ንሱ” ዝዓይነቱ፡ “መሪሕነት ማለት ሰልፍ፡ ሰልፊ ማለት መሪሕነት” ኢዩ እዮም ክብሉና ዝፍትኑ ዘለዉ። መንነትን እንታይነትን ሰዲህኤ ውዱዕ ኩውንነት (objective reality) ዘይኮነስ፡ ኣብ ኣተሓስሳባ መሪሕነት ሰልፊ ዝነብር ባዓልቤታዊ ኩውንነት (subjective reality) ከምዝኾነ ገይሮም ኢዮም ክነግሩና ዝደልዩ ዘለዉ። ከምኡ ኢሎም ስለዝሓስቡ ኢዮም ካኣ፡ “ንሕና ኢና ሰዲህኤ ንባሃል” ክብሉ ዝፍትኑ ዘለዉ። ብትሕዝቶ ይኹን ብቕርጺ፡ ነዚ ልዕል ኢሉ ተገሊጹ ዘሎ መንነት ሰዲህኤ ስለዘይትበቕዕዎ፡ ሰዲህኤ ክትኾኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ዘይኮንካዮ ክትከውን ምፍታን ጉድለት ሙሉእነት (Integrity) ከምዘሎ ኢዩ ዘርኢ።  ዳሓር ካኣ እቲ ሰዲህኤ ዋና ኣለዎ – እቶም ተጎሊልኩም ገዲፍኹሞም ዝኸድኩም መሰረታትን ታሕተዎት ኣካላት ሰልፍን ዝሓዘ ኣካል – ብትሕዝትኡ ይኹን ብቕርጹ ንሰዲህኤ ዝመስል።

ዓንዲ-ማእከል “ብቑዕ መሪሕነታዊ ትካል” ሙሉእነት (Integrity) ኢዩ:: ልክዕ ከምታ ናይ ማእከል የዕኑዳ ዝተሰብራ ህድሞ ንውሽጢ  ትሃምም፡ ሙሉእነት ዝጎድሎ መሪሕነታዊ ትካል ካኣ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ኢዩ ዕንይንይ ዝብልን ዕግርግር ዝፈጥርን። ኣብዚ ዝሓለፈ ዕድመ ሰዲህኤ፡ መሪሕነት ነበር ዝፈጠሮም ንውሽጣዊ ሂወት ሰልፊ ቅሳነት ዝኸልኡ ወስታታት (ዕግርግራት) ብዙሓት ኢዮም። ንሎሚ፡ ብዛዕባ ክልተ ዓይነታት ወስታት ጥራሕ እስከ ገለ ክንብል ክፍትን።

ሀ) ዓመጽትን ኣግለልትን ባህርያት መሪሕነታዊ ትካል፦ 

ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፊ ነበር ከስረሖም ስለዘይካኣለ ወይ’ውን ብሰንኪ ዓመጽትን ኣግለልትን ባህርያት ኣባላት ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፊ ነበር፡ በብጊዝኡ “ካብ ሰዲህኤ ዘልገሱ” ተቃለስቲ ውሑዳት ኣይነበሩን (ኣብ ታሕቲ ዘላ ቻርት ተመልከት)። “ካብ ሰዲህኤ ዘልገሱ” ዝብል ሓረግ ከም ኣባሃህላ እኳ ቁኑዕ ኣይኮነን። እቱይምንታይሲ፡ ሰባት ንሰባት’ምበር ንሰልፊ/ውዱብ ኣይኮኑን ዝገድፉ (People quit people, not organizations)። እዞም ዝተጠቕሱ ተቃልስቲ ካኣ፡ ንመትከላትን ዓላማታትን ሰዲህኤ  ስለዝቃዎሙ ወይ’ውን ስለዝጸልኡ ዘይኮነስ፡ ብሰንኪ ባህርያትን ኣካይዳን ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፊ ነበር ዝተፈጥሩ ግርጭታትን ዘይቅርዕው ናይ ቃልሲ ባይታን፡ ምዞም መራሕቲ እዚኦም ክስራሕ ኣይካኣልን ኢዩ ኢሎም ኢዮም ነብሶም ኣግሊሎም ጸኒሖም። ናይ ድሑሩን ቅዱምን ፍልልይ እንተዘይኮይኑ፡ ኩሎም ብሓደ ዓይነት ምኽንያታትን ኩነታትን ኢዮም ኣልጊሶም – “ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዘይጻወር፣ ነብሰ-ታኣማምነት ዘጥፈአ፣ መሪሕነታዊ ብቕዓቱ ዝለመሸ፣ ታኣማምነቱ ዘጥፈአን ንናይ ካልኦት ኣበርክቶን ተወፋንይነትን ኣኽብሮት ዘይህብን መሪሕነት ስለዝገጠሞም”። ፍልልያትን ውሽጣዊ ግርጭታትን ኣብ ክንዲ ብልዝብ ምፍታሕ፡ ንፍልልያት ዘጋፍሑን ንግርጭታት ዘጓሃህሩን፡ ናይ ታህዲድ (blackmailing)፣ ጸለመ (maligning)፣ ጠቐነን (denigrating)፣ ምንጻልን (marginalizing) ዘመተ፡ ኣንጻር እቶም ንሓሳቡ ዘይድግፉ፡ ምክያድ ከምመሳርሒ ዝጥቐም መሪሕነት ስለዝገጠሞም ኢዮም ምልጋስ ከምኣማራጺ ወሲደሞ ጸኒሖም። እዚ ካኣ ዓይኑ-ዘፍጠጠ ናይ መሪሕነት ፍሽለት ኢዩ ነይሩ። ዝባኣሰ ካኣ፡ መሪሕነት ኣብ ክንዲ ዝሓለፈ ታሪኹ መዚኑ፡ ካብ ተሞኩሮታቱ ተማሂሩ ገይጋታቱ ዝእርም፡ ይዕወት ኢየ ዘለኹ እንዳበለ ነብሱ ከዕሹ ምምራጹ ኢዩ።

ሰዲህኤ ናብዚ ሎሚ ዘለዎ ኩነታት ኣብ መጨረሻ ንክበጽሕ ዝገብሩ ምኽንያታት’ውን እዞም ከምዚኦም ዓይነት ባህርያትን ኣካይዳን ላዕለዋይ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር ኢዮም። ላዕለዋይ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር ማእከል ዝገብረ፡ ብንጽል ይኹን ብእኩብ፡ ቀጻሊ ናይ ተጻይ ዘመተታት (ታህዲድ ፣ ጸለመ፣ ጠቐነን ፣ ምንጻልን) ኣንጻር እቶም ንባህርያትን ኣካይዳን ላዕለዋይ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር ብምቅዋም፡ ላዕለዋይ መሪሕነት ገይግኡ ክእርም ቃልሲ ዝገብሩ ዝነበሩ መሰረታትን ታሕተዎት ኣካላት ሰልፍን ተኻይዶም ኢዮም። ነቶም ብደገፍቶም ኢና ዝብሉ ኣባላት ኣብ ታሕቲ ዝስንደዉ ዘይተገርዙ ዘረባታት (ኣብዚ ንምድጋሞም ስለዘጸይፍ፡ ምዝራቡ ይትረፈና) ገድፍና፡ ነቶም ብኣባላት ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፊ ነበር ዝውርወሩ ዝነበሩ ወስታት (ዝሃውተቱ፡ ሁውቱታት፣ ዝተጀነዱ፡ ጁኑዳት እንዳበልካ ኣብ ህዝቢ ዘመተ ምክያድ፣ ክሳድና ክንህበሉ ኢና፡ ሕቖና ክንህበሉ ኢና፡ ናታትኩም ኣይዓጠናን ኢዩ እንዳበልካ ፈኸራን ምፍርራሕን ምግባር፣ ዘይከዱ፡ ይኺዱ እንድበልካ ናይ ምንጻል ዘመተ ምክያድ፣ ወ.ዘ.ተ.) ጥራሕ እኳ እንተራኣና፡ ዓላመኦም፡ ንኣባላት፡ ከምቶም ዝቐደሙ፡ በብሓደ ከምዘልግሱ ንምግባር ኢዩ ነይሩ። ይኹን’ምበር፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፉ ጽሑፋት ዝተገልጸ፡ ብሳላ ቃልሲ መሰረታትን ታሕተዎት ኣካላት ሰልፍን፡ ከምቲ ዝሓሰብዎ ስለዘይሰለጦም፡ ኣብ መጨረሻ፡ ንባዕሎም ዝሓዙ ሒዞም ካብ ሰዲህኤ ተፈልዮም ኢዮም ከይዶም። እቲ ገዲፎሞ ዝኸዱ፡ ንመሰረታትን ታሕተዎት ኣካላት ሰልፍን ዝሓዘ ኣካል፡ ተልእኾታትን ዓላማታትን ስዲህኤ ንምትግባር ኣብ ቃልሱ ቀጺሉ ኣሎ። እቶም ብሰንኪ ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፊ ነበር ብብጊዝኡ ነብሶም ኣግሊሎም ዝነበሩ ኣባላት ሰዲህኤ፡ ኣካል ናይቲ ናይ ምእራም ቃልሲ ከካይድ ዝጸንሐ መሰረታትን ታሕተዎት ኣካላት ሰልፍን ዝለዝኾኑ፡ ብመንፈስ ይኩን ብኣካል ቦቶኦም ኣብ ሰዲህኤ ኩሉ ጊዜ ሕሉው ኢዩ። ስለዝኾነ፡ እዚ ሕጂ “እግሌ እኮ ካብ ሰልፊ የለኹን ኢሉ ኢዩ ከይዱ ነይሩ፡ ሕጂ ከመይ ገይሩ ሰዲህኤ ኢየ ይብል” ዝዓይነቱ ናይ ዓቕሊ ጽበት ዘረባ ዝዝረብ ዘሎ፡ እቶም ተዛረብቱ፡ ባህርን ዲናሚካዊ ጉዕዞን ናይቲ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ቃልሲ ከምዘይተገንዘብዎ ዝሕብር ኢዩ። ሰዲህኤ ኣንጻር “ዓማጺ፣ ኣግላሊ፣ ከፋፋሊ፣ ነጻጊ፣ ሸፋጢ፣ ኣታላሊ፣ ወ.ዘ.ተ.”  ባህሪያት መራሕትን መሪሕነታዊ ትካልን ዝቃለስ ሰልፊ ስለዝኾነ፡ ኣንቱም ተዛረብት’ውን ነዚ ምስበቓዕኩም፡ ኣብ ሰዲህኤ ቦታኹም ሕሉው ኢዩ ክኸውን።

ለ) ኣብ ርእሲ ሕጋዊ ስርርዕ ተደራቢ ዘይሕጋዊ ስርርዕ ምፍጣር

ነቶም ብሕጋዊ ጥርናፈ (ዞባ፣ ጨንፈር፣ ወ.ዘ.ተ) ዝነበሮም ኣባላት ሰልፊ ዝቐርቡ ዝነበሩ፡ ንባህርያትን ኣካይዳን ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፊ ነበር ብምቅዋም፡ ኣብ ሰልፊ “ልዕልና-ሕጊ ይከበር፣ ፍትሕን ርትዕን ይንገስ፣ ዲሞክራሲ ይሰስን፣ ሓድነት ይትዓቐብን ይታሓሎን፣ ወ.ዘ.ተ.” ዝብሉ ሕጋዊ ሕቶታት፡ ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፊ ነበር ዘይሕጋዊ ተደራቢ ስርርዕ ብምግባር ነቲ ሕጋዊ ስርርዕ ብምፍራስ ኢዩ ምላሽ ክህበሎም ፈቲኑ። እቲ ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ 2017 ዘጋጠመ ተረክቦ ኣካል ናይዚ ኣገባብ እዚ ኢዩ ነይሩ። ከምቲ ተደጋጊሙ ዝተገልጸ፡ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ፡ ብዞባዊ መሪሕነቱ ኣብሉ፡ ነቶም ላዕለዋይ መሪሕነት ሰዲህኤ ዝፍጸሞም ዝነበሩ ገይጋታት (ምጥሓስ ቅዋም ሰልፊ፣ ምግሃስ ልዕልና-ሕጊ፣ ወ.ዘ.ተ.) ብምእራም፡ ኣብ ሰልፊ ንቡር ናይ እሂን-ሚሂን ሃዋሁ ንኽፈጥር ዘይተሓለለ ቃልሲ ኣካይዱ ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ ላዕለዋይ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር፡ ኣብ ክንዲ ገይግኡ ዝእርም፡ ነቲ ክእርም ዝቃልስ ዝነበረ ሕጋዊ ኣካል ብዘይ ሕጊ ንኸፍርሶ ኢዩ መሪጹ። ነዚ ንምግባር ካኣ፡  ሓንቲ ጉጅለ ውሽጢ-ውሽጢ ብምስራዕ፡ ኣብታ ርእሲ ሕጋዊት ናይ ዞባ መሪሕነት፡ ዘይሕጋዊ ተደራቢ ስርርዕ ክፈጥር ወሲኑ። በዚ መደብ እዚ መሰረት፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ነበር፡ ስርዒት ሰልፊ ብምጥሓስን ብዘይ ናይ ዞባ መሪሕነት መደባትን ምስዞም ካብ ሕጊ ሰልፊ ወጻኢ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንኽረከብ ናብ ኣመሪካ ኣብ  2017 መጺኡ ቅዋም ሰልፊ ብምጥሓስ ካኣ ኣፍልጦ ሂቡዎም ነይሩ ኢዩ። ብተወሳኪ፡ ኣብ 09 ሓምለ 2017 ዘይሕጋዊ ናይ ተለኮንፈረንስ ኣኬባ ምስታ ጉጅለ ከምዝገበረ’ውን ዝፍለጥ ኢዩ። እዚ ቅዋማዊ ጥሕሰታት እዚ ናይቲ ብቐጻሊ ብመሪሕነት ሰልፊ ክካይድ ዝጸንሐ ንመሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ኣዳኺምካ ብመሪሕነት ሰልፊ ዝደልይዎም ሰባት ናይ ምትካኣ ዘመተ መቐጸልታ ኮይኑ፡ መሪሕነት ሰልፊ ማእከል ዝገበረ ሰልፊ ናይ ምብታን ሓደገኛ ወስታ ኢዩ’ውን ነይሩ። ኣብ ዞባዊ ጉባኤ ዝተመርጸት ሕጋዊ ዞባዊ መሪሕነት እንዳሃለወት፡ ንዞባ ብወኪል ኣቦ መንበር (ብኣብ ጉባኤ ዘይተመርጸ ኣባል) ኣብልካ ከተማሕድር ምፍታን: ዘይቅዋማውን ንልዕልና-ሕጊ ዝጋሃሰን ኢዩ ነይሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ካብ መጽሓፍ መለኽቲ (the playbook of dictators) ዝተወስደ ጥበብ ኢዩ’ውን ነይሩ። እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ወስታታት፡ ብሳላ ቃልሲ መሰረታትን ታሕተዎት ኣካላት ሰልፍን፡ ከይተዓወቱ ምስተረፉ ኢዩ ናብ ዘይሕጋዊት ጉጂለ ውሽጢ-ውሽጢ ምስራዕ ተኣትዩ።

እሞ እንታይ ዳኣ ኢዩ፡ እታ ኣቦ መንበር ሰልፊ ነበር ንሕጋዊ ስርዒት ዞባ ኣመሪካ ብዘይ ሕጊ ንኸፍርስ ከም መሳርሒ ዝተጠቕመላ ዘይሕጋዊት ጉጅለ፡ ኣብ 2017 መራሕተይ መሪጸ ኢላ ከምዘይገለጸት፡ ሕጂ ህጹጽ ጉባኤ ገብረኩ እባ ኢላ ከምሓዳስ ኮይና ናብ ህዝቢ ክትቀርብ ትደሊ ዘላ?  ንሓሶት ትበጽሓ/ተዋጋዓ ቅጥፈት” ዝባሃል ከምዚ ኢዩ ንብለኩም። ካብኡ ሓሊፉ ግን፡ ከምዝፍለጥ፡ ብዓንቀጽ 5.10.2 ቅዋም ሰልፊ መሰረት፡ ዞባዊ ጉባኤ ሰሜን ኣመሪካ እቲ ዝላዓለ ስልጣን ሰልፍ ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ኢዩ። መሪሕነት ዞባ ካኣ ብዓንቀጽ 5.9.1 ቅዋም ሰልፊ መሰረት፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ኩሉ መዳያዊ ዕማማት ሰልፊ ይመርሕን፡ ዕዮታት ንኡስ ዞባታት የዋሃህድን የማእክልን። እዛ ጉጅለ እዚኣ ግን፡ ካብ ሕጊ ሰልፊ ወጻኢ፡ ብባርኾት ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፊ ነበር ብውሽጢ-ውሽጢ ዝተወደበትን መሪሕነታ ዘቖመትን፡ ዘይሕጋዊት ተደራቢ ስርርዕ ኮይና፡ ሰልፊ ናይ ምፍራስ ተልእኮ ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፊ ከተተግብር ዝጸንሐት ምዃና፡ ህዝቢ ከፈልጦ ኣገዳሲ ኢዩ።



NO COMMENTS

LEAVE A REPLY