ሓደ ሰባኺ ናይ 54 ሚሊዮን ዶላር ነፋሪት ዓድጉለይ ኢሉ!!

0
99


ኣብ ፍሉጥ ቴሌቪዥን ሰሜን ኣሜሪካ ዝሰብኽ ነብዪ ጆሴ ዱፕላንቲስ “እየሱስ ብኣድጊ ክኸይድ ኣይክእልን” ብምባል ሰዓብቱ ናይ ዉልቀ ነፋሪት ክዕድጉሉ ሓቲቱ።

The picture of the crazy American Televangelist Jesse Duplantis who is asking his followers for $54 million to buy a new private jet. 

እዚ ሰባኺ ሰለስተ ናይ ዉልቀ ነፈርቲ’ኳ እንተሃለዉኦ ካብ’ቶም ምእመናት ግና 4ይቲ ዉልቀ ነፋሪት ክትዕደገሉ ይሓትት’ዩ ዘሎ።

እቲ ሰባኺ ከምዝብሎ እንተድኣ ኾይኑ እግዝኣብሄር ዓድግ ዝበሎ ነፋሪት ፋልኮን 7X’ ዝተብሃለ ኮይኑ፡ ዋግኡ ድማ 54 ሚሊዮን ዶላር’ዩ።

ነብይ ዱፕላንቲስ እዚ ናይ ዉልቀ ነፋሪት ዓድግ ክበሃል ከሎ፡ “እቲ ትእዛዝ ክቕበል ተወላዊለ ነይረ” እንትብል፡ “ንስኻ ኽፈል ኣይበልኹኻን ክህልወኒ’ዩ ኢልኻ ግና እመን’የ ዝበልኹኻ ክብል እግዝኣብሄር ገሊጹለይ” ኢሉ።

ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ቁጽሪ ዉልቀ ነፈርቲ ዘለዎም ሰበኽቲ ዉሕድ’ኳ እንተዘይኾነ፡ እዚ ሰባኺ 4ይቲ ነፋሪት ዓድጉለይ ምባሉ ግና መራኸብቲ ሓፋሽ የዘራርብ ኣሎ።

እዚ ወዲ 68 ዓመት ፍሉጥ ሰባኺ ነብይ ዱፕላንቲስ ብምስሊ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ “ነፋሪት ንዓይ ሓድሽ ነገር ኣይኾነን። ሰለስተ ኣለኒ’ዩ። ተጠቒመ ግና ንእየሱስ ክብል ኣንዲደየን’የ” ኢሉ።

ኣብ 2015 ሰባኺ ዱፕላንቲስ ኬኔት ኮፕላንድ ምስ ዝበሃል ካልእ ሰባኺ ኾይኑ ብምስሊ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ከምኡ ዝበለ ዓብዪ ሰባኺ ኣብ ናይ ህዝቢ ነፋሪት ክድይብ ምርኣይ ከምዘሕንኽ ንምግላጽ “ኣብ ናይ ህዝቢ ነፋሪት ምስፋር፡ ካብ ኣብ ዉሽጢ ትቦ ምስ ኣጋንንቲ ምዉዓል ኣይፍለን” ኢሉ ነይሩ።

Source BBC Tigrinya!



NO COMMENTS

LEAVE A REPLY