ሕሹኽሹኽ ኣብ ኣኸባታት ሰ.ዲ.ህ.ኤ.!!

0
51


ኣቐዲመ ንኣንበብትን ተኻታተልቲ ወይብ ሳይታት ሰላምታይ የቕርብ ከመይ ቀኒኹም ፤ ከምቲ ኣብ ቀዳመይቲ ጽሕፍቲ ዝተማባጻዕኩ ጉሉጽነት ምጅማርን፣ምድህሳስ ኣብ ውሽጢ ውድባት/ምንቅስቓሳት ብንተይ ዓቕሚ ድልየት ናጻ ኾንካ ወረ መሃብ ክጅመር ኣለዎ ዝብል ተበግሶ፣ ስጋብ እተን ውድባት ምንቅስቓሳት ዝቕበልኦ ናይ ምንጻግ ባህሪ ዘየርእያን ክፍተን ኣለዎ ብምባል ነቒለስ፣እዚ ኣብ ዕላምኡ ረጊጹ ነብሰ ምትእምማን ዘለዎ ዝመስል ሰ.ዲ.ህ.፣ናጽነትን አብላቱ/ወዲሰብ ብጉቡእ ዘኽብር ንተቦግሶትስት ዘይዕንቅፍ፣እሩም ክትከዉን ገዲድካ ዘይኮነስ፣ኣብ ንቕሓትን ፍልጠትን ዝተሞርክሰ ሓቢርካ ምስራሕን ምውህሃድን ዝኣምን ብዙሕነት አብ ሓድነት ዝምርኮስ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ዝሓዘ ይመስል፣እዚ ኢለ ስለ ዝተረዳእኩ ነዚ ተብግሶ ጀሚረ ክቕጽሎ እየ እውን ይብል፣ ኩሉ ሓልፍነት ጉድለት ይኹን ፖለቲካዊ ተወካስነት ኣነ እየ። መአርምታ ይኹን ነቐፈታ፣ሕቶ፣ ምኽሪ ተቐባላይ ምዃነይ እናሓበርኩ፣ እቶም ብተገዳስነት ን-ጽሑፋተይ እትዝርጉሑ ባኻትኩም አቢሉ ኽመጸንን ኽትቕበሉለይ/ከተማሓላሉፍለይ ብትሕትና ይላቦ።

ኣብ ኣርእስተይ ብምእታው ካብ ጹሑፋት ዶክ. ገብረመስቀል ብምጥቃስ፦ሰ.ዲ.ህ.ኤ. እቴሰገደ ኣታሓሳስባ እዩ። ብብቱን/ብንጽል ክረአ ከሎ ካኣ ሓቂ፣ፍትሒ ፣ሰላም፣ቅሳነት፣ፍቕሪ፣ ሕድሕዳዊ-ሲኒትን-ሓድነትን ዝብላ ኣምራት ይውክል። ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ዝልበስ ስነ-ኣእምራዊ ምንፈስ እምበር ዝጭበጥን ዝድህሰስን ባእታ ኣይኮነን። ብዝተገብረ ሓድነታዊ ኪዳን ዝተፈጥረ ናይ ሓድነት፣ ሰላም፣ሲኒት፣ብሩህ መጻኢ ተስፋን መንፈስ እዩ።መስርሕ ሓድነት በቶም ነዚ መንፈስ እዚ ዝለበሱ ባእታት ብቐጻሊ ክኹስኮሱን ሕድሕዳዊ ምትእምማን ክምገቡን ይግብኦም።……ወዘተ፣ትንታኔኡ ብምቕጻል፣ስለምንታይ ነዚ ብኸምዚ ኣጋባብ ዝተሃንጸን፣ተስፋ ህዝቢ ተሓዲሩሉ ዝነበረ ተቘጽዩ፣ከምቲ ዝነቐሎን ክህቦ ዝነበሮ ፍረ ክህብ ዘይካኣለ መን እዩ ዓጋቲኡ፣ብኸመይን ስለምንታይን ኣነጺሩ ገሊጽዎ ስለ ዘሎ ናብቲ ሃብታምን ብዙሕ ጹሕፋቱ ኣብ ዝተፋላለያ መርኻቢ ቡዙሓን ክትረኽብዎ ስለ ትኸሉ ናቡ ከድኩም ከተናድይዎ ይሕብር።

ካልእ ጹሑፋት እዉን ከም ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር ኢሉ ዝጽሕፍ ካብቲ ተፋላለየ ጽሕፋቱ ኣብታ፣ ብዙሑነት/ድርቡነት(pluralism)ትብል ዓንቀጽ፣መምህር ሳርቶሪ ብምጥቃስ፣ብዙሕነት ዝጅመረሉ፣ካብ ተቛምነት ዘለወን፣ ናይ ራኢ ፍልልይነትን፣ ምንጽጻር/ ምውድዳር ዝትርጎሞሉ ኮይኑ፣ ነዞም ባህርያት እዚኣቶም ክትጥቀሞሎም ሕማቕ ኣይኮነን፣ ውግእ ሕድሕድ ሳዕበኑ ውድባውን መንግስታውን ዕንወት የከትል።… ወዘተ ብሓጺሩ ድሩብነት ሓደ ሰፊሕን ሉእሙን ማእከላዊ ባይታ ብምሓዝ ናይ ፍልልያነትን/ብዙሕነትን ነጻ ኮይንካ፣ምሕሳብ ዘለወን ውዳበ፣ ንማሕበራዊ-ሂወት ዘይጎድእ፡ንፍልጠት ዘህብትምን ዲናሚክ/ንጡፍ፣ ኮታ ንለውጢ ዝዕድም ዝሕግዝን እዩ። እዚ እንተ- ደኣ-ኾይኑ እቲ ስነሞጎት፣ኣብ ፍልልይ፡ ዝፍቅዶ ስነ-ምግባር ድኣምበር፣ኣብ ሓደ-ዝዓይነቱ ዘይቕየር ስነ ሓሳብ ኣይኮነን።

መቐጸልትኡ ናባታ ዝወጸት ጽሕፍቲ ክትካታተልዎ ብምዕዳም፡ እቶም ክልተ ጻሕፍቲ ነቲ መንቀሊ ናይ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ዝገልጹ ስለ ዝኾኑ እየ ጠቒሰዮም።ኮይኑ ግን ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ከመይ ኢሎም ኣብዚ በጺሖም፣ ከመይ እዩ ነይሩ እቲ ዘካይድዎ ዝነበሩን ዘለዉን ዘተ፣ ኻብቲ ወግዓዊ ዘውጽእዎ መግለጺ እንታይ ይፈልዮ ዝብል ሕቶ ክመጸካ ባህርያዊ እዩ።ነዚ ንምብራህ ዝነቐለ ኣጻሓሕፈይ፣መቸስ ካብ ብናተይ ትዕዝብቲን ምርዳእን እዩ ዝነቅል። እቶም ቀንዲ ዘካትዑ ኣረስታት፣

  1. ስለምንታይ ንሕና ኸም ቀጸልቲ ንብሃል ? ኣባላትና/መሰረታትና ብፍላይ፣ደምበ ፍትሒ ብሓፈሻ.፣ህዝቢብሓበራ፣ ይርዳኣናዶ ?ይቕበለናዶ ? ከም ተፈንጨልቲ ጌሮም ከሪኡና ክፍትኑ እዮም፣ ብኸመይ ከይተጋራጨና/ከይተጓነጽና ከነረድእ ንኽእል ? መሪሕነት ነበር እዮም ን-ፕሮግራምን ቁዋምን ጢሕሶም ኢልካ ኽትገልጽ ከልኻ፣ ከመይ፣ኣበይ፣ መዓስ፣ ንምብርራሆም ዝወስድ ግዜ፣ዓቢ ትዕግስቲ ምጽውዋር ዝሓትት ኣብረሲ ምኳኑ ብፍላይ ነቶም ብንጽህና ተወዲቦም ዝቃለሱ ዘሎዉ፣ እዚ ኹሉ ናይ መሪሕነት ውዲታት ዘየስተባህለሉ ዘሎዉ ዶ ይመስል ? ነዚ ቁኑዕ ተቦግሶ ከም ገጋ ብምርኣይ ምራላዉን ሕልናዉን ኣይንጎድኦምንዶ ? ነቶም ኣብ ደምበ ፍጥሒ ዝውስኡ ዘለዉ ነቲ ብኣወንታዊ ዝርእየና ዝነበረ ብኣሉታዊ ኽርእየና ንገብርዶ ኣየለናን ? ዝብሉ ቡዙሓት ወከሳታትን ስግእታትን ሓላፍነታዊ ርእሰ መርመረታት ኽቐርቡ ኸለዉ፡ካብቲ ብዝያዳ ዘታሓሳስብ ወኸሳ፣ ናይ እቲ ቀዳማይ ጸላኢ ስርዓተ ውልቀ መላኺ ነቓዕ ረኺቡ እዚ ዘይብሃል ፕሮፓጋንዳ አብ ርእሰናን ደምበ ፍጥሕን ከውርድ ጠንቂ ዶ ኣይንኸውንን ኣለና ? እውን ዝብል ሓላፍነታዊ ስኽፍታት ነይሮም እዮም። ኮይኑ ግን ነዚ ከምዚ ዝኣመሰሉ ሕቶታትን ስኽፍታትን ንንወስዶ ስጉምትታት ብሓላፍነት ክውሰድን፣ ካብ ጎዳኢ ጠቓሚ ኮይኑ ኽወጽእ፣ነዚ ኩሉ ርእይታት ብረቀትን ትንታነን፣ ብተዕግስትን/ሉዙብ እምነ-ሓሳብን፣ ብኹሉ ዓይነታቱ ፖለቲካዊ-ማሕበራዊ-ቁጠባዊ ጎድንታቱ እና ራኣኻ፣ነዚ ዘይውጻእ ዓቐበት መሲሉ ዝርኤ፣ዲሞክራስያዉን ግዝ ኣተ-ሕጋውን መሳልል ከም ዘለዎን፣ተረዲእካ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብ ግዚኡን፣ውሳኔ እንተ ዘይወሲድካ፡ናይ ታሪኽ ተሓታቲ፣ነቲ ባዕልኻ ዝወሰድካዮ ሓላፍነት ዘይቶርጓሚ፣ ንህዝቢን – ንመሰረታት ዝሃብካዮም መብጽዓ ጠላሚ ካብ ምዅዋን፣ ንዚ ኹሉ ስንጭሮታት ጠሓሒስካ፣ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ትጓዓዘሉ መርሆ/ጎደና ቃልስን-ዓወትን ምምራጽ ይሃይሽ። ንመጀመርያ እዋን ኣብ ውድባት ካብ መሰረታት ምስ ክፋል ኣብልት ምሪሕነት ዓገብን መኣረምታ ብቓልዕ ዘርኣናን በቢውግና ዝረኸብናዮ ደገፋትን ናእዳን እንርእዮ ዘሎና እዉን ሱዉር አይኮነን፡፡እዚ ክኣ ኣብ ጐዕዞ ቓልስናታትና ከም ተምክሮ ስለ ዘይጸንሐ ብሩህ ኮይኑ፣እንታይ ደኣ ኣብ ምንቃሉ ተቘጽዩ-ተኣጊዱ- ተዓምጺጹ ክኸይድ ስለ ዝጸንሐ እዩ፡፡ነዚ ሰጊርና ዘቕርብናዮ መአረምታ ሓሳብት/ስጉምታትን እቲ ዘድደልዮ ሽቶ ሓድነት ክበጽሕ ዝዓገተ መሪሕነት ነበር፣ እዩ ሓልፍነት ዝስከም፡ካብ መስርሕን ፕሮግራምን ቅዋምን ብጋሀዲ ጢሒሱ ዝጓዓዝ ዘሎ ንሱ እዩ፡፡ንሕና ግን ንዝጀመርናዮ ቓልስን ዕላማን ራኢን ተልእኾን ንምትርጓምን፣ ዘጽደቕናዮ ፕሮግራምን ቅዋምን ኣኽበርትን ኣማላእትን ኢና። ዝብል ብተደጋጋሚ ሓሳብት እውን ይወርዱ ነይሮም።
  2. ፍልይ ዝበለ ሓሳብ እዚ ስጋብ ሕጂ ዝተኻየደ ናይ ደምበ ፍትሕን ዲሞክራስን ኣጋባብ ቓልስታት፣ ኩሉ ፈሺሉ ዋላ ሓንቲ ቁምነገር ዘየተግበረ፣ ከምኡ ናብ ሓድነት-ማለት ናይ ሓባር ጽላል ናይ ሓባር ባይቶን ፣ ኣፈ ባይቶ፣ ማለትስ ብሓደ ኣፍ ክዛረብን ክዋሳእን ዘይብቕዐ፣ካብዚ ዝመጽኦ ሳዕቤን፣ህዝብና ክምቲ ክኸዉን ዘለዎ ክዋሳእን ክዓስልን ኣይካኣለን ኣይተራእየን፤ ስለዚ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ጋባብ ቃልስና፣ ሒዝናዮ ክንጓዓዝ ዝጸናህና መደበስርሓትን ፕራግራምን ቅዋምን ስምናን ኩሉ ብሓዲሽ ኣጋብብን መስርዕን ተውዲብና፣ንህዝቢ ዝስዕቦን ማእከል ኑሱ ምዃኑ ተረዲኡ ዝዋሳኣሉ፣ እንተዝግበር ምስተመርጸ ዝብል ሓሳብ እዉን ነይሩ፡፡
  3. እቲ ብብዝሒ ተመሳሳላይ ሓስብ ዝነበሮ ኮይኑ ረኺበዮ፣ እቲ ዝብሃል ዝነበረ ንምድጋም፣ንሕና ውሒድና በዚሕና ዘይኮነ እቲ ቐንዲ ሓሳብ፣ መንቀሊና እንታይ እዩ ?ኻበይ መጺእና ? ናበይ ንምጓዓዝ ኣለና ? ናበይ ንምብጻሕ ?ዝብላ ኣገደስቲ ሕቶ ምስ እንምልስ፡ ኩሉ እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ስኽፍታት፣ጠርጠራ፣ዝተዋህበ መግለጺታት ኩሉ ነናቱ ሓቅታት ኣለዎ፤ ስለዚ ኸኣ እዩ እቲ ብዙሑነት መሰረት ዲሞክራሲ ኢልና እንገልጾ። ስለዚ ይብሉ እዞም የሕዋት መንቀሊና ነዚ ብደምና-ብዓጽምና-ዝመጸት ሃገር፣በጋባብ ረፈረንድም 99.89%ንናጽነት ሃገር ዘራጋጋጸ ህዝብና፡ናብ ግዝኣተን ሕግን ፍትሕን ንክህነጽ ክጓዓዝ ጀሚሩ፣ ስጋብ 1997 ቅዋም ሃገር ኣጽዲቑ ንብዝሑነት/ድሩብነት ናጻ ፕረስ ዝጀመረሉ፣ሕገ ሰልፍታትን ምርጫን ነዲፉ ናብ ምትርጓሙ እናነቀለ ከሎ ብዘይ ሓሰቦን ዘይደለዮን ኣብ ዶባዊ ውግእ የእቱዩ ንኸይትግበር ዝገበረ ስርዓተ፣ ካብኡ ሓሊፉ ነቶም ስልጣን ንህዝቢ ይስረከብ፣ቁዋም ይተርጎም ንዝበሉ ዓበይቲ ሰበስልጣን ይኩኑ ሓለፍትን ጋዜጣታን ጋዜጣኛታን፣ዓበይቲ ዓድን፣ ኣደታትን የሕዋትን፣መንእሰያትን፣ዝኣሰረ ዲክታተር ካብ ስሩ ቦንቊስካ፣ዲሞክራሲያውንን ፍትሕን ግዝ ኣተ-ሕግን ዘለዋ ሃገር ክትህልወና ዝጽዕርን ዝቃለስን፣ ዱሩቡነት/ቡዙሕነት ዝመሰረቱ ዲሞክራሲ፣ኣብዝሐ ሰልፍታት ዘፍቅድ፣መሰላት ደቂሰባት ዝጣበቃ ሲቪካውያን ማሕበራት ዝስስናሉ፣ናጻ ፕረስ ዘፍቅድ፣ናይ እምነትን ትካላት ብነጻ ዝዋሳኣሉ ባይታ ዘለዎን፣ብ- በርገሳዊ መንግስቲ እትማሓደር ሃገር፣ክሊቲኦም ትካላት ኣብ ነንሕድሕዶም፣ ጣልቃ ዘይታኣታተዉ፣ነንሕድሕድ ምክብባርን ምትሕግጋዝ ዘዘውትሩ፣ እንኣምን ኢና፡፡

ናበይ ገጽና ንጓዓዝ፣ ንዝነቐልናሉ ዕላማ-ራኢ-ተልእኮ ንምትግባር፣ ንዘሕለፍናዮ ፕሮግራምን ቅዋምን በጋባቡ ንምትርጓምን፣ ካብ ምስጓግ ምጥርናፍ፣ ካብ ምድስካል ንጡፉኑን ተንቃሳቐሲን ምዃን፣ነቶም ኣብ ሕጊ ተሞርኲሶም መሪሕነት ዞባታትን ጨናፍርን ዝተመርጹ፣ ብዘይካ እቲ ዝመረጾም ኣካል እንተዘይኮይኑ ብላዕሊ መጺኡ ምወራድን ምስቃልን ዘይቅበል፣ ምዃና ብብሩህ እንፈልጥ፡፡ ጕዑዞና እምብኣር ብዙሑነት/ምክብባር/ሓድነት መሳርሕና ኮይኑ፣ ንኹሉ ተጻብኦታት/ብድሆታት ጠሐሒስካ-ወጺእካ ነቲ ካብ ነዊሕ ትጽቢት ዝተገብሮ፣ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ዝደልዮ፣ሰፊሕ ዲሞክራሲያዊ ጽላል ብዕቱብ ንምብቃዑ ምስራሕ ክኸዉን እዩ፡፡ ናበይ ንምብጻሕ፣ እታ ካብ ነዊሕ ህዝብና ዝደልያ ዝጽበያ ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ንኽትመጽእ ጊደና ክንገብርን ነዚ ንምብጻሕ ክኣ ብቐዳምነት ንሕና ኣኽበርቲ ሕግን ግዝኣተ-ሕግን ክንከዉን ከለና እቲ ንህዝብና ዝሃብናዮ መብጽዓ ኸይንጠልምን፡ ንነብስና ብድልይየትና ናይ ፍትሒ ተቓለስቲ ክንከዉን ካብ ሓጸናያ፣ነዚ ዓጊቱ ሒዙና ዝጸንሐ መቑሕ እንሰብርን፣ ኣብ ውሽጣዊ ግርጭጥት ኣጥሊቑ ኣብኡ ምስ ጠሓልካ ክትወጽእ ከምዘይትኽእል ጌሩ ሒዙና ዝጸንሐ፣ መሪሕነት ነበር እነጋልጽ፣ በቢ-ሓደ ይኩን ብእኩብ እናሰጎገ በቶም ኑሱ ዝደልዮም እናተከ ዝመጸ መሪሕነት ነበር እንነጽግ፣ ነቶም ብዑቱብ ክሰርሑ ዝፍትኑ ሕልንኦም ኣድኪሙ ሰልፊ ገዲፎም ክኸዱ ኡኩይ ስትራተጂ ዝተጠቕመን፣ ባይታ ናይ መቅለሲ ዝዓጹ መሪሕነት ነበር፣ናይዚ ስልታቱ ተኻፈሊ ኻብ ምዃን ነጺግካ፣ ነቲ ተበገስካሉ ዕላማን ራኢን ተልእኾን ንምትርጓምን ኮይኑ ጐዕዞኻ፣ እስኻ ኢኻ ኣብ ቁኑዕነት ዘላኻን ኣብ ዕላማኻ ጸኒዕካ እትርከብ።መርሕነት ነበር ግን ናቱ ጉጅለ ሒዙ ኸይዱ፣ንፕሮግራምን ቋምን ሲሒቱ።፣

ንሕና ግን ኣብ መተክልና ጸኒዕና ምቕጻል መሪጽና፡ንምቕጻሉ ዝኽልክለለና ሕጋዊ ይኹን ዕላዊ ዋላ ሓደ የለን፡ ግብርናን ስራሕና ክኣ እዩ ምስክርና ክኸዉን ዝኽእል።ስለዚ እቲ ኩሉ ዝቐረበ ልቦና ዝመልኦ ስኽፍታት ሕቶታት ብህርያውን ክቐርብ ዘለዎን ኮይኑ፡ጽንዓትን ትዕግስትን ተዓጢቕና ኣብ ነዊሕ ጐእዞና ተዓዋቲ እዩ ክኸዉን ዝኸል፤ እቲ ክንገብሮ ዘለና ኣብ ጸርፍን ምትህልላኽን ክንኣቱ የብልናን፣ ምኽንያቱ አብ ጕዕዞ ምስ ኩሎም ንፍትሒ ንቃለስ ንብል ኣብ ሓደ ጽላል ንምምጻእ ንጽዕር ምዃና ኣብ ቅድሜና ክርኣየና አለዎ። እንተ እቲ ደምበ ፍትሒ ከምቲ ዘድልዮ አይሰርሕን አብ ፍሕ-ጭንግራሕን ዝናብርኡን ህዝቢ ካቡ ዝሃድምን ካብ ኮነ ስርበተኽ ለውጢ ገርና ህዝቢ ዝማእከሉ ቓልሲ ነካይድ ዝብልዉን ዝንጸግ ዘይኮነስ፣ እንተ ደኣ እቲ ናይ ለውጢ ሓሳባት ሒዝና፣ ዘንቀለና መሰረታዊ ምጥርናፍ፣ ሓቢርካ ምስራሕ፣ ኣብ ዕዮ ዝተሞርኮሰ ምትእምምማናት ገርና፣ ቕድሚ ሕጂ ተገይሮም ዘይፈልጡ፣ከም ሱር በተኽ ዝቑረጽ፣ንኹሉ ተሞክራትትና ሰጊሩ ብስራሕ ምስ ዝትርጎም እዩ ለውጢ ክርአ ዝካኣል። ስለዚ ክኣ ኣሳራርዓ መደበ-ስርሓትናን፣ መንቀሊናን፣ተኸልኪሉ/ተዓጊቱ ዝነበረ መደበ-ዕዮታትና እሞ ንተርጉም፣ ተሸፊኑ ዝነበረ መጋረጃ ክቕንጠትን ሓዲሽ ምዕራፍ ክኸፍትን እዩ ኽብሉ፣ናይ እንካን-ሃባን ዘተ ኣካይዶም።ስለዚ ዝበዝሐ ጊዜና አብ ውድባዊ ስርሓት ኣድሂብና፣ ንዝመጸና ነቐፈታ ኣራሚ ዝኾነ እናተቐበልና ባይታ ዝሓቶ ሕቶታት ክንምልስን ጌጋ ምስ ንገብር ክንእረም ቁሩባት ምዃና ዋና መስርሕና ምዃኑ ምእማን። ጉሉጽነት እንጥቀም፣ ኩፉት ዉዱብ ኮይና፣ ብውልቀ ይኹን ቡኡኩብ ብሓንሳብ ኽንሰርሕ ንዝብሉ ዜጋታትና ቁሩባት ምዃና ፉሉጥ ክኸዉን ምጽዓር። ኣብ ዝመጽእ ዝተፋላለያ ቤት ጽሕፈታት ቆይመን ኣለዎ ብከመይ ክም ዝቖማ፣ ከምኡ ናይ ገምጋሚትን ኣድላዊትን እዉን ወጺአን ስለ ዘለዋ ብዛዕበኤን ከውሪ እየ። ብኣንጻሩ ፖለቲካዊ ጸለመታት፣ ናብ ሰባት ዘተኮረ ኣረጊት ኣጋባብ መጥቃዕቲ ይርአ ኣሎ፤እዚ ግን እትጽበዮ ባህርያዉን እዩ። ዝጻረፍ ሰብ እሳ እያ እታ ዓቕሙ ካብኣ ንላዕሊ ክኸይድ ብዘይ-ምኽኣሉ ኢልካ እኳ ዝሕለፍ እንተኾነ፡ ዘገርም ግን ነቲ ታሪኻዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ክንድስም ዶክ.ገብረመስቀል ዝተጠቕመሉ ከተናሹን/ክትጻረፍን፣ነቲ እሱ ዘለዎ ትምህርታዊ- ሞያዊ መዓርግ ኣናኢስካ ምርኣይ ብሓቂ ከም-ሰብ ኑኡስ/ዘይረብሕ ጥራይ የብለካን፣ሰባት ባዕላቶ ክኣ ይኽዕብዎ። ይኩን እምበር እቲ ጹሑፍ ንባዕሉ መገመቲኡ እዩ።ብዛዕባ ሓርበኛ መስፍን ሓጎስ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ከምቲ እስኻ ዝገለስኻዮ ዘይኮነስ ናቱ ታሪኽ ኣለዎ ኣልዕል አቢልካ ፉጹም ሓሶት ዝኮነ ወረ ምውራይ ተመልሹ ንዓካ እዩ ዝሃርም፣ ምኽንያቱ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ንዋሳእ ዝነበርና አጸቢቕና ስለ ንፈልጥ። ስለዚ ነዚ ምምላስ አድላይ አይኮነን ጹሩይ ሓሶት ኢልካ ይሕለፍ።ኣብቲ ጹሑፉ ብዛዕባ ምርጫ እዉን ይዛሪብ ዘገርም ኣጋላልጻ። ኩሉ-ምርጫ ዘካይድ ዲሞክራሲያዶ የብሎ እዩ ??እቲ ዝድንጽወካ ተመሪጽካ ስለ ዝመጻእካስ ድልይትካ ክትገብር መበት ኣለካ ማለት ድዩ ?። አብ ዲክታተርነት ኑጉሳዉን ተዮክራስያውን ስርዓታት፡ እውን በጋባቦም ምርጫ የካይዱ እኳ እዮም።ኣብ ዲሞክራሲ ዝካየዳ ሃገራት እዉን እቲ ኣጋባብ ኣማራርጻ ብሕጊ ምርጫ እዩ ዝውስኖ፣ነቲ ዝመጽእ ምሕድራ ክኣ ይሰርዕ፣ ስለዚ ምርጫ ንገዛእ ርእሱ መስርሕ ናብ ስልጣን መብጽሒ ደአምበር፣ስለ ምርጫ ዘካየድካ ደሞክራሲያዉን ፍትሓዉን ኣየብለካን እዩ።ከምቲ አቀዲመ ዝበልክዎ፣ ኣብ ደሞክራሲያውያን ሃገራት ዝተፋላለየ ሕገ-ምርጫ ኣለወን፣ እቲ ክርዳኣና ዘለዎ ሕገ-ምርጫ እምበር መራጺት ኣካል ኣይኮነትን ወሳኒት። ብጥንቃቐ ክንምርምርን ክንፈልጥን ስለ ዘለና ጥልቕ ዝበለ መጽናዕቲ ኣብ ዝመጽእ ክንርእዮ ክንፍትን ኢና ዶክ.ገብረመስቀል ብሰፊሑ ገሊጽዎ እኳ እንተ ነበረ ተመሊሽካ ምብርሁ ከድሊ እዩ፡፡ ንግዚኡ አብዚ ጠጠው ይብል ከይነውሓኩም ኣብ ዝመጽእ የራኽበና።

ጉዱስ ኤርትራዊ



NO COMMENTS

LEAVE A REPLY