ሕሽክሹኽ ኣብ ኣኸባታት ሰ.ዲ.ህ.ኤ.!!

0
53


ራብዓይ ክፋል ፩ይ

ኣቐዲመ ንተኻታተልቲ ወይብ/ሳይትታት ሰላምትይ የቕርብ፡ ኣስዒበ ኣብ ዝሓለፈ 3ይ ክፋል እተን ቆይመን ዘለዋ ቤት- ጽሕፈታት ከመይ ኢለን ቆይመን፧ ብፍላይ ክኣ ፍልይ ዝበለ ስርሓት እተካይድ ገምጋምን/መጽናዕትን እተካናውን ከምኡ ኣሳናዳኢት/መስጋገሪ መድረኽ እትቕይስ ሽማግለታት ወጺኤንስ ኣቋዋውምኦምን፣ከማልእኦ ዘለወን ዕማማት ብናተይ ተረድኦን ሓላፍነትን ገሊጸ ነይረ፤ ሕጂ እውን ብንናተይ ሓላፍነት፣ ነዚ ዕማምት ዝተሸከማ ሽማግለታት፣ ን-ባይቶን መሰረታትን ተዛትዮም ዘቕረበ ሪኢቶታት መምሪሒ ጠርኒፋ ንኸቐርብ ንፈጻሚት ሽማግለ ሓላፍነት ተዋሂቡስ ብ ዕለት 24 ለካቲት 2018 ናብ ባይቶ ቐሪቡ ጸዲቑ ን-ዕለት 10/03/2018 ናይ ኩሎም ኣባላት ኣኼባ ብምጽዋዕ ባይቶ ዘጽደቖ ሓባሪ መሳሪሒ ከተፍልጦምን፣ እቶም ሓላፍነት ዝተሰከሙ ኣባልት ሽምግለ ከተላልዮምን፣ ርእይቶኦም ክትሰምዕን ምእራም እንተ አሎ ክእረም ስጋብ ናይ ምንጻግ መሰል ኣባላት ከም ዝኸብር ብሩህ ኮይኑ ተሳተፍን ኣሳታፍን ባህርያት ዝሓዘለ አኼባታት ይካየድ ከም ዘሎ ይርኢ ምህላወይ እናሓበርኹ፣ነዚ ናይ ሎሚ ምእንቲ ነዊሑ ከየሰልችዎኩም ብምባል አብ ክልተ መቒለ ከቕርቦ ክፍትን እየ።

መእተዊ ብ-ኣቦ ወንበር ሓው ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ ዝቐረበ፡

 ሀ. ሓጺር መግለጺ ዘቤታዊን፣ ዞባውን፣ ኣህጉራውን ጉዳያ

ለ. ብዛዕባ እዘን ክልተ ፍሉያት ሽማግለታት ከካይድኦ ዘለወን ስርሓት፣ብኣባላትን ባይቶን ተዘትይሉስ፣ተጠርኒፉን ተሰኒዱን ክመጽእ ን-ፈጻሚት ኣካል ዝተዋህበ ሓላፍነት ድሮ-ተቐሪቡ ናብ ኩሎም ኣባላት ባይቶ ስለ ተዘርግሐ ንኽጸድቕ ዝቀረበ።

ዛዕባ መግለጺ ኣቦወንብር፣ ኣሕጽር ኣቢለ ንምሕባር፣ ኩነታት ህዝብና ኣብ ውሽጥን ኣብ ዲያስፖራን ብሰንኪ እዚ ምልካዊ ስርዓት ዘጓንፎ ዘሎ ማሕበራውን/ፖለትካውን ጸገማት፣ዞባውን ኣህጉራዉን ኩነታት ብሓጺር ክንሪኦ ክንፍትን ኢና ።ካብቲ ዝሃቦ መደረ ክጠቅስ እንተደኣ ኾይነ፡ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ማሕበራዊ ሂወት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍኤ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ህዝብና ንዕዳጋ ወሪዱ መዐደጊ ባጠራ ብምስኣን፣ ኣብ ባንክ ዘቐመጠን ቁንጣሮ ገንዘብ ብዕቅን/ብኩበን ክወስዱ ብምግዳድ ብገዛእ ገንዘቦም ኢዶም ተአሲሩ ምስቶም ከቐምጡ ዘይኽእሉ ተሰሪዑ ኣደዳ ድኽነትንን ሕማማትን ኮይኑ ይርከብ ኣሎ፣ ህዝብና መምዘኒ ዘይብሉ ማሕበራዊ ጸገማት የሕልፍ ከምዘሎ ንኩላትና ብሩህ እዩ።እንተ እቲ ስርዓት በቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ፖለትካዊ ዝምድናታት ኣብ መቓራቕሮ ኣትዩ መውጽኢ ስለ ዝሳኣነ፣ንህዝቢ ዘተዓሻሹ ዝተፈልየ ዘይቁኑዕ ሓበረታ ብምሃብ ንቓልሱ ክጥምዝዝ ይፍትን እኳ እንተሃለወ በወገን ህዝቢ ግን ን-ዕላማኡ ንምብጻሕ ጐዕዙኡ ኣይክዕጸፍን እዩ፡አብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ዲያስፖራ እንርከብ ኢድ ንኢድ ብምትእሳስር፣እታ ኩላትና እንደልያ ዲሞክራሲያዊትን ግዝኣተ-ሕግን ሃገር ክትህልወና፣ ክንጽዕርን ተቃሊስና ክንዕወትን ምዃና እንፈልጦ ጉዳይ እዩ።

ኣብ ሞንጎ ሱዳን ፣ግብጽን ፣ኢትዮጵያን ዝነበረ ግርጭታት፣ ብኣጋጣሚ ኣብ ዝሓለፈ ሙዱብ ኣኼባ-ሑቡራት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተገብረ፡አብ-ሞንጎ ሱዳን ግብጽን ናይ ሓበር ሽማግለ ብምውጻእ ን-ኣብ ሞንጉኤን ዘሎ ጸገም/ግርጭት ንምፍታሕ ኣብ ውዑል ከም ዝበጽሑ ይፍለጥ።ኣብ ሞንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ግርጭት ናይ ማይ/ኒሎ፣ ንኹለን እተን- ሃገራት ቢ-ኒሎ ዝግደሳ/ዝትንክፋን ሓቢረን ብምዝታይ ነቲ ድሮ ዝነበረ ዉዑላት ተሞርኲሰን ምስ 20 ክፍለ ዘመን ዝሳማማዕ ፍታሕ ክርከብ እተጽንዕ፣ ናይ ኩለን ዝካፈልኦ ሽማግለ ብውጻእ ብሰላማዊ መገዲ ክፈትሕኦ ጻዕርታት ከካይዳ አብ ስምምዕ በጺሔንስ፣ አብ ስራሕ ከም ዝርከባ ይሕበር። ስለዚ ምዕልባጥ ፖለቲካ ውልቀ መላኺ ከም ማይ ምዑማኽ ኮይኑ ተሪፉ።ብሓጺሩ ኣብታ ተጨውይዋ ዝነበረ ቦታ ተመሊሱ ናይ ዓቕልጽበታት ፖሊሲ የካይድ ኣሎ። ኣብ ዲያስፖራ ካብቲ ስርዓት ኣምሊጦም ፈቖዶ ሃገራት ዓለም ዝውሕዙ ዘለዉ በቢዓይነቱ ጸገማት የጓንፎም ከም ዘሎ ብሩህ ኮይኑ ብፍላይ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ዜጋታትና ን-እስራኤል ገዲፎም ናብ ኻልኦት ሃገራት ክኸዱ፣ ዝወሰዶ ሕንጻጽ መንግስቲ ነታኛው፣ ሳላ ዘይሕለል ቓልሲ ዜጋታትና ዝፈጠርዎ ዝምድናታት ናይ እስራኤላውያን መሰል ወድሰብ ተጣባቕቲ ብምሕባር፣ ጥርዓኖም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡስ ዘይሕጋዊ እዩ ተባሂሉ፤ እቲ ስርዓተ ነተኛያው ከምቲ ዝደለዮ ክኾኖሉ ኣይካኣለን፤ናይ ዜጋታትና መሰል ዑቑበኛታት ንምርካብን/ምሕላዉን ቃልሶም ይቕጽሉ ከም-ዘለዉ ይሕበር፣ብወገና ሞራላዊ ደገፍ እናሃብና ጉዳያቶም ንካታተሎ አሎና፤ እቶም ካብ ተጨመት ናይ ስርዓት ኢሳያስ አምሊጦም ካብ ሞታዊ ሳህራታት ሰጊሮም፣አብ ሊብያ በጺሖም ንኤውሮጳ-ኣመሪካን ካልኦት ከዕቁቦኦም ዝኸ’ላ ሃገራት ንምስጋር ዝቃለሱ ዘለዉ ዜጋታትና ኣብ ዝኸፍኤ ሂወት ወድሰብ ክጻወሮ ዘይኽእል ማእሰርቲ ይርከቡ ከምዘለዉ እንሰምዖን እንዕዞቦን እንካታተሎን ዘሎና ህሞት እዩ። እዚ ክኣ ጠንቁን ስርዓተ እህወደግ በቲ ዘካይዶ ዝጸንሓ ፖለቲካ፣ ኣብ ቁዋሞም ሰፊሩ ዝርከብ ዓንቀጽ 39 ዝፍለጥ ብምምርኳስ ኩለን ብሔራት መሰልና ይታሓሎ ማዕርነት ምክፍፋል ስልጣናት ይሃሉ፣መሰል ርእሰ-ውሳነ ይከበር …ወዘት ዝብል ሕቶታት ካብ ህዝቢ ምልዓላት/አድማታት ክካየድን ክርኤ ከሎ ብወገን ስርዓት ኢትዮጵያ ብሓይሊ ክዓግቶን/ኽጸቕጦን እኳ እንተፈተነ ህዝባውን ዓለምለኻዉን ርእይቶን/ጸቕጥቲ ዝተሓወሶ ነዚ ኩነት ከህድኦ ስለ ዘይካኣለ መራሕ-መንግስቲ ሙላቱ ተሾመ ቢኢደ ወነኑ ስልጣኑ ንባይቶ ከም ዘስረከበ እንርእዩን/ንሰምዖን ዘሎና እዋን እዩ። ንምትክኡ ፖለቲካዊ ቁሩቁስ ይካየድ ከም ዘሎ እን-ዕዘቦ ዘለና ህሞት እዩ።ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይርጉእ ፖለቲካ ተፈጢሩስ ዓለምና ብጠቕማ ናይ ሕዝቢ ወኸሳ ስጋብ ናዕቢ ከይበጽሕ ጸቕጥታትን ብውሽጢ/ውሽጢ ዓበይቲ ኣማኸርቲ እናላኣኹ ርግኣት ክሰፍን ብዝብል ሙኹኑይ ሓሳባት፣ህዝቢ ክቕበሎ ዝኽእል ቁንጣሮ ሓድግታት-ወፈያት ብምጽዋት፣ንዱጉል ሓዊ ንምዕባጥ፣መሰረታዊ ፍታሕ ዘይኮነ ኣበርክቶ ክካያየድ እንግንዘቦ ዘሎና ፖለቲካዊ ዕላል እዩ። ናዓና ከም ሃገር እንታይ ይጸልወና ንዝብል ቀዳማይ እቲ ኣብ ጎረባብትና ዝካየድ ስርዓተ-ለውጢ እስኻ እዉን ከምኡ ለውጢ ክትገብር ናይ ህዝቢ ምልዓል ከምዘድሊ ይሕብር፤ ቀጺሉ እዚ ገባቲ ውልቀ-መላኺ ጽባሕ እዉን ንዓይ ከምኣ ብምባል ን-ናይ ህዝቢ ናዕቢ ከይልዓል ብምባል ካብቲ ድሮ ዘካይዶ ዘሎ ጨዃኒ ባህርያቱ ብዝተሓደሰን-ዝተራቐቐን መስርሓት/ስትራተጂ ምውዳድ ክጽዕር ምዃኑ ምግንዛብ ከዲሊ እዩ።ስለዚ ኩላትና ኣብ ደምበ ፍጥሒ ዘለና ካብ ውልቀ-ጀሚርካ ኩለን ውድባትን ኣብ ተጠንቐቕን ሓቢርና እንሰርሓሉን ምስቲ አብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና እንተአሳሰረሉ ኣዚዩ ዝበለጸን ሓያል ስትራተጂካዊ ቃልሲ፣ ይሓተና ምህላዉ ከዛካክር እደሊ።ኣብ ሱዳን እዉን እንተኾነ ፍሕትሕት ዝብል ምንቅስቃሳት ይርኤን፣ ንናይ ህዝቢ ጠለባት ንምዕጋት ፖለቲካውያን ኡሱራት ከም ዝፈትሐን ንስልጣን ኑመሪ ንምንዋሕ ናይ ተቛወማት ዝባሃሉ አብ ምትሕንፋጽ አብ ስልጣን ምውዝዖም ይካየድ ከምዘሎ ዝመጸና ሓበሬታ አሎ፤ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብብልሽውና ተኸሲሱ ብኢደ-ወነኑ ስልጣኑ ን-ባይቶ ከምዘስረከበ ክንሰምዖ ዝቐነና ወረ ኮይኑ ኣብዚ እዋን ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሓት ለውጥታትን ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳትን ይካየድ ምህላዉ ኣገዳሲ እዋን ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝኽእል ኮይኑ፣ ግደና ክንገብር ዝጽውዕ እዉን እዩ።ኣብ ሶርያ ዘሎ ኩነታት ኩላትና ብማዕክናት እንካታተሎ ዘሎና ምውጥጣጥ ናይተን ሓያላት ሃገራት ስርዓተ-ኣሳድ፣ አብ ህዝቡ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳበ ቦምባታት፣ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ፣ ህጻናት፣ዓበይቲ-ዐዲ፣ኣደታትን ብተለቪጅን እንር’ዮ ኩነትን ኮይኑ፣ ከምኡ ስርዓተ ቱርኪ ን-ኩርዳውያን ንምህዳን ካብ-ዶብ ስግር ሶርያን ኢራቕን ዝገብሮ ዘሎ ደብደባ እዉን ዝርኤ ዘሎ ኣስካሕካሒ ጆኦ ፖለትካ ኩነት እንዕዘቦ ዘለና ህሞት ኮይኑ፡ አብርእሲ እዚ ኩርናዕ ዓለምና ሰላምን ርግኣትን፣መባእታ-መሰልን፣ኒሕ ህዝብታት፣ ክሕሎ ናብ ኩለን ድርጅታት ዓለም ጽዊዕት ምቕራብን፣ ከም ህዝብን ሰልፍን፣ሰላም-ቅሳነት ክረኽቡ፣ካብ ልብና ዝነቐለ ምንዮት ምዃኑ ነብርህ። ኣብ የመን እቲ ውግእ ይቕጽል ኣሎ፣ኢድ ምትእትታው ናይዚ ውልቀ መላኺ እዉን አየቋረጸን ዘሎ። ካብዚ እንምሃሮ እንተድኣ-ሃልዩ ኢድ ናይ ወጻኢ ምስ ዝተኣታቶ፣ ብዘይካ ሞትን ዕንወትን ዘምጽኦ ሰላም፣ዲሞክራሲ፣ ፍትሒ፣ ልእላውነት ሃገርን፣ሓድነት ህዝብን ከም-ዘየስዕብ እዩ፡፡ ስለዚ ካብ ናይ ኢድ ወጻኢ ምትእትታው ሪሕቕና ኣብ ነብሰ ምትእምማን፣መላእ ህዝብና ሓቢሩ ዝቃለሱሉ ባይታ ምጥጣሕን/ምውዳድን ክኸዉን ስርሓትና ይበርህ። ምስኩሩ ክኣ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ተቓሊሱ ናጽነቱ ዓቲሩ ክነሱ፣ብሰንኪ እዚ ውልቀ መላኺ ኣብ ዳግመ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣቲና ኣብ-ቓልሲ ንጓዓዝ ምህላውና፣ኩላትና እነካይዶ ዘለና ሩጉጽ ኩነትን-ህሞትን እዩ።ሓድነታዊ ቃልስን፣ ዕላማታትካ ብዘይምስሓትን ምስ ትቃለስ ዓወት ንምጉንጻፍ ዘየጣራጠር ምዃኑ ዘይስሓት እዩ።ይቕረታ ቁሩብ ኣንዊሐ ከም ዝኾንኩ እናተረዳኣኒ፣ግን-ከ ንዕላማታትና ራኢናን ተልእኾናን ንምብጻሕ ህሉው ኩነታት ዘበትን-ዞባውን-ኣህጉራውን ማሕበራዉን ፖለቲካዉን ኩነት ተገንዚብካ ምጓዓዝ አገዳስነቱ ስለ ዘይንስሕቶ ብምባል እየ፣ስለዚ ይቕረታ ክብል እታ ሑጡብ ሀ) ደምደመ።

ሑጡብ ለ) ብምእታው ፦ ኩቡራት የሕውት ብመሰረት እቲ ብኣባላት-ባይቶን፣መሰረታትን ተዛትዮምሉስ መምሪሒ ዝጠቅም ጡርኑፍ ሰነድ ን-ፈጻሚት ኣካል ዝተዋህበ ሓላፍነት፣ድሮ ተቐሪቡ ንኹሎም ኣባላት ባይቶ ተዘርግሂሑ ንሎሚ ኣብዚ ሰነድ ተሞርኲስና ተዛቲና፡ዝውሰኽ ምስ ዝህልዎ ክንውስኸሉ፣ዝጎድል ከነጉድለሉን፣ስዒቡ ኸነጽድቖን በዚ ኣጋባ ናብ መሰረታት ወሪዱ ዘድሊ መአረምታ ተገይሩሉ ኣብ ስራሕ ንምእታው ዝዓለመ እዩ። እዚ እነጽድቖ ሓባሪ/መምርሒ ከም መንቀሊ ይጠቅምን፣ሓሳብ ኩሎም ኣባላት ብምስማዕ ይሕግዝ ዝተባህለ ደኣምበር ናጽነት ናይዘን ሽማግለታት ዝግህስን ዘነኣእስን ኮይኑ ኸይስማዕ እና ኣማሕጸንኩ ነቲ ሓበራዊ ኣሳራርሓ ዝሓዘ፣ክሳተፍን ከሳትፍን ዝብል ዕላማና ዝጽውዕ ኮይኑ ናጽነት ሓላፍነት ዝተሰከማ ሽማግለ ሕሉው እዩ፤ዝቐርቦም ለበዋ ንዝበጽሕዎ ምዕባለታት ዕለት ብዕለት ንምምሕዳራርትን ኣባላትን ክሕብሩ ሙሉእ ምትሕግጋዝ ምስ ኩሎም ኣባላትን፣ካብ ሰልፊ ወጻኢ ኪኢላታት ክህልዎም ዘለኒ ተስፋ ወስን የብሉን። ድሕሪ መእተዊ ኣቦ ወንበር ነቲ ቀሪቡ ዝነበረ ሰነድ ሓደ ብሓደ ተነቢቡን እንሆ አነ ክኣ የቕርቦ።

ዕማም ገምጋሚት/መጽናዕቲ ሽማግለ

ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ጽቡቕ ምምይያጥ ኣብ ምንጎ ሰልፊ-ህዝቢ፣ሰልፊ-ዲሞክራሲ፣ ከምኡዉን ሕጽር ዝበለ ምይይጥ ምስ ኢፔምን ኣብ ባሕቲ ጥሪ 2010 ንመላእ ህዝብና፣ ብሓድነት ናይ ሰለስቲኡ ሰልፍታት ምውላድ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ተበሲሩ። ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ሓሳብን እምነትን ዝጠመረ ኣካል እዩ።

ንሱ ድማ፡

  1. ህዝባዊ ቃልስና ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ምዃኑ ዝኣወጀ ሰልፊ፣
  2. ህዝባዊ ሰረት ዘለዎን፣ ብህዝቢ ዝውነን ሰልፊ ክኸውን ዝዓለመ ሰልፊ፣
  3. ህላዌ፣ዕብዬት፣ ሓድነት፣ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ኣሚኑ ዝተበገሰ ሰልፊ፣
  4. ኣብ ሂወት ህዝብን ሂወት ሃገርን፣ ፍትሕን ግዝኣተ-ሕግን ከንግስ ዝዓለመ ሰልፊ፣
  5. እቲ ናይ ዝሓለፈ ዝፈላልየና ንታሪኽ ገዲፍና፣ኣብቶም ንከም ንጽባሕን ዘሐዩልና መዳያት ነተኩር ኢሉ ዝተበገሰ ሰልፊ፣
  6. እቶም ዝተማሳሰለ ፖለቲካዊ መድብ ዕዮ ዘለዎም ሸነኻት፣ብሓደ ተጠሚሮም ብሓባር ክቃለሱ ዝጸውዐ ሰልፊ፣
  7. ምስ ዝተመሳሰለ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዘለዎም፣ ብምጽውዋር፣ ኣብ ናይ ሓባር ስራሓት፣ ክሳተፍን ከሳትፍን ከም ኣገባብ ቃልሲ ዝወሰደ ሰልፊ፣

እዚ ኮይኑ ኣብ ሃገራዊ ይኩን፣ ዞናዊ፣ፖለቲካዊ፣ቅርጸ-ባይታት፣ ሰልፊ ዝፈጠሮ ጽልዋታት፣ ትጽቢትን፣ ዝሓዝኦ ሰፊሕ ሰፈረትን (the space EPDP occpied) ጠንጢንኑ፣ ብሓደ ናይ ዝመጹ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መሪሕነት ዝጸንሑ ውሑዳት መራሕቲ፡ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ድሕሪ 8 ዓመታት ጉዕዞ ዝፈጠሮ ጽልዋታትን ዝሓዞ ሰፈራትን ዘበገሶ መንገዱ ዝዓለሞ መዓልቦ ስሒቱ፡ናዓራርቦ ዝኣቱ ዘሎ ምትእኽካባት መናበዩ ትካል ጥራሕ ወዲቑ ይርክብ።

ናብዚ ኩነትዚ እምበኣር፡

 መዓስ ?… ብኸመይ ?… ስለምንታይ ?… በየናይ መገዲ ?… ኣብዚ ኩነት በየናይ መገዲ ክወድቕ ተኻኢሉ ?… ጠቕሚን መኽሰብን ንመን ?… ወዘተ ዝብሉ ወኸሳታትን ሕጂኸ-ናበይ ዝብል ሓበረታት/መምርሒ ካልኦትን ብምውሳኽ፣ ንኹሎም ዓቕምታት ኣባላትናን ካብ ሰልፊ ወጻኢ ዝኾኑ ኪኢላታት/ፖለቲካዊ ተማራመርትን ብምጥቃም፣ ሕቶን ድልየትን ጠቓሚ ሓሳባት ህዝብና ብምምሩኳስ፣ሓደ ዱልዱልን ኣዕጋብን ሰነድ ኸተቕርበልና ምዃና ሙሉእ እምነት ኣለና ይብል እቲ ብፈጻሚት ሽማግለ ዝቐረበ ጹሑፍ።

ነዚ ቀዳማይ ክፋል ኣባላት ባይቶ ርእይቶ ክህቡሉን ዝውሰኽ ይኩን ዝጎድል ዝብልዎ ክቐርብ ባይታ ተኸፊቱ፡ከም ተሞክረይ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ናይ ኤርትራውያን ውድባት ብዘይ ቀለዓለም-ፍርሓት-ናጻ ኾንካ ዝካየድ ክትዕ ክዕዘብ ኪኢለ።በቢሓደ ነቲ ዝወርድ ዝነበረ ሓሳባት ኽትገልጾ ፈጺሙ ጊዜን ቦታን ስለ ዝሓትት ነቲ ሓሳባት ኣብ ሰለስተ ከጣምሮ ክፍትን እየ።

1) ከም ኣቃራርባ ክላሲካውን-እሩሙን ኮይኑ እዚ ስጋብ እዚ እዋን ዝተኻየደ ኣጋባብን መደበ-ዕዮታትን፣ ናይ ኩለን ውድባት ደምበ ፍትሒ ብፍላይ ክኣ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ዋላ ሓንቲ ውጺኢት ዘይሃበን፣ ካብ በቢ-ጽባሕ ምርባህ ሓሊፉ፣ ህዝቢ ማእከል ገይሩ ክቃለስ ዘይበቕዐ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ምስ እቲ ዘካየድናዮ ብረታዊ ቃልሲ ባህርያት ተኣሳሲሩ ብምኻድ፣ ሲቪላውን ህዝባውን ምንቅስቓስ-ውድብ/ሰልፊ ክሰርሕ ዘይምኽኣሉን ብምግንዛብ፡ድሕሪ ከምዚ ዝበለ ዓይነት ተሞክሮ፣ መሰረታዊ ለውጢ፣ሓዲሽ ቅዲ-ህንጸ መደበ ዕዮ የዲሊ ዝብል ራኢ ሃልዩኒ ፣እንተደኣ ሓሳበይ ብብዝሒ ቁቡል ኮይኑ ዘይተረኺቡ ግን ምስ ናይ ብዙሓት ዝተሳማምዕሉ ክሰርሕ ጸገም የለን ዝብል ነበረ።

2) ኣብታ 7ይ ፓራግራፍ ሓዚላቶ ዘላ ትሕዝቶ፡ኩሉ ጊጋታት/ጉድለት ስጋብ ንዕላማ ጢሒጹ ዝኸይድ ዘሎ መሪሕነት፣ ጥራይ ጠቒሳ ነቶም ምስኦም ዘለዉ ካብ ሓላፍነት-ዝተሰከሙን ውልቀ ኣባላት ምትእስሳር ክህልዉ ከለዉ፡ ቡዙሓት ኣባላት ክኣ ዘይተርድእዎን ስለ ዘለዉ ነቶም ባዕልና ዝመረጽናዮም ብምባል፣ካብ ናይ ምእራም ናይ ኣንጻርነት ስጉምቲ ከይወስዱ፣ከምኡ በተን ካልኦት ውድባን ህዝብን ዘይምርዳእ ከይፍጠር ስግኣት ስለ ዘለኒ እቲ ኣቃማምጥኣ ይኹን ትሕዝቶኣ ብኻልእ ክትቕመጥ ምመረጽኩን/ምደለኩን፣ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ።

3) 4) በቶም ዝበዝሑ ዝውሃብ ዝነበረ ሓሳብ፣ እዚ መሪሕነት ነበር፡ኣብ ክንዲ ንግርጭታት ብደሞክራሲያውን ልቦና- ዝመልኦ ፈቲሑ፣ጠርናፍን ኣዋሃሃድን ስርሓት ምክያድ፣ ምድስካል-ምስጓግ ዝመረጸ፣ ሕሉፍ ሓሊፍዎ ንብኣባላቱ ዝተመርጸ መሪሕነት ዞባ አውሪዱ በቲ ንዑኡ ዝመስሉ ዝትክእ፣ ንዕላማን ራኢን ተልእኾን ሰልፊ ዘይትርጉም፣ ንፕሮግራም ሰልፊ ዘይትግብር፣ ንቅዋም ሰልፊ ዝግህስ፣ ምዃኑ ንሕና ዘይኮናስ ንሱ ናይ ምስጓግን ምግላልን ውሳነ ዘዘውተረ፣በቲ ዘጽዶቖ ኣዋጃታቱ፣ዝጽሕፎ ርእሰ-ዓንቀጻቱ በቶም ንዕኡ ዝካላኸሉ ዝወጽእ ጸርፍን ፖለቲካዊ ቅንጸላን ጹሑፋቶም ንምስክርነትን ብቑዕ ኣብ ረሲ-ምዃኑ፣መደበ ዕዮ/ፕሮግራምን ገዲፉ ዝኸደ ዘብሎ ካብተን ውሑዳት ዝጥቀሳ መርኣይኡ እየን። ስለዚ እተን ተሰኒደን ዘለዋ ጠቕሊለን ዘብርሃን ከም መንቀሊ መስርሕ/ሓሳብ ቁቡላት እየን ዝብሉ ነይሮም።እቲ መሰረታዊ ለውጢ ዝብል ሓሳብ እንተኾነውን፣ ኣብ ምጅማር ኣቃላልሳና ነተን ፓራግራፍ 1. 2. 3. 4. ተጠቒሰን ዘለዋ ብኣትክሮ ምስ እንርእዮ ነቲ ዝሓለፍናዮ አጋባብን ታሪኻዊ መድረኽ ሰጊሩ ብሓድሽን መሰረታዊ ለውጢ ከነካይድ ዝተጀመር በዞም ዝተባህሉ መሪሕነት ተቑጽዩን አብ ዘይመገዱ እንተዘየልግስዎስ እቲ ዝነቐልናሉ መሰረታዊ ለውጢ ቃልስና ብዘይ ዕንቅፋት ጉዕዝኡምቐጸለ ነይሩ። ስለዚ ኢና ክኣ ካብታ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ዝተወልደትላ ማዓልቲ ምቕጻል ዝመረጽና፡ ብሓጺሩ ንለውጥን ምዕባለን ህዝቢ ማእከል ዝገበረ ዲሞክራሲያዊ ውድብ ንምብቃዕ ነቒልና ዘለና። እንተ እቲ ስኽፍታት ሓልዮትን ልቦና ዝመልኦ ኣዛራርባ፣ ማለት መሰረታት ሰልፊ፣ኣብ ደምበ-ፍትሒ ዝዋስኣ ውድባት/ምንቅስቃሳት፣ ብፍልይ ክኣ ህዝብና ኻብዘይ ምርዳእ ከይርሕቁና/ከይነጽጉና ዝብል ሓሳብ ውድዓዊ ይኹን እምበር፣ኩሉ ሳዕ መሪሕነት ዝገብሮ ስርሓትን ዝወስዶ ስጉምትን ኣወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ፣ሓላፍነት ዝስከም እሱ እዩ። ስለዚ ናብዚ ስጉምቲ ኽንበጽሕ ዝገደደና ንሱ ኮይኑ ኩሉ እቲ ብኣናን ካብ ደገ ከይተረፈ ንምእራም ዝተካየደ ቓልስታት ሰማዒ እዝኒ ሲኢኑ ጥራይ ዘይኮነ በቲ ንሱ ዝሓንጾጾን ዝሳኣሎ ክኸይድ ስለ ዝወሰነ ሕጅስ ይኣክል ክንብልን ነቲ ዝጀመርናዮ ዝነበርና ዕላማ ክንቅጽልን ኣብ ምዕዋቱ ክንሰርሕ ምባል ቁኑዕ ኮይኑ፡አብ ናይ ነዊሕ ጉዕዞን እነቕርቦ መደበ- ስርሓትን ብምርኣይ፣ተኣማማምነት ብኹሉ መዳይ ከም ንረክብ፣ዘጣራጥር ክህሉ አይግባእን።ኮይኑ ግን አብ ዝተፋለየ ዋዕላታት ዝካየድ ዝነበረ ድሮ ናይ ዝበዝሑ ባህርያት ተሞክሮታት ዝተቐስሙ ምዃኖም ክርሳዕ ዘይብሉ ተምክሮ እዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ነቲ ዝነቐልናሉ ዕላማ-ራኢ-ተልእኮ ምስ ንትርጉም፣እቲ ተታሓሒዝናዮ ዘለና ፖለቲካዊ መደበ-ዕዮ ምስነተግብር፣በቶ እነበርክቶም ስራሓታት፣ እዩ ተኣማምነን ኣቕልቦን ክንረክብ እንኽእል ክብሉ እቲ ቐሪቡ ዝነበረ ሰነድ ጸዲቑ።

5) ኩቡራት ተኻታተልቲ ንሎሚ ብርዐይ ኣብዚ ጠጠው እናበልኩ ኣብቲ ካልኣይ ክፍል ክናረኸብ እና-ዓደምኩ፡ እቲ ጉልጽነት እንብሎ ብመጠኑ ተጀሚሩ ኢልኩም ኽትሓስቡ፣ዝብል ተስፋ ኣሎኒ።

ምስ ምስጋና አብ ዝመጽእ የራኽበና

 

 ጉዱስ ኤሪትራዊ



NO COMMENTS

LEAVE A REPLY