መርድእ (Obituary)

Untitled-3

ሓውና ኣቶ ፍረሚካኤል ተስፋይ ብሓደ ጥሪ  1963 ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንሓያሎይ ዓመታት ክቕመጥ ድሕሪ ምጽንሑ ብዝሓደሮ ናይ ሓጺር እዋን ሕማም ብዕለት 12 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ቻሪንግ ክሮስ ( charing cross) ሆስፒታል ዓሪፉ።

 ናይ ሓዘን ኣገባብን ናይ ፍትሓት ስነስርዓት ቅዳሴን ከኣ ብዕለት 20 ጥቅምቲ 2015 ብዙሕ ህዝቢ ካብ  ከተማ ሎንዶንን ከባቢኣን  ዝመጹ ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ቤተክርስትያን ኪዳነ ምህረት ሎንዶን (London)  ተፈጺሙ።

ስነስርዓት ቀብሪ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ክፍጸም ስለዝዀነ ከኣ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ሬሳኡ ብዓቢ ሓዘንን ብኽያትን ህዝቢ ተፋንዩ። ሓውና ኣቶ ፍረሚካኤል ካብዛ ዓለም ዝተፈልየ ብዓልቲ ቤቱን ሰለስተ ደቁን ብምግዳፍ ኢዩ።

ንመዋቲ መንግስ   ሰማይ!    

ንስድራቤት ከኣ ጽንዓት ክህቦም ንጽሊ!

 May his soul rest in peace eternally!

Mdre Bahri, London, 20/10/2015

  20/10/15