ሚኒስተር ኢምግሬሽን ነረወይ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከይገሹ ተጠንቕቕ!!

2
478


____________________________________________

Mdre Bahri welcomes the new guidelines issued by the Norwegian Minister for Immigration concerning Eritrean political refugees living in Norway!!

______________________________________________

ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ከይገሹ መጠንቐቕታ ተመሓላሊፉ።

ብመሰትረ ኣብ ማዕከን ዜና ነርወይ ቱደይ ቀሪቡ ዘሎ ሓበሬታ፣ ሚኒስተር ኢምግሬሽን ሲልቪ ሊስቶግ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መጠንቐቕታ፣ ናይ ነርወይ ዜግነት ዘለዎም ኤርትራውያን ብምኽንያት 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ ናብታ ሃገር ዝገሹ ክህልዉ ከምዝኽእሉ ብምዝኽኻር፣ እቶም ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝተዋህቦም ግና ናብ ኤርትራ እንተጌሾም ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል ኣፍሊጣ።

ኣብ ኤርትራ ከብ ዘሎ ምልኪ ሃዲሞም ኣብ ነርወይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ክነሱ፣ ናብቲ ዝሃደምሉ ሃገር ተመሊሶም ክዛወሩ ሕጋውይን ቅቡልን ከምዘይኮነ’ውን እታ ሚኒስተር ኣስሚራትሉ።

ናብ ኤርትራ ዝገሹ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝተዋህቦም ኤርትራውያን ብመርትዖ ዝሰነደ ሰበ እንተሎ’ውን ናብ ክፍሊ ኢምግሬሽን ሓበሬታ ከመሓላልፍ ተማሒጽና።

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝተዋህቦም ኤርትራውያንን ብስም ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዕuቕባ ዝወሰዱ ዜጋታት ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ነናብ ዓዶም መተና ከይመላለሱ፣ መንግስቲ ነረወይ ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ንዝሓተቱ ኩሎም ዝዕደሎም ናይ መገሻ ሰነደ- Travel Document ናብዘን ሰለስተ ሃገራት ከይገሹ ዝኽልክል’ዩ።

እንተኾነ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ዝተዋህቦም፣ ብውልቃዊ ረብሓታት ዝተገዝኡ ኤርትራዉያን፣ ሜላታት እናተጠቕሙ ናብታ ዑቕባ ንኽወሃቦም ከም ሲኦል ዝገልጽዋ ሃገር ክምለሱ ይርኣ’ዮም።

Source: Radio Erena, 04 May 2016



2 COMMENTS

    • Dear Semere Mike,

      Thank you for the questions you have directed to me. I appreciate also your efforts to understand the exact message entailed in the articles written about Sebhat Ephrem. I would suggest to you that you should reread the article titled ” What a humiliating Act”! Look at the Pictures Below”.

      I believe, once you have done that some or all your questions will be answered. If you feel, however, that your questions are not answered yet, please let me know.

      In the meantime, I wish you all the best.
      With regards,
      Drs. Tsegezab Gebregergis

LEAVE A REPLY