ምስጢራዊ ሰነዳት ህግደፍ -ኩነታት ተጋዳሊት ኣስቴር ዮውሃንስ ኣብ ካርሸሊ!!

5
1933


Introductory Note

Drs. Tsegezab Gebregergis

I have received recently, from an unknown and nameless source, documents titled “Secret PFDJ Documents (ምስጢራዊ ሰነዳት ህግደፍ)”. These are very important documents which expose the barbaric atrocities being committed on a daily basis by the PFDJ gangs ruling Eritrea today.
I am sure these documents, which I have now started to post on my website, are written and compiled by someone who is either on active duty as a member of the Eritrean security services or is a former member still with easy access to classified documents or with active contact with those still working with the security services. It is also someone who has a special interest in exposing the huge crimes being committed by the PFDJ hooligans against the brave sons and daughters of Eritrea.
Having read them, and being helpless to do something practical against what they reveal, I am really disturbed and I do not believe I will be the same person I used to be before the day I read these documents. I must confess that, until I read the documents in my possession, I hardly knew that the PFDJ Eritreans could be so cruel and fascistic/sadistic towards their own people, especially against their former comrades-in-arms.
I thus invite now the readers of Mdre Bahri to read carefully the horrible and horrifying account below which deals entirely with the case of the courageous, a mother of four children and unjustly imprisoned freedom fighter, Aster Yohannes, who is suffering immensely at the hands of the Eritrean brutes. I only say: oh God, please save and deliver the Eritrean people from the rule of beasts in human clothing.

ኩነታት ተጋዳሊት ኣስቴር ዮውሃንስ ኣብ ካርሸሊ፡

ኣብ ዝተኣሰረትሉ ሰሙን ብሜጀር ካሕሳይ በየነ መርመራ ተገይሩላ እዩ። ኣብ እዋን መርመራ ብልዑል ርእሰ ተኣማንነት “ሰብኣየይ ኣሲርኩም ደቀይ በይኖም ስለዝተረፉ ሃገረይ ከገልግልን ደቀይ ከናብን መጺአ” እናበለት ንመርማሪ ወዲበየነ ትምልሰሉ ነይራ። ናብ ካርሸሊ ሼላ ቁጽሪ 31 ምስ ተደርበየት ግን ሓያል ስንባደን ጸቅጥን ኣሕዲራ። “ከምዚ ድዩ ህዝባዊ ግንባር! ነዚ ዲና ተጋዲልና!!” እናበለት ክተማርርን ክትበክን ጀሚራ።

ኣስቴር ንፈለማ ሒደት ዓመታት ምስ ሞራላ ተስፋ ኣይቈረጸትን ነይራ። ቀስበቀስ ግን ዓመታት እናወሰኸ ናብራ ካርሸሊ እናመረረምስ ከደ፡ ይትረፍ ንወዲ ኣዳም ንሰይጣን ኳ ዘይትመነዮ ብጀካ ማይ ዝበዝሖ ዓደስን ዝነቀጸ ባንን ካብ ዓይነታት ምግቢ ተሓሪማ። ብጀካ ሓንቲ ሓሙስ መዓልቲ ካብ ደገ ዝኣተወላ ክዳን ካልእ ቅያር ልብሲ ዘይብላ፡ ብመቑነን ካብ ዝተመደበላ ብጀካ ናይ 15 ደቓይቕ ጸሓይ ብርሃን ዝተሓረማ፡ ኩሉሻዕ ኣብ ጸልማት ገዛ ትነብር ንጨና ዝኾና መታዕልልቲ ዘይብላ፡ ከም ጓል ኣንስተይቲ ንጽሬት ደቂ ሄዋን ዘድሊ ዘይቀርበላ ቅይድቲ እያ።

መብዛሕትና እቲ ቀደም እንፈልጦ ውቅብ መልክዓን ምስላን ተደዊኑ ዘይምሱል መሲላ ኣእምሮኣ ስሒታ ለይትን መዓልትን ብጀካ ኣውያትን ብኽያትን ካልእ የብላን። ከም ኣስቴር ሓሳባ ብኣግባቡ ክትገልጽ ዘይትኽእለሉ፡ ሓሓሊፉ ዕርቃና ትወጸሉ፡ በይና እናተዛረበት ለይትን ቀትርን ብንብዓት እናተሓጽበት ብእህህታን ስቓይን ግዳይ ዝተፈላለዩ ሕማማት ኮይና ኣብዚ እዋን ንህይወታ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ትርከብ።

ብዝኾነ ኣምላኽ ነቲ ዝወረዳ ስቓይን መከራን ንህዝባ ትገልጸሉ፡ ብዘይ ወለዲ ዝተረፉ ደቃ ትሓቝፈሉ ግዜ ይሃባ። ኣብ ቀረባ ብፈላይ ደድሕሪ ተቓዉሞታት ጀነቫ ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲደንትን ላዕለዎት ሓለፍትን ሓያል ሻቕሎት ስለተፈጠረ ኣብ ልዕሊ “መንግስቲ ኤርትራ” ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝተወሰኑ ውሳኔታትን ዝተዘርግሑ ጽሑፋትን ከም መወከሲ ኣብ ደገ ዝነብሩ ደቂ አባላት ጉጅለ-15 ስለ ዝጥቀሙ “ስድራቤት ኣባላት “ጉጅለ-15” ሃለዋቶም ይጸንዑ” ዝብል መምርሒ ስለ ዝወረደ ኣብ ወኪል ሃ/ድሕነት ውሽጣዊ ጸጥታ ሓለፍቲ ክፍሊ ሓበሬታን መጽናዕትን ኮ/ል ኣማኒኤል ልጃም (ወዲ ልጃም) ምስ መጀር ብርሃነ ምስግና (ባህሊ) ብዝመርሑዎም ኣባላት መጽናዕቲ ተኻዪዱ።

ከም ውጽኢት ደቂ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ (ዘርኣይ ጴጥሮስ፡ ሃና ጴጥሮስ፡ መኣዛ ጴጥሮስን ስምኦን ጴጥሮስን) ሓዊሱ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ስድራቤታት “ጉጅለ- 15” ኣብ ቀረባ ካብ ሃገር ከም ዝወጽኡ ተፈሊጡ፡፡ ኣብቲ ጸብጻብ ጓል መስፍን ሓጎስ (ኤልሳ መስፍን ሓጎስ) ኣብ ገለ እዋን ምስ ሓደ ዓርካ ንሱዳን ክትሰግር ተጠርጢራ ኣብ ጋሽ ባርካ ተታሒዛ ከይተኣስረት ኣጋጣሚ ንስራሕ ናብቲ ከባቢ ተንቀሳቒሱ ዝነበረ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ከም ዘይትእሰር ምግባሩ ተጠቒሱ። ሎሚ ዘይከም ትማል ዘመን ተገምጢሉ፡ ኩሉ ተረሲዑ፡ ጥልመት ሳዕሪሩዎ፡ እዋን ወጮ እንተ ገምጠልካዮ ወጮ ኮይኑ። ሐደ ኣብ ጉድጓድ ሓደ ኣብ ምህዳድ ህዝቢ ይርከብ።

ብተወፋይነት ተመሪሖምን መሪሖምን ተቓሊሶም ኣብ ምርግጋጽ ናጽነት ዘይትካእ ኣበርክቶ ዘወፈዩ ደቂ ህዝቢ “ስልጣን ካብ ኢድ ወልቀ መላኺ ናብ ህዝቢ ይሰጋገር” ስለዝበሉ ናብ መዓሙቕ ትሕቲ ምድሪ ተደርቢዮም ጠፊኦም። ስድራቤታቶም ከም ዘይ ሃገራውያን ፋሕ ብትን ኣትዩዎም ግዳይ ስደት ኮይኖም። በንጻሩ ኣብ ሃገርና ርኻብ ኢሳይያስ ረጊጾም ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተኾይጦም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝዕንድሩ ዘለዉ ከም በዓል ፍሊጶስ ዝኣመሰሉ ሒደት ሓለፍቲ ናይ ትማል ረሲዖም ህዝብን ሃገርን ናብ ድቕድቕ ጸልማት ይሽምምዎ ኣለው። ስለ ሃገር ዝተበጀው ትሕቲ ምድሪ ኣሰፊሮም፡ ሕድሪ ስወኣትና ተጠሊሙ።

ጀነራል ፍሊጶስ ብስም ሃገር እንዳሸቀጠ ካብዝን ካብትን ብዝገበቶ ንዋት ሃገር ንሱን ስድራቤቱን ልዕሊ ሰቦም ኣብ ዉሽጢን ወጻኢን ይነብሩ ኣለው። ባዕላቶም ዘውጽኡዎ ሕጊ ኣይምልከቶምን። ኣብ ዉሽጢን ወጻኢን እናተመላለሱ ኣብ 5 star ሆቴላት እናተዘናግዑ፡ ከም ድላዮም እናተማህሩ ይርከቡ።



5 COMMENTS

  1. Dear mdri bahri
    as far as there is no source to your allegation it is very hard to take this thing as it is.

  2. AS ERITREANS WE KNOW WHAT IS GOING ON BACK HOME,WHAT KIND OF VEREFICATION DO YOU WANT ABOUT THINGS YOU ALREADY KNOW.STOP FOOLLING YOUR SELF SAY THE TRUTH.

LEAVE A REPLY