ምስጢራዊ ሰነዳት ህግደፍ!!

1
2047


ዜሮ ተጻዋርነት ንብልሽውና

ኣብ ወረቐት ዝተረፈ፡ ብዙሕ ዝህውተተሉ ህግደፋዊ ጭርሖ!

ክቡራት ነበብቲ ብዛዕባ ሰነዳት ቤት ትምህርቲ ካድር “ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት” ናቕፋ ንከቕርበልኩም ብዝኣተኹዎ ቃል መሰረት፡ ንሎሚ ካብቶም ቀንዲ ጎስጎስቲ ህግደፍን ዳይሬክተር እቲ ቤት ትምህርቲ ዝኾነ ኣሕፈሮም ተወልደ ንካድራት ዘቕርቦ “ብልሽውን (Corruption) ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ብሓሶት ዝተበዓጠ ሰነድ የቕረበልኩም፡፡ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ዝፍጸም ናይ ስልጣን ብዕልግናታትን ብልሽውናታትን ዝምልከት ብጭቡጥ ሓበሬታ ኣሰንየ ብዘውጸኣኽዎ ናይ ግዜ ቀደም ሰዓብ መሰረት ሓደ መዓልቲ ከቕርበልኩም ኢየ፡፡ እዚ ሰነድ ህውተታ ህግደፍን ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነትን ንምጽጻር ስለዝሕግዝ ብዓቕሊ ኣንቢብኩም ከምቲ ልሙድ ፍርድኹም ክትህቡ እላቦ።

CORRUPTION (ብልሽውና) •

ዕላማ ትምህርቲ:

ዓሚቕ ፍልጠት ብዛዕባ ጠንቂን ሳዕቤናትን ብልሽውና ክህልወና፣ ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ፣ ብኣና ከይፍጸም ነብስና ክንገትእ፣ (ኣብ ፍልጠት ዝምርኮስ ምኹስካስ ናይ ሕልና ከነዕቢ)፣ ብካልኦት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ፣ ስልጣን ብዝተሰከሙ ሓለፍቲ ከይፍጸም፣ ባይታ ንምኽላእን ንምዕጋትን ክንቃለስ • ብልሽውና: ካብ ጥንቲ ዝነበረ (ኣብ. ንጉስ ዳዊት) ኣብ ኩሉ ሕ/ሰብ ዓለም ዝዝውተር (ናይ ደረጃ ፍልልይ ከይተዘንግዐ)፡ ምስ ባህሪ ወድ-ሰብ ዝዛመድ (ስስዐ…)፡ ብኩነታት ዝግዛእ፣ ስርዓት ንባህርያት ይውስኖ (ባህሊ ዓይነት ፖለቲካዊ ስርዓትን ቅሩብነት መሪሕነትን)

  • ምንጪ ናይ ኩሉ ስልጣን ካበይ ኢዩ? • ምንጪ ናይ ኩሉ ስልጣን ሀ. ኣምላኽ ኢዩ (ነገስታት)፡ ካብ ኣምላኽ ኢየ ተቐቢለዮ፡ ኣምላኽ ኢዩ ዝሓተኒ። ለ. ሓይሊ ኢዩ (ዲክታቶራት)፡ ብሓይለይ ኢየ ኣምጼአዮ ዝሓተኒ የብለይን። ሐ. ህዝቢ ኢዩ (ደምክራስያዊ ስርዓታት)፡ ካብ ህዝቢ ተረኪበዮ፡ ንህዝቢ ተሓታቲ ኢየ። •

ስልጣን እንታይ ኢዩ ?

ስልጣን ወዲ ሰብ ነብሱ ክመልኽ ስለዘይከኣለ የግዲ ዝርዕሞ ከይሲ ኢዩ (ቶማስ ፐይን) • ስልጣን እንታይ ኢዩ? ብርድየት ሓፋሽ ዝህነጽ፣ ንረብሓ ሓፋሽ ብቕንዕና ከተገልግል፡ ካብ ሓፋሽ እትቕበሎ ሕድሪ ኢዩ!! •

ብልሽውና እንታይ ኢዩ?

ብልሽውና ካንሰር’ዩ እንተ ዘተቖጻጺርካዮ ይቆጻጸረካ፡ ንረብሓ ዉሑዳትን ዓመጽትን ዘገልግል፡ ጾር’ቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘኽብድ፡ ግሉጽን ፍትሓውን ኣሰራርሓ ዘዘምብዕ፡ ምዕባለ ሃገር ንድሕሪት ዝጎትት፡ ሓድነትን ሰላምን ሃገር ዝፈታተን፡ ናይ ስርዓታት መንሽሮ (ካንሰር) ኢዩ!! • ብልሽውና፡ ካብ ሓፋሽ ብሕድሪ ብዝተዋሃብካዮ ስልጣን ምብዕላግ፡ ህዝቢ ከተገልግለሉ ብመንግስቲ ንዝተዋህበካ ስልጣን፣ ኣብ ግላዊ ወይ ጉጅላዊ ረብሓኻ ምውዓል ማለት’ዩ፣፡ ኣብ ኤርትራ ብልሽውና ገበን ጥራሕ ኣይኮነን፣ ሕድሪ ስዉእን ንሓፋሽ ዝኣተኻዮ መብጽዓን ምጥላም ስለዝኾነ፣ ሃገራዊ ክሕደት’ዩ።

ሕድሪ ዝተሰከመ በዓል ስልጣን፡ ንርእሱ ሕጊ ዘየፍቅደሉ ረብሓ ክረክብ ክብል፣ ሰባት ወይ ሕጋዊ ሰብነት ዘለዎም ትካላት፣ ብዘቕርብሉ ህያብ ወይ ናይ ህያብ መብጽዓ ተደፋፊኡ፣ ንወሃቢኡ ሕጊ ዘየፍቅደሉ ረብሓ ከምዝረክብ ክገብር እንከሎ ዝፍጸም ገበን ኢዩ።

  1. ሕድሪ ዝተሰከመ በዓል ስልጣን፡

ሕጊ ዘየፍቅደሉ ረብሓ ክረክብ ክብል፣ ሰባት ወይ ሕጋዊ ሰብነት ዘለዎም ትካላት፡ ብዘቕርብሉ ህያብ ወይ ናይ ህያብ መብጽዓ ተደፋፊኡ፣ ሰባት ወይ ሕጋዊ ሰብነት ዘለዎም ትካላት፣ ሕጊ ዘፍቀደሎም ረብሓ ወይ መሰላት፡ ከይረኽቡ ክኽልክል እንከሎ ዝፍጸም ገበን’ዩ።

  1. ሰባት ወይ ብሕጊ ዝቘሙ ትካላት፣

ሕጊ ዘየፍቅደሎም መሰል ወይ ረብሓ ክረኽቡ ክብሉ፣ ብሕጊ ዝሕተቱሉ ግቡእ ካብ ምፍጻም ክነሓፉ ክብሉ፣ ንመንግስቲ ክገብርዎ ዝግባእ ኣታዊ ንከይከፍሉ ክብሉ፣ ንሰበ ስልጣን ህያብ ወይ መብጽዓ ናይ ህያብ ክህቡ እንከሎዉ ዝፍጸም ገበን ኢዩ።

  1. ሰባት ወይ ብሕጊ ዝቖሙ ትካላት፣

መንግስቲ ዝሃቦም ናይ ስራሕ/ንግዲ ፍቓድ ተጠቒሞም፡ ሕጊ ዘየፍቅደሎም ረብሓ ንክረኽቡ፡ ንሃልኪ ብቑዕ ዘይኮነ ኣቑሑ ክሸጡ።

  1. ሰባት ወይ ብሕጊ ዝቖሙ ትካላት፣

ብሕጊ ዝተወሰነ መስፈር ኣዘንቢዖም ክሰርሑ፡ ናህሪ ዋጋ ክፍጠር ምእንቲ ኣቑሑ ክሓብኡ፡ ንብረት ብኮንትሮባንድ ከእትዉ እንከሎዉ፡ ዝፍጸም ገበን ኢዩ፣ ጠንቂታት ብልሽውና። • ስልጣን ብባህሪኡ መበላሸዊ ኢዩ፡፡ ፍጹም ስልጣን ድማ ፍጹም ብልሽውና የንግስ (ኣክቶን) • ስለምንታይ ስልጣንን ሓላፍነትን? ሰብ ባዕሉ ንባዕሉ ተኻኣኢሉ ክነባበር ስለዘይክእል።

ኣብ ዝኾነ ሕ/ሰብ ናይ ረብሓታት ግርጭት ዝለዘሎ፣ ህዝቢ ሰላሙ ኣውሒሱ፡ ቀሲኑ ናብራኡ ዝመርሓሉ ኩነታት ክፍጠር ምእንቲ ግርጭታት ብፍሉጥ ሕጊን 25 ስርዓትን ዘማሓድርን ሕጊ ዝከታተልን ዘተግብርን ሓይሊ ስለዘድሊ፣ ገለ ክፋል ካብ ንብረቱን ናጽነቱን ከፊሉ፡ ስልጣን ሒዞም ዘመሓድርዎ ሰባት ክምዝዝ ግድነት’ዩ። • በበይኖም ዓይነት ስልጣናት፡ ሰበ-ስልጣን ብወገኖም፡- ሕግታትን ፖሊሲታትን ከጽድቑን ከፈጽሙን፡ ምርጫታት ወከልቲ ህዝብን መራሕ ሃገርን ዝካየደሉ ቅጥዕታት ከውጽኡን ዘካይድዎ ሰባት ክምዝዙን ክመርሑን፡ ገበናት ክከታተሉን ብፍትሒ ክዳንዩን፡ ንግዲ ፍቓድ መንቀሳቐሲ ፍቓድ ክህቡን ከሓድሱን ከሕድጉን፡ ግብሪ ክስልዑን ከኽፍሉን ንዘይከፈሉ ክቐጽዑን፡ ሃገርን ህዝቢን ከመሓድሩ፡ ንዝተፈላለየ ማዓላ ዘገልግል መሬት፡ ዕድላት ናይ ስራሕን ትምህርትን ዕቤት ደረጃ ሓላፍነትን ክህቡ፡ መንነት ፓስፖርትን ቪዛን ክህቡን ከሕድጉን፡ በበይኖም ዓይነት ስልጣናት፡ ንመንግስቲን ህዝብን ወኪሎም ንብረት ክዕድጉን ንብረት መንግስቲ ብፍሉጥ ቅጥዒ (ብጨረታ) ናብ ተጠቀምቲ ክሸጡን፡ ሕግን ስርዓትን ከኽብሩን ኮንትሮባንድ ክከታተሉን፡ ሕጊ ትራፊክ ሙኒቺፕዮ ፖሊስ ከተግብሩ፡ ብቕዓት ስራሕን ሞያን ብቕዓት ንኣገልግሎት ዝቐርቡ ኣቑሑት ዝግምግሙን ዘፍቅዱን ሰበ ስልጣን ክምዘዙ ዝግድድ’ዩ። • ስልጣን፡- ውሳኔ ናይ ምሃብ ናጽነት+ ተሓታትነት+ ግሉጽነት= ብልሽውና • ጠንቅታት ብልሽውና፡ ምሒር ስስዐ፡ ክቱር ድኽነት (ብኣታዊኻ ጥራሕ ክትነብር ዘይምኽኣል)፡ ድኹም ተፈጻምነት ሕጊ፡ ወይ ድማ ሕውስዋስ ናይዘን 3 ረቛሒታት • ብኸመይ ይፍጸም? ብልሽውና ንኽፍጸም ክልተ ወገናት ክህሉዉ ኣሎዎም፣ ናይ ጠለብ ወገንን ናይ ቀረብ ወገንን። ክልቲኦም ወገናት ገበነኛታት ኢዮም፡ ፍትሒ ወይ ሕጊ ከተዘንብዕ ብዝወሃብ ገንዘብ፡ ቅጥዒ ከይተማልአ፣ መንግስታዊ ኩንትራት ክትወስድ ወይ ጨረታ ክትዕወት ብዝወሃብ ገንዘብ፡ ካብ ዜጋታት ገንዘብ ክትወስድ ብዝግበር ዘምኽኑይ ምድንጓይ ወይ ምፍርራሕ፡ ንብረት መንግስቲ ብዝተፈላለየ መልክዕ ንውልቃዊ ረብሓኻ ብምውዓል፡ ገንዘብ መንግስቲ ሰነድ ብምትምያን ወይ ዝተፈላለየ ሜላ ተጠቒምካ ብምስራቕ፡ ብሰበይ ሰብካ መንግስታዊ ስራሕ ወይ ዕብየት ደረጃ (ሓላፍነት) ምሃብ፡ ኣብ መንጎ ተገልገልትን ሰበ ስልጣንን ብምምላድ ወይ ብምድላል። • ዓይነታት ብልሽውና፡ ፖለቲካዊ፡ ምምሕዳራዊ፡ ፋይናንሳዊ፡ ፍርዳዊ፡ ስነ-ፍልጠታዊ • ፖለቲካዊ ብልሽውና፡- ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ብዘለዉ ሓለፍቲ ዝፍጸም ተርእዮ ኮይኑ፡ ስልጣንካ ተጠቒሞካ ምስ ናይ ውሽጥን ወጻእን ነጋዶ ብምምሽጣር ሃብቲ ሃገር ምብኻን፡ ሕጊ ዘየፍቅዶ ረብሓ ምሕፋስ፡ ስልጣካ ክትሕልዉ ክትብልብ (ጉድካ መታን ከይቅላዕ) ካብ ሕጊ ወጻኢ ሰብ ምፍርራሕ፡ ምእሳርን ምቕታልን፡ ኣብ ምርጫ ኣደናጊርካ ድምጺ ህዝቢ ምስራቕን ኣብ ቦታ ሓላፍነት ኣብ ክንዲ ብቑዕ ሰብ ውልቃዊ ረብሓ ሓለፍቲ ዝሕሉ ሰብ ምምዛዝን (ብገንዘብ ብዝምድና ብጃንዳነት ወዘተ) የጠቓልል።

  • ምምሕዳራዊ ብልሽውና፡

ጸጋታት ህዝብን መንግስትን ብዉሕሉል ኣገባብ ዘይምጥቃም፡ ክባኽኑ እናረኣኻ ሸለል ምባል፡ ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ብሕጊ ዘይምቑጻር፡ ደሞዝ መንግስቲ እንዳተቐበልካ፣ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ካልእ ዉልቃዊ ረብሓ ኣብ ትረኽበሉ ስራሕ ምውፋር፡ ብገንዘብን ጃንዳነትን ሰዲዕካ ንዜጋታት ብማዕረ ዘይምግልጋል፡ ስራሕን ዕብየትን ኣብ ምርካብ ምእዙዝነት ልዕሊ ብቕዓት ሰሪዕካ ምኻድ (ካብ ዝጻዓረ ዘሕሾኽሾኸ ዝከሓሰሉ) • ፋይናንሳዊ ብልሽውና፡- ዝንቡዕ ኣገባብ ዕድጊን ጨረታን ምዝውታር፡ ገንዘብ ወይ ንብረት መንግስቲ ምስራቕ፡ ደሞዝ ንዘየለዉ ሰራሕተኛታት ምኽፋል፡ ባጀት ንዘየሎ/ዘይስራሕ ፕሮጀክት ምስላዕ፡ ባጀትካ ዘየፍቅዶ ልቓሕ ካብ ባንክ ምውሳድ፡ ዘይግቡእ ረብሓ ንምርካብ ቅብሊታትን ሰነዳትን ምትምያን ወዘተ።

  • ፍርዳዊ ብልሽውና፡

ብገንዘብ ወይ ብሰብ/ብዘመድ ሰዲዕካ፣- ፍርዲ ምዝምባዕ፣ ወይ መርትዖታት፡ ክትምየን ምፍቃድ፡ ብይን ምድንጓይ፣ መወዳእታ ዘይብሉ፡ ቆጸራ ምሃብ፣ ብሎሚ ጽባሕ ላል ምባል፡ ብይን ምሕራም፣ ደይ መደይ ኢልካ፡ ሰነዳት ምሕባእ ወይ ምጥፋእ፡ ፍርዲ ኣብ ዕዳጋ ትወርድ (ዝለዓለ ዋጋ ንዝኸፍል በዓል ነገር ትሽየጥ)፡ ሰብ ወይ ገንዘብ ዘለዎ ብዓል ነገር ሓቅነቱ ብዘይገድስ ቅኑዕ ኢዩ ይረትዕ ድማ፣ ሰብ ወይ ገንዘብ ዘይብሉ ብዓል ነገር፣ ፍትሒ ይንፈጎ፣ በደሉን ክሳርኡን ተሰኪሙ ክራገም (ኤህ! ክብል) ይነብር። •

ደረጃታት ብልሽውና፡- ስቱር ብልሽውና፡ ኣብዚ ደረጃ’ዚ ብልሽውና ብመገዲ ሳልሳይ ኣካል (ብመቕርብ ወይ ብደላላይ) ኣቢሉ ይፍጸም፣ በዓል ስልጣን ዘየድሊ ምዕጥጣይ ይገብር፣ ተገልጋሊ ጉቦ ክህብ ዘሎዎ ቅሩብነት የርኢ፡ ኩሉ ተግባራት ብዉልቂን ብስቱርን ይፍጸም፡ እዚ ብልሽውና ሙሽሙሽ ኮሚደረ ይበሃል፡፡ ጉልባቡ ዝቐልዐ ብልሽውና፡ ኣብዚ ደረጃ’ዚ ብልሽውና ኣብ መንጎ ኣገልጋሊን ተገልጋሊን ብቐጥታ ይፍጸም፡ ብልሽውና ትካላዊ (ዉዱብ) መልክዕ ይሕዝ፡ ተገልጋሊ ጉቦ ከይሃበ ነቲ ሕጊ ዘፍቅደሉ መሰል’ውን ክረክብ ዘይክእለሉ ደረጃ ይብጻሕ፡ ኣገልጋሊ ንጉቦ ከም ሕጋዊ መሰሉ ቆጺሩ፣ ብጋህዲ ዝሓተሉን ዝዋገየሉን ደረጃ ይብጻሕ።

  • ሳዕቤናት ብልሽውና፡

ፍትሒ ኣብ ዕዳጋ ትሽመት፣ ዝሓየለ ወይ ሓያል ሰብ ዘለዎ ኩሉ ጊዜ ይረትዕ፡ ሕልናኻ ከይሸጥካ ወይ ኣብ ብልሽውና ከይተቛማጣዕካ ክትሰርሕ ኣይትኽእልን፡ ኣብ ክንዲ ብቕዓት ምእዙዝነት ተዐውት፡ ሞያ ድማ ይነዓቕ፡ ሃብቲ ሃገር ይሕሸሽ ወይ ናብ ወጻኢ ይስደድ፡ ኣውፈርቲ ሓጺር ዕድመ ዘሎዎ ወፍሪ ይመርጹ፣ ጸገም ከምዝመጽእ ስለዝፈልጡ፣ መንግስቲ ኣብ ዓይኒ ህዝቢ ሕጋዊ ብቕዓት የጥፍእ፡ ኣብ ህዝቢ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ስምዒት ይነግስ፡ ቁጠባዊ ፍርያምነት የንቆልቁል፡ ኮንትሮባንድ ይስዕርር፡ ኣታዊታት መንግስቲ ይንኪ፡ ፕሮጀክትታት ልምዓት ባጀት ስኢኑ ይሳቐ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብፍላይ ትምህርትን ሕክምናን ብቕዓቱ የንቆልቁል፡ንጉቦን ካልእ ንሰበስልጣን ኣብ ምሕጓስ 26 ዝሕሸሽን ዝባኽንን ገንዘብ ኣብ ዋጋ ሃለኽቲ ይድረብ፡ ግቡእ ቀረጽ ከይከፍል፡ ናይ ሓሶት ሰነዳት ንዲክለረሽን ይቐርብ፡

ስለዚ ድማ ናህሪ ዋጋታት መዕገቲ ይሰኣነሉ (እቲ ኣደራዕ ኣብ ህዝቢ ይወርድ)፡ ንነጋዶ ዝውገን ንብረት መንግስቲ (ህዝቢ) ብቑዕ ክንሱ ብትሑት ዋጋ ተተሚኑ ይሽየጥ፡ ብመንግስቲ ዝግዛእ ንብረት ነጋዶ ሕሱር ክንሱ ብኽቡር ዋጋ ተተሚኑ ይግዛእ። ናጻ ውድድር ኣይህሉን፡ ጨረታታት ንማለቱ ይካየዱ፡ ዝዕወቱ ውሑዳትን ፍሉጣትን ይኾኑ፡ ብቕዓቶም ዘይሓለዉ ሃለኽቲ ኣቑሑ ዓገብ ዝብል ዘይብሎም ንዕዳጋ የዕለቕልቑ፣ ደረጃታት ዘየማልኡ ብቕዓት ዘይብሎም ወይ ከይተፈጸሙ ዝኣርጉ ፕሮጀክትታት ይበዝሑ፡ ገንዘብ ሃገር ቁጠባዊ ረብሓ ኣብ ዘይርከበሉ መደባት ምግያጽን ዙረትን ይባኽን። ጸኒሑ ድማ ናብ ባንክታት ወጻኢ ይሃድም፡ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ቅልውላው ይገሃድ፡ ሃገር ኣደዳ ወተሃደራዊ ዕልዋታትን ኩሉ ግናይ መካይድቱን ትኸውን፡ ብልሹዋት ሓለፍቲ ብብልሽውና ዝኣከብዎ ገንዘብ ሒዞም ሃገር ራሕሪሖም ይኹብሉሉ፡ ሃገር ድማ ሕቖ ዝሰብር ዕዳ ተሰኪማ ትተርፍ።

  • ብኸመይ ንቃለሶ?

ዓገትቲ ስጉምትታት ምውሳድ፡ ቀጻሊ ትምህርቲን ምንቕቓሕን ምክያድ፡ ምዱብን ሃንደበታዊን ምቁጽጻርን ምጽብጻብን ምዝውታር፡ ጽኑዕ ሕጊን ብቑዕ ኣፈጻሚ ሓይልን ምህናጽ፡ ጽሩይን ብቑዕን ናጻን ፍርዳዊ ኣካል ምቛም፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝመለለይአን ትካላት ምህናጽን ምዅስኳስን።

  • ቀጻሊን ኣድማዒን ምቁጽጻር፡

ንግሆ ምድሪ፣ ቅድሚ መሳርሕትኻ መጺእካ ንስራሕ እናኣተኻ ከለኻ፡ ብዝሕ ዝበለ ገንዘብ ዝሓዘት ማሕፉዳ ኣብ ኮሪዶር ወዲቓ እንተ ትረክብ? እንታይ ምገበርካ? ዝዕዘብ ሰብ ወይ መሳርሒ ኣብ ዘይብሉ፡ 22% እእክባ፡ 4% አረክባ፡ 74% እጠራጠር።

ኣብ ዘለዎ፡ 3% እእክባ፡ 78% አረክባ፡ 19% እጠራጠር። • ቀጻዒ ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ብልሽውና ዝከታተልን ዝምርምርን፡ ክሱሳት ናብ ሕጊ ዘቕርብን ዘቕጽዕን፡ ምሉእ ብሕጊ ዝተዋሕሰ ስልጣን ዘሎዎ፡ እኹል ዓቕሚ ሰብ ባጀት መሳለጥያ ዝውንን፡ ብንጹርን ኣድማዒን ሕጊ ዝምራሕ፡፡ ጸረ ብልሽውና ትካል ብኣዋጅ ምቓም፣ ሓገዝቲ መቆጻጸሪ ኣገባባት፡ ኣብ ኩሎም ሰራሕተኛታት ተፈጻምነት ዝህልዎ፣ ምዱብ ምእዋጅ ንብረትን፣ በብጊዜኡ ምክትታልን ምንጽጻርን፣ ምምጥጣን ኣብ መንጎ ኣታዊኡን ዝውንኖ ንብረትን፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ባዕሎም፣ ካብ ዝተወሰነ ጽፍሒ ንላዕሊ ንዝርከቡ ካኣ መጻምድቶም ኣብ ንግዲ ከይዋፈሩ/ራ ምኽልካል፣ • ኣብ ምቁጽጻር ብልሽውና ሰብ ፈረቓ? ፕረስ (መሃር መደባት፡ ብምቕራብን ምክትታልን ምቅላዕን ብምዝውታር)፡ መራሕቲ ሃይማኖት (ሕልና ምኹስካስ)፡ ህዝቢ፣ እቲ ኩሉ ሳዕቤናት ብልሽውና ዝስከም ህዝቢ ባህሉ ከፈሓቑ ብምቅላስን ገበኛታት ብምፍንፋንን።

  • ብልሽውናን መቕጻዕትን:-

ልኡም ኣተሓሕዛ ጉዳያት: ክሱስ ብዝተታሕዘላ ፍጻሜ ጥራሕ ናብ ሕጊ ይቐርብ: መስርሕ ፍርዲ ከይተወድአ ጉዳዩ ኣብ ፕረስ ክቃላሕ ኣይፍቀድን። ብገበናዊ ሕጊ ዝግባእ ፍርዲ ይብየነሉ፡ ፍርዱ ምስ ወድአ ናብ ስርሑ ክምለስ ይኽእል። – ዕቱብ ኣተሓሕዛ ጉዳያት:- በታ ዝተታሕዘላ ፍጻመ ናብ ሕጊ ይቐርብ: ኣጠራርያ ካልእ ንብረቱ ንመርመራ ይቃላዕ: ብዘይ ሕጊ ንዝረኸቦ ረብሓ ክመልስ ይግደድ። – ዕቱብ ኣተሓሕዛ ጉዳያት፡- ጉዳዩ ካብ ፈለማ ኣብ ፕረስ ይቃላሕ፣ ምስ በደሉ ዝዳረግ መቕጻዕቲ ይብየነሉ፣ ናብ ስርሑ ከይምለስ ወይ ካብ ዝኾነ መንግስታዊ ስራሕ ክእገድ ይኽእል። • ብልሽውና ንኸይተባባዕ!! ካብ ሓንቲ ፍጻሜ ዝርከብ ዘይሕጋዊ ረብሓ ብዝሒ ዝደጋገም ብልሽው ፍጻመ ክተሓዝ ከሎ ዝወሃብ መጠን መቕጻዕቲ ብልሽውና ክቕጽልን ከይቅጽልን ይውስን። ንኣብነት ኩንታል ፊኖ ብ100 ግራም ንባኒ 1000 ባኒ ተውጽእ። ሕጋዊ ኣታዊ 1000 x 0.30 = 300.00 ኩንታል ፊኖ ብ80 ግራም ንባኒ 1200 ባኒ ተውጽእ። ኣታዊ 1200 x 0.30 = 360.00። ካብ ኩንታል ዝረኽቦ ዘይሕጋዊ ረብሓ 60.00 ይኸውን።

ስለዚ፡ ከይተታሕዘ ንሓደ ወርሒ እንተቐጺሉ 60.00 x 30 መዓልቲ = 1,800.00 ካብ ኩንታል ዘይሕጋዊ መኽሰብ 1,800 ናቕፋ ይረክብ። ንኣብነት ምስ ተታሕዘ፡- ብዘይ ሕጊ ዝረኸቦ ረብሓ ከይተሓድገ: 500.00 ናቕፋ እንተ ተቐጺዑ ገና 1,300.00 ናቕፋ ከሲቡ ስለ ዘሎ። ግን ከኣ ብዘይ ሕጊ ዝረኸቦ 1,800.00 ናቕፋ ተሓዲጉ 500.00 ናቕፋ እንተ ተቐጺዑ ብልሽውና ኣይቅጽልን። (500.00 ከሲሩ ስለዘሎ)፡፡

ንጉስ ሰለሙን: በደለኛ: ንእለቱን ክንዲ በደሉን: እንተ ዘይተቐጽዐስ: ልቢ ንጹሃት: ንገበን ይናፍቕ። (መጽሓፍ ምሳሌ) • ብልሽውና ከውድቐካ ’ምበር • ክቃለሰካ ከሎ ኣይረኣይን’ዩ!!! • ብልሽውና: መንሽሮ (ካንሰር) ኢዩ እንተ ዘይተቖጻጺርናዮ ክቈጻጸረና ኢዩ፣

  • ፖሊሲና፡

ዜሮ ተጻዋርነት ንብልሽውና!!! ዓወት ንሓፋሽ!! ቤ/ትምህርቲ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ናቕፋ ሓምለ 2015 27

ኣግራብ ምስ ዝውድኡ ቈጣቝጢ ይረኣዩ

ቀዳማይ ክፋል ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጅግንነት፡ ተወፋይነት፡ ብልሕን መሃዝነትን፡ ዓቕልን ተጻዋርነትን ዝተመልአ ናይ እጹብ ቅያታት ታሪኽ’ዩ፡፡ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ጎኒ ንጎኒ እቲ ዓለም ዘደነቐ ጅግንነት ንወለዶታት ዝሕደጉ ብዙሓት ምኹንያትን ዘይምኹንያትን ውሳነታትን ፍጻመታትን ተሓሊፉ”ዩ፡፡

ንታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተበሊጹ ብጉርሕን ሽርሕን ብሉጻት መራሕትን ተጋደልትን እንዳሕቐቐ ኣብ ስልጣን ዝተኾየጠ ኢሳይያስ ናይ ትማል ታሪኽ ሕጂ”ውን ካብ ሕሉፍ ብዝበኣሰ መገዲ ይቅጽሎ ኣሎ፡፡ ቀስብቐስ ነቶም ኣብ ጽንኩር ከም ወርቂ ኣብ ሓዊ ዝተፈተኑ ውፉያት በላሕትን፡ ጀጋኑ ብዝተፈለላየ ምኽንያት ምስ ኣጥፍኦም፡ ታሪኽን ባህልን ህዝቢ ኤርትራ ተደብዩ፡ ናይ ትማል ቅያን ጅግንነትን ተረሲዑ ከምድላዩ ናብ ስልጣን ብዘድይቦን ዘውርዶምን፡ ሕልናኦም ዘይወቕሶም፡ ናይ ምድንጋር ጨለታትን ገበላትን ተፈጢሮም፡፡

ኣብ ቃልሲ ንናጽነት መተካእታ ኣልቦ ተራ ዝነበሮም ከም በዓል ኢብራሂም ዓፋ፡ ወዲ ፍላንሳ፡ ኣብርሃም ተወልደ፡ ድሩዕ፡ ጴጥሮስ፡ ሸሪፎ፡ ዕቑበን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ሓቒቖም፡ ተረሲዖምን ሃሲሶምን ሃገር ኣብ ትሕቲ ምልኪ ወዲቓ እናሻዕ ንመላኺ ዝምብርከኹ፡ ውልቃዊ ድልየታቶም ዘቕድሙ ብታሪኽ እንዳማቶም ብዝጣልዑ ጠላማት ተመሊኡ። ኤርትራ ከም ሃገር ነጻ ምስ ወጸት ድሕሪ ሒደት ዓመታት ብኢሳይያስ ግንዖ ተመጽዊቶም እዚ ዝበሃል ታሪኽ ዘይነበሮም ኣግራብ ምስተወድኡ ክረኣዩ ዝጀመሩ ጎባልል ቆጣቑጢ ኣብ ቤ/ጽ ፕረዚደንት ኣለው። ቤ/ጽ ፕረሲደንት ዝሰተሮ ሚስጢራት ተጸብጺቡ ኣይውዳእን፡፡

ኣብዚ ቤ/ጽ ነቶም ስማውያን ሚኒስትራት፡ ኮሚሽነራት፡ ሓለፍትን ካድራትን ተኪኦም ዝዓዩ ብኢሳይያስ ፍሉይ ስልጣን ዝተዓደሎም ሰብ ግዜ ቈጣቑጢ ኣለው። ንሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ፡ ንህግደፍ፡ ንወኪል ሃገራዊ ድሕነት ተኪኦም ኣብ ዝተፈላለየ ዕዮታት ዝዓሙን ናእሽቱ ምክትል ፕረሲደንታት ዘለውዎ ገዛ ኢዩ፡፡ ናይ ካልእ ሓዲግና ንሎሚ ኣብ ጉዳይ “ጸጥታ” ኣድሂብና ብምስምስ ሃገራዊ ረብሓን ድሕነትን ሕቡእ ተልእኾታት እናተውሃቦም ዝሰርሑ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ዘይፈልጦም፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ብዙሕ ዝተጸባጸቦም ጉዳይ 6 “ኣናብስ ግበረ-ሽበራውያን” ቤ/ጽ ፕረሲደንት ክገልጽ፡፡ እዞም ሓለፍቲ ብትእዛዝ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ካብ ትካላዊ ኣሰራርሓ ወጻኢ ውልቃዊ ተኣማንነትን ዘይወግዓዊ ኣገባብን ብዝዓብለሎ መገዲ ኣብ ኣዚዩ ሚስጢራዊ ተግባራት ዝሳተፉ’ዮም። ቀንዲ ተልእኾኦም ኣብ ግዳማዊ ስርሒታት ኮይኑ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዕጡቋት ተቓወምቲ ጉጅለታትን ግበረ- ሽበራውያን ዝተፈላለየ ሓገዛት ምሃብ”ዩ፡፡

ማሕበረ ሰብ ዓለም ንተግባራት ናይ”ዞም ተለኣኣኽቲ ግበረ-ሽበራውያን ኢሳይያስ ኣብ ሰነዳት ረቒሑዎም ’ዩ። “ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ” ከምዝበሃል ብተግባራት እዞም 6 ተለኣኣኽቲ ኢሳይያስ፡ ሃገርና ስማ ምስ ግብረ-ሽበራዊ ሽርሕታት ክጽዋዕን፡ ሓያሎ ዲፕሎማስያዊ ኪሳራታት በጺሑዋን፡፡

ካብ ሎሚ ጀሚረ እከይ ተግባራት እዞምቆጣቑጢ/ ፕረሲደንት ክቕርበልኩም።

  1. “ብርጋዴር ጀነራል” ጠዓመ ጎይቶም ክንፉ (መቐለ): ወዲ 59 ዓመት ኮይኑ ኣብ 1970ታት ኣብ ህ.ግ ተሰሊፉ ኣብ እንዳ 72 ተመዲቡ ኣብ ናይ ከተማ ሕቡእ ውደባታት ክነጥፍ ጸኒሑ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ንመንግስቱ ሃይለማርያም ንምቕታል ብትእዛዝ ፕረሲደንት ናብ ዙምባቡዌ (ሃረሬ)ተላኢኹ፡፡ ብኣባላት ጸጥታ ዙምባቡዌ ምስተተሓዘ ሚሊዮናት ዶላር ተኸፊሉ ተፈቲሑ ናብ ኣስመራ ተመሊሱ፡፡ እቶም ሰብ ግዜ ጀነረላት ከይተረፉ ብግድምንኡን ናይ ቃልሲ ተርኡን እንዳነዓቕዎ ምስ ኢሳይያስ ብዘለዎ ፍሉይ ቅርበት ግን ይፈርሑዎ። ብተኣማንነትን ዘይወግዓዊ ኣገባባትን ብቀጥታ ካብ ፕረሲደንት ትእዛዛት እንዳተቐበለ ብጉልባብ ናብ ዝተፋለለያ ሃገራት (ሱዳን፡ ኮንጎ፡ ኣንጎላ፡ ሩዋንዳ፡ ሶማል፡ ምስሪ፡ የመን፡ ስዑድ ዓረብ፡ ዓረብ ዒመራት፡ ስሪላንካ፡ ጥልያን፡ ኢንግላንድን ካልኦትን) እንዳተዋፈረ ኣብ ምሽማት ኣጽዋርን ግዳማዊ ሓገዝን፡ ኣብ ሱቱር መርበባት ቢዝነስ፡ ኮንትሮባንድን ስለያን ክነጥፍ ጸኒሑ፡፡

ብቤ/ጽ ፕረሲደንት ከም ጉልባብ ዝተዓደሎ ሓላፍነት ኣካያዲ ስራሕ ኩባንያ ህንጻ ሆርን ዝብል ኮይኑ እቲ ዘይወግዓዊ ጽፍሑ ግን ሓላፊ ግዳማዊ ስለያዊ ስርሒታት ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ዩ፡፡ ብ/ጀ መቐለ ዘዋፍሮምን ዝኣልዮምን ጉጅለታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣልሸበብ (ሶማል)፡ ሒዝቡል ኢስላም (ARS ሶማል)፡ ሒዝቡል ኢስላም (እስላማዊ ግንባር ሶማል)፡ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን (ኢትዮጵያ ሶማል)፡ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)፡ ጉጅለ ዓፋር ኢትዮጵያ፡ ግንባር ንሕብረትን ዴሞክራስን ጁቡቲ (ፍሩድ) እዮም። መብዛሕትኦም እዞም ጉጅለታት ብመንግስታቶምን ብማሕበረ ሰብ ዓለምን “ግብረ-ሽበራውያን” ተባሂሎም ዝተረቑሑ’ዮም። ጸብጻብ ተቘጻጻሪት ጉጅለ 28 ባይቶ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራን ሶማልያን ‘ውን ጉጅለ ኢሳይያስ ነዞም ዕጡቓት ጉጅለታት ዝገብሮ ንጥፈታት ኣጽኒዑ ንባይቶ ጸጥታ ኣቕሪቡ ብ1844(2008)ን 1907 (2009) ዝፍለጥ እማመታት ብምግሃስ እገዳ ኣንቢሩ።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ተቘጻጻሪት ጉጅለ ባይቶ ጸጥታ ዘቕረበቶ መርትዖታት ከም ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ብምስጢር ካብ ዝተሰነዱ ጸብጻባት ብ/ጀነራል መቐለ ሓለፊ ግዳማዊ ስለያዊ ስርሒታት ብምዃን ዝገበሮ ምንቅስቓሳት ብኸምዚ ዝስዕብ ይገለጽ። – ብ/ጀነራል ጠዓመ ጎይቶም (መቐለ) ኣብ ሕቡእ ስርሒታት ዝጥቀመለን ካልኦት ኣስማት ኣብርሃም ጠዓመ፡ ፍጹምብርሃን ተወልደን ዝብል ኮይኑ ብትእዛዝ ፕረሲደንት ዝተፈላለየ ፓስፖርት Travel documents ን ይወሃቦ።

ንኣብነት ብስም ኣብርሃም ጠዓመ ብቁጽሪ L02154 ዝተመዝገበ Travel document ሒዙ ዓርቢ ዕለት 04/ሰነ 2014 ብናስ ኤየር ናብ ካርቱምን ጁባን ተጓዒዙ ዝተፈላለዩ ግዳማዊ ስርሓት ፈጺሙ ተመሊሱ። ብስም ፍጹምብርሃን ተወልደ ብቁጽሪ 0294365 ኣብ ኢሚግረሽን ዝተመዝገበ ፓስፖርት ተጠቒሙ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ይገይሽ። ኣብ 2013 ናብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንግዳማዊ ስርሒታት ምስኡ ተጓዓዙ ኣባላት፡ በረኸት የማነ ገብረኪዳን (ፓ.ቁጽሪ 0381346)፡ ተዓገስ ህብተዝጊ ኣብርሃም (ፓ.ቁ 0382265)፡ ኣድሓኖም ገብረስላሰ የማነ (ፓ.ቁ 0381345) ዝተብሃሉ’ዮም። –

መራሕቲ ዕጡቓት ጉጅለታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ሒዞም ካብን ናብን ክንቀሳቐሱ ልሙድ ተርእዮ እዩ። ነዞም ኣካላት ዝዕደል ፓስፖርት ብቀጥታ ብቤ/ጽ ፕረሲደንት ይእዘዝ። ብትእዛዝ የማነ ገብረኣብን ተስፋልደትን ዝንቀሳቐሱ ንጉዳይ ፓስፖርት ግብረ-ሽበራውያንን ተቓወምቲ ጉጅለታትን ናብ ኢሚግረሽን ተላኢኾም ዘሳልጡ፡ ኮሎኔል ክብሮም ኣብርሃምን መሓመድ ስዒድ (ወዲፈረጅ) ዝተባህሉ ኣባላት አለዉ። ንኣብነት ንሓላፊ ጉጅለ ግንቦት 7 ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ኣብ 2009 ወርሒ 9 ናይ ኣመሪካ ፓስፖርት ከለዎ ብተወሳኺ ብቁጽሪ Y27129 ዝተዳለወ ትራቭል ዶኩመንት፡ ንሓላፊ ጉጅለ ኦሮሞ ብር/ጀነራል ከማል ገልቹ ከኣ ፓስፖርት ቍጽሪ L2765485 ተዳሊዩሎም። ብ/ጀነራል መቐለ ካብ 1998 ጀሚሩ ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ዕጡቋት ጉጅለታት ሶማል፡ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳንን ካልኦትን ጥቡቕ ርክብ መስሪቱ ኢዩ።

ንኣብነት ካብ ሶማል ምስ ሑሴን መሐመድ ፋራሕ ኣይድድ፡ ምስ ሸኽ ሸሪፍ ኣሕመድ፡ ሸኽ ሓሰን ዳሂርኣዌስ፡ ኣሕመድ ኣብዲ አቡ ዙቤር (ጎዳኒ)ን ካልኦትን ክሳብ ሶማል ብምእታው ኣብ ሞቋደሾ፡ ባላድ፡ ኣፍጎየ፡ ባይደዋን ኪስማዮ ኣትዩ ይራኸብ ከምዝነበረ ጸብጻበቱ ይሕብር። – ሶማል ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሕብረት እስለማዊ መጋባእያታት (UIC) ምስ ኣተወት ንሓለፍቲ እቲ ሕበረት ብመንገዲ ብር/ጀ መቐለ ተመምዮምን ተዓዲሞምን ምስ ኢሳይያስ፡ የማነ ማንኪ፡ ብር/ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ካልኦትን ክራኸቡ ብምግባር ኣብ ኤርትራ ንወተሃደራዊን ፖለቲካዊን ንጥፈታቶም ምቹእ ባይታ ኣጣጢሑሎም። ብፍላይ ካብ 2005 ጀሚሩ UIC ኣንጻር መስጋገሪ መንግስቲ ሶማል ንዘካይዶ መጥቃዕታት ብኣየር፡ ብመሬትን ብባሕሪን ኣጽዋራት ካብ ኤርትራ ብምውህሃድ መቐለ ተላኢኹ።

UIC ምስተበታተነ፡ ቀጺሉ ካብ UIC ዝመጸ ምስ መራሕቲ ግበረ-ሽበራዊ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ኣብ ኣስመራ፡ ናይሮቢ፡ ካምፓላ፡ ኪስማዩ፡ ጁባ፡ ባይደዋ ርክባት ብምግባር ናብ ውሽጢ ሃገርና ኣትዮም ወተሃደራዊ ታዕሊማትን ኩለንትናዊ ሓገዛትን ክረኽቡ ተራባሪቡ’ዩ። – ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እስላማዊ ኩናት (ጀሃድ) ዝኣወጁ “UIC ን ኣል-ሸባብን ንምድምሳስን መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ንምሕጋዝን” ብዝብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ናብ ናብ ሃገረ ሶማል ምስ ለኣኸ ብብር/ጀ መቐለ ኣቢሉ ክግበር ዝጸንሐ ሓገዛት ዝያዳ ደንፊዑ ቀጺሉ። ብወገን ኤርትራ ውን ብትእዛዝ ኢሳይያስ ኣፈናዊ መጽናዕታት ተገይሩ ፈለማ ኣሃዱ ፍሉይ ሓይሊ (ክ/ሰ 84) ነቲ ጉዳይ ክዳለወሉ ተሓቢሩ። ፕረሰደንት ኢሳይያስ ምስ ኣዛዚ ክ/ሰ 84 ኮ/ል ወልደማርያም ጸጋይ ኣብ ገረሰትን ስንከተክናብን ኣብ ዝተፈለላዩ እዋናት ካብ መራሕቲ ቦጦሎኒ ንላዕሊ ብምእካብ ሓያሎ ጎስጓስ ገይሩ። ኣሃዱ 84 ንፍሉይ ስርሒት ሶማል ንምውፋር ምድላዋት ከካይድ ስለተኣዘዘ ናብ ሰ/ቀ/ባሕሪ ዒን ተጓዒዙ ቅዲ ኩናት ምድረባዳ፡ ካብ ነፈሪት ምዝላልን ፍሉይ ታዕሊምን ልምምድን ኣካይዱ። ኣብ ወርሒ 4/2006 ኣዛዚ 1ይ ብርጌድ ክ/ሰ 84 ዝነበረ ሌ/ኮሎነል መንግስትኣብ ሳሙኤል ኢሳቕ (ማርቶቭ)ን ኣዛዚ 4ይ ብርጌድ ነበር መጀር ተስፋዝጊ (መርዓዊ) ብብር/ጀነራል መቐለ ተመሪሖም ንወተሃደራዊ ኮለላን መጽናዕትን ብሕቡእ ንሶማል ተላኢኾም ተመሊሶም። እንተኾነ ሚዛን ውግእ ኣብ ሶማልን ናብ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ምስ ዛዘወ ከምኡ ውን ጉዳይ ሶማልን ሸባብን ዓለማዊ ኣቓልቦ ስለ ዝተውሃቦ ኢሳይያስ “ስትራተጂክ ለውጢ የድለየና’ሎ” ብምባል ንሶማል ሰራዊት ምልኣኽ ደው ኣቢሉዎ። ኣብዚ እዋን ምትእትታው ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሶማል ዝተዓዘቡ ተንተንቲ ፖለቲካ ነቲ ኩነታት proxy war ዝብል ስም ሂቦሞ ነይሮም።

– ብኢሳይያስ ዝተሓንጸጸ ስትራተጅካዊ ለውጢ (ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ዝርከቡ ጸብጻባት ብር/ጀነራል መቐለ ከምዝሕብሩዎ) ወርሒ 8 ዕለት 7 2006 ወጋሕታ ካብ ባጽዕ Red Sea Hotel ዝተበገሱ 7 ወተሃደራት ኣብ መዕርፎ ነፍርቲ ባጽዕ ምስ በጽሑ ኣብ ሓንቲ ብሩስያውን ትምራሕ ተፋሪት ተሰቒሎም ናብ መቋደሾ ተበጊሶም። ኣብታ ነፋሪት 29 ብልዑል ጥንቃቐ ኣብ መቋደሾ ዝወረዱ ዜጋታት ኣባላት ምክትታል ዶባትን ሜካናይዝድ ኮይኖም ኪኢላታት ስልቲ፡ ሃንደሳን፡ ከበድ ብረት፡ ጸረ ታንኪን ጸረ ነፈርትን ዓለምቲ እዮም፡፡

ኣስማቶም፡ ሮማዳን፡ ኢብራሂም፡ ቢንያም (ካብ ምክትታል ዶባት)፡ ኣፈወርቂን ማእከለን ካብ ሜካ/ክ/ሰ 49፡ ሳምሶን የመነ (ኪኢላ ካርታን ሓበሬታን ካብ ክ/ሰ 36) ከምኡ’ውን መሓመድ ዝተብሃለ ካብ በዓል ተኽለ ማንጁስ ዝተልኣኸ ትርጁማን ቋንቋታት ዓረብን ስዋሂሊን ከም ዝኾኑ እቲ ጸብጻብ ይሕብር። ቀጺሉ እቲ ጸብጻብ እዞም ኣባላት ኣብ መቋደሾ ምስዓረፉ ምስ ኮ/ል ተወልደ ሃብተ ነጋሽ- ወዲ ኪዳነ ዝተብሃለ (ኣብ ካልኣይ ክፋል ጽሑፈይ ከገልጸልኩም ኢየ) ንኽራኸቡ 896836ን 880619 ዝብል ቁጽሪ ዘለወን ቴለፎናት መቐለ ከም ዝሃቦም ይገልጽ። ብዝተገብረ ምውህሃድ፡ ወዲ ኪዳነ ካብ መቓድሾ ቴለፎን ተቐቢሉ ምስ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ጉጅለታት ሶማል ኣራኺቡዎም። ብሓፈሻኡ፡ እዞም ኣባላት ኣብ ዝጸንሑለን 3 ኣዋርሕ ን560 ኣባላት ጉጅለታት ሶማል ወተሃደራዊ ስልቲ፡ ናይ 43 ኣባላት ትምህርቲ ጸረ ተሸከርከርትን ጸረ ሰብ ነተጉቲ፡ ን22 ኣባላት ትምህርቲ ጸረ ነፍርቲ (ስቲንገር)፡ ን27 ኣባላት ድማ ናይ ጸረ ታንኪ (ስትሬላ) ኣብ ኣፍደወ ዝተባህለ መዓስከር ከም ዘሰልጠኑዎምን ካልእን ብደቂቕ ተሰኒዱ ይርከብ። –

ምስዞም ወተሃዳራዊ ኪኢላታት ካብ ኤርትራ ተኮስትን ተተኮስትን (01/02) ኣጽዋራት፡ ካብ ኤምዳዳት ቪላጆ፡ ዓሻጎልጎልን ሰረጀቓን ተሰዲዱ። ኣብ ዝርዝራት ዝተልኣከ ዓይነት ኣጽዋራት ተተኮስቲ (ጠያይት ከላሽን፡ ቀጭሕርሙ፡ ብሬን፡ ቦምባ ኣርበጂን ሞርታርን )፡ ተኳሲ (ክላሽን፡ ቀጭሕርሙ፡ ብሬን፡ ኣርፒጂ፡ ሞርታር፡ ጸረ ታንኪ ስትሬላ፡ ጸረ ነፍርቲ) ኮይኑ፡ ብርክት ዝበለ ጸረ ሰብን ጸረ ተሸከርከርትን ነተጉቲ ዝሓዘ ሳንዱቕ ምልኣኹ ይሕብር። – ኣብ ወርሒ 10 ዕለት 20/2006 ከኣ A3 ዝብል መለለዬ ዘለዋ ካርጎ ተወሳኺ ኣጽዋር ከም ዝተላእከ ተጸብጺቡ። – ኣብ ካልእ ክፋል ጸብጻብ ብ/ጀ መቐለ ከም ዝተገልጸ፡ ብመንገዲ ሚኒስተር ዓሊ ዓብዱ ዝተመዘዙ ክልተ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና (ተስፋልደት ኪዳነን ሳልሕ እድሪስ ጋማን) ኣብ ታሕሳስ 22/2006 ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብጅቡቲ ኣቢሎም ኣብ መቓደሾ ሶማል ምእታዎም ይሕብር።

ኣግራብ ምስ ዝውድኡ ቈጣቑጢ ይረኣዩ

ካልኣይ ክፋል ናይ ፖለቲካ ሙሁራትን ተንተንትን

Information is power, however, unless acted upon, utilized and shared at the right time and place soon it becomes obsolete ይብሉ። ብመንጽር’ዚ ዕላማ ጸሓፊ ሳክቲዝም ንዘመናት ብዝተፈላለየ መገድታት ከዋህልሎ ዝጸንሐ ጭቡጥን ብሰነድ ዝተደገፈ ሓበሬታትን ንደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ብምዝርጋሕ፡ ካብ ድሌትና ወጻእ ናጽነት ኤርትራ ጨዊዩ ፍትሒ ንህዝቢ ዝሓረመ፡ ኣብ ሃገርና ስልጣን ቢሒቱ ዘሎ ጨቋኒ መላኺ ጉጅለ ካብ ሱሩ ንምምሓው”ዩ። ክቡራት ደለይቲ ፍትሒ ሓበሬታ ክንዲዝተደለየ ይተኣከብ፡ ይፈኖ ኣብ ግቡእ መዓላ እንተ ዘይዊዒሉ ንበይኑ ዘምጽኦ ለውጢ ኣይክህሉን። ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ብዛዕባ ጀጋኑና ምስ ጸነቱ ክረኣዩ ዝጀመሩ፡ ብኢሳይያስ ዝገበሉ ሰብ ግዜ ቈጣቑጢ “ኣናብስ ግብረ-ሽበራውያን” ቤ/ጽ ፕረሲደንት ዝምልከት ሓበሬታ ዘርጊሐ ነይረ። ቀጺለ ካልኣይ ክፋል አቕርበልኩም።

ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ዝርከቡ ብብርጋዴር ጀነራል ጠዓመ (መቐለ) ዝተዳለው “ንጉዳይ ግዳማዊ ስለያዊ ስርሒታትን ሓገዝ ንዕጡቋት ጉጅለታትን” ዝምለከት ጸብጻባት ዘረጋግጽዎ ተወሽኽቲ መረዳእታት ኣለው። ኣብታ ምጭውቲ ሃገርና ኤርትራ ብስርዓት ኢሳይያስ ዝተደኮና ማእለያ ዘይበለን መደበራት ወተሃደራዊ ታዕሊም ኣሎዋ። ካባና ሓሊፉ’ውን ዳርጋ ንኹላቶም ዕጡቓት ጉጅለታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተባጺሑ። ድሕሪ ናጽነት ጥራይ ንግዳማውያን ዕጡቓት ጉጅለታት (ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማል፡ ጁቡቲ፡ የመን) ዘገልግላ መደበራት ታዕሊም ከም በዓል ዓጋመት፡ ሃይኮታ፡ ሳዋ፡ ሞሎቨር፡ ዓሻጋላ፡ ሓሬና፡ ጀበል ሐሚድ፡ ዓዲቀሺ፡ ዓላ፡ ዊዓ፡ ምዕጥር፡ ዒን፡ ደማስ፡ ማይኣጣል፡ ኪሎማ፡ ኣፋምቦን ወዘተ ምጥቃስ ይከኣል። – ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ክሳብ 2015 ብኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተሱስን ብር/ጀነራል ነጋሽ ተስፋጽዮንን ክእዘዝ ጸኒሑ። ኣብ 2015 ኣብ ሞንጎ ኢሳይያስን ወዲሃብተስሉስን ሓያል ፍሕፍሕ ስለተፈጠረ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ፡ ማእከል ስልጣና ሓይልታት ምክልኻል ካብቶም ሓደሽቲ ቆጣቑጢ ዝኾነ ብ/ጀነራል ተኽለ ልብሱ ብምሃብ ኣብ ሰንከልከል ዝነበረ ብር/ጀነራል ነጋሽ ተስፋጽዮን ከኣ ኣብ ገዝኡ ኮፍ ክብል ተገይሩ፡፡ ብር/ጀነራል ተኽለ ልብሱ ብጀነራል ፍሊጶስ ተሓርዩ እዩ ዝተመደበ። – ማ/ስ/ሓ/ም/ኤርትራ ቀንዲ ዕማሙ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ዝግበር ታዕሊም ኣብ ምምራሕን ምእላይን ይነጥፍ።

ንናይ ደገ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝወሃብ ወተሃደራዊ ታዕሊማት ግን ካብ ማ/ስ/ሓ/ም/ኤርትራ ወጻእ ኣብ ትሕቲ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ብኣላይነት ኮሎነል ተስፋልደተት ተስፋስላሰን ብ/ጀነራል ጠዓመ ጎይቶም (መቐለን) ብላዕለዋይነት ይምራሕ። 30 – እቲ ዝጸንሐ ታሪኽ ገዲፍና ድሕሪ 2006 ንግበረ-ሽበራዊ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ዝተገብረ ሓገዝ እንተተዓዚብና፡ ኣል-ሸባብ ኣብ ዞባ ሰሜናዊን ደቡባዊን ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ብትእዛዝ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ካብ ሶማልን ካልኦት ሃገራትን ዝተኣኻኸቡ ኣባላት ኣብ ዊዓን ዒንን ተዓሊሞም ኢዮም። ምስጢራዊ ሓገዛት ንግብረ-ሸበራዊ ጉጅለ እስላማዊ መጋባእያን ኣል-ሸባብን – ኣብ መፋርቕ 2005 ሓለፍቲ ዕጡቓት ጉጅለታት ሶማል ብቤ/ጽ ፕረሲደንት ተደላወሎም ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ሒዞም ናብ ኣስመራ ክመላለሱ፡ ኣብ ሆቴላት ኢምፐርያልን ኢንተርኮንቲኔታልን ክዕርፉ ጀሚሮም።

ኣብቲ እዋን ሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ዝነበረ ብር/ጀነራል (ሽዑ ኮሎኔል) ስምኦን ገብረድንግል ብስውር ድሕነቶምን ሓፈሻዊ ምንቅስቃሳቶምን ዝከታተሉን ምስኦም ካብን ናብን ዝንቀሳቐሱን 12 ኣባላት መዲቡ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ምስ ኢሳይያስ፡ ኮሎነል ተስፋልደት፡ ወዲካሳ፡ መቐለ፡ ማንኪ፡ ቻርሊ ብስሩዕን ዘይስሩዕን እናተራኸቡ ክዝትዩ ጸኒሖም። – ብ/ጀ ጠዓመ ጎይቶኦም (መቐለ)፡ ኮሎኔል ተወልደ ሃብተ ነጋሽን (4 ምስ ግዜ ዝገልጾም ሰባትን) ናብ ሶማል፡ ኬንያን ጁባን ንጉዳይ ግዳማዊ ስለያዊ ስርሒታትን ንምእላይ ስግር ባሕሪ መሻርኽቲ ቢዝነስን ዝምልከት መደብ እናተዋሃቦም ይመላለሱ ነይሮም። ኣብዚ እዋን’ዚ ኢሳይያስ፡ መቐለ፡ ተስፋልደትን ኮ/ል ወልደማርያምን ብዛዕባ ምድላዋት ፍሉይ ሓይልታት 84ን (ካልኦት ድሒሮም ዝገደፍዎም ኣሃዱታትን ንኣብነት ክ/ሰ 525) ይዛተዩ ነይሮም። – ኣብ ቀዳማይ ክፋል ከም ዝገለጽኩዎ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰን ታሕሳስን ናይ 2006 ሸውዓተ ወተደራዊ ክኢላታትን ክልተ ጋዜጠኛታትን ናብ ሶማል ተላኢኾም።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ 1/2007 ካብ ሶማል ከባቢ ወደብ ኪስማዮ 1,199 ኣባላት እስላማዊ መጋባእያ (ኣልሸባብ) ብመርከብ ናብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዓሰብ ኣትዮም፡፡ ስታፍ ስለያ ስርሒት ዞባ 04 ዝነበረ ሌ/ኮ ግርማጽዮን ዮውሃንስ (ሃጸይነት)፡ ሓላፊ ወኪል ሃ/ድሕነት ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረ ሌ/ኮ ኪዳነ ደብሩ (ተዀሳተር)ን ካብ ኣባላት ስለያ ሓይሊ ባሕሪ ምኽትል ሓለቓ ሚእቲ ተስፉ ስዩም (ማንጃግሮ)ን ገለ ኣባላቶም ሒዞም ተቐቢሎም ናብ ግዝያዊ መደበር ታዕሊም ኣፋምቦን ኪሎማን ወሲዶምም። ኣብ ግዝያዊ ክ/ታዕሊም ኣፋምቦን ኪሎማን ናብ ክልተ ጉጅለታት ተመቒሎም ድማ ስሩዕ ታዕሊም ጀሚሮም። –

ኣፋምቦን ኪሎማን ንኽልተ ወርሒ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዝወሰዱ ተዓለምቲ ኣባላት እስላማዊ መጋባእያ (ኣልሸባብ) ኣብ ወርሒ 3/2007 ታዕሊም ወዲኦም ናብ ሶማል ክምለሱ ተወሲኑ። በዚ መሰረት’ዚ፡- ሀ) ብዕለት 9/3/2007 ፋዱስ ሰዓት 12፡00 ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ዓሰብ 434 ዕጡቃት ናብ ሓንቲ ናይ ጋና ዜግነት ዘለዎ ፓይለት ዘብርራ ኣንቶኖቭ ምስ 12 ሳናዱቕ ኣጽዋር ጺዒና ንሶማል ተበጊሳ። ለ) ብዕለት 11/03/2007 ወጋሕታ ሰዓት 6፡30 ብተመሳሳሊ 463 ዕጡቓት ምስ 30 ሳንዱቕ ኣጽዋር ንሶማል ተበጊሶም። ሐ) ብዕለት 13/03/2007 ምሽት ሰዓት 4፡00 ብተመሳሳሊ 302 (38 ሕሙማት ዘለውዎ) ዕጡቓት ጽዒና ክትበገስ ምስበለት ኣብ ራን ወይ ናይ ጎማ ቴክኒክ ጸገም ኣጋጢሙዋ ሌ/ኮ ግርማጽዮን ዮውሃንስ (ሃጸይነት) ናብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ደዊሉ ብኮ/ል ተስፋልደት ዝተኣዘዘት MI17 ኣጉስታ ሄሊኮፕተር ብኣብራሪ ሜጀር ዮናስ ሄኖክ ብቅልጡፍ ቅያር ጎማ ሒዛ ምስ መጽአት እቲ ጸገም ተፈቲሑ፡፡

ንጽባሕቲኡ ዕለት 14/03/2007 ተበጊሳ። ኣብዛ ዕለት ኣብ ክፍሊ ነዳዲ ተመዲቡ ዝነበረ ሰብ ዳኒኤል ተወልደመድህን ዝበሃል ከም ዝኾነ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ። – ዕለት 13/09/2007 Beach Craft 200 ተባሂላ ብትጽዋዕ ብካፕተን ዮናስ ወልዳይን ኣሮንን ትምራሕ ናይ ስለያ ነፋሪት ብ/ጀነራል ጎይቶኦም ጠዓመ (መቐለ) 4 ላዕለዎት ሓለፍቲ ጉጅለ ዕጡቋት ሶማል ሒዙ ካብ ሶማል ተበጊሶም ሰዓት 1፡00 ቀትሪ ኣብ መዓርፎ ነፍረቲ ዓሰብ ዓሪፎም። ኣብዛ ዕለት ምስኡ ዝመጹ ሓለፍቲ እዦም ዝስዕቡ ነይሮም፡- 1. ሸኽ ሸሪፍ ኣሕመድ፡ ሓላፊ ወተሃደራዊ ክንፊ UIC (ሕብረት እስላማዊ መጋባእያ ሶማል ነበር)። 2. ሓሰን ዳሂር ኣወይስ፡ ላዕለዋይ ሓለፊ ሕብረት እስላማዊ መጋባእያ ነበር። 3. ዓሊ ራገ (ዓሊ ዳረ)፡ ኣፈኛ ጉጅለ እስላማዊ መጋባእያ ነበር። 4. ሙኽታር ሮቦ እዮም። ኣብ ዓሰብ ነዳዲ መሊኦም ኣብታ መዓርፎ ነፍርቲ ሰጊዶም ቀጥታ ነስመራ ተበጊሶም። –

ብ15/09/2007 ኣብ ኣስመራ ምሸት ኣብ ግቢ (ቤ/ጽ ፕረሲደንት) ኢሳይያስ የማነ ማንኪ፡ ተስፋልደት፡ ጀነራል ስብሓት፡ ወዲ ካሳ፡ መቐለ፡ ምስቶም ሰለስተ ሓለፍቲ UIC ዕጹው ኣኼባ ኣካይዶም። ኣብ ኣፋምቦን ኪሎማን ዝተገብረ ታዕሊም ተገምጊሙ ኣብ ቀጻሊ ዝተተሓዙ መደባትን ኩሉ ዝምልከት ኣካል ዕቱብ ሓገዝ ክገብር ተረዳዲኦም። ቀጻልቲ ተወሳኺ ታዕሊም ኣብ መሰልጠኒ ፍሉይ ሓይልታት እንዳ ኮማንዶ ዊዓ ክቕጽልን በዓል ጆማል ክሳተፉ ከምዘለዎም መደብ ተሓንጺጹ። ይቕጽል . . . . .። ክቡራት ኣንበብቲ ኣብ ዝቅጽል ብቤ/ጽ ፕረሲደንት ትእዛዝ ንግብረ-ሽበራውያን ጉጅለታት ዝተውሃበ ወተሃደራዊ ታዕሊም፡ ዓለምትን ትሕዝቶ ታዕሊምን፡ ካብ ዓሰብ ናብ ሶማል ዝተገብረ ብ Tail Number ዝተደገፈ ምስጢራዊ በረራ 31 (Smuggle flight)፡ ፍጻመ ግበረ-ሽበራዊ ኣልሸባብን ኣብ ልዕሊ ዘብጸሖ ሃሰያን ዝምልከት ሓበሬታ ክፍንወልኩም ’የ። “ንሕና ንሱ” ምእንቲ ክስቆሮምን ኩሉ ደላይ ፍትሒ ምእንታ ክፈልጦን ንሎሚ ’ውን SHARE ምግባር ኣይትሕመቑ።

እዋናዊ ዛዕባስርኩላራት ህግደፍኣብ ኣፍ ሞት

ክቡራት ኣንበብቲ ሎሚ ሳልሳይ ክፋል “ኣግራብ ምስ ዝውድኡ ቆጣቑጢ ይረኣዩ” ብዝብል ዝጀመርኩዎ ሓበሬታ ክፍንወልኩም ይግባእ ነይሩ፡፡ እንተኾነ ንእዋናዊ ኩነታት ሃገርና ዝምልከት ሓበሬታ ስለ ዘሎ ኣቐዲመዮ ኣለኹ። ዕርበት ጉጅለ ኢሳይያስ እናተጋህደ እዩ፡፡ ግዳማዊን ውሽጣዊ ሰላሕታዊ ተቓውሞታት፡ ዓለም ምስ ዘገረመ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ሰልፍታትን ተደማሚሩ ማሕበረ ሰብ ዓለምን ኣህጉራውያ ውድባትን ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ኢሳይያስ ሓያሎ ጸቕጥታት ምግባር ስለ ዝቐጸሎ፡ ዓቕሉ ዘጽበበ ኢሳይያስ ሸበድበድ ኣብዚሑ ኣሎ። ብፍላይ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብዘይ መጽናዕቲ ሃንደበት ዘበገሶ መስርሕ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ከቢድ ቁጠባዊን ማሕበራዊን በሰላታት ብምስዓቡ ኣብ ህዝቢ ምንዕዓብ ከይፈጥር ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ፡፡

ሰብኣዊ ጸጋታት ኣብሪሱ ህዝብና ብንዋታዊ ጸጋታቱ ክዕንቅጾ ዝፈተነ ኢሳይያስ፡ ሕጂ’ውን ኣብ ድርኩኺት ዕርበቱ ኮይኑ፡ ሰላሕ እንዳበለ ከታልል ይፍትን ኣሎ። ዓለማዊ ተነጽሎ ዘጓነፎ ኢሳይያስ፡ ፍታሕ ንምንዳይ ኣብ መፋርቕ ወርሒ የካቲት 2016 ንጀነራል ስብሓት፡ ጀነራል ፍሊጶስ፡ ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳን የማነ ገብረኣብ (ማንኪ)ን የማነ ገብረመስቀል (ቻርሊ)ን ጸዊዑ ህጹጽ ኣኼባ ኣካዪዱ። ቀጺሉ ኩላቶም ተኣከብቲ በብወገኖም ብዘይ ወግዓዊ መገዲ ኣብ ጸጥታዊ ዕዮታት ላዕልን ታሕትን ክብሉ ተራእዮም። ናይ ካልኦት ገዲፍና ናይ የማነ ማንኪ ምስ እንርኢ ብዘይ ልሙድ ኣገባብ ኣብ ምጽራይ ተዋፊሩ ንገለ ኣባላት ጸጥታ ናብ ቤ/ጽሕፈቱን ኣብ መዘናግዒ ቴክኖ ጋርደን እናጸውዐ መምርሒታት ከውርድን ክዘራርብን ቀንዩ።

ብሓፈሻ ስርዓት ኢሳይያስ ብዝሓደሮ ሓያል ሻቕሎት ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ኩላተን ኣካላት መንግስትን ግንባርን ዝተፈላለዩ ሲርኩላራት ብምስዳድ እዞም ስዒቦም ዝግለጹ ተግራት የሰላስል ኣሎ፡- – “መንግስቲ ምሕረት ገይርልኩም” ብዝብል መምርሒ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ዝዀብለሉ፡ ንዝደለየ ዓመት ይኾብልሉ ብዘየግድስ ክሳዕ መወዳእታ ወርሒ 2/2016 ነናብ ኣሃዱታቶም ክምለሱ ተኣዊጁ። ኣብቲ ስርኩላር ዝኾነ ይኹን ጻውዒት መንግስቲ ዝነጸገ ዜጋ ማሕበራዊ መሰላቱ ተሓሪሙ ጤሳ መሬት ከም ዘይርክብን ብገበን ተሓታቲ ኮይኑ ከም ዝቐርብን ፍሉይ ስጉምቲ ከም ዝውሰደሉን ይገልጽ። ንኣዋጅ መንግስቲ ተቐቢሉ ናብ ኣሃዱታቱ ንዝምለስ “መንግስቲ ናይ ሕሉፍ ገዲፉ ምስቶም ኣብ ኣሃዱታቶም ዝጸንሑ ኣባላት ናይ ደሞዝ ወሰኽ ከም ዝግበረሉ” ይገልጽ። ነዚ ጉዳይ ኣዛዘቲ ግንባራት፡ ዝምልከቶም ሓለፍቲ፡ ስታፋት ጎስጓስን ሓበሬታ፡ ኣካላት ምምሕዳርን ጸጥታን፡ ብዕቱብ ክሰርሑሉ መመርሒ ወሪዱ።

– ኣብ ዝተፈላለያ ቤት ማእሰርቲ ብምኽንያት ኩብለላን ስግረ ዶብን ኣሰገርቲ፡ ተሓባበርቲ፡ ደለልቲ ተባሂሎም ብፍርዲን ብዘይፍርድን ተቐይዶም ንዝነበሩ ብጀካ ናይ ፖለቲካ ጥርጡራት ተፈቲሖም ናብ ኣሃዱታቶም ክምለሱ ናብ እዝታት (ግንባራት) ሰርኩላር ወሪዱ። – ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ሃገራዊ አገልግሎት ዘይከደ ሕጂ ክኣቱ ከም ዘለዎ ይሕብር፡፡ ኣብቲ ስርኩላር “ውሁድ ሽርሒታት ወያነን ስርዓት ዋሽንግተንን” ብዝብል ከም መብርሂ ዝተገልጸ ሓሳባት “ብግዳምን ብውሽጥን ተጻብኦታት ይሕይል ስለ ዘሎ” ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝነበረ መምርሒ ጻንታ፡ ኣላይ ስድራ፡ ስፖርታውያን፡ ካብ ጀነራል ዝተረፉ ተምሃሮ፡ በቢከባቢኦም ናብ ዝተደኮና መደበራት ታዕሊም ንኽወርዱ ይእዝዝ። ብተወሳኺ ቀንዲ መፍለዬ ረቋሓ ክኾን ዝግበኦ ካብ ምምሕዳራት ዝተዓደለ ወረቐት ዘይኮነስ ኣካላዊ ኩነታትን ብቕዓትን ብዓይኒ ወተሃደራዊ መዐቀኒታት ክኾን ከምዝግባእ ይሕብር።

ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ከይተመርዓዋን ሓዳር ከይሓዛን ብዝተተምነየ ወረቓቕቲ ቃል ኪዳን ኣሲረን ምስ ዝረኣያ ተታሒዘን ናብ ዝምልከቶ ምምሕዳራት ብምውሳድ ክጻረያ ይሕብር። ብካልእ ሸነኽ ካብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ናብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ፡ ኤምባሲታትን ቈንስላዊ ጉዳያትን ዝወረደ ሰርኩላር ከም ዘረጋግጾ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ንትፈታት “ካብ ምክልኻል ናብ ምጥቃዕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንጸብጻባት ተቘጸጻሪት ጕጅለ ባይቶ ጸጥታ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ንምብዳህ ቀጺሎም ዝስዕቡ መደባት ከምተሓንጸጹ ይሕብር፡- 1. ብኣምባሳዶር ተስፋሚካኤል ገራህቱ (ወዲገራህቱ) ዝምራሕ ላዕለዋይ ኮሚቴ ንሰብኣዊ መሰላት ተጣይሱ ኣብ ውሽጥን ደገን ዝተፈላለዩ መደባት መንግስቲ ከተግብር ከም ዝተወሰነ። ነዚ ጉዳይ ኣብ ትሕቲ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ኮይኖም የማነ ገብረኣብን ዘምህረት የውሃንስን ክመርሑዎ፡፡

ንግዳማዊ ንጥፈታት ዝምልከት ኣፈጻጽማታት ኮሚቴ ምስ ኣምባሳዶር ግርማ ኣስመሮም (UN)፡ ሃና ስምኦን (ፈረንሳ)፡ ወይኒ ገረዝጊሄር (ኣብ ንግስነት ሱዕዲያን ከባቢኣን)፡ ብርሃነ ገብረሂወት (ኣሜሪካን ካሪቢያንን)፡ ተስፋማርያም ተከስተ – ወዲ ባሻይ (ማእከላይ ምብራቕ)፡ ሳልሕ ዑሞር (ደቡባዊ ኣፍሪቃን ከባቢኡን)፡ ኣርአያ ደስታ (ሕብረት ኣፍሪቃ) ብምርድዳእ ክዓሙ ተገሊጹ። 2. ብየማነ ገብረኣብ ዝምራሕ ካልእ ልኡኽ ከኣ “ዉሁድ መኸተ ነባሪ ልምዓትን ውዱን ሽርክነትን” ብዝብል ቴማ ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ኣብ ኤሮጳን ኣመሪካን ዝርከቡ ኣባላት YPFDJ ብምውህሃድ ኣንጻር ጸብጻባት ተቘጻጻሪት ጉጅለ ዓበይቲ ሰለማዊ ሰልፍታትን ኣኼባታትን ከካይዱ ብተወሳኺ ብኢንባሲታት ኣቢሉ ክትግበር ዝጸንሐ መስርሕ ምእካብ 32 ፊርማታት ኣንጻር ተቆጻጻሪት ጉጅለ ባይቶ ጸጥታ ተጠናኺሩ ክቕጽል፡፡

ኣብዚ መስርሕ ዘይተሳተፉ ዜጋታት ንኣሰልጦ ወረቓቕቲ ናብ ኢንባሲታት ምስ ዝመጹ ብግዴታ ንክሳተፉ ይሕብር፡፡ ዝርዝር ኣፈጻጽማ መሰርሕ ምእካብ ፊርማ ብልዑል ምስጢር ክተሓዝ፡ ንምስላጥ ዝመጹ ዜጋታት መጸናጸኒታትን ካሜራታትን ከይህልዎም ብግቡእ ክፍተሹ፡ ፈረምቲ ነቲ መስርሕ ብግዴታ ከም ዝኾነ ከየስተብህሉ ዝምልከቶም ኣካላት ክሰርሕሉ ይሕብር። 3. ብኣላይነት የማነ ገብረመስቀልን ዘምህረት የውሃንስን International Conference on Eritrean studies ብዝብል ኣብ ወርሒ ሓምለ/2016 ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ኣህጉራዊ ዋዕላ ብምድላው ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝካየድ “ቀጻሊ ጸለመታታት” ንምብርዓን ካብ መላእ ዓለም “መርገጺኦም ዝተነጸረ ምሁራት” ጻውዒት ብምግባር ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ንኸቕርቡን ዓለማዊ ኣተኩሮ ብምርካብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሎ ጠመተ ንምቕያር ዝዓለመ ውጥን ወጺኡ ኣሎ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከኣ ዛጊት ወረቓቕቲ ዘቕርቡ “ሙሁራት” ዕድመ ዝተገብረሎም ኮይኑ ኣስታት 15 ኣብ ጉዳይ ኤርትራ 4 ከኣ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ዘድሃቡ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ንምቕራብ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

እዚ መደብ ሉዑል ፖለቲካዊ ከስቢ ክርከበሉ ዝተሓንጸጸ “መድረኽ ሙሁራት” ኮይኑ ብህግደፍ ዝለዓለ ባጀት ዝተሰለዓሉን ኣቐዲሙ ክለዓል ዝኽእል በዳህቲ ሕቶታትን ንምፍሻል ብዘምህረት የውሃንስ መባእታዊን ኣፈናዊን መጽናዕታት ይካየደሉ ኣሎ። ከም ኣዳላዊት ዝተመዘዘት 1 ፕሮፊሰራት 2 ዶካትርን ዝርከቡዋ ኮሚቲ ተጣይሳ። ከምቲ ልሙድ ብፍሕሽው ገጽን ብዳንኬራን ንምዕጃብ ሓጎስ ገብረሂወት (ኪሻ) ኣብዚ ዋዕላ ንዝሳተፉ ኣጋይሽ ንዋታዊ ቀረባት ከዳሉ ሓላፍነት ዝተውሃቦ ኮይኑ ዛጊት እቶም ኣጋይሽ ኣብ ኤርትራ ዝዛናግዑለን ቦታታትን ዑደት ዝገብርሉ ከባቢታትን ተፈሊዩ ኣሎ።

  1. “ንምፍሻል ዘመተ ሶሻል ሚዲያ- ብፍላይ ፌስቡክ” ኣብ ዝብል ዓውዲ እቲ ሰርኩላር ኣብ ቀረባ “ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስት ኤርትራ“ እናዛየደን መልክዑ እናቐያየረን ዝመጽእ ዘሎ “ጠቐነን ጸለመን” ፌስቡክን ሶሻል ሚዲያን ንምብዳህ ክተሓዝ ዝግበኦ መደብ በብደረጃኡ የነጽር። ብመሰረት”ዚ ምስቲ ዝግበር ዘሎ “ውሁድ ናይ ሜዲያ ሽርሒታት” ክነጻጸር ከሎ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ተጠቃሚ ኢንተርኔት ዘይምኻኑ ከም እውንታ ብምግላጽ ኣብ ደገ ዘሎ ዜጋ ኣብ ሰለስተ ደረጃታት ተመቒሉ።

ነቲ “ቀስብቀስ መጋበርያ ጸላእቲ ዝኾነ ብሶሻል ሚዲያ ዝተሸርሸረ” ዜጋ ንምድሓን ከምኡ ውን በቲ ዝፍኖ ዘሎ ሓበሬታ ላንጋላንጋ ዝኾነ ዜጋ ንምምላስ” ብዛዕባ ቀጻሊ ክግበር ዝግበኦ መደባት ከምዝስዕብ ይዝርዝር፡- – ኣብ ቀረባ ኣብ ሶሻል ሚዲያ ብፍላይ ምስ ጸጥታ ምትሕሓዝ ዘለዎም ላሕኺ ተኣፈፍቲ ሓበሬታታት ይረአ ስለ ዘሎ ጎኒንጎኒ ዝግበር ዘሎ ናይ ምጽራይ ዕማማት ነዚ ዝምልከት ናይ መኸተን ህዝባዊ ርክባትን ስርሓት ብተመሳሳሊ መርበባት ሶሻል ሚዲያ ኣብ ትካላት ጸጥታ ክተኣታቶ ከም ዝግባእ። – ኣብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ዝርገሐ መርበባት VSAT ን Wi-Fi ን ብምጥንኻርን ብምውህሃድን ኣብ ሶሻል ሚዲያ ንዝግበር “ጸለመታትን ሽርሒታትን” ብሙሁራዊ ትንታነ ዝተደገፈ መልሲ ዕንጋለ ምሃብ – “ብኩላትን ዘይብኩላትን” መርበባት ብምፍላይ ብደረጃ መንግስትን ግንባርን ዝተዳለወ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ምዝርጋሕ – ቅድሚ ሕጂ ብኣላይነት ህግደፍ ዝመሓደሩ ዌብሳይታትን ፔጃትን ኣድማዕነተን ተገምጊሙ ብዝለዓለ ውደባን ትሕዝቶ ክቕጽሉ ምግባር፡፡ እቶም ስውር መንነቶም ዝተገሃደ ዌብ ሳይታትን ፔጃትን ክዕጸው ብምግባር ከም ብሓድሽ ብካልእ ኣካውንት ምኽፋት፡፡

ኣብ ትሕዝቶታቶም ኣንጻራዊ ፖለቲካዊ ረብሓ ንምርካብ “ናይ ጸላእቲ” ትሕዝቶታት እውን ሓዊስካ ምዝርጋሕ (www.eastafro.com ዝብል ዌብሳይት ከም እውንታዊ ተሞኩሮ ብኣብነት ተጠቒሱ) – ብየማነ ገብረኣብ ኣብ ደገ ዝካየዱ ምትእኽኻባት መንእሰያት (YPFDJ) “ዘመተን ጠቐነን” ሶሻል ሚዲያ ኣካል ውሁድ መኸተ ንግዳማዊ ሽርሒታት ከምዝኾነ ብምርዳእ እጃሞም ከም ዘበርክቱ ምግባር። 5. ንጸብጻብ ተቘጻጻሪት ጉጅለ ባይቶ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ንቃል (ኢንተርቪው) ስደተኛታት ተወኪሶም ኣሉታዊ መደምደምታ ሒዞም ናብ ሃገርና ክኣትው ንዝተፈቕደሎም ወከልቲ ኣህጉራዊ ውድባትን መንግስታትን ዝምለከት ንዘልዕልዎ ሕቶታት፡ ኣብ ሞንጎ መንግስታዊያን ትካላትን ግንባርን ናይ ሓሳብ ኣፈላላይን ረጽምን (disparity & inconsistence) ከይፍጠር ብቤ/ጽ ፕረሲደንት ዝተዳለወ ሰርኩላር ከኣ ዝስዕብ ትሕዝቶ ኣለዎ፡፡ ዝኾነ ይኹን ወጻእተኛ ናብ ኤርትራ ንስለያዊ ሽርሒታት ከም ዝኣቱ መበገሲ ትንታነታት ጠቒሱ ናብ ቀጻሊ መደባት “መንግስቲ” ዘተኩር “ስርኩላር ንኣንጻር ብምስምስ ሰብኣዊ መሰላት ዝግበር ውሁድ ሽርሒታት” ከኣ ቀጺሉ ዝስዕብ ጉዳያት የልዕል፡- – ባይቶ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ “ህዝብን መንግስትን ኤርትራ” ኣመልኪቱ ዘውጸኦም እማመታት ብቀንዱ ኣብ ሰለስተ ጉዳያት ይጥምት፡፡

ጉዳይ ምንዋሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ጉዳይ እሱራት ፖለቲካ፡ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት እዮም፡፡ ነዘን ሰለስተ ጉዳያት ኣመልኪቶም ንዝለዓሉ ሕቶታት ብኣካላት መንግስትን ግንባርን ክወሃቡ ዝግበኦም መልስታት ኣብ ሰለስተ ኣምራት ይድረኽ። 5.1 ንጉዳይ ምንዋሕ ሃ/ኣገልግሎት ዝምለከት ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘይኮነስ ሃገራዊ ኣገልግሎት (there is no military service in Eritrea, there is only national service ) ከም ዘሎ ብምዝኽኻር ብሰንኪ ግዳማዊ ተጻብኦታት ከም ዝተናውሐ፡ ኣብዚ ዓመት ግን መንግስቲ ደሞዝ ብምውሳኹ ኩሉ ሰብ ነቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቅቡል ከምዝገበሮን ናይ ምፍናው ድሌታት ከምዘየለን ምሕባር ኣገዳሲ’ዩ። ከም መረዳእታ ነቶም ኣብ ቀረባ ጭቡጥ ወሰኽ ደሞዝ ዝተገብረሎም ኣባላት ሃ/ኣገልግሎት ክውከሱ ምግባር (ይብል)። (እዚ ስርኩላር ብልዑል “ምስጢር” ክተሓዝ እላቦ።) 33 5.2 ንእሱራት ፖለቲካ ዝምልከት ሕቶታት እንተኣልዒሎም ነፍሰወከፍ ቤ/ጽ ከም ዘይምልከቶ ብምርዳእ፡ ብወገን ህዝቢ ግን ኣብ ልዕሊ እቶም እሱራት ዝተወስደ ስጉምቲ ሃገር ንምድሓን ዝተወስደ ፍትሓዊ ምኻኑ ቅቡል ከም ዝኾነ ነቶም ሓተቲ ምርዳእ የግድስ።

5.3 ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ሕግን ዝምልክት ቅድሚ ሕጂ ዝተወሰኑ ናይ ኣተኣላልያ ጸገማት ከም ዝነበሩ ብምእማን “መንግስቲ” ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመት መጽናዕታት ኣካይዱ ሓድሽቲ ገበናዊን ሲቪላዊን ሕግታት ዛጊት ኣተኣታቲዩ ንህዝቢ ጎስጓሳት የካይድ ከምዘሎ ክርድኡ ምግባር። ንቅዋም ዝምልከት ሕቶ እንተተላዒሉ ከኣ ብደረጃ መንግስቲ ብዕቱብ ይሰርሓሉ ከምዘሎን ንኣፈጻጽምኡ ሓይሊ ዕማም ከምተጣየሰን ብኣግባቡ ምርዳእ ኣገዳሲ’ዩ። ንምዕዛብ ምስ ዝደልዩ ሰቪላዊ ድጓናታትን ኣብያተ ፍርድን ክውከሱ ዝምልከቶም ኣካላት ዕቱብ ምክትታል ክገብርሉ ይግባእ” ይብል። (ክቡራት ኣንበብቲ ንኤርትራ ዝኣተው ናይ ዓዲንግሊዝን ዴንማርክን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ዝኣተው German Swiss Joint fact finding mission ዝተባሃሉ መጽናዕታዊ ጉጅለታት ብኸምዚ ኣገባብ መልሲ ዝተዋህቡዎምዮም።) ብሓፈሻ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ኣብ ዝተፈላለዩ ሰርኩላራት ምድላውን ምዝርጋሕን እዩ ተጸሚዱ ዘሎ። ናብ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስተርን ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ዝተዘርግሑ ሰርኩላራት ንግዜ ገዲፈ ኣብዚ እዋን ዝተዘርግሑ ሰርኩላራት እዞም ክብ ኢሎም ዝተገልጹ እዮም። ስርዓት ህግደፍ ብፍላይ ፕረሲደንት ኢሳይያስን ሒደት ሰዓብቱን ኣብዚ እዋን ዘሰግአኦም መሰረታዊ ነገራት ምስ እንዕዘብ፡- ሀ) ኣብ ሃገርና ንምቁጽጻሩ ዘጸግም ፍንው ህዝባዊ ናዕብን ተቓውሞን ከይለዓል ንምቁጽጻሩ ከኣ እቲ ብኹብለላን ካልእን ኣብ “ሰንፈለል” ዝርከብ ብፍላይ መንእሰይ ወለዶ ብሓደ ገጽ ዘገድዱ ኩነታትን ብምፍጣር ብግፋን ብድሌትን ናብ መሳርዑ ክጽንበር ምግባር።

ብካልእ ወገን ከኣ ንመምርሒታት መንግስቲ ዘይቅበሉ በቲ ስጡም ኣተሓሕዛ ተጨናኒቖም ሃገር ናይ ምግዳፍ ኣማራጺ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም። (ዝብል’ዩ) ለ) ላሕኵ ተኣፈፍቲ ምስጢራት፡ ግዳማዊ ጸቕጥታትን ሰለማዊ ስልፍታትን ተጠናኺሩ ንከይቅጽል፡ ብውጽኢቱ ከኣ ተወሰኽቲ እገዳታት ከየስዕብ፡ ከምኡ’ውን ኢሳይያስን ካልኦት ሓለፍትን ናይ ኣህጉራዊ ኣብያተ ፍርድታት ICC ጠመተ ዝረኽብሉ ኩነታት ከይፍጠር’ዩ። ክቡራት ኣንበብቲ 3ይ ክፋል “ኣግራብ ምስ ዝውድኡ ቆጣቑጢ ይረኣዩ” ኣብ ዝቕጽል ከቕርቦ’የ። “ኣግራብ ምስ ዝውድኡ…ቈጣቑጢ ይረኣዩ” 3ይ ክፋል ክቡራት ኣንበብቲ ኣብ 2ይ ክፋል ጽሑፈይ፡ ብዕለት 15/09/2007 ምሸት ኣብ ኣስመራ ኣብ ግቢ (ቤ/ጽ ፕረሲደንት) ኢሳይያስ የማነ ማንኪ፡ ተስፋልደት፡ ጀነራል ስብሓት፡ ወዲ ካሳ፡ መቐለ፡ ምስቶም ሰለስተ ሓለፍቲ UIC ዕጹው ኣኼባ ኣካይዶም ከም ዝነበሩ ከምኡ’ውን ኣብ ኣፋምቦን ኪሎማን ዝተኻየደ ታዕሊም ከም ዝተገምገመ ብምግላጽ ዛዚመ ነይረ፡፡

 



1 COMMENT

  1. This is the worst thing ever dictators do at the end of their time.
    Dictators free themselves but enslave the people.
    In our country the brutal person and his commanders did and still are doing
    all evil and brutal things to their own people for their own interest.
    So the only solution to get rid from this brutality is to over throw the dictator
    Only one person is distroing the whole nation by despersing the Eritrean faimillies.
    By enslaving the young generation,imprisoning the elders by war mongoring with all neighbouring countries.
    So the main reason is Isias Afeworki and his couligues.

LEAVE A REPLY