‘’ሰብኣዊ መሰል’’:መሰላት እንታይ እዮም?

0
34


Genscher Hans Dietrich ዝተባህለ ሁቡብ ጀርመናዊ ፖለቲክኛ፡ ኣብ 1927 ብዛዕባ መሰል ደቂ ሰባት ዝሃቦ ሓሳብ፡ ‘‘መሰል ደቂ ሰባት ዝካየድ ባህራዊ ሕቶን ዘይዕገትን፣ ሓይሊ ዓለምለኻዊ ማዕበል ኮይኑ፣ ንመጻኢ እውን ክኽልከል ዘይካኣል መስሕ ሓርነት እዩ፡፡ መሰል ኣብ ግብሪ ምትርጓም መዐቀኒ ናይ ምዕባለን ግስጋሰን እዩ፡፡’’ ዝብል ነይሩ። ኣብ ዓለምና ናይ ኩሎም ደቂ-ሰባት፣ ተፈጥራዊ ክብርን/ማዕርነትን ዘይጋሃሱ፣ ሰብኣዊ መሰላት ምቕባል፣ መሰረት ናጽነትን/ሰላምን ግዝኣተ-ሕግን እዮም፡፡ ክንዕዘቦ ከም ዝቐነናን ዘለናን፣ ብመሰረት እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን፣ ብህዝብና ንመሰሉ ንምቅላስ ዝጠመተ፣ ኣብ ሕልናን ባህርን ዜጋታትና ዝሰረጸ፣ ተደጒሉ ዝጸንሔ ስለ ዝተወልዐ፣ ኣብ ዲያስፖራ እውን አበየ ሃገሩ፣ ከተምኡ ዝተካየደን ዝካየድ ዘሎ አድማታት/ሰላማዊ ሰልፍታት ዓቢ ተስፋ ዝህብ ኢዩ።

ኣብ ኤርትራ ንዕርዲ ፍርሒ ጢሒሱ መሰለይ ክብል ክትርኢ ከለኻ፣ ብፍላይ ክኣ ብዕድመ በዓል ጸጋ ዝኾኑ፣ 93 ዓመት ዝዕድሚኦም ሓርበኛ ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር፣ ዘርኣይዎ ኣብነት ብምኽታል መንእሰያት፣ እወ መሰል ይታሓሎ ኢሎም ኣድማ ስለ ዘካየዱ፣ ስርዓተ ውልቀ መላኺ ንህዝባዊ ምልዓል/ናዕቢ ንኽዓግት ሓይልን፣ ብኹሉ ማዕከንታቱ እዚ ዘይብሃል እምነታዊ ጸለማታት ክህብ ይፍትን ኣሎ። ጃህዳዊ እናበለ ምስ እዚ ኣብ ዓለምና ዝካየድ ፖለቲካ ኣልካይዳ/ኢሲስ ከዛምዶ’ውን ፈቲኑ። ህዝቢ ግን ሕገ-እምነትን ብሽም ሃይማኖት ተቓሳቒሶም ንሶም ዝደልይዎ ስርዓት ክተኽሉ ንዝደልዩ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጥ፣ ሃይማኖትን ስርዓተ ምሕደራ[መንግስቲ] ነናቶም ትካላት/ድርጅታት ዘለዎም ጣልቃ ኢድ ዘይታኣታተዉን ፣ ብምውህሃድ ንህዝቦም ከገልጉሉ እዮም ኢሉ ስለ-ዝኣምን፣ ነቲ ብሓይሊ ወተሃደር ክገትኦ ዝፈተነ ኣንፊስዎ።

ህዝቢ ንፕሮፓጋንድኡ መንግስቲ ብምንጻግ እቲ ሓቢርካ ምስ ትቃለስ ናይ ሓባር ዓወት ትጓናጸፍ ዝብል ራኢን-ስነሓሳብን ጀሚርዎስ ኣብ ምዕባዩን ምድልዳሉን ይርከብ ከም ዘሎ ክንርዳእ/ከነስተብህል’ውን ይካኣል። እዚ ኾይኑ ካብቲ በቢዓይነቱ ዝወጽእ ዝቐነየ ጽሑፋት ዝርኣኽዎን/ዝተገንዘብክዎን፡ ሕጂ ሃናጺ ኢለ ዝሓስብክዎ ሃያሲ/ነቀፌታ ከቕርብ ክፍትን እየ፡፡ ኣብዘን ዝስዕባ ናብ ህዝቢ ዝተዘርጋሓ ጽሑፋት ካኣ ከተኹር ኢየ፦

  1. ካብ ሓዳስ ኤርትራ ናይ ስርዓተ ውልቀ መላኺ ጋዜጣ ኣብ መስከረም ኔት-ወርክ ዝተሰቕለ ሰላምን ጸጥታን ዘውሓሱ ክብርታት ዘርእስቱ፣

  2. ‘‘እቲ ጸገም፡ ናይ ስርዓት ኢሳያስ ፖሊሲ ማሕበራዊ ምትዕርራይ (Social Engineering) እዩ’’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝቀረበ ርእሰ ዓንቀጽ ሰ.ዲ.ህ.ኤ.፣ ኩላትና ከም እንፈልጦ፡ መዝሙር/ጭርሖ ዲክታተራት፣ ስነስርዓት/ዲስፒሊን/ትእዛዘ-ስርዓት፣ ብግዲ ምኽባርስለዝኾነ፡ ህግደፍ ካኣ ዝኾነ ክርክር/ምስምስ ብምጥቃም፡ ሉዙብ ዓይነት ኣዛራርባን ደቂ ሰባት ክቕበልዎ/ክምእዘዝዎ ዘሎዎም ጌርካ ብምቕራብ፡ ሰላም ትብል ቃል ኣቐዲሙ ብምቕማጥ ጸጥታን ንዝዋሃበካ ትእዛዝ ምክባር ዘስምዕ ኣጋባብ ብምቕራብ፣ ነቲ ብንጹህን ድልየቱን ምክብባር ባህልታቱ እምነቱ፣ ታሪኻዊ ኣማጻጽኡን ዘይሕለል ዘሕለፎ ቃልስታቱ ብምጥቃምን ምስ ኣንጻር ዝተፋላለዩ ገዛእቲ ዝካየዶ ሓድነታዊ ናይ ጠቋዊ ዘረባታት ከስምዕን/ብማዕክናቱ ንህዝብና ኸዳናግጽ-ከዳናግር ህርድግ ኢሉን ይብልን አሎን። ክቕጽል ምዃኑ እውን ኣየጣራጥርን።

ካብ ዲክታተራዊ ስርዓት ብዛዕባ መሰል ደቂ-ሰባት ክዛረብ/ክትርጉም ዘይትጽበዮ እኳ እንተኾነ፡ ርእሰ ዓንቀጽ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ጠባያትን ኣጋባብ ስርዓተ ውልቀ መላኺ ዝገብሮ ዘሎ ፈላሊኻ ምግዛእን፣ ንእምነታት ከባእስን ክጸቅጥን ዝጥቀመሉ ስልቲ ክገልጽ ፈቲኑ። ይኩን’ምበር፡ ሓተታ ክህብ ከሎ ኣትኩሩኡ፣ ነተን ዝተፋላለያ ብሕታውያን ቤት-ትምህርትታት ካብ ጥንቲ ከም ዝነበራን ዋላ እቶም ባዕዳውያን ገዛእቲ እዉን ከምዚ ናይ ውልቀ መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ጣልቃ ኢዱ ምትእትታውን ናይ ምዕጻውን ምስንኻልን ኣይተራእየን፣ እዚ ኽኣ ብሰንኪ እቲ ጉጉይ ፖሊሲ ማሕበራዊ ምትዕርራይ (Social Engineering) እናበለ ክገልጾ ኢዩ ፈቲኑ። ህዝብና ካብ ቀደም ሒዝዎ ዝመጸን ኣብ ምክብባርን ምትሕግጋዝን፣ ሕውነት ቅድሚ እምነታት ዝሰርዕ፣ ኢልካ ምግላጽ ዋላኳ ሓቂ ይኹን እምበር፣ ብመሰረቱ መሰል ደቂ-ሰባት ንኸምጽእ ዝቃለስ ፖለቲካው ውድብ ክህቦ ዝግባእ ትምህርቲ፣ ቀንዲ መሰላት ደቂ ሰባት ኣዮናት እዮም? ህዝብናኸ ከመይ ገይሩ ይጥቀመሎም ነይሩን ኣሎን? እዚ ስርዓት ዝጋሃሶምን/ዝግህሶም- ዘሎን መሰላት ጠቀስ ዝሓዘለ ትንታኔ ኢኻ ትጽበ። እዚ ግን ኣብቲ መግለጺ ርእሰ ዓንቀጽ ዝጎደለ ኮይኑ ረኺበዮ። ከም ትዕዝብተይ፡ መሰል ደቂ ሰባት ዝኽበር፡ ኣብ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ዘለዎ ስርዓትን ኣጋባብን ስለ ዝኮነ፣ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ኣብ ውሽጡ ዘካይዶ ዘሎ ምጥሓስ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ሕርኽርክ ኢልዎ ዶ ይኸውን ከምዚ ዝብል ዘሎ ዝብል ሓተታይን/ሃያሳይ/ነቐፈታይ ከየቕረብኩ ክሓልፍ ኣይደልን፡፡ ብምቕጻል፡ ህዝብኻ ብዛዕባ መሰረታዊ መሰላቶም ክንጸጉ ከለዉ፡ ከምቲ ናይ ውልቀ መላኺ (apologia) ምስምስ/ክርክር ዘይኮነስ፣ ኑጹር ስነሓሳብ/ራኢ/ዕላማ ኣብ መሰልን ፍትሕን ግዝኣተ-ሕግን ኣብሪህካ፣ ነቲ ስርዓተ ውልቀ መላኺ ዝገበሮን ዝገብሮ ዘሎን ምግላጽ እዩ እቲ ዝምረጽ ዝብል ራኢ ኣለኒ። ብወገን አንበብቲ ከ? ህዝቢ ክርዳኣኒ ክትብል ኣብ ሽሓጢ-ፖለቲክኝነት/ደማጎግነት ኢኻ ትወድቕ። ስለዚ፡ ኣብ እትህቦ መግለጺ፡ እቲ ቀደም ማሕበራዊ ሂወት ዝካየዶ ዝነበረን ዘሎን ጥራይ ካብ ምግላጽ ሓሊፍካ፡ ምዕቡል ዝኾነ ራኢ/ተልእኾ ከተሓላልፍ እንተ ደኣ ትደሊ ኾንካ፡ ሃገርዊ ባህልን ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣጋባብ መሰላት/ ምኽባርን፣ ዞባዊ ዓለምለኻዊን ውዑላት ሰብኣዊ መሰላት ብምጥቃስ ፣ ብወገንካ እትሪኦን እትብሎን ፍታሕ ዝሓወሰ ምዝኸዉን ኢዩ ይብል።

ኣብዚ ኸይዘከርክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፡ ኻብቲ ዝተፋላለየ ክወጽእ ዝቐነየ ጽሑፋት፡ ብፍስሓ ናይር ዝቐረበ ትግባረ ፖለቲካዊ ኣንጻር ምልክነት ኣብ ኤርትራ ከመይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ኣብ ቶጎርባ ተለጢፉ ዝርከብ፣ ንዓይ ቡቝዑን ፖለቲካዊ ትንታነ ዝሓዘን መፍትሒ ክኸውን ይኽእል ዝብሎ ዘቕረበን መሰረቱ፣ ኩሉ እቲ ሰለማዊ ሰልፍታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ይኹን ኣብ ወጻኢ ኣብ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝተመርኮሰ ኢዩ፤ ዝበሎ 100% ዝሳማማዓሉ ኾይኑ፣ ብሕጽር ዝበለ ታሪኽ መሰላት ደቅሰባት ምዕበላታቱን ከምዚ ገይረ ከቕርቦ ይደሊ። ነቲ ብ 10 ታሕሳስ 1947 ብሓፈሻዊ ጉባኤ ውድባት ሕቡራት መንግስትታት ዝጸደቐ ዋዕላ ሰብኣዊመሰላት፣ ቅጥዒ 217 ኤ.111 ምዝካር ኣድላይ ይመስለኒ። ናብዚ ንምብጻሕ ዝተኻየዱ ነዊሕ ጉዕዞ ብሕጽር ዝበለ ብኸምዚ ክቐርብ ይኻኣል፡፡ መሰላት እንታይ እዮም? ዝብል መኽፈቲ ጽሑፍ ፈላጣት ከም ዝጻሓፍዎ፡ መሰል ማለት ናይ ምትግባርን፣ ተሳተፍነትን፣ ናጽነትን፣ ሓርነትን ወይ ድማ መሰል ስልጣን ናይ ናጻ ተግባር እዩ።

መሰል ብሕጊ መሰረት ክትውንን፣ ክትገብር፣ ነቲ ዝብጽሓካ ካብ ካልእ ጠሪዕካ ክትመልስ የኽእለካ። ሰብኣዊ መሰላት ካብ ግሪኻዊ ፍልስፍና ኣትሒዞም መሰረታውያን መሰላት ክቃላቐሉ ጀሚሮም። ኣብ ቡዙሓት ሃይማኖታት ዓለም‘ውን ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣብ ታሪኽ ይዝረበሉ ነይሩ እዩ። ኣብ መዋእል ምንቕቓሕ ናይ 18 ክፍለ ዘመን ግን ከም ፍሉጥ መዛረቢ ኮይኑ። ወዲ ሰብ ብተፈጥሮ ዚተዓደሎም ዘይሕደጉ መሰረታውያን መሰላት ከምዘለዉዎ፣ መንግስትታት ክረግጽኦም ክግህስኦም ከምዘይግባእ፣ ቅድመ ኩነት ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ዚለበሰ ህላወ ምዃኖም ተፈላጥን ተቀባልነት ረኸበን። ቅድሚ 18 ክፍለ ዘመን እንተኾነ‘ውን፡ ብ 1215 ዓ/ም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሰነድ ማግና-ካርታ፣ ካልኦት ናይ ቡዙሓት ሃገራት ሰነዳት ብዛዕባ ሕጊን መሰላትን ተኣውጆም እዮም፡፡ እቲ ኣብ ኣመሪካ፡ ብ 4 ሓምለ 1776 ዚተኣወጀ ኣዋጅ ናጽነት፣ ኣብ ፈረንሳ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት 1978 እውን ዓበይቲ ሰነዳት ሰብኣዊ መሰላት እዩም፡፡

ሰብኣዊ መሰላት እምብኣር ንቡዙሕ መሰላት ዘጣቓልል ካብ መሰል ምንባር ህላወ፣ ክሳብ ባህላዊ መሰል ዚዝርጋሕ ሰፊሕ ዓውዲ እዩ፡፡ ውልቀ ጥርዓን ኣንጻር መንግስቲ ማለት ድማ እዩ፡፡ እምብኣርከስ፡ እቲ ንቤት-ትምህርቲ ኣልድያእ[ቤት-ትምህርቲ ስታዝያ በሺር]ዝተነፍጎን/ዝተኸልኦን፣ ስጋብ ንሓርበኛ ሓጅ ሙሳ መሓመድን ካልኦት መማህራርንን፣ ስድራቤት ተማሃሮን፣ ውልቀ ዜጋታት፣ ብስርዓት ውልቀ-መላኺ ናብ ማእሰርቲ ዘብጽሐ፡ ምሕራም መሰል ደቂ ሰባት እዩ፡፡ ንሰብኣዊ መሰላት ምንጻግ/ምጽቃጥ፣ ልክዕ ከምዚ ኣብ ህዝብና ዝርኤ ዘሎ፡ ምንዕዓብ ህዝቢ የስዕብ።

ድሕሪ ንነዊሕ ብዓቕልን/ትዕግስቲ ተጸሚምካ ምጽናሕ፣ ሕጂስ ይኣክል ኢሉ አብ ውሽጥን ደገን ኣድማታት ይገብርን መሰለይ ክብል ይስማዕ አሎ። ቀጻሊ እውን ክኸውን እዩ። እቲ ክውሰኽ ዘለዎ፡ ኑጹር ስትራተጂን መደበ ስርሓትን፣ ብቛዓትን ሰብ-ተሞክሮን፣ ኣለይትን ቀለስቲን ከድልይውዎ ምዃኑ ይራኣየካ። እቲ ዘገርም፡ ነቲ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ንመሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት፣ ንኽብርን ልዕልነትን ሰብኣዊ ፍጡር፣ ንማዕረ መሰላት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘለዎም እምነት ምርግጋጽን ምርግጋኦምን፡ ኣብ ዝሰፍሐ ናጽነት ከኣ ማሕበራዊ ምዕባለን ዝሓሸ ደረጃ መናባብሮን ንምዝርጋሕ ዝውስኑን ስለዝኾነ ዝብልን፣ ስጋብ 30 ዝኾኑ ዓንቀጻት ዝሓዘለ ዓለምለኻዊ ድንጋጌ/ሰብኣዊ መሰላት ፈሪሙሉ ክነሱ፣ ሰርዓተ ኢሳያስ ኣብ ግብሪ ዘይተርጎመ ኢዩ። ስርዓተ ኢሳያስ እዋኑ እናሓጸረ ይኸይድ ምህላዉ ብደንቢ ተረዲእና፣ ንሕና እውን ቁሩባትን ንግዝኣተ ሕግን መሰላት ደቂ ሰባት ዝኸብርሉ ቕዋም ክህልወና ምድላውን ሓቢርካ ምስራሕ እዋኑ ዘይጽበዮ ህሞት/ጊዜ ሁጽጽነቱ ጎሊሑ ይርኤ ኣሎ እሞ፡ ንሕሰበሉ ነስተውዕለሉ ንማራመረሉ ንባራበረሉ ይብል። ቓልሲ ህዝቢ ንመሰሉ ዝዓግቶ ኣይክሁሉን እዩ::



NO COMMENTS

LEAVE A REPLY