ሲኖዶስ ኤርትራ ንሳልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ወጊዙ፡ መንፈሳዊ ኣገልግሎቶም ቀንጢጥዎ ።

0
61


ነቶም ሕጋዊ ፓትርያርክ ዘይሕጋውነት ንምልባሶም ‘ኣብ ሕብረት መናፍቓን እምበር ወልድ ዋሕድ ኣብ እትብል ርትዕት ኦርቶዶክሳዊት ሃይማኖት ቅዱሳን ኣቦታትና ከም ዘየለዉ ንህዝቢ እናገለጸ ጉዳዮም ብውግዘት ከምዝዓጸዎ የፍልጥ” ክብል ገሊጹ ኣኣብ ኣስመራ ዝርከብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ሲኖዶስ ነቶም ንልዕሊ 14 ዓመታት ኣብ ገዛ ተኣሲሮም ዝርከቡ ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኦርቶድክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፥ ካብ መዝነቶም ብወግዒ ኣውሪዱ፡ ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ዝኾነ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ከይህልዎም ንምኽልካል “መናፍቕ”ጌሩ ከም ዝወገዞም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ትማሊ ረቡዕ፡ 17 ሓምለ 2019፡ ዝወጸ መግለጺ  እቲ ሲኖዶስ ”ዓቃቤ መንበር ፓትርያርክ” ከምዝሾመውን ሓቢሩ ኣሎ።

ክሳብ ሓድሽ ፓትሪያርክ ዝሸይም፡ ኣብ ዞባ ማእከል ጳጳስ ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ንኣቡነ ጴጥሮስ “ዓቃቤ መንበር” ገይሩ ከም ዝመረጾም  እቲ ሲኖዶስ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ሲኖዶስ ዝወጸ መግለጺ፡ ነቶም ሕጋዊ ፓትርያርክ ዘይሕጋውነት ንምልባሶም ‘ኣብ ሕብረት መናፍቓን እምበር ወልድ ዋሕድ ኣብ እትብል ርትዕት ኦርቶዶክሳዊት ሃይማኖት ቅዱሳን ኣቦታትና ከም ዘየለዉ ንህዝቢ እናገለጸ ጉዳዮም ብውግዘት ከምዝዓጸዎ የፍልጥ” ክብል ገሊጹ ኣሎ። ንሳልሳይ ፓትርያርክ  ኣቡነ እንጦንዮስ፡ “ ቤተ-ክርስትያን ብዓይኒ ርኀራኄ ብምጥማት፡ ኣብቲ ዘለዉዎ መንበሪ ቤተ-ክርስትያን ክጸንሑ፡ ከም ቀደሞም ኩሉ ሰብኣዊ መሰሎም ክሕለወሎም ቅዱስ ሲኖዶስ ከምዝወሰነ’ውን የፍልጥ”። ክብል እቲ መግለጺ ወሲኹ ይሕብር።

እቲ ብዲበ-ኩሉ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ሃገረስብከት ነቲ ሲኖዶስ ኣስመራ ዝወሰዶ ስጉምቲ ተቓዊሙ ከምዘይቅበሎ ገሊጹ ኣሎ።

ነዚ ካብ ኣስመራ ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪቱ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብቲ ናቱ ብሎግ እዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ኣስፊሩ ኣሎ።

“ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን 27 መዓልትን’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ራብዓይ ፓትርያርክ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ካብ ዝሞቱ፡ ንኽንድዚ ዝኣክል ንውሓት ግዜ ”ብዘይ ሓላዊ” ዝጸንሐት መንበረ ፓትርያርክ፡ ትማሊ ረቡዕ፡ 17 ሓምለ 2019፡ ”ዓቃቤ መንበር” ተሸይሙላ’ሎ። ንትሕዝቶ’ቲ ብወገን ኣስመራ ዝተፈነወ መግለጺ፡ ተረዲእናዮ እንተዄንና፡ እቲ መልእኽቲ እዚ እዩ።

ዓቃቤ መንበር ማለት፡ እንታይ ማለት እዩ፧

ዓቃቤ መንበር ማለት፡ እቲ ክመርሕ ዘለዎ ፓትርያርክ ክሳዕ ዝምረጽ፡ ንግዚኡ እቲ ዝነበረ ኩነት ከምቲ ዝነበሮ ምእንቲ ክቕጽል፡ ኣብ መንበር ተቐሚጡ ብሓላፍነት ዝመርሕ ማለት እዩ። ዓቃቤ መንበር፡ ክውስኽ ይኹን ክንኪ፡ ዝዀነ ይኹን ለውጢ ክገብር ኣይፍቀደሉን። ነታ ዘላ ከምዘላታ ንምጽናሕ ጥራይ ንግዚኡ ከምዝሽየም፡ ሕጊ ኦተቤ ኤርትራ፡ ምዕራፍ 7 ኣንቀጽ 94-95 ምውካስ ይከኣል። ራብዓይ ፓትርያርክ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፡ 21 ታሕሳስ 2015 እዮም ዓሪፎም። ካብታ ዝዓረፉላ ኣትሒዝና ክሳዕ እዛ ትማሊ ዓቃቤ መንበር ዝተመርጸላ ዕለት ንዝሓለፋ ዕለታት እንተፈቐድናየን፡ 1305 መዓልትታት እዩ ዝጽብጸብ። ሰለስተ መዓልቲ ምልእ ኣቢልካስ፡ እታ መንበር፡ ን43 ኣዋርሕ ብዘይ ዓቃቢ ጸኒሓ ማለት’ዩ።

ሰኑይ 18 ሓምለ 2005 ሰዓት 10 ቅድሚ ቀትሪ፡ ካብ ሸሞንተስ እቶም ሽዱሽተ ጳጳሳት ዝፈረሙሉ፡ “ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዘይካ ብጸሎትን ቡራኬን ካብ ዝኾነ ይኹን ንጥፈታት ምሕደራ ቤተክርስቲያን ክግለሉ” ዝወሰነ ኣኼባ ሲኖዶስ ተገብረ። ሓምለ ንሓምለ እናላገብና፡ 14 ዓመታት እንተጸብጸብና ድማ፡ እቲ ብ13 ጥሪ 2006፡ ብምስጢር ተኣኪቡ፡ ንኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ስልጣን ብምልኣት ዝለዮም ሲኖዶስ፡ ረቡዕ 17 ሓምለ 2019 ከኣ ”ኣብ ኅብረት መናፍቓን እምበር ወልድ ዋሕድ ኣብ እትብል ርትዕት ኦርቶዶክሳዊት ሃይማኖት ቅዱሳን ኣቦታትና ከምዘየለው ንሕዝቢ እናገለጸ ጉዳዮም ብውግዘት ከምዝዓጸዎ ንኹሉ ነፍልጥ” ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ’ሎ።

ወልድ ዋሕድ እንታይ ማለት እዩ፧

እንኮ፡ ካልኣይን መሳልን ዘይብሉ፡ ነዛ ንብሕቱ ንውልቁ ውሉድ ዝዀነ ማለት እዩ። ብርግጽ እቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ እንኮ ወዱ ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ብቛንቋ ቤተክርስቲያን ”ወልድ ዋሕድ” እዩ።

”ርትዕት ኦርቶዶክሳዊት” እንታይ ማለት እዩ፧

”ርትዕት” ምባልን ”ኦርቶዶክሳዊት” ምባልን፡ ብሱሩ ሓደ ሓሳብ እዩ። ኦርቶዶክስ ማለት ቅኑዕ ምህሮ፡ ወይ ቅኑዕ እምነት ማለት ክኸውን ከሎ፡ ርትዕት ዝብል ቃል ግዕዝ ድማ፡ ቅንዕቲ ማለት እዩ።

ሃይማኖት ቅዱሳን ኣቦታትና፡ ቅዱሳን ኣቦታት ዝብሃሉ መን እዮም፧

እታ ልዕል ኢላ ኦርቶዶክሳዊት ተባሂላ ተሰምያ ዘላ፡ እትቕበሎም ጉባኤታት ኣበው፡ እቶም ቀዳሞት ሰለስተ ጉባኤታት እዮም (ኒቅያ 325 ዓ.ም፡ ቁስጥንጥንያ 381 ዓ.ም፡ ኤፌሶን 431 ዓ.ም)።

ጉዳዮም ብውግዘት ምዕጻው እንታይ ማለት እዩ፧

ቤተክርስቲያን ክሳዕ ሕጂ ዘየጽፈፈቶ ኣበሃህላ እንተሎ፡ ውግዘትን ግዘትን ክትፈላልዮ ዘይምኽኣላ እዩ። ምውጋዝ ማለት ምስጓግ፡ ካብ ሕብረት ምብራር፡ ምስራዝ ኣባልነት፡ ወዘተ ማለት’ዩ። ከም ኣበሃህላ እቲ መግለጺ፡ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብዛ ከምዚ ኢላ እትኣምንን ንኻልኦት እተእምንን ቅድስቲ ቤተክርስቲያን፡ ይትረፍ ብማዕርገ ፓትርያርክ ክመርሑ፡ እቲ ተራ ኣባልነት እታ ቤተክርስቲያን’ውን የብሎምን እዩ ዝብል ዘሎ እቲ መግለጺ።

ብጹዕ ኣቡነ ሉቃስ፡ ስለምንታይ ”ዓቃቤ መንበር” ኰይኖም ዘይረቚሑ፧!

ዓንቀጽ 95 ከምዘነጽሮ፡ ዓቃቤ መንበር ዝዀነ ጳጳስ፡ ንቦታ ፓትርያርክነት ኣይወዳደርን እዩ። ስለዚ ኣቡነ ሉቃስ፡ ዓቃቤ መንበር ክዀኑ ዘይከኣሉሉ ምኽንያት ርዱእ ክኸውን ይግባእ። እቶም ዓቃቤ መንበር ክዀኑ ተመሪጾም ዘለው፡ ኣቡነ ጴጥሮስ’ውን፡ ንማዕርገ ፓትርያርክ ሕጹይ ኰይኖም ንኽቐርቡ፡ እቲ ኣምራጺ ዝብሃል ኮሚተ እንተወሲኑ፡ ብግዲ ካልእ ዓቃቤ መንበር ክሽየም ከምዝግባእ፡ ሕጊ ቤተክርስቲያን የገድድ እዩ። ስለዚ ኣቡነ ጴጥሮስ ኣብቲ ዝግበር ምርጫ ፓትርያርክ፡ ሕጹይ ኰይኖም ከምዘይቀርቡ፡ ድሮ በሪሁ’ሎ ማለት’ዩ።”

Source: SBS



NO COMMENTS

LEAVE A REPLY