ብዙሕነት/ድርብነት(Pluralism)!!

0
42


 

By Fitwi Kifle

እዚ ኣርእስቲ ኣልዒልካ ክዝተየሉ ዝደለኹ ኣብ ጉዕዞ-ቃልስና ይኹን ብፍላይ ኣብዚ እዋን ዝካየድ ዘሎ ኣጋባብ ቃልሲ መገዱ ዘይሓዘን ንቡዙሕነት/ድርብነት ኣብ ግምት ዘየእቱ ኾይኑ ስለ ዝረኸብክዎ እዩ፡፡እቲ ዘገሪም ብወገን ውልቀ መላኽነት ስርዓተ እሳያስ ነቲ ኻብ መዋእል መልክዑ እናሓዘ ዝመጸ ምጥርናፍ ህዝብና ኻብ ዓዲ /ወረዳ/ኣውራጃ፤ኣብ ምክብባርን ባህልታት፣ንእምነት ከም ውልቃዊ ኮይኑ ብምርጫኡ ምትእኽኻቡን ንእምነቱ ምክልኻል ባህርያዊ ኮይኑ፣ ደቂሰባት ተቐቢሎም መሰላታቶም ከረኽቡን፣ዘካይዶምን ዘዋሃህዶምን ሕግታት ክህልዎም ይጽዕሩ፣ጡርኑፍ ሕግታት ቅዋም ክምስረቱ፣ምዕባለ ማሕበረሰብ- ዝምስክሮ ታሪኻዊ ጉዕዞ እዩ፣እዚ ገባቲ ውልቀ መላኺ ነዚ ተዋሃሂዱ ዝነብር ዝነበረ ህዝብና ምትእኽኻቡ ዘሪጉ፣ ናብ ዞባታት መቓቒሉ/ሰናጪሩ ኣብ ጸገም/ሂወታዊ-ሽግር ኣእትይዎ፣ ናይ ዘይምቅባልን ምንጻግን ድምጽታት ዘረባታት ክስማዕ ከሎ፣ባህርያት ዲክታተር ፈላሊኻ ግዛእ ክኣ ከምኡ እዩ። እቲ ዘገርመካ ኣብ ደምበ ፍትሒ ኢና ዘለና እናበልካ ንብዙሕነት ብስነፍልጠታዊ ኣጋባብን ኣራኣእያ ንድሩብነት ከም መሀብተሚኻን መሰረት ዲሞክራሲያዊ ባይታን ዘጣጥሕ ብፕሮግራም፣ ቅዋም ከማሕድረካ ዝኽእል አጋባብ ክትጥቀምን ተዋሃሂድካን ሓቢርካ ክትቃለስ ንዝፍጠሩ ግርጭታት ክትፈትሕ ዘይምኽኣል ዘይቡቈዕ ዘብለካ፣ ፖለቲካዊ ብስለት ዘይምውናን እዩ ዘመስክር።ካብዚ ዝነቐለ ካብ መጽሓፍ ጆቫኒ ሳርቶሪ ዓቢ ፍላስፋ ናይ ታሪኽ ተማራመሪ፣ አብ ዝተፋላለዩ ዩንቨርሲቲታት ኢጣልያ፣እንግልዝ፣ኣመሪካ ዝመሃረ ብዛዕባ ብዙሑነት/ድርብነት ኣርእስቲ ኣልዒሉ ንተማሃርቱ ዝሃቦ ጠቓሚ ኮይኑ ስለተሰማዓኒ ከካፍለኩም መሪጸ።እዚ ክኣ ብፍላይ ነቶም ሓላፍነት ተሰኪሞም ንውድባት/ምንቅስቓሳትን ዝመርሑ በዚ ናይ መምህር ሳርቶሪ ዘቕርቦ ኣጋባብዶ ንዝተዋህቦም ሓላፍነት የተግብሩ ዝብል ሕቶ ስለ ዘምጽእ።ብዙሕነት ዝጀመረሉ፣ ኣብ ተቋውምነት ዘለዎን፣ ናይ ራኢ ፍልልይነትን፣ ምንጽጻር/ምውድዳር ዝትርጎሙሉ ኮይኑ፣ነዞም ባህርያት እዚኣቶም ክትጥቀሞሎም ሕማቕ ኣይኮነን፤-ውግእ ሕድሕድ ሳዕበኑ ውድባውን መንግስታት ዕንወት የኽትል። ኣብ ተገዲድካ ምስምማዕ፣ ብሓደ ሸነኽ፣ብረታዊ ውግእ ምክያድ በቲካልእ ወገን፣ዘሎ ሰፊሕ ቦታ ቃልሲ፣ዝተፋላለዩ ነጻ ሓሳባትን፣ ባህርያትን፣ ዘለዎም ዝዋሳኡሉ ባይታ፣ ነቲ ማሕበራውን ፖለቲካውን ስራዓት አይጎዶን እዩ፣ የማዕብሎ ደዓምበር፣ ይብል ሳርቶሪ።

ድርብነት ሓደ ሰፊሕን ሉኡምን ማእከላዊ ባይታ ናይ ፍልልያት/ብዙሕነትን፣ናይ ናጻ ኾንካ ምሕሳብ ዘለዎን፣ንማሕበራዊ- ሂወት ዘይጎድእ፣ንፍልጠት ዘህብትምን ዲናምክ/ኑጡፍ፣ኾታ ንለውጢ ዝዕድምን ዝሕግዝን እዩ።እዚ እንተ-ደኣ-ኾይኑ እቲ-ስነሞጎት፣ ኣብ ፍልልይ፣ ዝፍቀዶ ስነ-ሓሳብ ድኣምበር፣ ኣብ ሓደ-ዛዓይነቱ/ዘይቃያየር ስነ-ሓሳብ ኣይኮነን።

ኣብ 1562 ስጋብ 1648 እቲ ዝኸፍኤ ጭካነ ዝመልኦ ዕንወት ኣብ መንጎ እምነታት ምስ ተኻየደ ቡዙሕነት ዝብል ዝተጀመረ። ፍልልይ/ኣራኣእያን ምንዳይ መሰልን-ለውጥን ሰረተ ብዙሕነት ጠቕሙን ሩጉጹነቱን ዝምስከረሉ :፡እዚ ኣጋባብ እዩ ኸኣ እቲ ሊበራል-ዲሞክራሲ ምዕባሉኡን ጐዕዞ ቓልሱን ዘራጋገጸ። ሳላ እዚ ቓልሲ እዚ ክኣ እቲ እዚ ሕጂ እንነብረሉን እንርእዮን እንደልዮን ዲሞክራሲ ተራጋጊጹ ወይ ንምርግጋጽ ዝጓዓዝ።ኣውተክራሲ-ውልቀ መላኽነት-ፍጹም ምልኪ- ዱስቡጣውያን ዘበሉ፣ሓደ ዝዓይነቶም ዝዋሱ ስርዓታት ዝመልአት ዓለምና ኢና ንነብር ዘለና። ስለዚ ክኣ እዩ ኣብ ክልተ ዓይነት ሓሳብ ዓለምና ተመቕላ ትርከብ ዝባሃል፣እቶም መሰልን-ናጽነትን ዝህቡን ዘይህቡን ኢልካ ዝምቀል።

መን እዩ ን-ብዝሑነት ሚሂዝዎ/ረኺብዎ ? መልሱ ዋላ-ሓደ እዚ እዩ፣ክባሃል ኣይክኣልን፤እቲ ጽንሰ-ሓሳብ ናይ ፕሮተስታንት ጽገና እዩ ዝብሉ ኣለዉ፤ እዚ ግን ሓቂ ክትብሎ ይጽግም እዩ፣ ዋላ’ዃ እቲ ናይ እግዚኣብሔር ንእግዛኣብሔር፣እቲ ናይ ቀይሳር ን-ቀይሳር ዝብል ብዕዙዝ ዝዝረበሉ እንተኾነ ካብዚ ዝጀመረ እዉን እምነት ናይ ውልቂ ሃገር ናይ ሓባር ዝብል ሓሳብ እንተ ኣማዕበለ፤ ከም ህዝባዊ ኣዛራርባ እዉን መድበልተኛ (pluralism)ክጋነን ዘይግብኦ እንተኾነ፣ ሓቂ እዩ ንናጽነት ናይ ሕልና ናይ ርእይቶ-ሓሳብ ይጠልቡ እንተ ነበሩ፣ ጠለቦም ንዕኦም ናታቶምን- ኮይኑ ፣ ቁጽሮም ውሑድ እዩ ነይሩ፤ እዞም ን-ብዙሕነት ዝዋስኡ ዝነበሩ፣ እሶም እዉን ንኻልኦት ድርብነት ዝነጽጉ ዝነበሩ እዮም፣ ይብል መምህር ሳርቶሪ። እዚ ስለ ዝኾነ : ብዙሕነት መን’ዩ ጀማሪ ንዝብል ሕቶ መልሲ ክትረኽበሉ ኣሸጋሪ እዩ።

እቲ ንብዙሕነት ዘለሊ ባህርያት ግን ኸነሊልዮ ኣጸጋሚ ኣይኮነን፤ ብዙሕነት/ድርብነት ከም ጽነ-ሓሳብ/እምረት ክውሰድ ዘለዎ ከም ሞራላዊ-ባህርያት/ሞያዊ-ባህሪ መተክል ሓድነት ኮይኑ፣ ከም ብዙሁነት ተጻዋውርነት-ተዓጋስነት-ተጻማምነት ሃልይዎ፣ ንዶግማንነት-ፋናቲስም ይነጽግ። ብግቡእ ንብዙሕነት ዝጥቀሙ ናይ ሓባር ሂወትን ምውህሃድ ዝጥቀምን ንዝጓነፍ ጸገማት-ግርጭታት ዝፈትሕ፣ ውድብ-ማሕበር -ምንቅስቓስ ሩጉኡን ቁሱኑን ምዕቡሉን ሂወት ከሕልፍ ይኽእል። መምህር ሳርቶሪ ብዛዕባ ብዙሕነትን/ድሩቡነትን ንተማሃርኡ ክገልጽ ከሎ፣ ኣብ ናይ ኤውሮጳን ኣመሪካን ብፍላይ፣ ኣብ ኢጣልያ ብዝያዳ ብሓፈሻ ክኣ ዓለምለኻዊ ከመይን/ኣጋባብን ከምህር ከሎ፣ንዓይ ግን ብዝያዳ ናይ ሃገረይ ኤርትራ ኣጋብብ ምማይ ስለ ዝኮነ፣ ናብኡ ዝጠመተ ኣድህቦይ እየ ዝቕጽል። እቲ አብ ኣስመራ ዘሎ ውለቀ መላኺ ዝጥቀመሉ ፈላሊኻ ግዛእ ኩላትና ንፈልጦ ስለ ዝኾነ ምድጋም ዘድሊ አይመስለንን፣ከም ባህርያት ናይ ኩሎም ውልቀ መለኽቲታት ስለ ዝኾነ ንምቅላሱ ተበጊስና ኸምዘልና ዕለታዊ እንዝምሮን እንጽሕፎን እውን እዩ። ካብዚ ባህርያርያት አብ ደምበ ፍትሒ ናጻ ዝኾና ኣይመስለንን ። ከም እንፈልጦ ኩለን ውድባት ምንቅስቓሳት ፕሮግራመን ቅዋመን ብዙሕነት ዝመሰረቱ ንዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ንምምጻእ ብፍላይ ክኣ ልእላውነት ንምሕላው፣ሓድነት ህዝቢ ምጥንካር፣ኣብ ኩሉ ቦታት ዝዝምርሉ እንሰምዖን ነንብቦን እኳ እንተሃለና፣ ብግብሪ ግን ኣብ ናይ ፍትሕን ዲሞክራስን ረጊጸን ይዋሳኣ ኣለዋ ኽትብል ኣይካኣልን።ምኽንያቱ ብዝሕነት ዝኣምኑን ዝሰርሑሉን እንተዝነብሩ ውሽጣዉን ደጋዉን ግርጭታት ክፈትሑ ምስተራእዩ፡፡ብግብሪ ዝርኤ ኣብ ክንዲ ምክብባር ምንእኣስ፣ ክንዲ ንሕና ኣነ፣ ታሕትን ላዕልን፣ መንነት ዜግነት፣ዝዓይነቱ ባህርያት ሒዞ እዮም ዝጓዓዙ ዝመስሉ፣ ንህዝቢ ዝጥርንፍ፣ዝውድብ፣ናይ መሰልን ዲሞክራሲን ባይታ ዘጣጥሕ፣ባይታ ነካዋውን ኣለና ክብሉ ዶ ይኽእሉ ? ኣይመስለንን ፤ ሳርቶሪ ዝበለና መሰረት ናይ ዲሞክራሲ ኣብ ተቛወምነት፣ናይ ራኢ ፍልልይነት፣ምንጽጻር/ምውድዳር እዞም ባህርያት እዚኦም ጎዳእቲ ዘይኮኑስ ጠቐምቲን ኣድለይቲን ብኦም እዩ ተኾስኲሱ ዝዓቢ ዲሞክራሲ፣ እንተ ደአ ነዘን ንፍትሕን ዲሞክራሲን ንቃለስ አለና ዝብላ ክትርኢ ከለኻ ካብዚ ዓይነት መስርሕ መመጠኒ ዘይብሉ ርሕቀት እየን ዘለዋ ። ንኣብነት አብቲ ኣነ ዝዝምብዮ ዝነበርኩ ውድብ ሰ.ድ.ህ.ኤ. መሪሕነቱ ነበር ዝወሰድዎ ስጉምቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ኣጋባብን ንሓድነት ምጽውዋር ምክብባር ናጽነት-ኣባላት ብሓጺሩ ባዕሉ ዝፈንጥሖ ውድብ፣ ዝሰጎጎም ዘደስከሎም ኣባልት ክትርእን ክትሰምዕን፣ ንምእራም ዝተበገሱ ኣብ ጸርፊ ኣትዩ፣ንኣብነት ነቶም ብሓባር ነዚ ሰልፊ ክኸዉን ዘብጽሑ ዕሱባት ውልቀ መላኺ እናበለ አብ ፖለቲካዊ መጥቃዕቲ ኽገብርን ከካይድን ከሎስ እዚ ዝባህሪኡ ወኪል ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ከብሎዶ ይኽእል ? ነንበብቲ ራኢ ይገድፎ።

ብወገነይ እቶም ንምእራም ዝነቐሉ ኣብ ዕላማኦም ራዒኦም ተልእኽኦም ብጽንዓት ዝሓዙን ንፕሮግራምን ቅዋም ሰልፊ ዝኽተሉ ብዝበለጸ ግን ነቲ ንሰ.ዲ.ህ.ኤ. ዘንቀሎም ንደምበ ፍትሒ አብ ሓደ ጽላል ከጽልልን እቶም ሃገረውያን ውድባት አብ ሓደ ውድብ ተጠርኒፈን ብዙሕነት ኣብ ሓድነት ዝብል ክትርጎም ዝጽዕሩን ንተጀመረ ናይ ሓድነት ምርሆ ቀጸልቲ ኢና ክብሉ ኸለዉስ ከም ወናኒ ናይ ደምበ ፍትሒ ኮንካ አብ ምግላልን ምርሓቅ ምእታው መርሕነት ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ነበር ጉጉያትን መገዶም ሲሕቶም እዮም ዘለዉ ፡፡

ከም ተምክሮ ዓለምና እንተ ደኣ ብዙሕነት መሰረት ዲሞክራሲ ምዃኑ ትኣምን ኾንካ፣ኣብ ሓደ ነርካ ክትምቀልን ክትእከብን እቲ መድረኽ ቃልሲ እዩ ዝውንኖ፣ካብ ተሞክሮ ገድልናን ቃልስናን ተማሂርና ዶ ? ዝተማሃርና ኣይመስለን፤ ካብኡ ዘይወጽአ ኣጋባብ እዮም ዝካየዱ ዘለዉ። ኣብ 21 ክፍለ-ዘመን ፣ድሕሪ’ቲ ዘሕለፍናዮ ተሞክሮን፣ ህዝብና እዚ ዓይነት አይጽበይን ነይሩ ይመስለኒ። እንተ ደኣ በቲ ዘውጻእካዩ ፕሮግራም ቅዋም ተዋሃሂድካ ክትሰርሕ ዘይኪኢልካ፣ ሰጓጊን ተሰጓጊን ኮንካ በብቕሩብ ትሓቅቅ ፣ካብ ፋሕ ምባል ተጠርኒፍካ ነቲ ዘበገሰካ ዕላማን ራኢን ተልእኾን ሕድሪ ህዝብኻ አብ ሽትኡ ንምብጻሕን ዘውጻእካዮ ፕሮግራምን ቅዋምን ክትርጉም ፍቓድ ዝህበካ ኣካል የለን። ዘሎ ግን ኣብ ምትህልላክ ዘይምእታው፣ካብ ምርሕሓቕ ምቅርራብ መስርሕካ፣ካብ ምንንእኣስ ናብ ምክብባር፣ ካብ ንድሕሪት ንቕድሚት፣ ጽባሕ አብ ሓደ ባይቶ ትራኸብ ምዃንካ እናዘከርካ ናይ ሓባር ስራሕ ዝካየደሉ፣ካብ ናይ ምዕናው ምህናጽ ኣጋባብ ምጥቃም ክኸዉን አለዎ ስርሓትካ ።

እዚ ንምእራም ኢሉ ነቒሉ ተጠርኒፉ ክጓዓዝ ጀሚሩ ዘሎ፣ሰ.ዴ.ህ.ኤ. ጠለባታቱን ክስማዕ ባይታ ክረክብ ዘይካኣለ፣ ውሽጣዊ ግርጭታት ንምፍታሕ ብኮንፍረንስ ሓቲቱ ዝተነጽጎ፣ ካብ ውልቀ አባላት ምስጓግ ሓሊፉ፣ ንብጉባኤኡ ዝተመርጸ መሪሕነት ዞባ ሰሜን አመሪካ ብኢደወነኑ ዘውረደ መሪሕነት ሰ.ዴ.ህ.ኤ. ነበር፣ ሕጂስ ይኣክል ኢሉ ንዝነቀለ ካብ ዝኮነ ፍቓድ ዝሓቶ ከምዘይብሉ ሩጉጽ ኮይኑ፣ እቲ ትጽቢት ህዝብን ቀጻልነት ዕላማ-ራኢ-ተልእኮ አብ ሽቶ ንምብጻሕ፣ንዘጽደቕክምዎ ፕሮግራምን ቅዋምን ምትርጓም፣ዝኽልክሎኩም ሕጋዊ ይኹን ወግዓዊ ውድብ ይኩን ትካል ውልቀ ሰብ የለን፡ እንታይ ደኣ እንሆ ጎልጎል እንሆ ፈረስ ጥራይ እዩ ዝብሃል። ለበዋ ክምረጽ ዘለዎ ካብ ምግጫው ምውህሃድ፣ ንግርጭት ሉዑል ኣጋባብ ዲሞክራሲ ብምጥቃም ምፍታሕ፣መገዲ ልእላውነት-ሓድነት፟-ቅዋምነት-ሒዝኩም ንኹሉ ደምበ ፍትሒ ብሓባር ዝቃለሱ ባይታ ክትፈጥሩ፣ ህዝቢ ዝማእከሉ ኣጋባብ ቓልሲ ከተካይዱ፣ ስልጣን ናይ ህዝቢ ምዃኑ ብኑጹር ኽትሰርሕሉ፣ ሰላም ቅሳነት -ፍቕሪ-ፍልጠት- ራህዋ-ዝንበየሉ ህሞት ንምምጻእ፣ ዓቀበት ዝኮነ ዝሕኮር ዲሞክራሲያዊ ጉዕዞ ከምዘሎ ተረዲእኩም ሃየ ቃልሱኩም ቀጽሉ ህዝቢ ብተርእይዎ ስራሕ ከም ዝዓስለኩም ጥርጥር የለን። ህዝበይ እስከ ሕጂውን ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራመር ንባራበር።

አብ ዝመጽእ የራኽበና



NO COMMENTS

LEAVE A REPLY