ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ዝርከቡ፣ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ንህዝቢ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም!!

0
50


እቲ ብቪድዮ ተቐዲሑ ፣ ብ19 መጋቢት ኣብ መርበብ ሓበሬታ tewahdo.org ሰፊሩ ዘሎ መልኣኽቲ፣ ወዲ 94 ዓመት ኣቦና እንጠንዮስ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ቤተ ክርስትያን ዝገልጽ ኮይኑ፣ ነቲ ኣብ 2017 ህግደፍን ልኡኻቱ ዝኾኑ መራሕቲ ሃይማኖትን ንፕሮፖጋንዳ ዝፈተንዎ ናይ ዕርቂ ተዋስኦን ዘቃልዕ’ውን።

ልኡኻት ህግደፍ ዝኾኑ ክልተ ጳጳሳት ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዘካየድዎ ዘመተ፣ ንኣቡነ እንጠንዮስ ብምጽላም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ይቕረ ስለዝበሉ፣ ዕርቂ ከምዝተኻየደ ክዛረቡ መላእ ምእመን ኦርቶዶክስ ቤት ክርስትያን ከምዝሰምዖም ይዝከር።

ይኹን’መብር ነቲ ድሮ ህዝቢ’ውን ፈሊጥዎ ዝጸንሐ ሓሶትን ፕሮፖጋንዳን ናይቶም ልኡኻት ህግደፍ ዝኾኑ ጳጳሳት፣ ብልሳን ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቦነ እንጠንዮስ ፍሩስ ምዃኑ ካብቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ዝተዘርግሐ መልእኽቲ ምርዳእ ይከኣል።

Source: Radio Erena: 21 April 2019

 



NO COMMENTS

LEAVE A REPLY