እታ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር ዝጠለማ ‘ጽቡቕ ናይ ምግባር ድልየተይ’ምበር’፡ ራአይስ ኣይሞተን !!

0
44


ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣንጻር ኩሉ ተጻቦኦታት ተቃሊሱ ሃገር ከምጽእን ከውሕስን ምኽኣሉ፡ ሓደ ካብቶም ከምሕብረተ-ሰብን ከም ሃገርን ክንሕበነሎምን ክብሪ ክስማዓናን ዘለውም ሕላገታት ዓወት ጉዕዞ ሃገራዊ ቃልስና ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓደ ምልካዊ ስርዓት ተመንዚዑ፡ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ሰብኣዊ፣ ባህላዊ፣ ማሕበራዊ፣ ቁጠባውን ፖለቲካውን መሰላቱ ተገፊፉ ኣደዳ ከርፋሕ ናብራን ዘይብሩህ መጻእን፡ ኣደዳ ማእሰርትን ስደትን ኮይኑ ኣሎ። ኤርትራ፡ ንህዝብን መንግስትን ክገዝእ ዝክእል ዓንደ-ሕጊ ዘይብላ ሓደ ውልቀ-መላኺ ከም ፊንትኡ (ቃሕትኡ) ዝገዝኣ ሃገር ካብ እትኾውን እኒሆ ካብ 20 ኣመታት ንላዕሊ ተቖጺሩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ’ዚ መቀራቑሮ’ዚ ንምውጻእ ዝገብሮ ቃልሲ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንዳሓየለ ይኸይድ ከምዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ይኹን’ምበር፡ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሓት ውሽጣውን ግዳማውን ብዶሆታት ይገጥምዎ ኣለዉ። ብኹረት “ናይ ቃልሲ ሓድነትን ብቑዕ መሪሕነታዊ ትካልን” ካብቶም መሰረታውያን ሽግራት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስርዑ ኮይኖም፡ ብኹረት ሓድነት ንቃልሲ ይድውን፡ ብኹረት ብቑዕ መሪሕነታዊ ትካል ካኣ ንቃልሲ ይዕይግ። እቲ ዝኽፍአ፡ ክልቲኦም ተዳጋገፍቲ ስለዝኾኑ፡ ናይ ሃስያ ዕንኪላሎ ብምፍጣር፡ ነቲ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ኣብ መንቃራቕሮ የትዮም ዝኣስርዎ ምዃኖም ኢዩ።

እዚ ዕንኪላሎ እዚ ከይተሰብረ፡ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ክስስንን ክዕወትን ስለዘይክእል፡ ካብዚ መንቃራቕሮ እዚ መዋጽኦ ምንዳይ ሓደ ካብቶም ውሽጣዊ ብድሆታት ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ምስግጋር ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ኢዩ ጸኒሑን ዘሎን። ሕቶ ናይ ቃልሲ ሓድነትን ብቑዕ መሪሕነታዊ ትካልን፡ ኣብ ጊዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝነበሩን ዘይተመልሱን ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ብሰንኪ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ብድሕሪኡን ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ዝተፈጥሩ ሕድሕዳዊ ጎነጻት፣ ግርጭታትን ዘይምስምማዓትን ዝሳዓበ ሕድሕዳዊ ዘይምትእምማን (Lack of Trust) ወይውን ናይ ዘይምትእምማን ሃጓፋት (Trust Deficit) ፡ ክሳብ ሕጂ ግብኡን ኣዕጋብን መልሲ ክረኽቡ ኣይካኣሉን። ብዝነበሮ ታሪኻዊ ድሪኽትን ስፍሓትን፡ እቲ ኣብ መንጎ ህግን ተሓኤን ዝነበረ ናይ ተጻይ ዝምድናታት ዝፈጠሮ ናይ ዘምትእምማን ሃጓፋት ምምላእ፡ ከም ቀንዲ ስትራተጂ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ምስግጋር ኣብ ኤርትራ ተገይሩ ክስራሓሉ ነይሩውን ኣለዎን። ነቶም ክልተ ድሕረ-ባይታት (ናይ ህግን ተሓኤን) ዝውንኑ ኣካላት ሕብረተ- ሰብ ኤርትራ ከራኽብ ዝኽእል ናይ ሓድነት ድንድል (Bridge) ሃኒጽካ ሕድህዳዊ ምትእምማን ከምዝፈጥሩ ብምግባር፡ ኣብ ጊዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተፈጥሩ ስምብራታት ምፍዋስ ይካኣል ኢዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናይ ቃልሲ ሓድነት ምርግጋጽን ድኹም ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ብኹረት ናይ ቃልሲ ሓድነት ብኹረት ብቑዕ መሪሕነታዊ ትካል ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝስስንን፡ ኣብ መጨረሻ ካኣ ከምዝዕወትን ክግበር ይካኣል’ውን ኢዩ። እዚ ኢዩ ካኣ ናተይ ራኢ።

ሰዲህኤ፡ ናይ ህግን ተሓኤን ድሕረ-ባይታት ዝነበሮም ሰልፍታት (ሰዲኤን ሰህኤን) ብዝገበርዎ ሓድነታዊ ውዕል፡ ነዚ ራኢ እዚ ሕጁ ኢዩ ኣብ ጥሪ 2010 ተመስሪቱ (ተሃኒጹ)። ሰዲህኤ ናይ “ሓድነት ድንድል” ኢዩ። ስለስኮነ፡ ራአይ ሰዲህኤ ኢዩ እንተበልኩስ፡ ካብ ሓቂ ዝራሓቀ ኣይኮነን። ራአይ ንምዕዋት ካኣ ነዘን ዝሓለፋ 10+ ዓመታት ኩለንተናይ (ግርህናይ፣ ኣቃልቦይ፣ ጊዜይ፣ ኩሉ ዓቅመይ፣ ኣማራጽታተይ፣ ወ.ዘ.ተ.) ብምውፋይ ምስ ኣባላት ሰዲህኤ ኮይነ ክቃለስ ጸኒሕን ኣለኹን። ይኹን’ምበር፡ ከምቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ጽሑፋተይ ዝገለጽክዎ፡ ብሰንኪ ዘይቅዋማውን ሕጋውን ኣካያይዳ መሪሕነት ሰልፊ ነበር ዝተፈጥሩ፡ “ቅዋማዊ፣ ፖለቲካውን ምሕደራውን” ቅልውላዋትን ሓርጎጽጎጻትን፡ ሰዲህኤ ኣብ መንቀርቑሮን ኣብ ከቢድ ፈታኒ ኩነታትን ኢዩ ጸኒሑ። ነዚ ውሽጣዊ ኩነታት ሰልፊ ብኢሂን-ሚሂን ልዝብን ብዘተን ንምፍትሑ፡ መሰረታት ሰልፊ ዘይፈንቀልዎ እምኒ እዃ እንተዘይነበረ፡ ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፊ ነበር ጽማም እዝኒ ስለዛሃቦም፡ ብቀጻሊ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝተገብሩ ናይ ኣባላት ናይ ሰላም ጻዕርታት ፍረ ክህቡ ኣይካኣሉን። እዞም ብመሰረታትን ብታሕተዎት ኣካላት ሰልፍን ዝተገብሩ ናይ ሰላም ጻዕርታት ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ካብ ሰልፊ ወጻኢ ብዝኾኑ ግዱሳትን ምኹራትን ዜጋታት ዝተገግሩ ናይ ምትዕራቕን ነቲ ውሽጣዊ ጸገማት ብሰላም ናይ ምብታሑ ተበጉሶታት’ውን ብሰንኪ “እምቢታ” መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር፡ ፍረ ክርከቦም ኣይተኻእለን።

ከምቲ ኣቦው ዝብልዎ፡ “ማዓልቱ ዝሓለፎ ስጋ ምጭናዉ ነይተርፎ” ኮይኑ፡ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር፡ ነቲ ኩሉ ብቀጻሊ ክገብሮ ዝጸንሐ ዘይቅዋማውን ዘይሕጋውን ኣካይዳ1 ፡ ኣብ መጨረሻ፡ ዝሓዘ-ሒዙ (ውሑዳት ኣባላት ናይቲ ሓደ ሸነክ (ሰህኤ) ጥራሕ) ካብ ሰዲህኤ ተፈልዩ ብምኻድ ደምዲሙዎ ኣሎ። ከምዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ቻርት ዘመልክቶ፡ ነቲ ናይ ሓድነት ድንድል ኣፍሪሱ፡ ናይ ሓድ ሸነክ ውዕል ሓድነታዊ ኪዳን 2010 ኣባላት ነበር (ኣባላት ሰህኤ) ጥራሕ ሒዙ ክኸይድ ኢዩ ፈቲኑ ነይሩ። ነዚ ንምርግጋጽ፡ መሪሕነት ሰልፊ ነበር ዘይገበሮ መናውራታት ኣይነበረን። ናይዞም ዝስዕቡ ብላዕለዎት መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር ዝተገብሩ ውስታታት እንታይ ኢዩ ነይሩ ዓላምኦም ኢልና እስኪ ንሕሰብ፦

 Ø ማዓስ ኢና ናይ ምስጓግ ስጉምትታት ምውሳድ ንጅምር ዝብል፤

Ø ንሕናን (ሰልፊ ህዝቢ/ሰውራዊ ባይቶ) ጋሽን ሰቲትን ኮይና ንሰዲህኤ ክንቅጽሎ ንኽእል ኢና፡ እቶም ካለኦት ናይ ሓድነት መጻምድቲ ይኽዱ ዝብል፤

Ø ኣብ ህዝቢ መጋባእያ ወጺኻ፡ ንዝተፈልየ ርእይቶታት ዘለዎም መሰረታት/ኣባላት፡ ዝሃውተቱ (ህውቱታት)፡ ዝተጀነዱ (ጅኑዳት) ወ.ዘ.ተ. እንዳበልካ ምጽራፍን ክበረቶም ምግፋፍን ከም መሰሉ ገይሩ ዝቖጽር፤

Ø ሰልፊ ዋላ እንተተገምዐ ጸገም የብሉን፡ ምንም ኣይንኸውንን ኢና እንዳበለ ንህዝቢ ዝእውጅ፤

 Ø “ክንሰምዖ ዘይንደሊ ዘረባታት ክሰምዕ ዊዒልና” እንዳበለ መሰል ንሓሳቡ ዘይሳማምዑን ጸገማት ሰልፊ ብሰላም ንፍታሓዮ ንዝብሉን ኣባላት መሪሕነት ክዕፍን ዝፍትን፤ ወዘተ

ብዓብይኡ ካኣ፡ እቶም መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር ኣብ ርእሲ ሕጋዊት መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ዝገበሮም ተከታተልቲ ዓመጻትን፡ ዝወሰዶም ዘይሕጋዊ ውሳኔታትን ወስታትን እንተራኣና፡ ዓላመኦም ንጹር ኢዩ ነይሩ። ላዕላዋይ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር (ማባን ፈሽን) ንዝፈጸሞም ቅዋማዊ ጥሕሰታትን ሕጋዊ ግህሰታትን ክእርም ኣለዎ ስለዝበለት ጥራሕ፡ ነታ ኣብ ጉባኤ ዞባ ዝተመርጸት ሕጋዊት መሪሕነት ዞባ ኣፍሪሱ፡ ብሓንቲ ብዘይሕጊ ዝተወደበት ጉጅለ፡ መሪሕነት ሰልፊ ነበር ኽትካኣ ዝገበሮ ፈተነ፡ ዕላምኡ እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ኢዩ ነይሩ። ንመሪሕነት ሰልፊ ነበር ዝድግፉ ገለገለ ኣባላት ውሽጢ-ውሽጢ (ናይ ዞባ መሪሕነት ብዘይትፈልጦ ኣገባብ) ክውድብ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ነበር ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ብምምጻእ ነቶም ንዕዑ ዝድግፉ ኣባላት ጥራሕ ብምርኻብን ብምእካብን፡ ነታ ዘይሕጋዊት ጉጅለ ሕጋውነት ከልብሳ ፈቲኑ። እዚ’ውን እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ተጎልልካ ምፍላይ ኢዩ ነይሩ ዓላምኡ። ከም ወዮ፡ “ኣንታ እዚ ሰበረስ ሽሙ መን ነበረ? ሰበረ፤ አረ ቀደም ሽሙ መን ነበረ? ሰበረ። ወዮ ሰበረ ዳኣ እንታይ ገበረ፡ ዘይ ዝበልኩምዎ ኢዩ ዝገበረ።” ዝተባህለ ኢዩ። ምፍላይን ምግማዕን ይደልዩ ነይሮም፡ ስላጣኖም ተጠቒሞም ካኣ ከምታ ዝደለይዋ ገይሮም።

ብዝኮነ፡ ከምቲ ለባማት ዓዲ ዝብልዎ፡ “ከምቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን” ግዲ ኮይኑ፡ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር ከምዝሓሰቦ ኣይሰለጦን። እቱይ ምንታይሲ፡ ንመብዛሕትኡ ኣባል ሰዲህኤ፡ እቲ ኣብ 2010 ዝተገብረ “ሓድነታዊ ውዕል”፡ ናይ ኣካል ምትሕውዋስ ዘይኮነስ፡ ናይ ራኢን ሓሳብን ሓድነት ኢዩ ነይሩ። እዚ ናይ ሓሳብን ራኢን ሓድነት ካኣ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 7 ዓምታት ዝያዳ ዓዅኹን ሰጢሙን እውን ኢዩ። ስለዝኾነ፡ መሪሕነት ሰልፊ ነበር ውሕዳት ካብቲ ሓደ ወገን (ሰህኤ) ጥራሕ  ሒዙ ኢዩ ካብ ሰዲህኤ ተፈልዩ ከይዱ ዘሎ። ካብቲ፡ መሪሕነት ሰልፊ ነበር ትጋገዩ ኣለኹም ኢሉ ክእርምን ጸገማት ሰልፊ ብልዝብ ክፍታሕ ኩሉ ዝካኣሎ ብትዕግስቲ ክገብር ዝጸንሐ፡ ዝበዝሐ መሰረታትን ታሕተዎት ኣካላት ሰልፍን፡ ብቕርጹ ይኹን ብትሕዝትኡ ንሰዲህኤ ዝመስል፡ ዝበዝሐ ኣባል ሰልፊ ተፈልዮም ኢዮም ከይዶም ዘለዉ። ብግብሪ፡ ዝነበሮም ስልጣን ተጠቒሞም፡ ንውዕል ሓድነት 2010 ጠሊሞም፡ ነዚ ዝበዝሐ ኣባል ሰልፊ ኣብ ማእከል ጎልጎል ደርብየሞ ክኸዱ ኢዩም ፈቲኖም። ኮይኑ ግን፡ ነታ ኣባላት ሰልፊ ዝሃነጽዋ “ናይ ሓድነት ገዛ”፡ ዜንጎኣ ክቕንጥጥዋ’ምበር መንደቃስ ከፍርስዋ ኣይካኣሉን። መሰረታት ሰልፊ ካኣ፡ ብመለኪና ይኹን ብነታጕ ክፈርስ ዘይክእል መንደቕ ክነድቑ ዝኻኣሉ፡ ዜንጎ ምኽዳን ይጽግሞም ኢዩ ኣይብልን። እቲ ዝገርም ግን፡ ዜንጎ ክትከድን ኣይትኽእልን ኢካ’ሞ፡ ማይ ምስሃረመካስ የዕቕለኒ ክትብለኒ ኢየ ዝጽበ ዘለኹ ዝዓይነቱ ናይ ብድዐ ኣይትብሎ ናይ ንዕቐትን ምሕሳርን ወስታታ ክትሰምዕ ክለካ ኢዩ። “ለባም ስቕ እንተበለስ፡ ዓሻ ይመስል” ኢዩ ነገሩ። እንተ ነቶም ባሃልቱ ግን፡ ዘዕቅል ገዛ ዘለዎም ክመስሉ ምፍታኖም፡ “እንተዘይ ሓፊርካ እንታይ ዶ ኣለዎ ኢዩ” ኢዩ ዘብል። “ሓላዊት መሸላ ኩኒ እንተበልዋስ፡ ኣራይት እምኒ ቆጸረት” ከምዝባሃል፡ ወያ ዘሕጋዊት ጉጅለ፡ ጉጅለ እንተወለደትሲ እንታይ ዘገርም ኣለዎ።

ድንድል ሓድነት ከተፍርስ እንዳፈተንካስ፡ ዝፈላሊ መንደቕ ኣይንስራሕ ኢልካ ትጭሕግር። ምስካ ኣብ ሓደ ሰልፊ ምስዘለዉ ኣባላት ሓብርካ ክትሰርሕ ዘይካኣልካ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ካብ ዝኣተኻዮ ናይ ሓባር ስራሕ ውዕል (ናይ ሓድነት ድንድል እንዳኣፍረስካ)፡ ምስ ካለኦት ሰልፍታት ብሓባር ናይ ምስራሕ መደብ እማም ኣለኒ ትብል። ኩሉ “እንተዘይ ሓፊርካ እንታይ ዶ ኣለዎ ኢዩ” ኢዩ ዘብል። ተመኩሮ ማሃራይ ዝኸውን ምስዝምዘን ጥራሕ ኢዩ። ዋላ መሪር ይኹን፡ ብግቡእ እንተመዚንካዮ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ’ውን ማሃራይ ኢዩ።

ካብዘን ዝሓለፋ 10+ ዓመታት ተመኩሮይ ዝተማሃርኩዎ ብዙሕ ነገራት ኣሎ – ገለ መሪር ገለ’ውን ዘሐጉስ። ኣብ ሰዲህኤ ዝገብረክዎን ዝገብሮ ዘለኹን ቃልሲ ከም ተመክሮ፡ ኣዝዩ ማሃራይ ነይሩን ኣሎን። ንዝገብሮ ዘለኹ ቃልሲ፡ ዝያዳ ትርጉም ዝህብን ነቲ ቃልሲ ብዝናሃረ ክቕጽሎ ከምዘልኒ’ውን ተገንዚበ ኣለኹ። እሞ ነቶም ኣብዚ ቃልሲ እዚ ናይ ሓባር ተሞኩሮ ዘሕለፍናን ነሕልፍ ዘለናን፡ ንስለ እቲ ካብ ናይ ሓባር ተመኩሮታትና ዝቐስምኩዎ ትምህርቲ ከመስግን ይደሊ።

_____________________________

1 ዝጥሓሶም ዓናቅጽ ቅዋም ሰዲህኤን ዝጋሃሶ ልዕልና-ሕጊን ብሰፊሑ ኣብ ዝሓለፉ “እንታይ ተገብረ እንታይ ተባህለ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስትታት ዘቕረብኩዎም ጽሑፋት ተዘርዚሮም ኣለዉ። ህዝቢ መታን ክፈልጦም ካኣ ኣብ ማዕከናት ዜና ተዘርጊሖም ኣለዉ (ኣብ www.togoruba.org or www.gereger.com ተመልከት)።



NO COMMENTS

LEAVE A REPLY