እንተይ ተባህለ እንታይ ተገብረ? ሻውዓይ ክፋል

0
35


 

ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)

እዚ ተኸታተሊ ጽሕፋት ኢዚ ነቶም መሪሕነት ሰዲህኤ ቅዋም ሰልፊ ብምጥሓስን ንልዕና-ሕጊ ብምግሃስን ዝወሰዶም ሓድነት ሰልፊ ናይ ምፍራስ ወስታት እንታይ ከምዝመስሉ ህዝቢ ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ከምዝፈልጦም ንምግባር ዝቐርብ ዘሎ ኮይኑ፡ ብሓደ ሸነኽ “ንልዕልና- ሕጊ ዘይግዛእ ባህርያት ላዕለዋይ መሪሕነት ሰዲህኤ”፡ በቲ ካልእ ሸንኽ ካኣ “ሓደነት ሰልፊ ንምድሓን ዝተኻየዱ ጻዕርታት” እንታይ ከምዝመስሉ ንምጽብራቅ ኢዩ። ንልዕልና-ሕጊ ረጊጹ ንሕጊ መራሕቲ ዘይምእዘዝ፡ “ዲሞክራስያዊ” ኣይኮነን ዝብሉ፡ ኣብ ዕርቃኑ ወጺኡ ቀደም ዝፈሸለ ናይ ምብራቕ ዓለም (ናይ ስታሊንን ናይ ማኦን) ኣተሓሳስባ ዘዔሙ’ውን ስለዘልዉ፡ ዲሞክራሲ ማለት “ድምጺ ብዝሒ” ማለት ከምዘይኮነ ገለ መባራበሪ እንተኾኖም ብማለት’ውን ኢዩ። ብተወሳኺ፡ “ዘበንኩም ዘበነ-ግርምቢጥ፡ ንባሩድ ኣሸቲቶም: ጎቦ ደይቦም፡ ዓቐብ ወጺኦም፡ ቑልቑል ወሪዶም፡ ኤርትራዊ መንነት ዝፈጠሩን ዘዕቖቡን ጀጋኑ፡ ብዶላር ዘሸቱቱ ዝነበሩን ብካሓድትን (those who committed treason) ዘቕጥቅጥ” ዓማጽን ዘይፍትሓውን ዘበን ምዃኑ ግንዛቤ እንተረኸብኩም’ውን ሕማቕ ኣይኮነን። ከምቲ ኣቦው ዝብልዎ፡ “ድሕሪት ዝቕድሚቱስ፡ ንቕድሚት ዝኸዱ ንዘለዉ ንድሕሪት ዝከዱ ዘለው ይመስሎ” ስለዝኾነስ፡ ሕጂ “ንቐርኒ ጭራ” ኢዩ ኢሉኩም ክትነግሩና ምፍታንኩም’ውን ብዙሕ ዘገርም የብሉን። እንታይዳኣ’ሞ “ሞጎጎ ድኻስ ኣብ ምርሳኑ ይቕህም” ከምዝባሃል፡ ጊዜ/ዘበን ሓዲግዎ ዝኸደ መሪሕነት፡ መሕደሪ/መቐነዪ እንተረኸበ ኣብ ምግፍጋፍ ኢዩ ዛኣቱ።

ሕጂ ካኣ እቲ ንሰዲህኤ ከም ካንሰር (cancer) ውሽጢ-ውሽጢ ክበልዖን ከሳቕዮን ዝጸንሐ፡ ናይ መለኽቲ ኣሰራርሓ፡ (1) ብኹረት ነጻ ሓጋጊ ኣካል (ማእከላይ ባይቶ) – ስልጣንን ሓላፍነትን ማእከላይ ባይቶ (ማባ) ብፈጻሚት ሽማግለ (ፈሽ) ዝተመንዘዐ፣ (2) ዓማጺ፣ ኣግላልን ገባትን ባህርያት ፈሽ፣ (3) ኣገደስቲ ሰልፋዊ ጉዳያት ውሕዳት ብምስጢር ቅድሚ ወግዓውያን ኣኬባታት: ኣኬባታት ብምክያድ (the meeting before the meeting) ዝውሰንሉ [ምስጥራዊት ሰልፊ (ውዳበ)] ቃልዕ ወጺኡ። እዞም ውሕዳት መራሕቲ ሰዲህኤ ዛሓዙ ሒዞም ካብ ሰዲህኤ “ተጎሊሎም” ከምዝኸዱ ይነግሩና ኣለዉ’ሞ: ከምቲ ኣቦው ዝብልዎ “ባዓል ኣመል ኣመሉ ነይገድፍ” ኢዩ እልና ክንሓልፎ። ብቕርጹ ይኹን ብትሕዝትኡ ንሰዲህኤ ዘዕቖቦን ዝለበሶን፡ “እቲ ንመሪሕነት ሰልፊ ካብ ‘ደግሲ ምፍንጫላት’ ክገላገልን፡ ካብ መላኪ ባህርያቱ ንኽእረመን ከይተሓለሎ ክጽዕት ዝጸንሓ፡ ዝሰፍሐ መሰረታት ሰልፍን ኣገሰቲ መራሕትን ዘጠቓለለ”፡ ናይ ምእራም ሓይሊ ስለዘሎ፡ ሰዲህኤ ክቕጽልን ምስ ዝሰፍሐ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ካኣ ተለዅኡ ክፍጽም ኢዩ። እዚ ብደግሲ ምፍንጫላት ዝሳቐ ዘሎ “ዝተጎለለ” ሓይሊ፡ ብቕርጺ ይኩን ብትሕዝቶ ንሰዲህኤ ዘይመስልን ንተልእኮ ሰዲህኤ ዘይውክልን ምዃኑ፡ ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ከስተባህለሉ ዘለዎ ሓቂ ኢዩ። ተልእኾ ሰዲህኤ፡ ምስፋን “ሓደነት፣ ፍትሒ፣ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ስኒትን ምክእኣልን” ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ፡ ሰዲህኤ ልሳን “ብደግሲ ምፍንጫላት” ዝሳቐዩ ውሕዳት መለኽቲ ከተሳሲ ኣይትኽእልን ኢይ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ባዓቶም ክገብሩዋ’ውን ኣይክእሉን ኢዮም።

“ኣደ ሓጺርሲ ጭሕሚ ምስኣውጸአ ትቐብጽ” ከምዝባሃል፡ መሪሕነት ሰልፊ ምስ ጊዜ ልቦና ይገብሩ ይኾኑ ዝብል ዝነበረ ትጽቢትና ኣይሰለጠን። ሕጂ፡ ቅዋም ሰልፊ ኣይትጥሓሱ፡ ልዕላን-ሕጊ ኣኽብሩ፡ ናይ ሰልፊ ጸገም ልቦና ገርኩም ብሰልፋዊ ዋዕላ ፍትሕዎ፡ ትጋገዩ ኣለኹም ገይጋኹም ኣርሙ ኢሎም ሓድነት ሰልፊ ንምሕላውን ንምዕቃብን ንኽቃለሱ ዝጸንሑን ዘለዉን መሰረታትን ታሕተዎት ኣካላት ሰልፍን ካብ ሰልፊ ናይ ምግላልን ምስጓግን ውሳኔታት ላዕለዋ መሪሕነት ሰልፍ ውሲዱስ ኣብ ምትግባሩ ይርከብ ኣሎ። ሕሉፍ-ሓሊፎም ንኣሕልቕትኹም መራሕቲ ከመይ ገርኩም ተጋጊኹም ትብሉ፡ ሕጂ “ዋዕላ” ዘይኮነስ፡ “መዲድ ተሰኪምኩም ተምበርኪኹም ይቕርታ ክትሓቱ ኣለኩም” ክብሉ ጀሚሮም ኣለዉ። ኣብ ባህልና እዃ ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራ-ቤት ዝፍጠር ባኣሲ፡ “መዲድ ብምስካም” ይቕርታ ተሓታቲትካ ኣይኮነን ዝውገን፡ ይኹን ካኣ፡ ነቶም ተጋጊኹም ዝበልዎም ከም ጓኖት ገይሮም እንተቖጸርዎም’ውን፡ ነታ መዲድ ተሰኪሙ መን ይቕርታ ክሓትት ከምዝግበኦ ንምፍላጥሲ ናብታ “ሰልፋዊ ዋዕላ” ምኻድ ተድሊ ኢያ። እቲ ጸገም ግን፡ መሪሕነት ሰልፊ “ባዕሉ ከሳሲ፡ ባዕሉ ሞጓቲ፡ ባዕሉ ፈራዲ ስለዝኾነን፡ ንባዕሉ ርእሲ-ሕጊ ገይሩ ስለዝቖጽርን” ኣብ “ሰልፋዊ ዋዕላ” ኣቲኹም ብዛዕባ ሰዲህኤ ምዝታይስ ይትረፍኩም፡ “መዲድ ተሰኪምኩም ይቕርታ ሕተቱ” ምባል ምጅማሩ ኢዩ። ሰባት ካብ ቃልሲ እንተብኾሩ፡ ንሱ ዝተዓወተ ዝመስሎ መሪሕነት ሰዲህኤ፡ ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ዝወሰዶም “ጉጉያት ኣታኣላልያ ግርጭታት” ካብ ቃሲ ኣልጊሶም/በዂሮም ንዝብለም ተቃለስቲ እንዳጸጸበ፡ ርአዩኒ ይዕወት ኣለኹ ክብለና’ውን ይፍትን ኣሎ። “ሕጂ’ውን ነዞም ተጋጊካ ተኣረም ዝብሉኒ ዘልዉ፡ ‘መዲድ ተሰኪሞም ይቕርታ እንተዘይሓቲቶም፡ ካብ ቃልሲ ከምዝበኽሩ ክገብር ኢየ፡ ዓወተይ ካኣ ቀጻሊ ኢዩ” ዝብል ቃና ከስምዕ ጀሚሩ ኣሎ። ብዝኮነ፡ “እንተዝይመትክን ጥዕና ኣለክን” ኢልካ ክሕለፍ ይካኣል እኳ እንተኾነ፡ ብከምዚ ዓይነት ናይ “ኣግለልትን፡ ገበትን፡ መለኽትን” ቃና ካብ ፍትሓዊ ቃልሲ ዝበኩር ኣካል ከምዘየል እዚ “ጉላል” መሪሕነት ሰዲህኤ ኣቐዲሙ እንተተገንዘቦ’ውን ሕማቕ ኣይኾውንን።

ካብ ታሪኽ ዘይተማህሩ ግን ካኣ ናይ ታሪክ ተንተንቲ ክኾኑ ዝደልዩን፡ ናይ “ምብራቕ ዓለም ዲሞክራሲ” ፈሊጣን ኢና ባሃልትን፡ “ልዕልና መራሕቲ” እምበር “ልዕልና-ሕጊ” የልቦን፡ ዝዓይነቱ ናይ መለኽቲ መዝሙር ከስምዑና ካብዝጅምሩ’ውን ሓይለ ጊዜ ኮይነ ኣሎ። ‘ቅዋም ሰልፊ ኣይትጥሓሱ፡ ንልዕልና-ሕጊ ተማእዘዙ’ እንተተባህሉ፡ ሓንቲ ዝኣፎም፡ “ከምኡ ኣይትበሉና፡ ኣብ ጉባኤ እንዲና ተመርጽና” ኢዮም ዝብሉ። ኣብ ጉባኤ እንዲና ተመሪጽና! እሞ ኣብ ጉባኤ ስለዝተመረጽካ “ኣይትጋገን ማለት ዱዩ? ወይስ ንኽትገገ መስል ኣለካ፡ ዝሓተካ’ውን የልቦን ማልት ዶ ኾን ይኸውን?” ከምኡ ኢዩ ኢዮም ክብሉና ዝደልዩ ዘለዉ። እዚአን ኩለን ካኣ ናይ መለኽትን ዓመጽትን ጠባያት ኢየን። እቲ ዘገርም፡ ከምታ ኢሳያስ ንፍትሒ ኣይትቃለሱ ዝብላ፡ እዚኣቶም’ውን ከምኡ ክብሉና ምህቃኖም ኢዩ። ንሕና፡ እቶም ንሰዲህኤ ዝለበስናዮ፡ ዝጓሰናዮን ዝሃነጽናዮን ጥራሕ ዘይኮናስ፡ ምስልናን ቅርጽናን ትሕዝቶና ንሱ (ሰዲህኤ) ዝኾና ኣካላት፡ ካብ ሰዲህኤ ኪዱ ክብሉና’ውን ይሕንጠዩ ጸኒሖምን ኣለዉን። ሰዲህኤ ዶ ካብ ሰዲህኤ ክኸይድ ይኽእል ኢዩ? ኪድ እዃ ኣይንብሎን (ብሰልፋዊ ዋዕላ ኣብልና ዘለና ፍልልያት ንፍታሕ ኢና ንብል ጸኒሕናን ዘለናን)፡ ክኸይድ እንተደለየ ግን እቲ ነብሱ ዝጎለለን፡ ንቅዋም ሰልፊ ዝጠሓሰን፡ ንልዕልና-ሕጊ ዝረገጸን፡ ናይ “ሸልጊ” በትሩ ኣወጣዊጡ ሸልግ ክብል ዝጸንሓ መሪሕነት ሰልፍን ሳዓብቱን ዝሓዘ ጉጅለ ኢዩ ዝኸይድ።

“ማዓስ ኢና ምስጓግ ንጅምር?”፣ “ንሕናን (ሰህኤ/ሰውራዊ-ባይቶ) ጋሽን ሰቲትን ኮይና ክንቅጽል ንኽእል ኢና፡ እቶም ካለኦት (ሰዲኤን ካሎትን) ይኪዱ”፣ “ሰልፊ እንተተግምዐ ጸግም የልቦን፡ ምንም ኣይንኾውንን ኢና”፣ “ዝሃውተቱን ዝተጀነዱን ኣለዉ፡ ይኪዱ”፣ ወዘተ እንዳበሉን፡ ንቕዋም ሰልፊ ምብጥሓስን ልዕልና-ሕግ ብምግሃስን ኣባላት እንዳኣደስከሉን ካብ ሰልፊ ከምዘልግሱ እንዳገበሩን ኣባ ጓይላታትን ደባሎን ኮይኖም ናይ ምፍንጫል መለኸት ክነፍሑ ዝጸንሑ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ሰዲህኤ ነበር፡ ኢዮም ተፈንጨልትን ኣፍረስትን። እቲ ንፍትሒ ክቃለስ ዝጸንሐን ዘሎን መሰረታት ሰልፊ፡ እምቢ ንዓምጽ፣ ንምልኪን ንምጉላልን ብምባል፡ ናይ ምፍንጫል ኣጀንዳ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር ስለዝነጸጎን ኣንጻሩ ደው ብምባል ስለዝተቃለሶን፡ ሕጂ “ሓድነት ሰዲህኤ” ከድሕን ኪኢሉ ኣሎ። መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር፡ “ከም ቀደም ይመስለክን —” ከምዝባሃል ኮይንዎ፡ ዘይ ከምዝሓሰቦ፡ ካብቲ ሓደ (ሰህኤ/ሰውራዊ-ባይቶ) ሸንኽ ኣባላት ዝነበሩ፡ “ውሑዳት” ጥራሕ ሒዙ ካብ ውዕል ሓድነት ሃዲሙ ኣሎ። መብዝሕትኡን እቲ ልሉይን ብወገን ሰህኤ/ሰውራዊ-ባይቶ ዝመጸ ኣባልን ኩሉ እቲ በወገን ሰዲኤ ዘመጸ ኣባልን፡ ኣብ ጎድኒ ፍትሒ ደው ብምባል፡ ንሓድነት ሰዲህኤ ንምድሓንን ንምዕዃኽን ከይተሓለሎ ክሰርሕ ስለዝጸንሐን ዘሎን፡ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር ዝመርሖ ናይ ምጉላልን ንሓድነት ሰዲህኤ ናይ ምስባርን ኣጀንዳ ኣይተዓወተን። ሓድነት ሰዲህኤ (እቲ ናይ ክልተ ድሕረ-ባይታታት ዘካተተ ውህደትን ንሱ ዝፈጠሮ ክውንነትን) ህያው ኮይን ይቕጽል ኣሎ።

መቸስ፡ ሕሱም መላኪ፡ “ቅጥቅጥ ቅጥቅጥ ኣቢሉ፡ ሃየይ ኣይትበል” እንዲዩ ዝብለካ፡ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር ካኣ ከምዚ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ፡ ሓድነት ሰልፍና እንዳኣፈሱ ከለዉ፡ መሰረታት ስቕ ክንብል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ዝበሉና ክንገብር ግዴታ ከምዘለና ኢዮም’ውን ክነግሩና ፈቲኖም። መሪሕነት ሰልፊ ማለት ሰልፊ ማለት ኢዩ ክብሉ ዝደልይ’ውን ኣይተሳእኑን። ዝለሽኮነ፡ መሪሕነት ዝብሎ ኩሉ ሓቂ፣ ፍትሒ፣ ሕጊን ርትዕን ኢዩ’ሞ ንመሪሕነት ሰልፊ ተጋጊኻ ምባልን ምቅዋምን ማለት ንሰልፊ ተጋጊኻ ምባልን ምቅዋምን ማለት ኢዩ ኢዮም ክብሉ ዝደልዩ። ከምዛ ናይ ህግደፍን ሳዓብቱን ዝዓይነታ (ኣብ ሞንጎ ሃገር-ኤርትራን ስርዓት-ምሕደራ ( መንግስቲ) ኤርትራን) ምትሕውዋስ ኢያ ትመስል። እቲ ሓቂ ግን፡ ሰዲህኤ ንመስረታቱ (ከም ቀንዲ መሰረት)፣ ንመሪሕነትን (በብደረጅኡ)፡ ንክልቲኦም ከም ገመድ ዝጠምርን ናይ ሓባር ባይታን ዝኾነ ካኣ እቲ “ብቅዋም” ዝፍለጥ ናይ ሰልፊ “ሕገ-ህንጻ” (constitution) ዝጠቓለል ኢዩ። ስለዝኮነ ካኣ፡ መሪሕነት ሰልፊ፡ ሓደ ኣካል ሰልፊ ዳኣ’ምበር ሰልፊ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ንቅዋም ሰልፊ ብምኽባርን ንልዕልና-ሕጊ ተገዛኢ ብምዃንን ጥራሕ ኢዩ ክመርሕ መሰረታት ፍቓድ ዝህቦ። ኹሉም፡ ቅዋም ሰልፊ ጢሒሱ ዝውስኖም ውሳኔታት ይኹኑ ዝወስዶም ተግባራት ንጹጋትን ዘይቅዋማውን ኢዮም ዝኾኑ። እቲ ኣራማይ መሰረታት ሰዲህኤ ካኣ ንሱ ኢዩ ኢሉ።

ስልዚ፡ “መሪሕነት ሰልፊ ንልዕልና-ሕጊ ተገዝእን ቅዋም ሰልፊ ክኽብር ኣለውን እንተተባህለስ፡ “መሪሕነት ሰልፊ ኣብ ጉባኤ ስለዝተመርጸ፣ ብድምጺ ብዝሒ ስለዝወሰነ፣ ወዘተ” ዝዓይነቱ ምጉት ምልዓል፡ ከምቲ “ከብቲ ኣብዘይዋዓለኦስ ኩቦ ምእራይ” ዝባሃል ኢዩ ኢልና ክንሓልፎ። ከምቲ “ዓይኒ ከዳዕሲ ነባዕ” ዝባሃል፡ እንታይ ዳኣ ኢዩ እዚ ኩሉ ንሓንሳብ “ሃብታማት ስለዝኮኑ ዶ”፣ ንሓንሳብ “መዲድ ተሓንጊጥኹም ተምበርኪኹም ይቕርታ እንተዘይ ሓትትኩም ዶ”፣ ንሓንሳብ “ ከምቶም ካለኦት ክሓቁ ኢዮም ዶ”፣ ንሓንሳብ ኩሉ ናይ ምፍንጫል ሓረጋት ምጥቃም ምስወድኡ፡ “ብሓንሳ እኾ ክንሰርሕ ንኽእል ኢና ዶ”፣ ንሓንሳብ ካኣ “ናብ ኢትዮጵያ ክንከይድ ኣይደልዩናን ኢዮም ዶ”፣ ወዘተ እንዳበሉ “ንባዓት ሓርገጽ” ዝዓይነቱ፡ ንብዓት ክነብዑ ዝደልዩ ዘለዉ? እቲ ካልእ ገድፍና፡ “ልግስን ህያብን፡ ምልኣት ልቦና’ምበር ምልኣት ሃብትን ጸጋን” ከምዘይኮነ፡ ምግንዛቡ ኣይከፍእን ኢዩ ንብል። እንተ፡ ንሰዲህኤ ንበቆ ሃብቲ፣ ዓቕሚ፣ ጊዜ፣ ክእለትን ኣቃልቦን ከምዘይነበረን ከምዘይየሎን ከምዘህሉን’ውን ክንሕብሮም ንፈቱ። “ጨሊጥካ ምቅላስ ማለት ካኣ ከምኡ ኢዩ።” ንሱ ስለዝኾነ ኢዩ ካኣ፡ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር ንሓድነት ሰልፊ ዝብሕጉጉን ዘፍርሱን ወስታታ (ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጽሕፍ ተመልከት) እንዳወሰድ ከሎ፡ ኣይፋል ጸገማት ሰልፊ ብሰልፋዊ ዋዕላ ኣብልና ንፍታሓዮ እንዳበልና ንሓድነት ሰልፊ ንምድሓን ልቦና ዝመልኦ ዘይተሓለለ ቃልሲ ከንካይድ ጸኒሕና። ሕጂ ሓድነት ሰልፊ ዲሕኑስ፡ ሰዲህኤ መልክዑ፣ ቅርጽን ትሕዝትኡን (እቲ ናይ ክልተ ድሕረ-ባይታታት ዘካተተ ውህደትን ንሱ ዝፈጠሮ ክውንነትን) ሒዙ ተልእኽኡ ንምዕዋት ንቕድሚት ይምርሽ ኣሎ።

እንተ እቲ ንዓመጽ ኣይፋል ምባል ፍትሒ ዝለዝኾነ፡ ንፍትሓዊ ቃልሲ መሰረታትና ዝዓግቶ ሓይሊ ስለዘይነበረ “ሓድነት ሰዲህኤ” ድሒኑ ኣሎ፡ ሰዲህኤ ካኣ ቃልሱ ይቅጽል (7ይ ክፋል ተመልከት)።

ሻውዓይ ክፋል 07/12/2017 ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)

“ሓሉ ዝበልካዮ ኣየጥፍእ፡ ኣጸብቕ ዝበልካዮ ኣየኽፍእ”፡ ካብ ውዕል ሓድነት ዝሃደመ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር

ኣብ ዝሓለፈ “ሰዲህኤ መን ኢዩ? ኣበይ ከ ኣሎ?” ኣብ ዝብል ጽሕፈይ፡ ሰዲህኤ ከም “ዝተሰገደ ኣተሓሳስባን” ነቲ ብናይ ክልተ ድሕረ-ባይታ ዝነበሮም ሓይልታት (ህ.ግ.ን ተ.ሓ.ኤ.ን) ብዝተገበረ ሓድነታዊ ኪዳን ዝተፈጠረ ናይ ሓድነት፣ ሰላም፣ ስኒት፣ ብሩህ መጻኢን ተስፋን መንፈስ ዝውክል ክይኑ ስነ-ኣእምራኣዊ መንፈስ እምበር ዝጭበጥን ዝድህሰስን ባእታ (entity) ከምዘኮነ ምግላጸይ ዝዝከር ኢዩ። ሕላገት ሰዲህኤ እቲ ኣካላዊ ውህደት ዘይኮነስ እቲ ኣካላዊ ውህደት ዝፈጠሮ “ዝተሰገደ ኣተሓሳስባ” ከምዝኾነን፡ ሓድነት ሰዲህኤ ከይስበር ክባሃል ከሎ፡ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ከይጠፍእ ይታዓቀብ ማለት ምዃኑ’ውን ኣብ ጽሕፈይ ኣስፊረ ነይረ። ብተወሳኪ፡ ሰዲህኤ ኣብ’ቶም ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ዝለበሱ ልዕልና-ሕጊ ይከበር፣ ፍትሒ፣ ሓቂን ሓድነትን ይታሓሎ እንዳበሉ፡ መሪሕነት ሰልፊ ዝፈጸሞም ቅዋማዊ ጥሕሰታት ክእርሞምን ንልዕልና-ሕጊ ተገዛኢ ክኸውንን ክቃለሱ ዝጸንሑን ዘለዉን መሰረታትን ታሕተዎት ኣካላት ከምዝርከብ’ውን ኣስሚረሉ ነይረ። ሓቂ ብሓቂ ካኣ ብመልክዖም፣ ብስረሖም ይኩን በተሓሳስብኦም ንሰዲህኤ ዝውክሉ መሪሕነት ሰልፊ ዘሳስዮ ተጎላሊ ጉጅለ ዘይኮነስ ንሳቶም ኢዮም። እዚ ተጎላሊ ጉጅለ ብመልክዑ ይኹን ብተግባሩ ንሰዲህኤ ኣይመስልን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንሰውራዊ-ባይቶ ወይ’ውን ንሰልፊ ህዝቢ ክመስል’ውን ኣይክእልን ኢዩ። እንታይ ክመስሉ እዮም ዝደልዩ ዘለዉ እልኩም ንምፍላጥ ትሽገሩ እንተኮይንኩም፡ ነዛ ኣብ ኣሕቲ ዘላ ቻርት ተመልከቱ፡ ገለ ኣንፈት ትህበኩም ትኸውን ኢያ።

እንተ እቲ ሕጊ ምጥሓስ፡ ኣመል ስለዝኾነ ብዙሕ ከገርመና ዘለዎ ጉዳይ ዝኸውን ኣይመስለንን። እቲ ንድሕሪት ናይ ምምላስን፡ ናይ ምሽላግ (ምጉላል) ድሌትን ተግባራትን’ውን በብጊዝኡ በጨቕ ክብሉን ብግብሪ ክትግበሩን ዝጸንሑ ስለዝኾኑ ንግረመሎም ሓደስቲ ተርእዮታት ኣይኮኑን። ባህርያት ናይ ሓያሎ ኣብ ኣመራርሓ ዝጸንሑን ዘለዉን ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ዘርእዮ ሓድ ሓቂ እንተሎ’ውን፡ ኣብ ሰልፊ ዘይምርድዳእ ክረአ ከሎ፡ ቀልጢፎም ናብ ናይ “ጸቢብ-ዓንኬል ፖሊቲካ” ምእታውን ናይ “ሸሊግ/ምጉላል” መደባት ውሽጢ-ውሽጢ ምትግባ ከምዝጅምሩ ኢዩ። እዛ ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ዝተፈጥረት ዘይሕጋዊት ጉጅለ፡ ነጸብራቕን ውጽኢትን ናይቲ ብመሪሕነት ሰልፊ፡ ብፍላይ ካብ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ጀሚሩ፡ ውሽጢ-ውሽጢ ክግብረ ዝጸንሐ ነጻግን ኣግላልን ናይ ዓመጽ መደባት ኢያ። ዘይሕጋዊት ምዃና ጥራሕ ዘይኮነት፡ ከም ጉላል ጉጂለ መጠም ንሰዲህኤ ዝመስል ምስሊ ይኩን ባህሪ የብላን፡፡

ብሕጋውነት፣ ብምስሊ ይኹን ብባህሪ ንሰዲህኤ ዝውክል እቲ ንሕጋዊት ናይ ዞባ መሪሕነትን ደገፍታን ዝሓዘ ዘይተጎለለ ኣካል ኢዩ። ነቲ ሕላገት ሰዲህኤ ዝኾነ “ሓድነት” ዘዕቖበን ናይ ሰላም፣ ስኒት፣ ብሩህ መጻኢን ተስፋን መንፈስ ዝለበሰን ኣካል እሱ ጥራሕ ስለዝኾነ፡ ሰዲህኤ ኣብኡ ይርኸብ፡ ናይ ሕጅን መጻእን ሰዲህኤ ማለት ካኣ እዚ ኣካል እዝን ኣብ ኩሉ ዓለም ዘለዉ ደገፍቱን እዮም።

እዞም ንሰዲህኤ ከም “ኣካላዊ ውህደት” ገይሮም ዝጥምቱ ኣካላት መሪሕነት ሰልፊ፡ ኣብ ማእገር ኢቲ ብመስርሕ ሓድነት ናይ ክልተ ድሕረ-ባይታ ዝነበሮም ሓይልታት (EDP and EPP) ዝተፈጥረ ኣካላዊ ጥርናፈ ተሓንጊሮም ናብ ኤርትራ ክኣትዉ ኢዩ ነይሩ ትጽቢቶም። እቲ ዘገድሶም ዝነበረ እቲ ኣካልዊ ብቓዓት ጥራሕ እምበር እቶም ዝተፈጥሩ ጸጋታት (ሓድነት ህዝብን ጥራናፈ ቃልስን፣ ሰላም፣ ፍትሒ፣ራህዋ፣ ቅሳነት፣ ብሩህ ናይ መጻኢ ተስፋ፣ ወ.ዘ.ተ. ንምርግጋጽ ዝተፈጥሩ ተኽእሎታት) ስለዘይነበሩ፡ እቲ እዞም ጸጋታት ኢዚኣቶም ዝሓትዎ ናይ ስነኣእምሮኣዊ ምስግጋር (psychological adjustments) ክገብሩ ኣይካኣሉን። መብዛሕትኦም ነቶም ዝተፈጥሩ ሓደስቲ ናይ ኣታሓሳስባ ጸጋታት ከይለበሱ፡ በተሓሳስባ ኣብ ዝነበሩዎ (ሰውራዊ ባይቶ/ጀብሃ፣ ወ.ዘ.ተ.) ኮፍ ኢሎም ተሪፎም። ዋላኳ ብኣካል ሰዲህኤ ኢና ይበሉ፡ ብኣተሓሳስባ ሰዲህኤ ከይኮኑ ኢዮም ጸኒሖም። እቲ ኣብ ማእገር ተሓንጊርካ ንኤርትራ ምኻድ፡ ወይ ስለዝደንጎዮም ወይ ኣይካኣልን ኢዩ ኢሎም ስለዝመዘኑ ወይ’ውን ካለእ ሓንጋሪ ኣሎ ኢሎም ስለዝሓሰቡ ግዲ ኩንኖም ሕጂ ነታ ኣካላዊ ጥራነፈ ብምፍራስ ናብ ባዓቶም ክምለሱ ይደልዩ ከምዘለው ንርኢ ኣለና። ሕጂ ናይ መጨረሻ መልክዑ ሒጁ ማለት እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ሰልፊ ናይ ምፍራስ ወስታት ካብ ዝጅምር ነዊሕ ጊዜ ገይሩ ኢዩ። ኣብ ሰዲህኤ ዝጸንሑን ዘለዉን መሰረታውያን ፍልልያት ካብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣተሓሳስባታትን ወስታታን ዝነቕሉ ምዃኖን ዘይሳሓት ሓቂ ኢዩ። ከም ተርእዮታት ብዙሓት ኣብነታት ክጥቀሱ ይካኣል እኳ እንትኾነ፡ ነዞም ዝስዕቡ ጥራሕ ምርኣይ ኣኻሊ ይመስለኒ፦

  1. መበገሲ ናይቶም ብቐጻሊ ኣብ ርእሲ እቲ ሓደ ወገን (EDP) ካብቶም ንሰዲህኤ ዘቖሙ ሓይልታት ዝስንዘሩ ክስታት (እንታይ ዶ ሒዞምልና ዝመጽ ኣሎ ኢዩ? እንታይ ዶ ገረሙልና ኢዮም? ስም ናይቶም ኣባላቱ ነበር እንዳጠቐስካ፡ እንታይ ዶ ዝገበሮ ኣሎ ኢዩ? ዘይ ውሑዳት ኢዮም፣ ወ.ዘ.ተ) ካብ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዝብገስ ኢዩ። ከምዚኦም ዓይነት ዘይተወደኑን ዘይፍትሓውያንን ክስታት ዋላኳ ኣብ ብዙሕ ኣገጣሚታት ክውርወሩ ዝስማዕ እንተኾነ፡ እቲ ብኣሰካፊ መልክዑ ዝተገብረ ግን ኣብቲ ኣብ መንበር ሰልፊ ዘካየዶ ናይ ሙሉእ ኣባላት ናይ ፓልቶክ ኣኬባ ኢዩ ነይሩ። መብዛሕቶም ኣባላት መሪሕነት ሰልፍን እዞም ሕጂ ንናይ መሪሕነት ሰልፊ ዘይሕጋዊ ውሳኔታት ዝድግፉ ዘለዉ ኣባላት (እዞም ኣብ ዞባ ኣመሪካ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ኣቑሞም ዘለዉ ወስኽካ)፡ ነዘን ክስታት እዚአን ኢዮም ክደጋግሙ ዝዋዓሉ። ሕጽር ብዝበለ፡ ኢድፒ (EDP) ክሕንግር ስለዘይካኣለ ከልግስ ኣልዎ ኢዩ ነይሩ ኢቲ ድልየቶም። ሕጂ ካኣ ንሳ እዮም ዘተግብሩ ዘለዉ።

  2. መሪሕነት ሰልፊ ንሓሳባቱ ዘይድግፉ ኣባላትን ታሕተዎት ኣካላትን ሰልፊ ብምድስካልን ስርዒት ሰልፍ ብዘይ ሕጊ ብምፍራስን ነቲ “ማዓስ ኢና ምስጓግ ንጅምር” ዝብል ጸረ-ኣታሓሳስባታት ሰዲህኤ ዝኾነ መደባቱ የተግብር ኣሎ። ንሰዲህኤ ናብዚ ሕጂ ዘለዎ ታኣፋፊ ኩነታት ዘብጸሑ ቅጽበታዊ ምኽንያታት (immediate causes) መሪሕነት ነዚ ዘይቁዱስ መደብ ነከተግብር ዝወስዶም ቅዋም ሰልፊ ዝጣሓሱን ልዕልና-ሕጊ ዝረገጹን ውሳኔታትን ተግባራትን ኢዮም። ብጉላባብ ታሓድሶ፡ ብሓስብ ዘይሰማምዕዎም ኣባላት ክኣልዩ ምስጀመሩ፡ ከቢድ ተቃውሞ ካብ መሰረታት ተላዒሉ። መሪሕነት ሰልፊ ኣብ ክንዲ ዝገበሮ ቅዋማዊ ጥሕሰታት ዝእርም፡ ነተን ናይ ምእራም ቃልስታት ክገብራ ዝጸንሓ ታሕተዎት ኣካላት ብዘይ ሕጊ ብምርራስን ዘይሕጋውያን ጉጅለታት ብምቛምን ነቲ “ማዓስ ኢና ምስጓግ ንጅምር” ዝብል ነጻግን ኣግላልን መድብ የተግብር ኣሎ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ልሉያት ግን ካኣ ዝተፈልየ ድሕረ-ባይታ ዘለውም ኣባላት ሰልፍን፡ ሕጂ ካኣ መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ግዳይ ናይዚ ዓመጸኛ መደብ ምስጓግ/ምድስካል ከምዝኾኑ ክስመረሉ ዘለዎ ሓቂ ኢዩ። እዚ ንሰዲህኤ ብሰንጣቂት ዝሃርም ሓደገኛ ወስታ፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ብዝገብሮ ዘሎ ንሕጋዊት መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ብምጉሳይ ዘይሕጋዊት ጉጅለ ብምቛም ናይ መጨረሻ መልኽዑ ሒጁ ይርከብ። ናይ ሰሜን ኣመሪካ ዑደት ኣቦ መንበር ሰልፊ ዓላማ፡ ንሰዲህኤ ናይ ኣካላዊ ምፍራስ እንተነይሩ፡ ዘይሕጋዊት ጉጅልኡ ሕጁ ተዓዊተ እንተበለ ዘገርም ኣይኮነን። እንተ እቲ ጸጋታት ሰዲህኤ ግን ኣይስበር ኣይቁርመም ምስቶም ዝለበሱዎ ዋናታቱ ክነብር ኢዩ።

  3. እቲ ብገለ ገለ ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ “ንሕናን ጋሽን ሰቲትን ኮይና ንሰዲህኤ ክንቅጽሎ ንኽእል ኢና” እንዳበሉ ዝገብርዎ ኣንጻር ሓድነት ሰዲህኤ ጎስጓስ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ (1)ን (2) ዝተገልጹ መደባት ኢዩ። ብቐንዱ ካኣ ካብቲ ኣብ ማእገር እቲ መጻምዲ ሓድነት ዝነበረ ኣካል ተሓንጊርካ ንኤርትራ ናይ ምእታው ትጽቢታት ስለዘይተማለአ፡ ኣብቲ ትጽቢታት ዝተነብሮ ኣካል ቁጠዐ፣ ነድሪን ሕርቃን ስለዝተሰመዖም ብኩሉ ዓቕሞም ተጠቂሞም ነቲ ኣካል ክቐጽዕዎን ኣብ ርእስኡ ሕነ ክፈድዩን ዘለዎም ድሌታት ኢዩ ዘንጸባርቕ። እዚ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባታት ካኣ ክብቲ ንሰዲህኤ ከም “ኣካላዊ ውህደት” ጥራሕ’ምበር ከም ናይ “ሓሳባት ውህደት” ዘይጥምት ሸነክ ዝብገስ ኢዩ። እሞ ከምዚ ዓይነት ሓሳባት ዘለዎም ኣካላት፡ ንሰዲህኤ በትና ነናብ ዝመጻናዮ ንመለስ እንተበሉስ ዘገርም ኣይኮነን። ነዚ ከምዚ ዓይነት ዓላማ ንምትግባር ኢዩ’ውን “ማዓስ ኢና ምስጓግ ንጅምር ዝብል” ነጻጊ፣ ዓማጽን ኣግላልን መደብ ክህንድሱን ከተግብሩን ዝጀመሩ።

እሞ ዳኣ ካብ ከምዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገልጹ ኣተሓሳስባታት ዘሳሲ መሪሕነት ብጀካ ምፍንጫል ካልእ እንታይ ምጽባይ ይካኣል። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ሰዲህኤ ከምቲ ዋሓለ/ለባም ዝሳኣነ ስርናይ ኢያ ኮይና ጸኒሓ። ሕጂ፡ ከምቲ ነቓሊኻ መርዓ ኣሎ፡ ተኻሊካ ሞት ኣሎ ዝባሃል፡ ይግበረላ። እንተ እቲ መሪሕነት ሰልፊ ማእከል ዝገበረ ነቶም ሓድነት ሰልፊ ንኸይስበር ፍትሓዊ ቃልሶም ከገብሩ ዝጸንሑን ዘለዉን ናይ ምንዋር ዘመተ፡ ከምቲ ኣቦ ዝብልዎ “ሓሳውን ስንቕን እንዳሓደረ ይፈኩስ” ኢዩ ኢለ ጥራሕ ክሓልፎ። እቲ ሓቀኛ ቃልሲ ብዝናሃረ መልክዑ ክቕጽል ኢዩ። ቅድሚ ሕጂ ይኹን ንድሕር ሕጂ ንሰዲህኤ ዝቃለሱሉ እቶም ዝለበሱዎ ጥራሕ ስለዝነበሩን ስለዝኾኑን፡ በዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ መሪሕነት ሰልፊ ማእከል ዝገበረ ናይ ምፍንጫል ወስታ ዝዳኸም ሓቀኛ ቃልሲ ኣይክህሉን ኢዩ። ሰዲህኤ ናይ ህዝቢ ሰልፊ ኢዩ፡ ናብ ህዝቢ ዘፋለጥናዮ’ውን ንሕና እቶም ዝለበስናዮ ስለዝኾና፡ እቲ ቃልሲ ክቕጽል ኢዩ፡ ሰዲህኤ ካኣ ክነብር ኢዩ።



NO COMMENTS

LEAVE A REPLY