እዚኣ ኢያ እታ ኣብ ማዕከናት ዜና ነዘርላንድ ብዙሕ እተዛርብ ዘላ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምህረት!!

 

This is the Rotterdam based Eritrean Christian Orthodox Church at centre of Controversy in the Netherlands!

ERI.TEWAHDO ትማሊ ዕለት 20-01-2016 ድሕሪ ቐትሪ: ብገዲም ተጋዳላይ ኣካያዲ ስራሕ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምህረት ኣቶ ተኽሊት ግርማጽዮን ተሰንየ: ነዛ ብዙሕ ዘዛረበት ቤተ ክርስትያን ኪዳነ-ምህረት ኣብ’ቲ ተደኪናትሉ ዘላ Larikslaan 184, 3053 LG, Schiebroek, Rotterdam ብኣካል ከይደ: ውሽጡን ወጻኢኡን ኣጋይሽ ናይ ክርስትያን ዘዕርፉሉ ኣስታት 6 ክፍሊ ዘለዎ መደቀሲ ቦታን: ኣበይን ከመይን ዝበለ ኣቀማምጣ ከም ዘለዎን: ብተወሳኺ ንመርዓ: ንጥምቀትን: ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ቤተክርስትያን ዝካየደሉ ሓደ ዓቢ መዘናግዒ ኣዳራሽ ከም ዘሎን: ህጻናት ክጻወትሉ ዝኽእሉ ጽቡቕ መዘናግዒ ቦታ ከም ዘሎን: ውሽጣዊ ቕዲ ህንጻ ናይ ቤተክርስትያንውን ምስ ኣብ ሃገረ ጀርመን: ከተማ ኮለን ምዕራብ ጀርመን እትርከብ ዝተፈልጠትን ታሪኻዊትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን (DOM) ብዝመሳሰል ቅዲ ከም ዝተሃንጸት ተዓዚበ:: ሕጂ ግን ቅድሚ ኣብ ከርሰ ነገር ጽሑፈይ  ምእታው መጀመርያ ሓጺር ታሪኽ ኣመጻጽኣ ናይ ኤርትራ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣብ ነዘርላንድ ክገልጽ ይፈቱ::

ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ነዘርላንድ:-

ኣብ መፋርቕ 1970 ኣቢሉ ይኸውን: ኤርትራውያን በቲ ናይ ነዘርላንድ ሊበራላዊ ዝኾነ ናይ ስድተኛታት ፖሊሲ ተሳሒቦም በብቑሩብ ክውሕዙ ከም ዝጸንሑ ከስምረሉ ይደሊ:: በዚ ዝኣክል ኤርትራ ነጻነታ ኣብ ዘረጋገጸትሉ ዓመት ማለት:- ግምቦት 24-1991: ቁጽሪ ናይቶም ቀዋሚ ተቐመጥቲ ኣብ ነዘርላንድ ብጣዕሚ በዚሑ ከም ዝነበረ ኸኣ ይዝከር:: ከምኡውን እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝቕመጡለን: ኣብተን ዓበይቲ ከተማታት ናይ ሃገር ማለት:- ከም ኣምስተርዳም: ሮተርዳም: ኡትረኽትን ካልኦትን ንኽቕመጡ ይመርጹ ምንባሮም ይፍለጥ:: ምስ ምብዛሕ ቁጽሪ ስደተኛታት ኤርትራውያን ከኣ: ኣድላይነት ኣገልግሎት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ብልዑል ድልየት ተቐልቀለ:: ኣንቀልቲ ናይ ኣድላይነት ኣገልግሎት ዝህብ ቤተክርስትያን ንኤርትራውያን ንተቐማጦ ነዘርላንድ ከኣ ካብቶም ተጠርኒፎም ዝነበሩ ኤርትራውያን ኢዮም::

ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት: ኣብ ብኻልኦት ኣብያተ ክርስትያናት ዝውነን ቦታ ኮይኖም: ኤርትራውያን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ድሕሪ ምጽነሖም ከኣ: ኣብ 2010 እዛ ሕጂ ብስም ቤተክርስትያን ኪዳነምህረት እትፍለጥ: ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክህነት: ብኣስታት ሓደ ሚልዮን ኤውሮ ዝግመት ዋጋ: ኤርትራዊ ኮም ከም ዝገዝኣ ይፍለጥ:: ኣብ ንእግረ መንገደይ እዚ ከም ተዋህዶ ኦርተዶክሳዊ ቤተ ክርስትያን ዝፍለጥ: ኣስታት ናይ 2000 ዓመታት ናይ ጉዕዞ ታሪኽ ከም ዘለዎ ኸኣ: ንኹላትና ርዱእ ክኸውን ይግባእ:: 

እዚ ቤተ ክህነት እዚ ካብ ዝኾነ ናይ ተጸጋዕነትን ተጸባይነት ተጽዕኖን ነጻ ኾይኑ: ባዕሉ ንባዕሉ ብነብሰ ምትእምማን ኣገልግሎት ክህብ ዝጸንሐን ዝህብ ዘሎ ኢዩ::  ክንዲ ዝኾነ ኸኣ እዛ ቤተ ክርስትያን ኪዳነ ምህረት: ኣብ ከተማ ሮተርዳም ነዘርላንድ ዘላ ፍልይቲ መለለዩ ኩርዓት ኤርትራውያን ምዃና: ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ ክግንዘቦ ዘለዎ ሓቂ ኢዩ:: ብፍላይ ከኣ: ኣመንቲ ክርስትና ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ከም ትእምርቲ እምነቶም ክርእይዋ ዝግባእ: ናይ ሓበንን እምነትን ዋልታኦም ምዃና ብምግንዛብ: ካብ ዝኾነ ክወርዳ ዝኽእል ቃጻን ዓመጽን ጸለመን ኣብ ሕጊ ተሞርኪሶም ክከላኸሉላን: ብሓቅነት ክሕዝዋን ዝግባእ ማእገሮም ምዃና ብዕሊ ክግንዘብዎ ዘለዎም ሓቂ ኢዩ::

እምበኣርከስ: እዘን ኣብ ላዕሊ ጠቒሰየን ዘለኹ ነጥብታት ኢየን: እተን ቀንዲ ንምኽንያት ምምስራት ኤርትራዊ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኪዳነ ምህረትን: ካልኦት ኣብያተ ክህነትን ታሪኻዊ መበገሲ መሰረት ዝኾና::

ቤተ ክርስትያን ኪዳነ ምህረት እትህቦ ኣገልግሎት:-

ኣብ ቤተክርስትያን ኪዳነ ምህረት ክበጽሕ ምስ ከድኩ ዝተዋህበኒ መብርሂ ከም ዝተረዳእክዎ: ብሓደ እዋን ካብ 850 ክሳብ 1000 ዝበጽሑ ኣመንቲ ሰባት ኣብ እዋን ጸሎት ከተአንግደሉ እትኽእል: ሰፊሕ ዝድነቕ ኣዳራሽ ኣለዋ:: ቀወምቲ ኣባላት ናይ ቤተክርስትያን ከኣ: ብግምት ኣስታት ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ምዝጉባት ኣባላት ኣለዉዋ::  ብዘይካ እዛ ቤተክርስትያን እዚኣ: ኣብ ሽግር ንዘለዉ ኤርትራውያን ዓቕማ ዘፍቅዶ ሓገዝን ምዕዶን ምኽርን ትልግስ:: ሓንቲ ብውህብቶ ዝተረኽበት ሚኒባስ ከኣ: ነቶም ጸገም ዘለዎም ሰባት ኣብ ምምልላስን: ኣድላዩ ዘበለ ናይ ጉዕዞ መስርሕን ዝጥቀሙላ ኣላቶም:: ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣገልግሎት መርዓን ጥምቀትን: ናይ ሞት ፍትሓትን ዝክርን ካልእ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ዝካየደሉ ኾይኑ: ኣብ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነጥቢ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ: ኣብ ጸሎት ዝወሃበሉ ግዜ እቶም ምእመናን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ነንበይኖም ኮፍ ዝብልሉ ወናብር ኢዩ ዘሎዎም:: የማን ሸነኽ ወንበራት: ደቂ ተባዕትዮ ኮፍ ክብልዎ እንከለዉ: ጸጋማይ ሸነኽ ኸኣ ደቂ ኣንስትዮ ኮፍ ዝብላሉ ኢዩ:: መስርሕን ከይድን ኣገባብን ናይ ቤተ ክርስትያን ኪዳነ ምህረት ከኣ: እዚ ሕጊ እዚ ኢዩ ዝኽተል:: እዚ ማለት እዚ ቤተ ክርስትያን ኪዳነ ምህረት: እቲ ያታውን ኣባታውን ባህላውን ሕግታት ቤተ ክህነት ዝኽተል ምዃኑ ኢዩ ዘረደኣና::

20130114_191037

ኣብ ክንግንዘቦ ዘለና ነጥቢ: እዚ ልዕል ክብል ገሊጸዮ ዘለኹ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ተዋህዶ ቤተ ክህነት ክርስትናን: ቤተ ክርስትያን ኪዳነ ምህረት እትህቦ ዘላ ኣገልግሎትን: ንነፍስወከፍ ኣማኒ ኤርትራዊ መንፈሳዊ ዕረፍትን ቅሳነትን ሰላምን ንኽረክብ ዝወሃበሉ ኣገልግሎት ክሳብ ዝኾነ: ኩሉ ኤርትራዊ (ሓቂ ተዓጢቑ) ኣብ ልዕሊ እዛ ታሪኻዊት ቤተክርስትያን ኪዳነ ምህረት ዝወርድ: ዝኾነ ይኹን ናይ ቀረባን ርሑቕን መጥቃዕቲ ብትሪ ክቋወሞን ክከላኸሎን ግዴታኡ ምዃኑ ኣጽንዔ ክስምረሉ ይደሊ::

ኣብ መደምደምታ ከነጽሮ ዝደሊ: ቤተ ክርስትያን ብሓፈሻ: ቤተ ክርስትያን ኪዳነ ምህረት ብፍላይ: ማእከል መንፈሳዊ ዕረፍቲ እትህብን ሓድነት ኤርትራውያን እትዕቅብን እተበራትዕን እትከላኸልን ድኣ ክትከዉን ኣለዋምበር: ናይ ወገናውያን ፈላለይትን መዐንደሪን መላገጽን ክትከውን ኣይግባእን:: ብዘይካ እዚ ናይ ዝኾነ ኢድ ኣእታውነት ክትቅበል ኣይግባእን ጥራይ ዘይኮነ: ዝኾነ ፖለቲካዊ ጸግዕነት ከይሓዘት ንኹሉ ኤርትራዊ ኣማኒ ብማዕረ እተገልግል ክትከውን ከም ዘለዋ: በዚ ኣጋጣሚ ይላቦ:: በዚ ዘተኣማምን ኣገባብ ንኹሉ ተገልጋሊ ብማዕረ ሓቒፋ ንኽትሰርሕ: ዝግበኣ ሰመያዊ ኣገልግሎታ ናብ እተፍቅሮም ህዝባ ከተበርክት ከኣ እምነየላ::

ምድረባሕሪ!!!

ዶርስ. ጸገዘኣብ ገብረገርግስ::