ከተማ ኣሥመራ፡ ቕርዓት ሪቕ ሰብ ጭራ-ዋጣ!!

0
79


ኣብራሃም ብርሃነ

ካብ ግዜ ቁልዕነተይ ሬድዮ ጣብያታት ናይ ምኽትታል ልምዲ ኣለኒ።ሬድዮ ኣሥመራ፣ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ፣ሬድዮ ጀርመን፣ሬድዮ ኢትዮጵያን ካልኦትን ብልቢ ተመሲጠ፡ጣብያታት እናቐያየርኩ፡ሽሽ ዚብል ናይ ምዕፋን ድምጺ እናተቃለስካ ምድማጽ ንቡር’ዩ ነይሩ።

ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ከለና፡ ሓደ ወዲ ቐሺ ዚተብሃለ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዚነበሮ፡ሬድዮ ቢቢሲ እናሰምዐ፡ጽቡቕ ምልኸት ኢንግሊሽ ዚነበሮ፡ቋንቋና ከነማዕብልን ኪንብልጽግን ቢቢሲ ስምዑ፡እናበለ ይመኽረና ብምንባሩ፡ሳሕቲ ክንሰምዕ ፋሕጠርጠር ኪንብል እዝከረኒ’ዩ።

በዚ ልማደይ ከኣ፡ ዕለተ ሰንበት 17 ሚያዝያ 2016፡ ኣብ ሳተላይት ሬድዮ ከፊተ እናሰማዕኩ፡ኣብታ ሬድዮ ጣብያ፡ንግሆ ምድሪ፡ዜና ዕረፍቲ ህቡብ ኣዝማሪ ወይ ከኣ በዓል ጭራ-ዋጣ ጌታ መሳይ ኣበበ፡ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለየ ሰሚዔ፡ ኣዚየ ከም ሰበይ ሓዚነ፡ንጭራ-ዋጣ ፍሉይ ፍቕሪ ግዲ ሃሊዩኒ ሚሒር ተሰሚዑኒ’ዩ።

እዚ ጽሑፍ እዚ ንጽባሒቱ ዝጸሓፍኽዎ’ዩ።እንተኮነ፡ ብዚኮነ ምኽንያት፡ ብሎሚ ጽባሕ ናብ ኣንበብቲ ኪበጽሕ ኣይከኣለን።

እሞ ከም ባህሊ ትውፊት ወለድና፡ንቤተሰቡን ንኣድነቕቲ ባህላዊ ሙዚቃ ጽንዓት ይሃብኩም ብምባል ከኣ፡ገለ ብዛዕባ ሰብ ጭራ-ዋጣን ከተማ ኣሥመራን ወይ ከኣ ኣዝመርትን ከተማ ኣሥመራን፡ ከም ሪቕ ኣዝመርቲ መጠን፡ዘለዋ ረዚን ቦታን ኽብርን ንግዜኡ ብምኽኒያት ሞት ስነ ጥበባዊ ጌታ መሳይ ኣበበ ክሕንጥጥ ክፍትን’የ፣ካልእ ግዜ ኣስፊሐ ክድህሲሶ እትስፎ።

ኣብ ዓለምና ዘሎ ኣዚዩ ምዕቡል ዘመናዊ ሙዚቃ፡ብሰረትን መስረትን ባህላዊ ሙዚቃ ዝማዕበለ፣ ዝሰሰነን ዝዓኾኾን ምዃኑ ኣየጠራጥርን እዩ።ጭራ፡ከም ካልኦት ባህላዊ መሳርሒ ሙዚቃ፡ ኣብ ምድረ ሓበሻ /ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን/ ነዊሕ ታሪኽን ረዚን ኣበርኽቶን ከምዘለዋ ብዙሓት ተመራመርቲ ሙዚቃ ይገልጹ እዮም።

ጭራ ዋጣ፡ ኣብ ባህርዳር፣ኣብ ጎንደር፣ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፍሉይ ኣተኽሮ ተዋሂብዋ፡ኣብ ባህላዊ ኣዳራሻት ኰነ ኣብ ኣብያተ መስተን መዘናግዒ ማእከላትን ክትስስንን ከተጉላዕልዕልን ሰፊሓ ባይታ ከምዝረከበት ቓለ ምስኽርነት ብዙሓት ኣዝመርቲ ይሕብር እዩ። ኣብ ሽዋ፣ ኦሮሞን ኣብ ገለ-ገለ ቦታታትን፡ ከኣ ብመጠኑ ቖላሕታ ትረክብ ምህላዋ ይዝረብ እዩ።

ኣብ ግዜ ኃይለስላሴ ከኣ፡ከተማ ኣሥመራ ፍሉይ ቦታ ንዕብየትን ምስሳንን ጭራ ዋጣ ከምዝነበረት፡ንብርኽት ዝበሉ ተጻወቲ ጭራ ዋጣ ዝነበሩ፡ንቤተሰቦምን ኣድነቅቶምን፡ኣብ ዝተገብረ ሰፊሕ-መሕተት ክፍለጥ ተካኢሉ ኣሎ።ጭራ ዋጣ ናይ ሓሜናት’ዩ ተባሂሎም ካብ ቤቶም ዝባረሩን ጸቕጢ ዝግበረሎምን ዝነበሩ ኩሎም ሰብ ጭራ ዋጣ፡ ኣብታ ምዕብልትን ስልጥትን ከተማ ኣሥመራ ዳዕሮ ሰላም ኣጽሊሎም፣ኣብ ተኽሊ ሞሞና ኣዕቂቦም ክንብሩ ምድረ-ቤታ ኣጣጢሓ፡ማዕጾ ቤት ኣርሒያ ትቕበሎም ብምንባራ፡በዓልቲ ዉዕለትን ትውፊት ስብሪት ባህልን ዕቤት ኣደ ሙዚቃን ምኳና ክስመረሉ ይግባእ።

ኣብ ግዜ ደርጊ ተኮነ ሰብ ጭራ-ዋጣ ወይ ኣዝመርቲ ናብታ ምዕብልትን ስልጥንትን ከተማ ከም ዉሕጅ ሓምለ-ሰነ ይውሕዙ ምንባሩ ናይ ትማሊ ተዘኽሮ’ዩ።ኣባላት ምሕበር ሰብ ጭራ-ዋጣ ነበር ዚሕብርዎ’ዩ። ኣብ ኤክስፖ ዚተገብረ፡ናይ ባህላዊ መሳርሒ ሙዚቃ ዉድድር ኣብ ዕቤት መሰንቆን ኣዝመርትን ዓቢ ዝላ ከም ዚተመዝገበ፡ብዙሓት ኣዝመርትን ሰብ ሞያ ሙዚቓን ይዛረቡ እዮም።

ኣብ ተዛረብቲ ቋንቋ ኣምሓርኛ፡ኣዝማሪ ይርጋ ዱባለ፡ጌታ መሳይ ኣበበን ካልኦት ኣዚዮም ህቡባት ኣዝመርቲ፡ ኣብ ጭራ ዋጣ ዝለዓለ ግደን ኣበርኽቶን ስለዝገበሩ፡”ነጋውስ ጭራ ዋጣ።” ተባሂሎም ክጽውዑ ንዕዘብ ወይ ንሰምዕ ኢና።እዚ ከኣ፡ታሪኾም ዚስንዱን ዚመራመሩን ብህላዎምን ምስ ኣብ ምዕራባውያን ዘለው ምሁራትን ኣብ መጽናዕቲ ባህላዊ ሙዚቃ ዚተዋፈሩን መርበብ ብምፍጣሮም’ዩ።

ኣዝማሪ ይርጋ ዱባለ ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ምስ ተፈለየ፡ዝተፈላለየ ጣብያታት “ንጉስ መሰንቆ።” ኢለን ከምዝጸወዐዖ ንዝኽሮ ናይ ቐረባ ተዘኽሮ’ዩ።ይርጋ ዱባለ፡

“የደረቀ ቆዳ ኣይበላም ኣሞራ፣ ኣገር እንደ ጎንደር

ጽዳት እንደ ኣሥመራ።” ፡ ክብል ዚደረፎ ነስመራን ንጎንደርን ዚምጉስ ግጥሚ ኮነ፡

“የፍየል ወጠጤ ልቡ ያብጠበት፣

እንዋጋ ብሎ ለነብር ላከበት።” ፡ እዚ ከኣ ንደርጊ ደሪፍዎ ኪብሉ ብዙሓት ዚገልጽዎ እዩ።

“ማትረባ  ፍየል ዘጠኝ ትወልዳለች፣

ልጆችዋ ያልቃሉ፡እስዋ ትሞታለች።”

እዚ ከኣ ፖለቲካዊ ዉስጠ-ዘ ዝሓዘ መልእኽቲ ከም ዚኮነ ዘውግዑ ኣለው እዮም።ሓደ ኣዝማሪ ስጋብ መፋርቕ 20 ኽፍለዘመን ብነጋውስ፣ ብመሳፍንትን ብመዃንትን ዚነበሮም ተቐባልነት ታሪኽ ዚስነዶ’ዩ።ኣብ ማሕበረ-ቑጠባውን ፖለቲካውን ሕይወት ሕብረተሰብ ዘይናዕቕ ግደ ማዕከን መትረብ ሓበሬታ ምንባሮም ፈላጣት ታሪኽ ዝሕብርዎ’ዩ።

ጽባሕ፡ ሞት ኣዝማሪ ጌታመሳይ ኣበበ ከኣ፡ ኣብ ሓደ ዓቢ ማዕከን ዜና፡ኣብ ታሪኽ ሙዚቃ ኢትዮጵያ፡ሰፊሕ መጽናዕትን ምርምርን ዝገበረ፡ኣብ ደረፍቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዕሙቅ ዝበለ ኣፍልጦ ከም ዘለዎ ብብዙሓት ዝእመን፡በዓል ሞያ ቐሪቡ፡ ንኣዝማሪ ጌታ መሳይ “ንጉስ መሰንቆ፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ።” ክብል ገሊጽዎ’ዩ።

ጌታመሳይ ከበደ ኣብ፡ “ኣብ ሃገር ፍቕሪ ትያትር” ን36 ዓመታት ባህላዊ መሳርሒ ሙዚቃ ዝኮነ ጭራ-ዋጣ ብምጽዋት ዚፍለጥ’ዩ።”የኔ ኣያል”፣ “ትዝታ”፣”ትዝ ኣለኝ” ወዘተ ዚብላ ደርፍታት ብምድራፍ ዚልለይ’ዩ።

እዞም ክልተ ኣዝመርቲ፡ምስ ጎባልል ሰብ ጭራ ዋጣ፡ ከም እኒ ኤልያስ መስመር፣የሕያ ኪያር፣ገብረጻድቅ ወልደዮሓንስ፣ገብረጽድቕ ገብረሚካኤል/ገረንቼል/፣ወልደጊዮርጊስ፣ግርማይ፣ለገሰ፣ብርሃነ፣ለማ ታረቐ፣ብዙየነ ዘገየ፣ብርሃነ ይሕደጎ፣ብርሃነ ኣበራ፣ታደገ ኣረጋው፣ገብሩ ኣበራ፣ደሳለይ ገሠሠው፣ኣታኽልቲ ካሕሳይ፣በየነ ኣስረስ፣ገብረሚካኤል ኣስረስ፣ ተኽሉ ኣስረስ፣ሞኮነን ኣስረስ፣ኣዳነ ኣስረስ ኮታ ኩሎም ደቂ ኣስረሰሀይን ኮነ፡

እኒ ጥላሁን መስፉን፣ግርማይ መስፉን፣ገብረመስቐል መዝገቦ፣ገብረመድሕን ኪዳነ፣ገብረመድሕን ትርፉ፣ኣያ ንጉሰ የሓንሰይ፣ብረይ የሓንሰይ፣ በርሀ መሓሪ፣ተኽሉ መሓሪ፣ተስፋይ መሓሪ፣ወዲ ኹምር፣ተስፋጽዮን፣ሓጎስ ወረስ፣ኢሳያስ በለጠ፣ጀማል ሞሳ፣ ኣቶ ኣሰፋ፣ምስግና ኣበራ፣ገብሩ ኣበራን ካልኦትን ኣብ ታሪኽ መሰንቆ ወይ ጭራ-ዋጣ እጃሞም ዚገበሩ ወናማት ኣዝመርቲ እዮም።

ካብዚኦም ገሊኦም ኣብ ጋዜጣታትን መጽሔትን ኪወጹ ዕድል ዚረከቡ እዮም።ገሊኦም’ውን ኣብ ሬዲዮ ኣሥመራን ኣዲስ ኣበባን ድምጾምን ሓሳባቶምን ኪቃላሕ ባብ ኪረሓወሎም ዚከኣሉ እዮም።

ኣብ ግዜ ኃይለስላሴ ካብ ኣበየ ከባቢ’ኦም ብመንፋዕቶም ተሓሪዮም፡ኣብ ቐጽሪ ኤክስፖ ኣብ ዚተገብረ ዉድድር፡ ኣብ መወዳእታ ሒደት  ጎባልል ተወዳዲሮም መን ከምዝተዓወተ ታሪኽ ዝምስኽሮ’ዩ።ኣብቲ እዋን እቲ ካብ 500-800 ቕርሺ ኺሽለሙ ከምዚበቕዑ ዚዝኽሩ ኣዝማሪ ብርኽት ዝበሉ እዮም።

ኣብ መርዓ ትግርኛ ተዛረብቲ፡መሳፍንቲ፣መዃንንትን ሰበ-ስልጣንን፡ማለት ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ኣሥመራ፣ ኣብ ባጽዕ፣ኣብ ዓድዋ፣ ኣብ ጎንደር፣ ኣብ ናዝሬት፣ ኣብ ዓሰብን ድሬዳዋን ወዘተን እቶም ዚዕደሙን ዚነበሩ እቶም ኣብ ኤክስፖ ዝተሸለሙንን ኣብቲ ግዜ እቲ ብዕድመ ነኣሽቱ ዚነበሩን ግና ጸኒሖም ኣብ መድረኽ ዚተቐላቀሉን፡ ምንባሮም ሰብ ዕድመ ጸጋን ሰራሕተኛታት ቤተ መንግስቲ ዚሕብርዎ’ዩ።

ብኣንጻሩ፡ ኣብቲ ኣብ ጎንደር፣ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ባህርዳርን፣ናዝሬትን ደብረዘይትን ካልእ ቦታታትን ተወለድቲ ካልእ ብሔራት ናቶም ሰብ ወይ ብቋንቁኦም ዚጻወቱን እቶም ጎባልል ኣዝመርቲ ቋንቋ ትግርኛን እናተበራረዩ ሙዚቃ ይጻወቱ ምንባሮምን፡ ናይ 40-50 ዓመት ታሪኽ’ዩ።

ነቲ ኣብ ከተማ ኣሥመራ ኮነ ኣብ ዓድዋ ዝካየድ ዝነበረ ዉድድራትን ምስሳን ባህላዊ ሙዚቃ ጭራ ዋጣ፡ በላይ ኣድማሱ፡ካብ ገንዘብ ሚኒስቴር ኤርትራ ራስ-ገዝን ጋዜጠኛ እጅጉ ደምሴን ዝለዓለ ግደ ይጻወቱ ምንባሮም፡ቕድሚ 45 ዓመት ኣብ ሙዚቃ ዝነጥፉ ዝነበሩን፡ ኣብቲ ምርዒት ዝዕደሙ ዝነበሩን ይዛረቡ እዮም።

ካብ ሰራየ፡የሕያ ኪያር ሓያል ተወዳዳሪ ምንባሩ ከም እኒ ኣቦይ ሃለቃ ገሬ ታደሰ፡ነቲ ግዜ’ቲ ብልቢ ከምዝናፍቕዎ ወትሩ፡ ኣብ ዕላሎም ይዛረቡ እዮም።ንህርመት ጽልማ ከም ጻዕዳ ኢዶም ዝፈልጥዋን ዓመት መጸ ዓመት፡ ናብ ሕዳር ጽዮን ኮነ ናብ ደብረዳሞ ብተወልደቲ እተን ዓድታት ዝ’ዕደሙ ዝነበሩ ህቡብ በዓል ጭራ ዋጣ ኤልያስ መስመር፡ ኣብ ጦብላሕታ ብዙሓት ስጋብ ሎሚ ተቐጂሉ ከምዘሎ፡ ካብ ዕላል ኣደይ ኣመተ፡ ኣደይ ኣምለሰት፡ኣቦይ ሓጎስ፡ኣቦይ ወልደስላሴ ብርሃነ፡ ኣቦይ ካሕሳይ እንዳ ወርቂ፣ኣቦይ ደጃት ጸጋይ ሓጎስን ካልኦት ሰብ ጸጋ ዕድመ ወትሩ ትሰምዖ ምስኽርነት እዩ።

ኣብቲ ምርዒት ባህላዊ ሙዚቃ ሽጉጥ፡ ካብ ራእሲ መንገሻ ዝተሸለመ፡ ገብረጻድቕ ገብረሚካኤል እዩ።እዚ ንጉስ ጭራ ዋጣ ተባሂሉ ክጽዋዕ ኣለዎ ተባሂሉ ብብርኽት ዝበሉ ዓበይቲ ሰብ ዕድመ ጸጋ ዝዝረበሉ፡ወላዲ ኣቡኡ፡ “ጭራ-ዋጣ ናይ ዓሌትና ኣይኮነን ስለዚ ግደፋ ወይከኣ ትረኽባ” ብምባል ስጋብ ብጥይት እናጓየዩ ምስ ሰሓትዎ፡ሕይወቱ ከድሕን ቢሉ፡ካብ ዓድዋ እንዳ መድሓኔ ዓለም ኣትሒዙ ዚሃደመ፡ ብመገዲ ቆሓይን ናብ ከተማ ኣሥመራ ክከይድን ክነብርን ዝተቐሰበ፡ኣርኣያን መምህርን ብዙሓት ሰብ ጭራ ዋጣ’ዩ ገብረጻድቕ ገብርሚካኤል’ዩ።

ከም ኣብነት ተኮልኮልቲ ኣሰር ገብረጻድቕ፡ ከም እኒ ገብረጻድቕ ወልደዮሓንስ፣ኣረጋይ ተምቤን፣ኤልያስ መስመር፣ጀማል ሞሣ፣ ኣቶ ወልደገርጊሽ፣ክንፈ፣ይርጋ፣ቢትወደድ ገብረኣኒንያ፣ኢሳያስ በለጠ፣ወዲ ኹምር፣ገብረመስቀል መዝገቦን ወዘተን ይጥቀሱ እዮም።

ኣብ ግዜ ኅይላሴላሴ ዚነበሩ ዉርያት ሰባት ከም እኒ ጋዜጠኛ መንግስቱ ገዳም፣ኣከፋፋሊ ጋዜጣ ነበር ተካ ካሕሳይ፣ጋዜጠኛ ኣርኣያ በላይ፣ኮታ ኣብ ሬድዮ ኣሥመራን ሬድዮ ኢትዮጵያን ኣብ ጋዜጣታት ዚሰርሑ ዚነበሩ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን፡ ንገብርጻድቕ ገብረሚካኤል ልዑል ኣድናቆት፡ ካብ ዝነበሮም ሓሽኸት ሰባት ገለ ምንባሩ፡ናይ ቐረባ ቤትሰቡን መቕርቡን ይዛረቡ እዮም።

ራእሲ መንገሻ ስዩምን ዓበይቲ ሙሁራትን ዚተፈላለዩ ሊቀ ሊቃውንትን ተኮነ ነዚ ሓሳብ ከምዚርዕምዎ፡ከረጋግጽ ኪኢለ እየ።ራእሲ መንገሻ ካብ መጀመርታ 1950ታት፡ብዙሕ ሳዕ ገንዘባዊ ሽልማትን ይሽልምዎ ነይሮም እዮም።ኣብ 60ታት ከኣ ሽጉጥን ከም ዚሸለምዎ ዚፍለጥ’ዩ።

ኣቶ ግርማይ ኣበራ ተኮኑ፡ኣብ ግዜ ኅይለስላሴ ከም ሳዕሳይን ኣብ ባህላዊ ሙዚቃ ሱታፌ ዚገብሩ ዚነብሩ መጠን ኮነ፡ ኣብቲ ዝግበር ዝነበረ ምርዒት፡ጃንሆይ መጺኦም ንገብረጻድቕ ገብረሚካኤል ከድንቅዎ ዝሰምዑን ዝተዓዘቡን ሓደ ወኸፍ እዮም።

ኣብ ከተማ ኣሥመራ ካብ ግዜ ኅይለስላሴ ኣትሒዞም ዝነብሩ ብዙሓት ዓበይቲ ወለዲ፡እቶም ኣብ ባህላውን ሃይማኖታውን ኮነ ማሕበራዊ ዉራያት፡ኣዚዮም ህቡብ ተጻዋቲ ጭራ ዋጣ ዝነበሩ፡ኣቶ ኤልያስ መስመር ከም ንጉስ ጭራ ዋጣ ክጽውዑ ከምዘይንእሶም ይገልጹ እዮም።

ጭራ፡ቕዲ ናይ ሓማሴን ኣጻውታ፡ ዚጻወቱ ብምባል ዝፍለጡ ምንባሮም ከም እኒ ብርሃነ ካቦ ይዛረቡ እዮም። እንዳ ኣርኣያ ክፍሉ ሓደ ኣብነት እዮም ይብል።ናይ ሰራየ ዝበሃል ኣወቃቕዓ ጭራ ከምዘሎ ዝዛረቡ ከኣ ኣለዉ እዮም።ናይ ጽልማ ብዝብል ዝፍለጥ ከኣ፡ ህርመት ኣቦይ ኤልያስ መስመር ሓደ ኣብነት እዩ ተባሂሉ ይገልጽ እዩ።ናይ ወርዒ ዚበሃል ኣሎ።ኮታ በብዓዱ ኣጸዋውታ ጭራ ዋጣ ይግለጽ እዩ፣ዓብለልቲ ዝበሃሉ ወይ ገኒኖም ዝወጹ ግና ነቶም ካል’ኦት ኣህሲሶሞም እዮም።

ኣቦይ ኤልያስ መስመር “እንቛዕ’ኳ ንጽልማይ ኣፍለጥኽዋ እምበር ድሕሪ ደጊም…” ይብሉ ምንባሮም ደቂ ጨዓ ይዛረቡ እዮም።

“ኤልያስ መስመር ወዲ ኣርባዕተ፡እንቛዕዃ ኣይሞተ።” ኢሎም ቅድሚ 50 ይደርፉ ምንባሮም፡ሓደ ወዲ ከረን ኣቦ ምስኽርነቶም ዚህብሉ እዮም።

ኣብ ኣኽሪያ፡ መሓመድ ኑር ዝበሃል ፍሉጥ በዓል ጭራ ዋጣ ምንባሩ ደቂ ኣኽሪያ ይዕሉልካ እዮም።ኣቦይ ዓብደላ ወዲ ፋኑስ ዚተብሃሉ፡ንከባቢ 50 ዓመት ክራር ዝጻወቱ ዝነብሩ፡ኣድናቂ ጭራ ዋጣ እዮም። “ከተማ ኣሥመራ ርሕስቲ ከተማ እያ።በዓል ገብረጻድቕ ወልደዮሓንስ፣ገብረጻድቕ ገብረሚካኤል፣ወልደጊዮርግስ፣ኤልያስ መስመር፣የሕያ ኪያር ዝኣመሰሉ የዕሩኽተይ ዝነበሩ ንሳ እያ ኣፍሪያቶም።”

ክብሉ ተዘኽሮ ከተማ ኣሥመራን ጸወታ ጭራ ዋጣን ማዕረ ክንደይ፡ ኣብ ባሕሪ ከብዶም ከምዝኣተዎም የዕሊሉካ እዮም፣ወግዒ ሙዚቃን ከተማ ኣሥመራን ኣልዒልካ ክትዛረብ ከለካ ተዘኽሮ ሓያል ማዕበል ሰልሚ ትዝያ’ዩ ዘጥሕለካ።

ፍሉጥ ተጻዋቲ ጭራ ዋጣ ብርሃነ ወልዱ ከኣ፡ ነዚ ሓሳብ ይርዕሞ እዩ።ፍኖተ መገዲ ናይዞም ዝተጠቅሱ ወናማት ሰብ ጭራ ዋጣ ምዃኑ ይዛረብ እዩ ኣብ ወግዕታቱ።ኣቦይ ሓጎስ ዝበሃሉ ወዲ 74 ዓመት ከኣ፡ንኩሎም ኣብ ከተማ ኣሥመራ ዝነበሩ ሰብ ጭራ ዋጣ ብኣካል ይፈልጥዎም እዮም።

እቲ ብልግስነቱን ሕያውነቱን ኣዚዩ ዝፍለጥ በዓል ጭራ ዋጣ ቡዛየነ ዘገየ፡/ሓው ንደበሳይ ዘገየ/ ፍሉይ ተዘኽሮ ካብ ዝሓደገሎም ሓደ’ዩ።

ብዛየነ ዘገየ ዝረከቦ ገንዘብ፡ሓቢርና ንብላዕ ንስተይ ዝብል ዝነበረ ኣዚዩ ምቑሉል በዓል ጭራ ዋጣ ምንባሩ፡ኣብ ሙዚቃ ጽቡቕ ክእለት ከምዚነበሮ ገዳይም ዘመናውያን ጠቢባን ዚህብዎ ምስኽርነት’ዩ።

ኣሥመራ ዘሰሰየቶም ኣዝመርቲ ሓሽከት ምዃኖም፡ ሳላኣ ከኣ ኪኒዮ ዕለታዊ እንጌራ ምምእራር፡ዚሓለፈ ኣብ ምድራዕ ባህሊ ቐላሲ ተራ ገይራ እያ።እዚ ከኣ ካብ ብዙሓት ትረኽቦ ምስኽርነት’ዩ።

ኣብ ከተማ ኣሥመራ ሰብ ጭራ ዋጣ ብፍሉይ ዝርከብሉ ቦታታት ነይሩ’ዩ።ኣብ ከባቢ ገዛ-ብርሃኑን ኣባሻውልን ከኣ ኣዚየን ተቐስቲ እየን።ካብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ናብ በዓል ባር ኩመል ትወስድ መገዲ ቀንዲ መባኣሲት እያ ነይራ።እንዳ ወዲ ራፌቶ ተኮነት ሓንቲ ካብ ቐንዲ መራኸቢት ቦታ እያ ነይራ።

ኣብ ግዜ ኅይለስላሴ፡ጀነራል ኣማን ዓንዶም ከይተረፈ፡ ኣብዚ ከባቢ መጺዩ ሰብ ጭራ ዋጣ ይሽልም ምንባሩን ጃንሆይ ንሙዚቃ ዝነበሮም ልዑል ተምሳጥን ፍቕርን፡ ኣብ ግምት ኣእትዩ ሰብ ጭራ ዋጣ፡ ኣብቲ እንዳ መስተ ብምእታው ጥዑም ቓና ሰሚዑ ይመርጽ ምንባሩ ምስኽርነት ኣዝማሪ ይርጋ ዱባለ እኹል’ዩ።

ጃንሆይ፡ኣብ ባጽዕ፡ኣብ ጎንደር፡ ኣብ ዓድዋ፡ ኣብ ከተማ ኣሥመራ ኮነ ካልኦት ከተማታት ኣብ ዝገብርውዎ ዑደት፡ሰብ ጭራ ዋጣ ከዘናግዕዎም ይግበር ምንባሩ፣ተመሪጾምን ተሓሪዮምን ንሶም ክመጹ ከለዉ ንምርዒት ይቐርቡ ምንባሮም ብዙሓት ይዛረብሉ እዮም።ጃንሆይ ናብ ትግራይ ወይ ኤርትራ ኪመጹ ተኮይኖም፡እቲ ወረ ኣብ ኣዝመርቲ ቐዲሙ ይመጽእ ነይሩ’ዩ።

እቲ ዝሽልምዎ ሽልማትን ዚህብዎ ፍናንን ወሳኒ ብምንባሩ፡ጃንሆይ ነስመራ ኪሓልፉ እዮም ተተባሂሉ፡ካብ ዘለዉዎ ቦታ እግሮም ናብ ምጭውቲ ከተማ ኣሥመራ የምርሑ ነበሩ።በንጻሩ ናብ ባጽዕ ወይ ዓድዋ ኪመጹ እዮም ተተባሂሉ’ውን ተመሳሳሊ’ዩ።

ሰብ ጭራ ዋጣ ገንዘብ ኣመና ይምእርሩ፣ኣረ ገሊኦም ይሓፍሱ ብምንባሮም፡ ኣብ ከባቢ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ክሰትዩን ክዘናግዑን ኣምሲዮም፡ምሸት ምሸት ዓዋሉ የሸግርዎም ከምዘነብሩ፣ኣቶ ወልደገርግሽ፡ብርሃነ ወልዱን ካልኦትን ኣዝመርቲ ይዛረቡ እዮም።

ንጭራ ዋጣ ዝጻወቱ ገንዘብ ክምንዝዕዎም ብምሕላን፡ስጋብ ጠያይት ምትዃስ ዝበጽሕ ጎንጺ ይበጽሖም ምንባሩ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኮነ መርመርቲ ገበን ኮይኖም ንብዙሕ ዓመታት፡ ኣብ ኣስመራ ዝሰርሑ ከይተረፈ ዝምስኽርዎ ጉዳይ’ዩ።

እቲ ምንታይ፡ ኣብ ሓደ ምሸት ዘይተኣደነ ገንዘብ ዝምእርሩ ንሶም ጥራይ ብምንባሮም ከም ዝኮነ ታሪኽ ክልቲኦም ገብረጻድቃት ከይተረፈ ይሕብር እዩ።ናይዚ ከኣ ከም እኒ ዑስማን ዓብደርሒም ዚኣመሰሉ ዓበይቲ ስነጥበበኛታት ዚዝኽርዎ’ዩ።

ኣብዝሓ ኣብዚ ሓድሽ ወለዶ ንጉስ ጭራ ዋጣ ገብረጻድቕ ወልደዮሓንስ፡ኣዲኡ ኣፋዊት ገጣሚት ነበር፡ኣደይ ኣወጣሽ ጋረድ ጭራ ዋጣ ክወቕዕ ዝተፈቐዳሉን ፍናን ኣብ ቤቱ ዝተውሃበ ምዃኑ ኣዴታት ቅድሚ 20 ክፍለ-ዘመን ሓያል ናይ ግጥምን ሓፈሻዊ ዉህብቶን ክእልትን ጥበብ ዚተላበሳ ምንባረን ታሪኽ ይሕብር’ዩ።

ድሕሪ ከተማ ኣሥመራ፡ ንዕቤት ጭራ ዋጣ ብፍላይ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣስመራ፡ብሓፈሻ ደቂ ኣሥመራ ንምዕባለ ጭራ ዋጣ ብምብርታዕን ፍናን ብምሃብን ቐላሲ ተራ ከምዝተጻወቱ ኣዝመርቲ ምስኽርነቶም ይህብሉ እዮም።፡ኣብ ማይ ኣባሻውል፣ ኣብ ገዛ ብርሃኑን ኣብቲ ከባቢ ተወሊዶም ዝዓበዩ ይኹን ክዘናግዑን ክሕደሱን ዝንቐሳቀሱ ዝነበሩ ቁጽሪ ዘይብሎም፡ ነዚ ሓሳብ ይርዕምዎ እዮም።

ኣብ ካልእ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ኣዝመርቲ ዘይተኣደነ ጸቕጥን ስደትን ይበጽሖም ነይሩ’ዩ።

ገለገለ ርእይቶ ወሃብቲ ከኣ፡ኣንስቲ ደቂ ኣኽሪያ ብፍላይ ተከተልቲ እስላም፡ካብ ክራር ንላዕሊ ኣብ መርዓን ደርዓን ጭራ ዋጣ ይፈትዋ ብምንባረን፡ ኣብ ተራ ምስሳን ጭራ-ዋጣ ዕዙዝ ግደ ከምዘለወን ገሊጾሙለይ እዮም።

እዚ ኩሉ ኮይኑ ግና እዞም ደርማስ ኣስተዋጽ’ኦ ዝገበሩ ሰብ ጭራ ዋጣ ታሪኮም ኣይተጽሓፈ፣ብስእሊ ዝተደገ ደርፊ ይትረፍ፡ብድምጺ ጥራይ ዝደረፍዎ ብዙሕ ባህላዊ ደርፍታት ኣይተሰነደን ኣሎ ዝብል መሰማዕታታት ኣሎ’ዩ።

ንግደ ሓቂ ከኣ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ’ዩ።ደርፍታት እኒ ኤልያስ መስመር፣የሕያ ኪያር፣ብርሃነ ወልዱን ካልኦትን ሳላ ክፍሊ ስነዳ ድምጺ ሓፋሽ ብፍላይ ኸኣ መደብ ደርፍታት ቀደም ጨሪሱ ኣይጠፍ’ኣን እምበር ሃለዋቱ ሃሲሱ፡ካብ ከብሒ ኣብያተ ሙዚቃ ካብ ዝርሕቅ እንሆ 25 ዳርጋ ኣቁጺሩ ኣሎ።ኣብ ከተማ ሽረ፡ ኣብ ናይ ቐደም ካሴታት፡ ኣብ ገለ-ገለ ኣብያተ ሙዚቃ ከምዚርከብ፡ኪዕዘብ ኪኢለ እየ።

ስለዚ፡ነቶም ኣብ ባህሊ ቛንቋ ትግርኛ ብፍላይ ባህላዊ ሙዚቃ ደርማስ ኣበርኽቶ ዝገበሩ፡ግቡእ ኽብርን ማዕዶትን ክንህቦም ይግበኣና እዩ ዝብል እምንቶ ኣለኒ።ብተወሳኺ ኸኣ፡ስርሓውቶም ክስነድን ዝፈጸምዎ ዕማም፡ ኣብ ዕቤት ባህላዊ መሳርሒ ሙዚቃ ግቡእ ቆላሕታ ክወሃቦ ግዜ ይጠልበና ኣሎ።

ነቲ ኩሉ ድሑር ባህላዊ መሰረት ገይሩ፡ኣብ ልዕሊኦም ዚወርድ ዚነበረ ምንጻል ብድሆታትን ሰጊሮም፡ባህሊ ሙዚቃ ትግርኛ ናብ ዉሉድ ወለዶ ኪሰጋገር ዘኽኣሉ ዉፍያት፡ሰብ ዉዕለት እዮም ዚብል ኣቋም ኣብ ሕዝቢ ሰሪጹ ኣሎ።

ጌታ መሳይ ኣበበ፡ ንቻርለስ ሳተን ዝተብሃለ ምሁር ሓርቫርድ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ 1966 ጭራ ዋጣ ኣብ መድረኽ ወጺኡ ክጻወት፡ ካብ ዝገበሩ ሓደ ብሙዃኑን ጭራ ዋጣ ሕርሕራይ ገይሩ ክጻወት እጃሙ ብምጽዋቱን፡ ኣብ ሓርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ዝግበር መጽናዕቲ ባህላዊ መሳርሒ ሙዚቃ ግደኡ ብምግባሩን፡ኣንሆ ስሙ ገኒኑ፡ “ንጉስ ጭራ ዋጣ” ይበሃል ኣሎ።

ኣብ ባህልና፡ንዝሰርሐ ምውዳስ ንቡር እዩ፣ክንዲ ዝሰርሐ ኸኣ እቲ ይግብኦ እዩ ዝበልዎ ስም ይህብዎ ኣለዉ እዮም።እቶም ስሞምን ታሪኾምን ዚተቐብረን ግና ሚሒር ይሕዝነካ’ዩ።

ከም እኒ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተገልጹ ሰብ ጭራ ዋጣ ግደ ንዕቤት ባህላዊ ሙዚቃ ዝተጻወተ ከ ኣሎ ድዩ፧ ኩሉና ንመልሶ ክብል እፈቱ!

ብዉሕዱ እዃ፡ ኮኮብ ስነ ጥበባዊ ኣብራሃም ኣፈወርቂ፡ ኣብ ጭራ ዋጣ ሰፊሕ መጽናዕቲ ከምዝገበረ ይሕበር እዩ።ኣብ ሓንቲ ካብ ቀዳሞት ዝበሃላ ደርፍታቱ ከኣ፡ዕስራ ዓመት ይገብር፡ ጭራ ዋጣ ገይሩ ተጻዊቱ እዩ፣ኣብ ዘመናዊ ደርፊ ካብቶም ልሉይ ተራ ዝተጻወተ፡ወዲ ሪቕ ከተማ ኣሥመራ፡ሪቕ ባህላዊ መሳርሕታት ሙዚቃ’ዩ።

ኣብራሃም፡ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዘለዋ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ከይተረፈ ንጭራ ዋጣ ኣድሂቡ፡ ኣብ ዝግበር መጽናዕቲ ናቱ እጃም ዝተጻወተ፡ ካባ ሓበን ባህሊ ትግርኛ ዘበረኸ ወኸፍ ምዃኑ ዚዚረብ ጉዳይ እዩ።እንተኮነ፡ ግቡእ ኽብሪ ከምቶም ዝሓለፉ ሰብ ጭራ ዋጣ ኣይረከብን ዘሎ ዝብል እምንቶ ኣለኒ።እቲ ዚገበሮ ኣስተዋጽኦ ከኣ፡ብግቡእ ኪስነድን ኪቃላሕን ኣለዎ በሃሊ እየ።ንጉስ ዝብል ስም ሃቡኒ እኳ ተዘይበለ፡ ዋርሳ ነጋውስ ሰብ ጭራ ዋጣ ከምዝኮነ ግን ኣየጠራጥርን’ዩ።

ከተማ ኣሥመራ ተኮነ ኣብ ግዜ ኃይለስላሴ፡ ኣብ ግዜ ደርጊን ኣብ ግዜ መጀመርታ እዋን ናጽነትን፡ ካብ ጎንደር ዝመጹ ኣዝመርቲ ይኩን ካብ ኣዲስ ኣበባ ወይ’ውን ካብ ካልእ ቦታ ንዕቤት ምዕባለ ጭራ ዋጣ ዝለዓለ ግደ ዝተጻወተት፡ምጭውትን ታሪኻዊትን ከተማ’ያ።ግና ኣይተዘርበላን ከምቲ ኢዳ! ምዕብልቲ ከተማ፡ምዕቡላት ሰባት ኣፍሪያ።ዘፍረየቶም ምዕቡላትን ሰባት ከኣ፡ምዕቡል ስርሓውቲ ባህልን ሙዚቃን ዓሚሞም እዮም።

ኣብ ኣሥመራ ንዚተወሰነ ዓመታት ደስኪሉ ዚጸንሐ፡ዕማም ኣዝመርትን ዕቤት ጭራ-ዋጣን፡ ኣብዚ ቐረባ እዋናት ሃባርም ደቂ ኣንስትዮ ዚርኸብኦ፡ብዙሓት ጠቢባን ጭራዋጣ ይፈርዩ ምህላዎም፡ናብ ናይ ቐደም ሕመረት ኽብራ ኪትምለስ፡ኣፋፍኖት ዚሕድር ኩነት ዚፍጠር ይመስል ኣሎ።

ብዕቱብ ተተሰሪሑ ናብ ጥርዚ ምዕባለ ዘይብጻሕ ኣይኮነን።ስለዚ፡ዚምልኸቶ ኣካል፡ ኣብ መጽናዕትን ምርምርን ዚጭበጥ ዕማም ኪዓይይን፡ ኣብ ምድንፋዕ ባሕላዊ መሳርሒ ሙዚቃ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጭራዋጣን፡ኮነ ኣብተን እናሃሰሳ ዚከዳ ዘለዋን፡ፍሉይ ኣተኹሮ ከም ዘድልይ ምሕጽንታ ዘድልዮ ኣይኮነን።

ንመጀመርታ ግዜ ትዛረብ፣ብዓይነታ ፍልይትን ንእሽተይን ጭራዋጣ፡ ንዕቤታ ዚኸውን ዉድድርን ዚተመድመደ መገድን፡ኣብ ባይታ ከተማ ኣሥመራ ዚተፈጥረ ዕድል ከም ዚኮነን ኪስመረሉ ይግባእ።

እሞ ደኣ ከምቲ፡ ካብ “ጉይይ ምዓል ክሳድ ምሓዝ።” ዚበሃል ከም እኒ ኣዝማሪ ጌታ መሳይ ኣበበ ኮነ ይርጋ ዱባለ ዚተጓነጸፍዎ፡ኣብ መዳይ ቋንቋ ትግርኛ፡ ኣብ ምድረ-ኣግኣዚያን ዚሓፈሉን ዘለዉን፡ ግቡእ ኽብርን ካባ ሓበንን ክለብሱ ግዜ ይጠልበና ኣሎ።እሞ ሃየ ንዝግበኦ ዘበለ ግቡእ ኽብሪ ንሃቦ ክብል እፈቱ።

 

 

 

 



NO COMMENTS

LEAVE A REPLY