ኩልዕቲ ሽም “ኣስማሪኒ”

ቢንያም ፍጹም;  08-09-2015

ብመጀመርታ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ይኹን ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ትርከቡ/ባ፥ ነዛ ጽሕፍቲ’ዚኣ ተምብቡ/ባ ዘለኹም/ን፥

ሰላምታይ ይብጻሕኩም። ነዛ ናይ ሎሚ ጽሕፍተይ ከቕርበልኩም ቀንዲ ዘገደደኒ ምኽንያት፥ ብዕለት 30 ወርሒ ሸዉዓተ፥ ብኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ፥ ኣቦ መንበር ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ፥ “ገለ መዓቀኒታት ምስ ክልተ ነገራት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ጽሑፍ፥ ንሕሉፍ ተመኩሮታት ሰልፎምን ከምኡ’ዉን ንህልዊ ኩነታት ብዝምልከት ዘብርህ እዩ ነይሩ።

ኣብ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ኣቶ ሕሩይ ካብ’ቶም ዝተፈላልዩ ነጥብታት ዘልዓሉዎም፥ ኣብ ዓንቀጽ መ ፥ “ኣበይ ዓዱ፡ ወዲ መን ድኣ ኮይኑ” ብዝብል፡ ንስልጣንን መንነትን ፕረዚደንት ብዝምልከት ዘብርሁ ክኾኑ እንከለዉ፥ ኮይኑ ግን ብብዙሕ መንገዲ ክትሽረፍ እትኽእል ቃል “ኣስማሪኒ” እትብል ተጠቒሞም ብዘይ ዑሙቕ ዝበለ መብርሂ ጠቂኖማ ሓሊፎም።

ኣነ ንኣቶ ሕሩይ ኣብ ግዜ ሃገራዊ ምሕዝነት ብቐረባ ምስኦም ዝሰራሕኩን ብዝተፈላለየ ኣረኣእያን ሓሳባትን ዝተለዋወጥኩ ኮይነ፥ ኣዝዩ ዓቢይ ኣኽብሮትን ኣድናቖትን እዩ ዘለኒ። ኮይኑ ግን ነዛ ጽሕፍቲ እዚ’ኣ ምስ ኣንበብኩ፥ እቲ ኣብ ዉሽጠይ ዝተሰመዓኒ፥ ብወገነይ ጌጋ ይኹን ልክዕ ከካፍለኩም ወሲነ።

ሕቶ መንነት ብወገን ህግደፍ ይኹን ብወገን ደምበ ተቓዉሞ ኩሉ ሻዕ ተዃሳሒ ጥራሕ ዘይኮነ ጥርዙ ስሒቱ ሓያሎይ ንጹሃት ዜጋታት ለይትን መዓልትን ከቢድ ዋጋ ይኸፍሉሉ ኣለዉ ጥራሕ ዘይኮነ፥ መጻኢኦም’ዉን ጸልማትን ክትትንብዮ ዘይትኽእልን ኮይኑ ይርከብ፡ ኣቶ ሕሩይ፥ (ግምተይ እዩ ዝኸዉን) ኣዝ’ዩ ናብ’ዚ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ወሪዶም ነቲ ንጹር ክዉንነት ኤርትራ ኣብ ግምት ብዘይምእታዉ ነዛ ቓል’ዚኣ ይጽሕፉዋ እዮም ኢለ ኣይሓስብን፥ ኮይኑ ግን ስለዝተጻሕፈት፥ እዛ ሓሳባት’ዚኣ ብቑሉዕ ክትምከትከምዘለዋ ንጹር እዩ።

ብመጀመርታ “ኣስማሪኒ” እትብል ቃል ንመን ትዉክል ትመስል?

  1. ፊት ብፊት ወይ’ከኣ ቓል ብቓል እንድሕር ተተርጒማ፥ “ኣስማሪኒ” ማለት ደቂ ኣስመራ ወይ’ከኣ ኣብ ኣስመራ

ተወሊዶም ዝዓበዩ እዩ ትርጉማ።

  1. ኣብ ዉሽጢ “ኣስማሪኒ” እንድሕር ኣዕሙቕ ኣቢልና ኣቲና ድማ፥ እቶም ደቂ ከተማ፥ ኣዝዩም ተጻወትቲ፥ ኣዝዮም

ሰብ ኣፍቀርቲ፥ ኣዝዩም ለዋሃት፥ ጥቡቓት ኣዕሩኽ፥ ዘበናዉያን፥ ብዙሕ ክበሃል ይከኣል።

  1. በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ፥ “ኣስማሪኒ” ካብ ዝተፈላለየ መበቆል፥ ባህሊ፥ ዘርኢ ዝፈለሱ ኣብ ሓደ ደምበ ዝነብሩ ተስምዕ።

ንኣብነት፥ ካብ ኢትዮጵያ፥ ካብ ጥልያን፥ ካብ የመን፥ ካብ እስራኤል፥ ካብ ግሪኽ፥ ካብ ጀርመን፥ ካብ ጃፓን፥ እቶም ቁሩብ ትደናግሩ፥ ኩሎም ጸዓዱ ዝመስሉ ጥልያን ስለዝበሃሉ ድኣ እምበር፥ መበቆሎም ዝተፈላለየ እዩ ነይሩ፥ ኣብ መንጎ እዞም ኣሕዋት ደቂ’ዛ መሬት’ዚኣ ስለዝዓበኹ ኣጥቢቐ እየ ዝፈልጦም።

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ካብ ዝዉላዕ ኣትሒዙ፥ እዞም “ኣስማሪኒ” ንብሎም ዘለና ክፋላት ህዝቢ፥ ኣካል ናይ’ቲ ቓልሲ ብምዃን ከቢድ ዋጋ ከፊሎም፥ እቲ ህዝቢን ሃገርን ንዝደልዮ ነጻነት ኣብ ምርግጋጽ ኣብ ኩሉ ጥፍሒ ብምስታፍ ዓቢ ተራ ተጻዊቶም እዮም።

ገሊኦም ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነት፥ ገሊኦም ኣብ ከተማ ፈዳይንን ኣባላትን፡ ገሊኦም ኣብ ወጻኢ ኣካላት ቃልሲ፥ ገሊኦም ኣብ ስነጥበብ፡ ገሊኦም ኣብ ስፖርት፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ሕብረተሰባዊን ዲፕሎማስያዊን መሪሕነት ብምሓዝ ዓቢ ተራ ተጻዊቶም እዮም።

እዚ ኮይኑ እንከሎ እቲ ሓቂ ክነሱ፥ እቲ ታሪኾምን ተራኦምን ተዶቒሱን ተሸፊኑን ንኽነብር እዩ ተመሪጹ።

ካብ’ቶም ዓበይቲ ጀመርቲ ቓልሲ ንናጽነት ኣትሒዝካ ዝበዝሑ ናይ ኢትዮጵያ መበቆል ዝነበሮም እንዳተጸርፉን እንዳተናዕቑን ነታ ሃገር ህይወቶም በጂዮም ከምዝሓለፉ ዝኾነ ይኹን ሰብ ይስሕቶ ኣይብልን፡ ሓደ ካብ’ዞም ዓበይቲ ፈለምቲ ኣብ 40ታት፥ ቓል ብቓል “ንስኻ እንታይ ኣእተወካ ኣብ ዘይዓድኻ” ከምዝተባህሉ ታሪኽ ኮይኑ ተሪፉ እዩ፡ እቲ ቓልሲ ናብ ሜዳ ምስ ለሓመ ኸኣ፥ ከም ኩሉ ኣካል ህዝቢ ኤርትራ፥ እዞም “ኣስማሪኒ” ናብ ሜዳ ክዉሕዙ እንከለዉ ኩሉ ዘጋጥሞም ዝነበረ ጸገማት ታሪኹ ኮይኑ ይርከብ። ብፍላይ ኣብ ተሓኤ ዝነበረ ርኡይ ዓሌታዊ፥ ዝርኣዊ፥ ሃይማኖታዊ ኣፈላላይ፥

ነዞም “ኣስማሪኒ” ቐዳሞት ግዳያት እዩ ገይሩዎም፡ 1991 ኮይኑ፥ ስርዓት ህግደፍ ኣስመራ ምስ ኣተወ፥ እቲ ከም ቀዳምነትን ዓቢይን ስራሕን ዝሓዞ ከተማታት ኣብ ምጽራይን ህዝቢ ኣብ ምልላይን እዩ ነይሩ። ልክዕ እዩ ኣብ ግዜ ደርጊ ምስ ኢትዮጵያ ኮይኖም ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳቕዩ ዝነብሩ ኢትይጵያዉያን ይኹኑ ኤርትራዉያን ነይሮም እዮም። እዚኦም ድማ ኣብ ሕጊ ቐሪቦም እታ ሃገርን ህዝብን ዝብይነሎም መቕጻዕቲ ክረኽቡ ናይ ግድን እዩ። ህግደፍ ነዚ ኽገብር እንከሎ፥

  1. ናይ ሓጺርን ነዊሕን ሳዕቤናት መጽናዕቲ ኣካይዱ ዶ?

  2. እዞም ገበነኛታት ዝበሃሉ ኩሎም ከ ኣብ ሕጊ ቐሪቦም ዝግበኦም መሰላቶም ተሓልዩ መቕጻዕቶም ረኺቦም ዶ?

  3. እቶም ካብ ኤርትራ ክባረሩ ዝተወሰነሎም ከ፥ ብግቡእ መሰላቶም ተሓልዩ፥ ንብረቶምን፥ ጥሪቶምን፥ ሰቦምን ጠርኒፎም ክባረሩ ተገይሩ ዶ?

እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን፥ ፈጺሙ ገበን ዘይብሎም ንጹሃት ዜጋታት ደቂ እታ መሬት፥ ኣብ’ኣ ተወሊዶም ዝዓበዩ፡ ከም ኣጣል ተሓፊሶም ኣብ ኤነትረ ተጻዒኖም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተጓሓፉ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ታሪኽ እዩ፡ እረ ገሊኦም ወለዲ’ስ ደቆም ካብ ሜዳ ከምዝኣተዉን ዘይኣተዉን ከይፈለጡ እዮም ተባሪሮም። ዉሑዳት ዕድለኛታት ዝኾና ቤተሰባት፥ ደቆም ኣብ ሜዳ ዝፍለጡ፥ ሳላ ሽም ደቆም ድሒኖም እምበር ንሳቶም’ዉን እቲ ዕጫ በጺሑዎም ነይሩ እዩ፥ ኮይኑ ግን ሳላ ለባማት ዝተረፉ ሓያላት እዮም።

እዞም ሕቶታት’ዚኦም ዘልዕሎም ዘለኹ፥ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ኣብ’ቲ ሕብረተሰብ ዓቢ ስምብራት ዘንበረ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ቑስሊ ጌና ይቕጽል እዩ ዘሎ፡ ንጹር ኣሃዛዊ መረዳእታ ኣይሃሉ ድኣ እምበር፥ ብሙሉእ ምትእምማን ናይ ኢትዮጵያ መበቆል ዘለዎ ኤርትራዊ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር እዩ፡ ኣብ ኩሉ ጥፍሒታት እቲ ሕብረተሰብ ድማ ክዋሳእ ይርከብ፡ ኮይኑ ግን እዚ ኣካል’ዚ ከም “ደቂ ሕድርትና” ተሓቢኡን ተዶቒሱን ክነብር እዩ ዝምረጽ።

ኣነ ንነብሰይ እንድሕር ዘይፈትየ፥ ኣኽቢረ፥ ወላሓደ ሰብ ንዓይ ከኽብረንን ክፈትወኒን ኣይኽእልን እዩ። እዚ ማለት እንታይ እዩ፥ መበቆለይ መሰረት ህላወይ እዩ፥ ዓንዲ ሕቖይ እዩ። ኣነ ኣብ ኣስመራ ተወሊደ ክዓቢ እንከለኹ፥ ከም’ዚ ናይ ሎሚ ግሁድ እኳ ዳኣ ኣይኹን እምበር፥ ዝርድኣካን ዝስመዓካን ንፋስ ነይሩ እዩ፡ እዚ ድማ መን ምዃነይ ነጺረ ንኽፈልጥ ሓጊዙኒ እዩ። እነ ብመበቖል 25% ኤርትራዊ 75% ከኣ ኢትዮጵያዊ እየ፥ ናይ ታሪኽ ነገር ኮይኑ ግን እቲ ኤርትራዊ ሓረገይ እዩ ኣብ ህይወተይ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ። ኣነ ብዝኾነ ይኹን መለከዒ ነቲ ናተይ መበቆላዊ ክዉንነት እንድሕሪ ክሒደዮ፥ ብዛዕባ ካልኦት ክጣበቕን ክዛረብን ዝኾነ ይኹን ሞራላዊ ብቕዓት የብለይን።

ናተይ ኤርትራዊ ምዃንን ዘይምዃንን ንዓይ ጥራሕ እዩ ዝምልከት፥ ማንም ሰብ ኣብ’ቲ ምርጫይ ዘእትዎ ኣይኮነን። እዚ ማለት እንታይ እዩ፥ ዜግነተይ በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ብሕጊ ዝተነጸረ ስለዝኾነ፥ ማንም ሰብ እንትርፎ ሕጊ ብዛዕባ መንነት ናይ ምዕዳልን ምኽላእን መሰል የብሉን። እንተስ እታ ዜግነት ክወስዳን ዘይክወስዳን ንዓይ ጥራሕ እያ ትምልከት፥ ምኽንያቱ ሓያሎይ ኣማራጺታት ስለዘለዉኒ፡ ልክዕ እዩ እቶም ናይ ኢትዮጵያ መበቆል ዘለና፥ ነቲ ኣብዛሓ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባና ይኹን ብዛዕባ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኢትዮጵያዉያን ዘቕረብናዮ ትምህርቲ ይኹን መረዳእታ የለን። እዚ ድማ እንታይ እዩ፥ እቲ መበቆልና ስለዘሕፍረናን ዘነኣእሰናን ስለዝኾነ እዩ። ብዙሓት ናይ ኢትዮጵያ መበቆል ዘለዎም ዜጋታት፥ እዛ ነገር’ዚኣ ከይትለዓለሎም ስለዝፈርሑ፥ ኣዝዩ ሩሑቕ ብምጉዓዝ ዘየድልዮም ነገራት ክገብሩ ይፍትኑ።

ብዙሕ ከይተዛረብኩ ሓጺር ኣብነት ክህብ። መቸም ከምትፈልጡዎ ሓያሎይ ናይ ኢትዮጵያ መበቆል ዘለዎም ደረፍቲን ተዋሳእቲን ኣለዉና። ሓደ ካብ’ዚኦም ዓበይቲ ደረፍቲ፥ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ነቶም ዘጋጥሙዎ ዝነበሩ ዓሌታዊ ጸገማት ኣብ ክንዲ ብትብዓት ምብዳህ፥ እቲ ዝወሰዶ ኣማራጺ ዘይብሉ ታሪኻዊ መበቆል ኣብ ምዝርዛር እዩ ተጸሚዱ። ካልእ ደራፋይ’ዉን ቀደም ዘሕተሞ ሲዲ፥ ኣብ ዉሽጢ ደርፉ ንሓንቲ ኢትዮጵያዊት ዘሞግስ ግጥሚ ዝነበሮ፥ እንደገና ነታ ሲዲ ከሕትማ እንከሎ ነዛ ደርፊ’ዚኣ ኣዉጺኡ እዩ ኣሕቲሙዋ፡።

ኣብ ዉሽጢ ሃገር’ዉን ካብ’ዚ ዝዓብዩ እንተዘይኮይኑ ዝንእሱ ኣብነታት የለዉን። ኣብ ዝሓለፈ ዓምት ብኣቶ ዓንደብርሃን ወልደግዮርጊስ ኣብ ዝተጸሓፋ መጽሓፍ “Eritrea at a Crossroads”፥ ኢሳያስ ኣፈወርቂ “ዓጋመ” ኢልኩም ትጸርፉኒ ኢኹም ኢሉ ይዛረብ እዩ ይብል። እቲ ሓቂ እሞ ኣቶ ዓንደብርሃን፥ ኢሳያስ ዘይበልኩሞ እሞ መዓስ ኢሉ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘኩዎ ቑሩብ ባይታ ክህበኩም ስለዝደለኹ ኮይኑ ሕጂ ናብ ኣቶ ሕሩይ ክንምለስ። ኣብ ዉሽጢ ደምበ ተቓዉሞ ሓያሎይ ናይ ኢትዮጵያ መበቆል ዘለዎም ከም ህዝቦም ይጽዕሩን ይቃለሱን ከምዘለዉ ኩሉ ዝፈልጦ እዮ። እዚ ስለዝኾነ ኸኣ እዩ በብመዓልቱ ብመበቆሎም ክጽረፉን ክዋረዱን ንርኢ ዘሎና፡ እንተርፎ ዉሑዳት ብመበቆሎም ኮሪዖም ፊት ንፊት ዝጋፈጡ፥ እቶም ዝበዝሑ ተሓቢኦም ከም “ደቂ ሕድርትና” ክነብሩ እዮም ዝመርጹ። ከም’ዚ ስለዝኾነ ኸኣ እዩ ዝኾነ ሓላፊ ዉድብ፥ ኣባል ዉድብ ዝንጥል ኣቢሉ “ዓጋመ” “ኣስማሪኒ፥ ካልኦት ቃላትን እንዳተጠቕሙ መጥቃዕትታቶም ዘዉርዱ።

ኣቶ ሕሩይ፥ ከም ኣካል መሪሕነት መጠን፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዝወርድ በደል ከምዝስምዖም ይርድኣኒ እዩ። እዚ ስለዝኾነ ኸኣ እየ ነዚ ኣብ ልዕሊ ከማይ ዝኣመሰሉ ቅድሚ ሕጂ ዝወረደን ንድሕሪ ሕጂ ንኽወርድ ዝጥጃእ ዘሎን ኣብ ቁሉዕ ንኽዛረበሉ ዝመረጽኩ።

ኣቶ ሕሩይ፥ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ሰዓብቱን ንነብሶም ጥራሕ እዮም ዝዉክሉ እምበር፥ ንዝኾነ ይኹን ናይ ኢትዮጵያ መበቆል ዘለዎ ኣይዉክልዎን እዮም። ምስኡ ኮይኖም ዝሰርሑ ናይ ኢትዮጵያ መበቆል ዘለዎም ይሰርሑ ከምዘለዉ ኩልና ንፈልጥ፥ ኣብ ዉሽጢ ደምበ ተቓዉሞ ናይ ኢትዮጵያ መበቆል ዘለዎም ይቃለሱ ከም ዘለዉ ኩልና ንፈልጥ። ስለ’ዚ ንኹሉ ሓጥያት ናይ ኤርትራ ናብ’ቲ ናይ ኢትዮጵያ መበቆል ንምድርባይ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ጌጋ ጥራሕ ዘይኮነ፥ ዳግማይ ናይ ዘርኢ ምጽናት ኣብ ኤርትራ ንኽመጽእ ምትብባዕ እዩ። ብፍላይ ካብ’ቶም መራሕቲ ዝወጽእ ቃላት ይኹን ጽሑፋት

ዝተመዝኑ ክኾኑ ይግብኦም ጥራይ ዘይኮነ ሓላፍነት ዘለዎም ክኾኑ ይግባእ። ሎሚ እቲ ደምበ ተቓዉሞ መሽሚሹ ናብ ዝተሓተ መጠራነፊ ዘንቢል ወሪዱ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ሃለዉ ኢልካ ንዱኹማት ኣካላት ሕብረተሰብ ምጥቃን ጌጋ እዩ፡

ስለ’ዚ ኣቶ ሕሩይ ከተብርሁለይ ዝደሊ፥

  1. “ኣስማሪኒ” ክትብሉ እንከለኹም እንታይ ማለትኩም እዩ?

  2. ኣብ ዉሽጢ ዉድብኩም ናይ ኢትዮጵያ መበቆል ዘለዎም ኣባልት ኣለዉኹም ዶ?

  3. ብእምነትኩምን ብእምነት ዉድብኩም፥ ናይ’ዞም ናይ ኢትዮጵያ መበቆል ዘለና ኣብ’ታ ሃገር ተራናን ቦታናን ከመይ

ይመስል?

ብኣኽብሮት

ብንያም ፍጹም

08/09/2015__