ካብታ ኣንጭዋ ትሓልፍ እታ መጎጎ ሽዋሕ ትበል

downloadkeleta

ቀለታ ኪዳነ 23/08/2015

እዚ ኣርእስቲ ካብቲ ብዕለት 23 ነሓሰ 2015 ኣብ ከተማ ሎንዶን ዝተገብረ ሰሚናር ዝቐረበ መግለጺ መምህር ጆርጆ ገብረገርግስ ዝወሰድኩዎ ኢዩ። ሓው ጆርጆ ኣብቲ ዘቕረቦ ኣስተምህሮ ክጅምር ከሎ እዚ መጎጎ ትሕለፍ ምእንቲ ኣንጭዋ ምባል ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ ብሕልፊ ከኣ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ብዙሕ ሃስዩና ኢዩ ብማለት ክተርፍ ከም ዘለዎ ሓደ ሰብ ኣብ ፓልቶክ ክዛረብ ከም ዝሰምዔ ብምጥቃስ’ዩ ዘረባኡ ዝጀመረ። ኣበሃህላኡ ካብ እታ ኣንጭዋ ንግሆ ንግሆ እናመጸት እኽልናን ንብረትናን እትበልዕን ተበልሹን መጎጎኻ ሰቢርካ ነታ ኣንጭዋ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምጥፍኣ’ሞ መጎጎ ምስራሕ ወይ ምግዛእ ይሓይሽ ኣብ ዝብል ርእይቶ ከም ዝሰማማዕ ከኣ የረጋግጽ።

ብሓጺሩ ብዕለት 23 ንሓሰ 2015 ኣብ ከተማ ሎንዶን ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ዝርርብ ክግበር ምዃኑ ብምግላጽ ዕድመ ተገይሩለይ። ዋላ’ኳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ በበይኑ እዋናት ዝተኻፈልኩዎን ዝሰራሕኩሉን ሰሚናራት ኮነ ኣኼባታት ከይተረፈ ዘሓጕስን ዘዕግብን ውጽኢት እንተዘይረኸብኩሉ ግን ዝወለደን ዝተጋደለን ብተስፋ ስለዝነብር ከድኩ ድኣ።

እቲ ዝገርም ነገር ግን እቲ ዕድመ ዝገበረ እቲ ንዓይ ርሑቕ ዘይኮነ ኣብ ሎንዶን ቤት ጽሕፈት ዘለዎ ኢንሻቲቭ ፎር ቸንጅ (Initiative for change) ምስ ኤሪትረያን ኤዱከሽን (Eritrean Education) ዝተባህሉ ትካላት ብምትሕብባር ምንባሮም ኢዩ። ነቲ ሰሚናር ዘዳለወን ኤርትራውያን ተራኺብና ነቲ ዘሎ ጸገማትና መፍትሒ ንምርካብ ክንመያየጥ ኣሎና ብማለት ተገዲሱ ከም ንራኸብ ዝገበረን ከኣ ሓደ ካብቶም ናይ ቀረባ ፈተውተይን ኣዕሩኽተይን ዝዀነ ሓው ብርሃነ ወልደገብርኤል ምንባሩ ድሒረ ክፈልጥ ክኢለ። ኣብቲ ሰሚናር ተዛረብቲ ዝነበሩ ኣቶ የውሃንስ ኣስመላሽን መምህር ጆርጆ ገብረገርግስን’ዮም ነሮም። ተኻፈልቲ ሰሚናር ከኣ ብርእይቶይ ብዝሖም ከምቲ ክኾኖ ዝግብኦ’ኳ እንተዘይኮነ ካብ ዝተፈላለዩ ብሄራት ሃይማኖታት ደቂ ኣንስትዮን ዳርጋ ነቲ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝመስሉ ምንባሮም ግን ካብቲ ዘሓጕስዩ ነሩ።

ነቲ ኣኼባ ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ህሉው ኵነታት ደምበ ተቓውሞን ከመይ ከም ዘሎ ብምግላጽ ዝኸፈቶ ኣቶ የውሃንስ ኣስመላሽዩ ነሩ። ንሱ ኣብ ዘረባኡ ብዛዕባ ኵነታት ደምበ ተቓውሞ ብግልጺ ንኸይዛረብ’ሞ ነቲ ዘሎ ኵነታት ደምበ ተቓውሞ ኣብ ዝገደደ ጽልእን ህልኽን ከየእትዎ ብዙሕ ሜላታት ዘይተጠቕመ ኣይነበረን። ኣብ ሕቶን መልስን ተበጺሑ ብዙሕ ጸቕጥታት ምስ ተገብረሉ ግን ፈትዩ ጸሊኡ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንጎ ሓለፍቲ ደምበ ተቓውሞ ማለት ባይቶ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ ፈጻሚትን ኣሰናዳዊት ጉባኤ ዝዀነት ሽማገለ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእን ምስሕሓብን ካብ ምንታይ ከም ዝነቅልን እቲ ናይ ውድቡ እምነትን መርገጽን ከይሓብኤ ክገልጽን ተገዲዱ።

ብድሕሪኡ ዝተዛረበ መምህር ጆርጆ ገበረገርግስ’ዩ ነሩ። መምህር ጆርጆ ኣብ ሎንዶን ዓዲ እንግሊዝ ንነዊሕ ዓመታት ዝመሃረ ምሁር ኮይኑ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ሓፋሽ ውድባት ህዝባዊ ግምባር ይቃለስ ምንባሩን ድሕሪ ምስቲ ስርዓት ምፍታሑ ኣብ ናይ ስቪካውን ሰብኣዊ መሰላትን ይነጥፍ ምንባሩን ድሕሪ ምግላጽ ኣብ ርእሲ እቲ ‘’ካብ ኣንጭዋ ትሓልፍሲ መጎጎ ትሰበር’’ ብዝብል ዝጀመሮ መደረኡ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጀብሃ ይኹን ሻዕብያ ምሁራት ብዙሕ ከም ዝተዋረዱን ከም ዝተሳቐዩን ብዘይካ እቶም በቶም መሪሕነታት ዝተቐንጸሉ ብጓሂ ኮነ ብሕርቃን ብዙሓት ሂወቶም ባዕሎም ከም ዘጥፍኡ ብምሕባር ኣዝዩ ዘሕዝን ትንተና’ዩ ኣቕሪቡ። ንሱ ዘረባኡ ብምቕጻል ንሱ ዝኣምነሉ ኤረትራ ሓደ ( ሰኩላር) ዝዀነ ንኹሎም ህዝቢ ብማዕርነትን ብዲሞክራስን ዘምሓድር ስርዓት ምዃኑ ኣይሓብኤን። እዚ ሓደ ህዝቢ ኢና እናበልካ ምዝራብ ግን ሓቂ ከም ዘይኮነ እንታይ ድኣ ካብቲ ብጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ ዝተፈጥረ ምርሕሓቕን ዘይምትእምማንን ሕድገታት ተገሩ ዕርቅን ምርድዳእን ከይተረኽበ ከምዚ ዘሎናዮ እንተቐጺልና እዚ ኵነታት ሃገርና ውዒሉ ሓዲሩ ዕድል ሶማል ከየጋጥሞ ከም ዘፍርሕ እውን ኣጠንቂቑ።

ብዛዕባዚ ደምበ ተቓውሞ ከኣ ገለ ምሁራት ቅድሚ ሎሚ ናይ ገለ ሃገራት ተመክሮታት ብፍላይ ከኣ ናይ ሶማል ዝተገብረ መጽናዕቲ ብምትሕሓዝ ካብ ብዙሓት ግዱሳት ደቂ ሃገር ዝቐርብ ዝነበረ ዝተፈላለየ ጽሑፋት ንኽጥቀሙሉን ክሰርሑሉን ኣብቲ ንባይቶ ዘቘመ ናይ ኣዋሳ ምትእኽኻብ ሃገራውያን ከም ዘመሓላልፍዎ እንተዀነ ግን ኣይኮነንዶ ክስርሓሉስ ከም ዘይተዘከረ እውን ቅሬታኡ ብምግላጽዩ ዘረባኡ ደምዲሙ።

ሕቶን መልስን ቅድሚ ምጅማሩ ብዛዕባቲ ዝቐረበ ኣስተምህሮታት ፍሉይ ዕድል ተዋሂቡዎ ርእይቶ ዘቕረበ ከኣ እስታዝ ማሕሙድ ኣደም ዝተባህለ ናይቲ ቅድሚ ሎሚ ናይ ደቂ መታሕት ተባሂሉ ኣብ ሎንዶን ዝተኣወጀን ብብዙሓት ደቂ መታሕት ብግልጺ ብኣዋጅ ዝተዀነን ምንቕስቓስ ኣቦ መንበር ኢዩ ነሩ።

ንሱ ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ ኣብ መንጎ ኤረትራውያን ዘይምቅዳውን ዘይምትእምማንን ከም ዘሎ ብፍላይ ከኣ ህዝቢ መታሕት መሬቶም ተዘሚቱ ኣብ ልዕሊኦም ኣዝዩ ብዙሕ ወጽዓን በደልን ከም ዝተፈጸመ እሞ ኤርትራውያን ከበሳውያን ኣሕዋቶም ነዚ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ዓመጽን በደልን ኣሚኖምን ተቐቢሎምን መፍትሒ ክገብሩሉ ካብ ሎሚ ቃል እንተዘይኣትዮም ኤረትራ እቲ ናይ ሶማል ዕድል ከየጋጥማ ዘጠራጥር ኢዩ ንዝተባህለ ከም ዝኣምነሉ ኣረጋጊጹ።

ኣቶ ሃብተማርያም ኣብርሃ ነዚ መልሲ ክህብ ከሎ እወ ናይ ብሓቂ ተፈላሊና ኣሎና። ቅድሚ ሎሚ ኣብ ናይ ጀነቭ ሰላማዊ ሰልፊ ክትካፈሉን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ከተወፍዩን ዝቐረበልኩም ጸዋዒት ኣመንቲ ምስልማና ኣሕዋትና ኣይተቐበልኩሞን። ኣብ ሊብያ ብናይ ዳዒሽ ኣስላማውያን ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ደቅና ንዝተገብረ ማሕረዲ ኣብ ዝገበርናዮ ሰላማዊ ሰልፊ ኮነ ምዝካር እውን ኣይትሓወኩምናን። ብዛዕባ ሃይማኖት እንተዀይኑ ከኣ ካባና ካብ ክርስትያን ንስኹም ትሕሹ። ከመይሲ ንስኹምሲ እቲ ሮሞዳን መሓመኑር ዝሃበኩም ሙፍትኳ ኣሎኩም። ንሕና ግን እቲ ፓትርያርክና ትኣሲሩኳ ጠርናፊ የብልናን። እቲ ቀንዲ ምፍልላይን ዘይምትእምማንን ዝመጽእ ዘሎ ከኣ ብኣኻትኩም ባስላም ኣሕዋትናዩ ብማለት ነታ ኵዕሶ ናብኦም ደርብዩዋ።

‘’ክንብርኩት ከይንብርኩት ኣብ ማይ ዘለዎ ንብጻሕ’’ ከም ዝበሃል እስከ እቲ ድሕሪ ምልጋስ ናይ ስርዓት ኢሳያስ ዘሎ ኵነታት ገዲፍና ኣብዚ ናይ ሎሚ ነዚ ዘጥፍኣናን ዘጽንተናን ዘሎ ስርዓት ብኸመይ ነልግሶ ዝብል ከምኡ’ውን እዚ ነዚ ንብለኩም ዘሎና እንተዘይተቐቢልኩም ሃገር ኣብ ሶማል ክትልወጥያ ዝመስል ኣዘራርባ ቅኑዕ ከም ዘይኮነ ዝሕብር ሕቶታትን ርእይቶታትን እውን ቀሪቡ ነሩ።

ብሓጺሩ እቲ ኣብ መንጎ ውድባት ጀብሃን ሻዕብያን ዝነበረ ውግእ ሓድሕድ ከምኡ’ውን እቲ ብሕሹሹኽ እንተዘይኮይኑ ብዙሕ ዘይግለጽን ዘይዝረበሉን ዝነበረ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ውድባት ዝነበረ ሃይማኖታዊ ምስሕሓብ እቲ ሻዕብያ (ንሕናን

ዕላማናን) ኢሉ ዝገለጾ ከኣ ብዘይሕብእብእ ብዝሑል ኵናት ይቕጽል ምህላዉ ኣብቲ ኣኼባ ብዘይቃልዓለም ተቓሊዑ።

ኣብዚ ኣነ ካብቲ ናይ ‘’ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ’’ ዝብል ናይ ሓው ጆርጆ ርእይቶ ብምብጋስ እቲ ብጉርምርምን ቍሪምሪምን ዝስማዕ ዝነበረ ዘይምቅዳውን ዘይምትእምማንን ኣብ ቃልዕን ኣብ ህዝባዊ ኣኼባን ብግልጺ ክዝረበሉ ካብ ጀመረ ህዝቢ ብዘይ ሕብእብእ ክዛረበሉን መፍትሒ ክደልየሉን እንተዘይኮይኑ ኣነ ከም ጽሓፊ መጠን ነቲ ጕዳይ ናብ ህዝቢ ከቕርቦ ስለዝደለኹ ኣብቲ ኣኼባ ርእይቶይ ኣይሃብኩን። ሎሚ እውን ህዝቢ ዝህቦ ርእይቶ ንምርኣይን ንምስማዕን ክጽበ እምበር ንጊዜኡ ርእይቶ ክህብ ኣይደልን።

ኣነ ብዕድመ ንእሽቶ ኣይኮንኩን። ኣብ መንጎ ኣመንቲ ምስልምና ዝዓበኹን ኣብ ኣመንቲ ምስልምና ብብዝሒ ዝነብሩዎ ኣውራጃታት ዓሰብ ባጽዕ ኣቝርደት ነነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጥኩን ብዙሓት ኣመንቲ ምስልምና ኣዕሩኽ ዝነበሩንን ዘለዉንን ሰብ እውን ኢየ። እዚ ሎሚ ዝርእዮን ዝሰምዖን ዘሎኹ ናይ ሃይማኖትን ዓሌትን ዘይምትእምማን ከኣ ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ምስዞም ክሳብ ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ውርደትን ሓሳረ መከራን ኣብጺሖሞ ዘለዉ ናይ ጀብሃ ኮነ ሻዕብያ መራሕቲ ዝመጸ እምበር ህዝብና በብሃይማኖቱን በብዓሌቱን ተኸባቢሩን ትሓፋፊሩን ዝነብር ዝነበረ ለባም ህዝቢ ኢዩ።

ብሓጺሩ ግን ጕዳይና ሎሚ ካብ መራሕቲ ናይ ውድባት ወይ ናይ ፖለቲካ ሰባት ሓሊፉ ጽባሕ ገለ ሃጓፍ ምስ ዝርከብ ኣብ ህዝብን ኣብ ዓሌትን ኣብ ሃይማኖትን ክትእታቶን ህዝቢ ነንሓድሕዱ ክጣፋእን ዝደፋፍእ መንገዲ ክሕዝ ዝደልዩዎን ዝሰርሑሉን ሰባት ምህላዎም ብግልጺ ይርኤ ብምህላዉ ለባማት ኣመንቲ ምስልምና ኮነ ክርስትና ኤርትራውያን ክሕወሱዎን ብግልጺ ተዘራሪብና መፍትሒ ክርከበሉን ለበዋይ አመሓላልፍ።

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ነቶም በጃ ሃገር ዝሓለፉ