ዲሞክራሲያውን፡ስነ-ምግባራዊ(ethic) ወግዓዊ/ኣጋባብ ምኽታል!!

0
46


ብቘዕ መሪሕነት ክህሉ ምጽዓር

ካልኣይ ክፋል ሕሰብ ተባራበር ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

 ኩቡራት ተኸታተልቲ/ኣንበብቲ ጹሑፋት፣ አብ መወዳእታ 2017 እቲ ቀዳማይ ጹሑፍ ቀሪቡ ካልኣይ ጽሑፍ ከቕርብ ምዃነይ ተማባጺዔ ከም ዝነበርኩ እናዘከርኩ፣ እንሆ ኣብ ምጅማር 2018 ከምታ መብጽዓይ እዛ ሓጻርን ከትማያይጠና ትኽእል ዝበልክዋ ጽሕፍቲ የቕርብን፣ ሰላምን ርግኣትን ፍትሕን ዝመልኦ ዓመት ክኾነልና እና ተመነኹ፣ ብፍላይ ግን ምሕዳስን ሓድነትን ሓቢርካ ምቅላስ ዝሰፎኖ ኣሳርርሓ ከተኣታቶ ካብ ልበይ ዝነቀለ ምሕጽንታይን/ትምኒተይን የቕርብ፡፡

ከም ትዝክርዎ፣ኣብ ቀዳማይ ጹሑፈይ፣ዲሞክራስያውን ኤቲካውን ኣጋባታትን፣ ክኽተሎን ክኾኖን ዘለዎ መስርሕ ድሕሪ ምግላጸይ ነዚ ንምትግባሩ ቡቑዕ መሪሕነት ክህሉ ይግባእ ክብል እየ ዛዚመዮ ነይረ፡ ስለዚ ሕቶ ቡቑዕ መሪሕነት ስለምንታይ ኣይምለስን ?ንዝብል ወኸሳ፣ ከም-ትዕዝብተይ ሕሉፍ/ውጡር ፖለቲካዊ ምንዕዓቕ፣ንገዛእ ርእሱ ብገዛእ ርእሱ ዘዳኽምን ዘራሓሕቕን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ሓቢርካ ከይትሰርሕ ዋና ዓንቃፊ እውን እዩ ክባሃል ይካኣል፡፡ኣብ ሕብረተሰብ ንቡር ዝኾነ ፍልልይ ክህሉ ዘገርም ኣይኮነን፤ ኣብ ቅቡልን ርሕቀተ ራኢ፣ ከመይ ነማሓድሮም ዝብል ኣምር ግን፣ ገና ዘይበቓዕናዮ ዓውደ-ስራሕን/ዕማምን እዩ ክንብል ንግደድ፡፡ ኣብዚ ጎሊሖም ካብ ዝርኣዩ « ዘይተዓረቐ ወለዶ ኢልካ ክግለጽ ይክኣል » ኣብ ሞንጎ ናይ ሰውራ ወለዶን ፣ ፖለቲካዊ ድሕረባይታ ዘይብሉ፣ ኣብ መስርሕ ከዋህልል/ክዋሳእ ንረኽቦ-ሓድሽን ነባራትን ትውልዲ፣ ምስ መስርሕ ተሰንዮም ወይ ትሓዋዊሶ ዝርከቡ እዮም፡፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን፣ ኣብ ዲያስፖራ ንርከብ ክፋል ህዝቢ፣ ንፍትሒ ንኽመጽእ ንቃለስ እንብል ብመሰረቱ፣ ንወለደታት ከነዋሃህዶ ዘይምኽኣልና ሓደ ኻብቲ ዓቢ ጸገማትና ምዃኑ ዘይምግንዛብን/ዘይምብቃዕን ክብሃል ይካኣል፡፡

ስርዓተ ውልቀ መላኺ በቲ ፈላሊኻ ግዛእ ባህርያቱ ዋርሳይ ይካኣሎ እናበለ ናይ ትውልዲ ምግምማዕ ክጥቀም ከሎ፣ ኣብ ደምበ ፍትሒ ክኣ እዚ ሓዲሽ- ትውልዲ ኣብ መድረኹ ዝፈሸለን ንሕና ክንሰርሕ ክሳድ ሓሊፉ ዝዓግት፣ ጸቢብን ዘይጠቅም ሓይሊ ክብሎን ከናኣእሶን ይስማዕ፡፡እቲ ናይ ሰውራ ወለዶ እውን፣ካብ ሚሕር ጽልኣት ኢሳያስ ዝነቐለ ክኸዉን ይኽእል፣

ኣብ ክንዲ ዲክታተርነትን ስርዓቱ ምንጻር ሓሊፉ ህዝባዊ-ግንባር ዘዕበዮምን ዘይረብሕን ከምኡ እዉን ዘይእመን ወለዶ እናበልካ ኣብ ክንዲ ብፍትሕን ዲሞክራስን ትሃንጾም ኻባኻ ኸምዝርሕቁን ኣብ ነንሕድሕዶም ምንኻስን ንሓንዛም ወረታት ጸላኢ ኣብ ምስርሳር- ምስላል ግዜ ምዕራብን ኻባኻ ተፈልዮም ከም ዝነብሩ ምግባር ሓደ ኻብቲ ዘይብቕዓት መሪሕነት ምስክር እዩ፡ ፡

 ከም ተውሳኺ ኣብ ምንም ኣፍልጦን ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘይብሉ ስሚዕታት ብምጥሓል፣ ደገፍትን/ሰዓብትን ምልክን መለኽትን ንምድምሳስ ዝቃለሱ ተቛወምቲ ድሕሪ ውድቀት ስርዓተ ኢሳያስ ብሓባር ከንብሮም ዘየኽእል ባህሊ ይሃንጹ ምህላዎም እዩ፡፡ እቲ መሰረታዊ ጸገም ንደገፍቲ/ሰዓብቲ ስርዓት/ውልቀ መላኺ፣ ክንስሕቦምን/ከነስድዖምን ዕላማና ዕላምኦም ከም ዝኾነ ንኽርድኡ ዝግበር ጻዕርታት ውሑድ ስለ ዝኾነ እዩ፡፡ ኣብ ርእሲኡ ኣብ ጽልኢ ዝተሰረተ ቃልሲ ክሳብ ክንደይ ተዳጋገመ ብድሆታት ይፈጥር ምህላዉ እንርእዮ ዘለና ኣብ ደምበ ፍትሒ፣ብፍላይ ክኣ እተን ኣብ ክልቲኡ ምንቅስቓሳት-ገድልታትና ዝነበሩ ኣብ ሓደ ኽመጹን ክራሓሓቑን ክርአ ከሎ ኣጓሃይ መድረኻት፣ ምስክር ዘይብቑዕ መሪሕነትን ጉቡእ አጋባብ ቅልስን ዘምክያድ ዘስዕቦ ህሞት እዩ ክብሃል ይካኣል፡፡

ጅንዳ ህግደፍ ኣታሓሳስቡኡን ሓንሳብን ንሓዋሩ ክጠፍእ ክብሃል ከሎ እንታይ ማለትና ከም ዝኾነ ንነብስና ክንሓታን – ካብ ቅርሕንቲን ጽልእን ወጺእና፣ እቲ ዋና መልሲ ክንረክብ ይግባእ፡፡ ስጋብ እዚ እዋን እዚ ብፍታው ውልቀ….ባእታት ወይ ንውድባዊ ጎብለልነት ዝግበሩ ሓድነታት እንተ ዘይኮይኑ፣ ንይ-ብሓቂ ድልየትን ሓድነትን ህዝቢ ዝትምነዮ ከምዘይኮነ በቲ በቢእዋኑ ዝግበር መስርሕ ሓድነትን ምፍንጣሕን እንጓዓዝን ንትርጉምን ዘለና መሳልል ምስክርነት እዩ፡፡ እቲ ኣበራት/ባህርያት ክኣ፣ ብዝኾነ መልክዕ ኣነ ዝመርሖ ወድብ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ ብምባል፣ ን-ኣብ ሞንግኦም ዘሎ ፍልልይ ናይ ምጽባብን፣ ዘይምብቃዕን ኣብ ውሽጠን ዝፍጠር ግርጭታት ኣብሊሐን ናብ ግጭት ምልዋጥ እንተዘይኮይኑ፣ ፈተነ ሓድነት ተጣሒሱ ብ-ዘይምኹኑይ ምፍንጫል ከርእያ ኣይምተገበኤን፡፡ እቲ ዝገደደ ኣካላዊ ሓድነት ገይርካ ከተብቅዕ፣ ናይ ኣራኣእያ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕ ኣብ ቡዙሕነትን፣ ዘድሊ ትምህርትን ጎስጉስን ስለ ዘይካየድ ድጉል- ሓዊ ምርሕሓቕ ይጸንሕ እሞ፣ንእሽቶይ ዘይምርድዳእ ምስ ዝርከብ፣ ጽልእን/ቅርሕንትን ይጉህርን ኣብ ዘየድሊ ምፍንጫላት ትበጽሕ፣ምስክር ዘይብቑዑነት ክኣ ይብሃል፡፡እዚ ክኣ ኣብ ዕለታዊ ነጥፍታትና ንዘጋጥሙና ጉድለታት፣ ካብ ኣራሚ ምዃን፣ነቓፍን ወቓሲ ምዃን ስለዝቐለልና፣ ናይ መጻመድና/ ናይ ቃልሲ-ሓውና/መሳንይትና፣ ኣወንታ/ሓቅነት ከም ናትና ክንርእዮ ኣይንኽእልን፤ ንመሻረኽትና እናሓገዝና እምበር እናውደቕና ምሕላፍ ለባማት ኣይገበርናን ብምባል ይትንተን፡፡እዚ ክኣ ብቑዓት መሪሕነት ስለ ዘየጥረና/ዘየፍረና ክብሃል ይክኣል፡፡

ለባማት ካብ ዝብልዎ « ቡቑዕ/ሓያል መሪሕነት ክህልዎኩም እንተ ደሊኹም ባዕልኹም ንነብስኹም ድኽመት ኣይተተኣታትዉ»፡፡ ነቲ ናትኩም ራኢን ሕልምን ከተተግብሩ ይግባእ፤ ምእንትኡ ድማ ብጹኑዑን ብትግሃትን ተቃለሱ»ክብሉ ይሕበሩ፡ሕቶ ቡቑዕ መሪሕነታት ኣብ ዕድመ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብዘይ-መልሲ ዝተረፈን፣ ክቕጽል ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ንመድረኽ ዝግደፍ እዩ፡፡

መሪሕነት ክብሃል ከሎ ኣብ ሰባት ማእከል ዝገበረ ዘይምዃኑ ክርዳእ ዘለዎ እዩ፤ ንረብሓን ድሕነትን ህዝቢ ልዕሊ ኩሉ ብምስራዕ፣ ዲሞክራስያዊ ሃገራዊ ሓይሊ ዘይምፍጣሩ/ዘይምፍረዩ እዩ፤ እቶት ኣይካብ ባይታን ካብ ባይቶ ከም ዝብሃል፣ ህዝቢ ካብ ባህርያዊ ጥራይ ክነብር ኣይካኣልን፤ ዋና ቁዋምን ብሕግን ስርዓትን ዝመርሑ ፍትሓዊ ምምሕዳር የድሊ፡፡ ኣብ ጥንታዊ መናባብሮ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብሕጊ-እንዳባ ርእሱ የማሓድር ምንባሩ ኣብነት ኮይኑ ግርጭታቶም ኣብ ባይቶ ይፈትሕዎ ምንባሮም ፈሊጥና ኣሰሮም ኣይተኸተልናን፡፡ ነዚ ባህርያት ዘጥፈኤ ስርዓተ ውልቀ መላኺ፣ ኩላትና እንዝምሮ ዋዜማ ኮይኑ፡ ኣብ ደምበ ፍትሒ መራሕቲ ንምዃን ይትረፍ ንኽምርሑ ብዘይበቕዑ፣ ቃልስታትና ክምራሕ ምጽናሑን ዘሎን፣ እዚ እንርእዮ ብዝሒ ውድባትን ምንቅስቓስን፣ ሰኣን ግርጭታተን ፈቲሐን አብ ውሽጠን ምውህሃድ፣ ምስካልኦት ናይ ሓባር ስርሓት ብምክያድ ተኣማምነት ምፍጣርን፣ኑኹላተን ዝኸዉን ጽላል ምጥጣሕን፣ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዝጫጭሓን ዝፋናጨላን ክትርኢ ከለኻ አብ ርእሲ ጓሂ ዘይብቕዕነት ትግንዘብ፡፡ መራሒ ምዃን ሕዛእቲ ዝተወሰኑ ምሁራት/ሰበ-ተምክሮ ፖለቲከኛታት፣ ማለት ክኸዉን ኣይግባእን፣ መሪሕነት ከም ሳይንስን ከምጥበብን ብክዉንነት ክትንተን ስለ-ዝግባእ እምበር፣ትጽቢት ተመራሕቲ ካብ መራሒ እንታይ ምዃኑ፣ መራሒ ከጽንዓ ዝግባእ ፈላሚት ሕቶ እያ፡፡ ቃልስታትና ቡቘዕ መሪሕነት ብዘይምርካቡ፣ ብዙሓት ፍሽለታት ከም ዘኣንገደ ክንክሕዶ ኣይንኽእልን፤ እቲ ዘገርም ህዝቢ ኣንጻር ረብሓኡ ክውስን ስለ ዝኽእል፣ እቲ ቅኑዕ ክንመርጸሉ ሓልፍነትና እዩ፡ዝብሉ መራሕቲ ንውሳኔን ባህግን ህዝቢ ዝጻረር፣ ን-ናይ መሰረታቱ ውሳኔን/ዊንታትን ነገልግል ኣለና፣ እናበሉ ንሰዓብቶም ኣብ ጎኖም ብምጽማድ ነቲ ሓፈሻዊ ህዝባዊ ድለይት አብ ግምት ብዘይምእታው ጉጂላዊን መን ከማይ ብምባል ክዕንድሩ ዝርኣዩ ውሑዳት ኣይኮኑን፣ እዚኦም ክኣ አብ ክንዲ ንሽግር ምፍታሕ ንገዛእ ርእሶም ሽግር/ጸገም እዮም፡፡በዓንድ-ርእሱ ምህናጽ ብቑዕ መሪሕነት መተካእታ ሃገርዊ ሓይሊ ምውናን ክሳብ ክግለጽ ይኽእል እዩ፡፡ ብቑዕ መሪሕነት ስለምንታይ ኢና ንደልዮ ? ቃልስታት ህዝብታት ናይ ገለ ክፍሽል ናይ ካልእ ክዕወት እንርኢ፣ ምስጢሩ ኣብ ኣማራርሓን ክእለትን ተወፋይነትን፣ንዝኾነ ማሕበራዊ እንበታ/ኣይፋል ብደምቢ ምእላይ ዝምስከር ዓወት ወይ ፍሽለት እዩ፡፡ብዘይካ ብቑዕ መሪሕነት ዝዕወት ዕላማ የለን፡፡ መራሕቲ ናይ ርእይቶ/ዕላማ ምድንጋር ዘጋጥሞም ክኸውን የብሉን፤ ንጹር ዝኾነ ስልጣንን ተግባርን ዘርኢ ኣሳራርሓን ኣዋዳድባን ከማልኡ ይግባእ፡፡

ዕላማ እቲ ቃልሲ ብምሉእነት ዘረድእን ከየጉደለ/ከይሸራረፈ ናብ ኣባላቱን ህዝቢን ዘሕልፍን፣ ባህርያት ጮቋኒ ስርዓት እናቃልዐ ህዝቢ ዘላዝብን፣ናብ ቃልሲ ዘውፍርን/ዘሳትፍን፣ ብስራሕ ዝተሃንጸ ኣእምሮ ዝውነነን መሪሕነት ወሳኒ እዩ፡፡ ክርሳዕ ዘይብሉ፣ ኣብ ታሪኽና ይኹን በዚ ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ ቡሉጻት ዜጋታትና ዝጸነቱ/ዝጠፍኡ ከም ዘለዉ ካብ- የእሙሮና ክርሕቕ- ክኽወል ዘይብሉ ኾይኑ፣ ኣብዚ ደምበ ፍትሒ ዘለዋ ውድባት፣ ፖለቲካዉን ሞራላውን ቅንጸላታት ዝርኤ ዘሎ ባህርያት/ኣመል፣ ውርሻ ናይቶም ዝገዝኡና እምበር፣ ኣቦታትናስ ብሽምግልና እዮም ዝፈትሕዎ ነይሮም ፤ ስለዚ ሕቶ ቡቑዕ መሪሕነት ይጽንሓለይ ዘይባሃሎ መድርኻዊ ዕማም እዩ ዝጽበየና ዘሎ፡፡ ሕብረተሰብ መራሒ ከጥሪ ዝካኣል መትርካእታ ዘይብሉ ምንጪ ስለ ዝኾነ ስርዓተ-ኣናባብራ፣ ባህላዊ ሕግታት ሃይማኖታዊ ውርሻታት ብጉቡእ ክማራመሩን ከስተንቱትሉሉን ይግባእ፡፡ ዘተና ገና ቀጻሊ ስለ ዝኾነ፣ነንበብቲ ከይነውሓኩም ብምባል አብ ስልሳይ ክፋል የራኽበና እናበልኩ ምኽርኹም ይጽበ

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር



NO COMMENTS

LEAVE A REPLY