ጉዕዞ ኣልራቢጣ ኣልእስላሚያን፥ ኣንድነትን

A paper presented by Rezene Habte for an Open  Debate!!

ረዘነ ሃብተ

ትሽዓተ መስከረም 2015

ካልኣይ ክፋል

download

ኣንድነት ንኹሉ መበቆላዉን፥ ባህላዉን፥ ሃይማኖታዉን ምትእስሳሩ በቲኹ በቲ ሰዉራ’ዉን ስለዝተወቕዔ ጠፊኡ: ራቢጣ ኣልእስላሚያ ግን ኣብ ሰዉራ ከይተረፈ ሓይሉ፥ ህልዉንኡ ኣረጋጊጹ፥ ንኹሉ መበቆላዉን ባህላዉን ሃይማኖታዉን ምትእስሳሩ ኣማዕቢሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ኣዝዩ ሕሉፍ ጂሃዳዊ ምንቅስቓስ ተቐይሩ ይርከብ ኣሎ፡

ብስም ዓሊ ሳልም፥ ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ ዝተዘርገሐ፥ ጽሑፋትን መልእኽትታትን ዓሊ ሳልም መን ምዃኑ ይፈለጥ ኣይፈለጥ ብዘየገድስ እቲ መልእኽቲ ግን ናይ ዉልቀሰብ ዘይኮነስ ናይ ሓባር ናይ ብዙሓት ራኢን፥ ኣተሓሳስባን፥ እምነትን ዕላማን እዩ ነይሩ። ስለዝኾነዉን ሳሊሕ ቓዲ ጆሃር፥ ካብ ብዙሓት እንተላይ ፈተዉቱ እዚ ስሙ ብዘይፍለጥ ሰብ ዝጸሓፍ ዘሎ ኣዝዩ ኣሉታዊን ከፋፋልን ዝኾነ ጽሑፍ ጠጠዉ ክብል ኣለዎ ወይድማ ብሓላፍነት ንዝሕተተሉ ኣካል ኣላልየና ወይዉን ኣፍልጠና ንዝብል ጻዋዒት ክነጽግ ተገዲዱ። ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ መልሱ፥ ቀዳማይ፥ ዕላማ ስለዝኾነ ዝወሰደ ግዜ ይዉሰድ እቲ ዕላማን መልእኽትን ሽትኡ ክሳዕ ዝሃርም ክቕጽል ኣለዎ ዝብል መርገጽ ስለዝሓዘ፥ ካልኣይ፥ ንኮማንዲስን ንህዝቢ ትግርኛን ሓዋዊስካን ከም ሓደ ኣካል ጸብጺብካን ጸባጺብካን ብምቕራብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣስላም ግፍዕታትን በደላትን ከምዝተፈጸመ ኣምሲልካ ብምቕራብ ጭብጥን ሓቅነትን ዘይብሉ ሕሱር ወፍሪ ኣንጻር ህዝቢ ትግርኛ ናይ ምክያድ መደብ ስለዝወሰኑ እዩ፥ ሳልሳይ፥ ሳሊሕ ቓዲ ቀንዲ ፈላስፋን መሃንዲስን ናይ ዕላማን ራኢን ባዕሉ ስለዝኾነ ሓላፍነት ክስከምን ናይ ተሓታትነት ሕቶ ክምልስን ዓቕሚ ስለዝሰኣነ እዩ ኢለ ይኣምን።

እቲ ብስም ዓሊ ሳልም ዝሓልፍ ዝነበረ መልእኽቲ ሽትኡ ወቒዑ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ነዚ ሕጂ ዘለናሉ ናይ ምብትታኽን ምንጽጻልን ምንጽጻግን ኣብ ምፍጣር ዝለዓለ ተራ ተጻዊቱ እዩ። እቲ ጸገም ካብቶም ኤሊት ሓሊፉዉን ኣብ ተራ ህዝቢ ኣዝዩ ኣሉታዊ ዝንባለ ምፍጣሩ ኣዝዩ ዘሕዝን ኮይኑ ነቲ ክዉንነት ከምዘለዎ ምቕባል ግን ግድን እዩ።

ሳሊሕ ቓዲ ይኹን ንዑኡ ዝመስሉን ሰባት፥ ከም ሓደ ነጻ ኤርትራዊ ዜጋ ኮይኖም ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ጸገም ሚዛን ምቕራብ ኣይደልዩን፥ እንታይ ድኣ ኩሉ ግዜ ካብ’ቲ ንሳቶም ከምፍሉይነት ዝርእዩዎ ጉዳያት ጥራሕ እዮም ዝብገሱ። ንኣብነት፥ ሳሊሕ ቓዲ ዝደጋግመን ነገራት ኣለዋ፥ ቃንዛይ ተቐበል ቃንዛኻ ክቕበል፥ ንዓይ ስምዓኒ ንዓኻ ክሰምዓካ፥ ናተይ ሽግር ተቐበል ናትካ ሽግር ክቕበል፥ ናተይ ጸገም እንተዘይፈሊጥካለይ ናትካ ጸገም’ዉን ኣይፈልጠልካን፥ ወዘተ ዝብል ኮይኑ፥ ብዛዕባ ብሓባር ንምንባር ግን እንታይ ክንገብር ኣለና ብማለት ዘቕረቡዎ ምንም ሓሳብ የለን። ቀንዲ ጸገም ናይ ደቂ መታሕት ፖለቲከኛታ’ዉን ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ እዩ፥ ባዶነቱ ዘርእይን ዘንጸባርቕን፥ ምኽንያቱ ንዓታቶም ብሓደ ምንባር ማለት ብመገዶም ምኻድ ንዕላምኦም ምቕባል እንተዘይኮይኑ ብፍላይ ምስ ህዝቢ ትግርኛ ክርስትያን ናይ ሓባር መንግስቲ ምምስራት ማለት ሓራም እዩ፤ ስለዚ ምኽንያት ናይ’ቲ ጸገማት ምብዛሕ’ዉን ናተይ ናትካ ምባል’ዉን ሱቕ ኢሉ ብገርህነት ዝመጸ ነገር ዘይኮነስ ኮነ ኢልካ ነቲ ሓድነት ንምዕንቃፍ ካብ ተንኮል ዝብገስ ኣሉታ እዩ።

ቃንዛታት ናይ ደቂ ሰባት መወዳእታ የብሉን፥ ጸገማት’ዉን ከምኡ መወዳእታ የብሉን፥ ብሓጺሩ ናይ ደቂ ሰባት ድልየታትን ፍልልያትን ኣተሓሳስባታትን እምነታትን ረብሓታትን ዋላ’ዉን መሰላት ዝበሃሉ ነገራት ቁጽሮም ኣይፍለጥን። ንፍልልያት ምጽብጻብን ንናተይ ናትካ ዝባሃል ጸገማትን ሽግራትን ከተመዛዝንን ከተወዳድርን ምንባር ቁኑዕ ምርጫ ኣይመስለንን። ብሓደ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ሃገር፥ ሓንቲ ባንዴራ፥ ሓደ ቅዋም፥ ሓደ መንግስቲ፥ ሓደ ዜግነት ክነብር ዝደሊ ህዝቢ፥ ናይ ሓባር ጸገማቱ ፈቲሑ ናይ ሓባር መንግስታዊ ስርዓትን ብናይ ህዝቢ ኤርትራዊ ፍቓድ ሙሉእ ተቐባልነት ዝረኸበ ቅዋም ኣጽዲቑ ዜግነታዊ ሓላፍነት ብግቡእ ተቐቢሉ ነቲ ባዕሉ ዘቖሞ ቅዋም ኣኽቢሩ ቀጻልነትን ዕብየትን ሃገረ ኤርትራን ህዝባን ምርግጋጽ እምበር ከም ብዓል ሳሊሕ ቓዲ ጸገማት ከተራብሕን ክትጽብጽብን ምንባር ኣይኮነን። ኤርትራ ናይ ኣስላምን ናይ ክርስትያንን ሃገር እያ ዝብል ኣባሃህላ ተኣሪሙ ኤርትራ ናይ ዜጋታት ሃገር እያ ብዝብል ቃል ክትካእ ኣለዎ፥ ምኽንያቱ ኤርትራ ኣስላምን ክርስትያንን ዘይኮኑ ዜጋታት ስለዘለዉዋ ። ኤርትራ ናይ ዜጋታታ እያ። ኣብ ኤርትራ ሃይማኖት ናይ መንነት መለለይ ኣይኮነን። ሃይማኖት እምነት ኮይኑ ቦትኡ ክሕዝ ኣለዎ። ኤርትራ ሓደ ወገን ዝረብሓላ ሃገር ኮይና ክትነብር ኣይምነይን። ስለ’ዚ እቶም ናይ ሓባር መንግስቲ ዝቕበሉ ብሓባር ክነብሩ መሰሎም ኮይኑ፥ እቶም ብጸገማት ብሽግራት ዝፈላለዩ ድማ ብመገዶም ክቕጽሉ መሰሎም እዩ። ደቂ መታሕት ኣስላም እቲ ህዝቢ ዘይኮነስ እቶም ኤሊት ኣብ ሓባራዊ መንግስቲ ኣይክሰማምዑን፥ ጌና ኣብ ፍልልያት ክነብሩ እዮም።

ናይ ኩሉ ህዝብታት ጸገም ፈቲሑ ዝነብር መንግስቲ የለን፥ ብኹሉ ጉዳያት ተሰማሚዑ ዝተፈጥረ መንግስቲ’ዉን የለን። እንታይ ድኣ ነቲ ናይ ሓባር ጸገማት ፈቲሕካ ንኹሉኻ ብማዕረ ዘገልግል ሕጊ መስሪትካ ተኸባቢርካን ተረዳዲእካን ትነብርሉን፥ ትዓብየሉን፥ ትምዕብለሉን፥ ትስልጥነሉን፥ ትኽበረሉን፥ ብዜግነትካ ትኾርዐሉን ኤርትራን ኤርትራዉነትን ንዝልኣለም ንኽህሉ ዉሕስነት ዘረጋግጽ መንግስታዊ ስርዓት ምምስራት ይግባእ። ነዚ ንምዕዋት ግን ነፍስ ወከፍና ብዘይ ትምክሕትን ጽበትን መበቆላዊ ዝንባለን ይኹን ሃይማኖታዉን ቀቢላዉን ኣውራጃዉን ሕማማት ኣወጊድና ከም ነጻ ሓራ ዜጋታት ኤርትራ ክንሓስብ እንተኽኢልና ጥራሕ እዩ። ኣብ ዓለም እቲ ኣዝዩ ዝሃብተመን ዝሰልጠነን መንግስቲ ኣሜሪካ እዩ፥ እዚ መንግስቲ’ዚ ግን ንኹሉ ጸገማት ዜጋታቱ ክፈትሕ ዓቕሚ የብሉን፥ ብፌደራል ደረጃ ይኹን ዋላ ብስቴት ደረጃ ንኣብነት ንሕና ጸለምቲ ኣይነኽብርን፥ ማዕሬና ኣይንርእዮምን ዝብሉ ተወዲቦም ዝንቀሳቐሱ ማሕበራት ኣለዉ፥ ጸገሞም ጸለምቲ ምጽላእ እዩ። ነዚ ጸገም’ዚ ሰላማዊ ሰልፊ ድዩ ፥ ጋዜጣ ዲዩ ወይ’ዉን ሬድዮ ብኹሉ መንገዲ ሓሳቦም ክገልጹ ይኽእሉ እዮም፥ ንማንም ጸሊም ክትንክፉ ግን መሰል የብሎምን፥ መስመር እንተሰጊሮም’ዉን ብሕጊ ተሓተቲ ይኾኑ። ንሕና ኤርትራዉያን’ዉን ምናልባት ናይ ሓባር መንግስቲ እንተድኣ መስሪትና ንኹሉ ናይ ህዝብና ጸገማት ክንፈትሕ ከምዘይንኽእል ክንኣምን ይግባእ። ንኣብነት ኣብ ኣቑርደት ሓደ ሸኽ ብድድ ኢሉ ኣብ’ዚ ከተማ ቤተክርስትያን ክፈርስ ኣለዎ፥ እንዳ ስዋ’ዉን ክዕጾ ይግባእ ኢሉ ተቓዉሞ ከስምዕ እንተድኣ ደልዩ፥ ድላዩ ተቓዉሞ የስምዕ ብዘየገድስ ነታ ኮማሪት ግን ክትንክፍን ይኹን ነቲ ቤተክርስትያን ክደፍርን ግን መብቲ ከምዘይብሉ ክፈልጥ ይግብኦ። ካብ ሕጊ ወጻኢ እንተኸይዱ ድማ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ክወድቕ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ።

ዓሚ፥ መስከረም 20/2014 ብኢኤፍኤንዲ ዝበሃል መለለይ ዝፍለጡ ጉጀለ ኣብ ቨርጂንያ ህዝባዊ ሰሚናር ኣካይዶም ኔሮም። ናይ ኢኤፍኤንዲ ጽሑፍ’ዉን ኣብ’ቲ ሰሚናር ቐሪቡ ነይሩ። ካልኦት ዝተፈላለዩ ጽሑፋት’ዉን ይዝርግሑ ነይሮም፥ ካብ’ቶም ዘንበብኩዎም ጽሑፋት ናይ ፕሮፌሰር ኣርኣያ ደበሳይ ጽሑፍ ዝሓሸ ኾይኑ ረኺበዮ። ምስ መድረኽ ዝኸይድን ንጭቡጥ ኣተሃላልዋ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተወን ኣዝዩ ኣገዳሲ ጽሑፍ ኔሩ ኢለ ይኣምን። ብሓፈሽኡ እቲ ናይ ኢኤፍኤንዲ ሰሚናር ቁምነገር ኔሩዎ ኢለ ክኣምን ብጣዕሚ እየ ዝጽገም። እቲ ዘቕረቡዎ ጽሑፍ’ዉን ነንሕድሕዱ ዝዋቓዕ፥ ንህልዊ ፖለቲካዊ ጸገማት ኤርትራ ብግቡእ ዘይገምገመን፥ ንኣፈታትሓ ጸገማት ዝኾነ ይኹን ትርጉም ዘለዎ መንገዲ ይኹን እስትራተጂ ዘይነበሮ ተስፋ ዘቑርጽ ኣቀራርባ ምንባሩ’የ ተዓዚበ። መዉጽኢ ኣፎም ተቛወምቲ ፍልልይ የብሎምን፥ ዕላምኦም ሓደ እዩ፥ ክዕረቑን ክሰምሩን ክጠራነፉን ይኽእሉ እዮም ወዘተ ዝብል ኣዝዩ ድኹም ዝኾነ መርገጽ ይትረፍ’ዶ ካብ ምሁራት ካብ ዘይተምሃረ’ዉን ክትጽበዮ ዘይትኽእል ዘሕፍር ሚዛን፡ ተቛወምቲ ፍልልይ የብሎምን ምባል ዘስደምም እዩ። እቲ ፍልልይ ናይ ፖለቲካ ነይሩ እንተዝኸዉን ኣነ’ዉን ሸለል ምበልኩዎ፥ እቲ ፍልልይ ግን ናይ ሃይማኖትን ናይ ዓሌትን እምበር ካሊእ ኣይኮነን። እቲ ፍልልይ ፖለቲካ ክሳዕ ዘይኮነ ድማ ሎሚ ኣይፍታሕ ጽባሕ ኣይፍታሕ። ቀንዲ ነጥበይ ንኢኤፍኤንዲ ምግምጋምን ምምዛን ኣይኮነን፡ እንታይ’ድኣ ብሰንኪ ኢኤፍኤንዲ ዘካየዱዎ ሰሚናር ንዝተፈጥረ ኣዝዩ ሓደገኛ ጸገም ንምርኣይን ንመበገሲኡን ንጠንቁን መርሚረ ሚዛነይ ንምሃብ እዩ። ድሕሪ ሰሙን ሳሊሕ ቓዲ ንኢኤፍኤንዲ

ኣብ’ቲ ሰሚናሮም ይኹን ኣብ’ቲ ዘቕረብዎ ጽሑፍ ብዛዕባ ናይ ደቂ መታሕት ናይ መሬት ሕቶን ብዛዕባ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ደቂ መታሕት ጉዳይ ስለዘይኣጠቓለሉ ሳሊሕ ቓዲ ኣስማቶም ረቚሑ “መስቀላዉያን” ኢሉዎም። “መስቀላዉያን” ቅድሚ ትሽዓተ ሚእቲ ዓመታት ብስም ሃይማኖት ክርስትያን፥ ልክዕ ከም’ዚ ናይ ሕጂ ኣይሲስ ብስም ሃይማኖት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ገበናት፥ እቶም መስቀላዉያን’ዉን ገበናት ዝፈጸሙ ኣካላት’ዮም ነይሮም። ሳልሕ ቓዲ፥ ትሽዓተ ሚእቲ ዓመታት ንድሕሪት ተጓዒዙ ንክሓስብ እንታይ ደፋፊኡዎ ናብ’ዚ ኣዝዩ ፉንፉን ታሪኽ ተመሊሱ ነታ ዓቕሞም ዘፍቀደትሎም ስራሕ ክሰርሑ ንዝፈተኑ ተወለድቲ ትግርኛ ነዚ ኣዝዩ ኣጸያፍን ፉንፉንን ናይ ግፍዒ መለለይ ስም ንኽልጥፍ መን ኣገዲዱዎ። ነቲ ብዛዕባ መሬትን ስደተኛታትን ደቂ መታሕት ዘይዛረብ ህዝቢ ትግርኛ’ዉን ብእኩብ መስቀላዊ ይብሎ ከምዘሎ ብግቡእ ተረዲኡ ዝብሎ ዘሎ ነገር ድዩ? ኢልካ’ኳ ሕቶ ምልዓል ግቡእ ይኹን እምበር፥ ብናተይ ገምጋም ኩሎም ሓደ ንዝብል ነገር ተቐቢሉ ንነብሱ ኣዕጊቡ ዝበሎ ነገር እዩ ኢለ ይኣምን። ንሳሊሕ ቓዲ ብህዝቢ ትግርኛ ምልጋጽ ሓዲሽ ነገር ኣይኮነን፥ ናብ ካሊእ ጓል መንገዲ ከየእትወኩም እምበር ትግርኛ’ዉን ናቱ መንነት እዩ። ዋላ ሕጂ መበቆለይ ዓረብ’የ ይበለና እምበር ናይ ትግርኛ መበቆል ዘለዎ ሰብ ከምዝኾነ ብጭቡጥ ክግለጽ ዝኽእል ነገር እዩ። እቶም ትግርኛ’ዉን መበቆልና ዓረብ ክኸዉን ይኽእል ካልእ’ዉን ክኸዉን ይኽእል። ንመበቆል ግን ልዕሊ ዜግነት ክንሰርዖ የብልናን፥ ኩልና መበቆልና ብዘየገድስ ኤርትራዉያን ዜጋታት ምዃና እንተድኣ ኣሚንና ጸገምና ንምፍታሕ ኣይምተሸገርናን።

ሳልሕ ቓዲ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፥ ነቲ ናይ ሰብዓ ዓመታት ምንጽጻግ ንኽቕጽልን ንኽምዕብልን ዝሕግዝ መርዝታት ምንዛሕ ካብ ዝጅምር ነቲ ፖለቲካዊ ጸገም፥ ብሃይማኖትን ብቐቢላነት መዝሚዙ ናብ ኣዝዩ ሓደገኛ መድረኽ ኣሰጋጊሩዎ ምህላዉ ባዕሉ ብቓሉ “ክሰምዕዎ ንዝግብኦም ነገር ኣስሚዔዮም ኣለኹ” ኢሉ’ዉን ጃህራ ወሲኹ ነጊሩና እዩ። ነቶም ስዓብቱ’ዉን፥ ድፈሩዎም ክብሪ ኣይትሃብዎም ኩሎም ሓደ እዮም፥ ናይ መስቀላዉያን ኣተሓሳስባ እዩ ዘለዎም፥ ንሕና ዕላማናን እዩም ዝብል መልእኽቲ የመሓላልፈሎም ምህላዉ ርዱእ ነገር እዩ። ሳሊሕ ቓዲ፥ “ኣነ ኣይፈርህን ዋላ ነቲ ዘይድፈር ክባሃል ንዝፍራሕ ነገር ደፊረዮ ኣለኹ፥ ነዝነዝ ኣቢለዮ እየ” ብማለት’ዉን ፈኸራ ኣሐይሉ ንጅግንነቱ ባዕሉ ወዲሱ ካልኦት’ዉን ኣሰሩ ንኽሕዙ ብምትብባዕ ዝመረጾ መልእኽቲ ኣሕሊፉ። መልእኽቱ ንምሕልላፍ ደረቕ ጽሑፍ ስለዘይኣኸሎ፥ ብቲቪ ኣዳል ብዓረብኛን ብትግርኛን ናብ ህዝቢ ዘርጊሑዎ እዩ። እቶም ግዳይ ናይ መስቀላዉነት ዝኾኑ ምሁራት’ዉን “ኢኤፍኤንዲ” ክቡር ሳሊሕ ቓዲ ኣይትሓዘልና ተጋጊና ኢና፥ ሓቅኻ ኢኻ ኢሎም ተምበርኪኾም ሰጊዶም ይቕሬታ ሓቲቶሞ። ሳሊሕ ቓዲ’ዉን ፍናን ስለዝረኸበ ኢኤፍኤንዲ መሳኪን እዮም፥ ይቕሬታ ሓቲቶምኒ፥ ኖ ይቕሬታ ኣየድልይን ኢለ’ዉን መሊሰሎም ብማለት እንዳተጃህረ ትማሊ መስቀላዉያን ንዝበሎም ሕጂ ድማ መሳኪን ኢሉ ገሊጹዎም። ኢኤፍኤንዲ ዋላ መበቆሎም ትግርኛ ይኹን እምበር ባህሎም ግን ናይ ትግርኛ ባህሊ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግርኛ ንዘዋረዶን ዝጸረፎን ዘካፍኦን ዘሕሰሮን ሰብ እንተሓመቐ ተጋጊኻ ይብሎ፥ እቲ ልሙድ መልሲ ግን ትሕሾ ንስኻ’ዉን ኣይሲስ ኢኻ ዝብል ምኾነ ንይሩ።

ሳሊሕ ቓዲ ብዙሕ ግዜ ቀይሕ መስመር እንዳጠሓሰ ንህዝቢ ትግርኛ ዘዋረደን ዘድፈረን፥ ነቲ ድኽመታት ህዝቢ ትግርኛ እንዳመዝመዘን፥ ንዉሑዳት ተወለድቲ ደቂ ትግርኛ ኮራኩር ገይሩ ነቲ ትግርኛ ብትግርኛ እንዳዉቀዐን ዘይግብኦ ሓላፍነት እንዳሰከመን ናይ ኩሉ ናይ ኤርትራ ፖለቲካዊ ጸገማት ጠንቂ ትግርኛ ምዃኑን እንዳተንተነን እንዳገለጸን ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ዕንቅፋት ናይ ደቂ መታሕት ፖለቲካዊ ሃይማኖታዉን ቀቢላዉን ዓረባዉን ጉዕዞ ምስ ካልኦት ህዝብታት ብፍላይ ምስ ህዝቢ ትግርኛ “ሓበሽ” ናይ ሓባር መንግስቲ መስሪትካ ምንባር ዘይቅቡል ናይ ምዃኑ ጉዳይ ሸፊኑ ንደቂ መታሕት ፖለቲከኛታት ኣብ ክንዲ ሓላፍነት ዘሰክም ብኣንጻሩ ከም ዉጹዓትን ከም ዝተበደሉን ክጣበቐሎም ንዕዘቦ ኣለና። ስለዚ ሳሊሕ ቓዲ ከም ሓደ ነጻ ሓራ ኤርትራዊ ዜጋ ኮይኑ ሓላፍነት ተሰኪሙ ዝኸይድ ሰብ ዘይኮነስ ከም ወገናዊ ሃይማኖታዊ ዓሌታዊ ዓረባዊ፥ ኣብ ዉሽጡ ሕሉፍ ሃይማኖታዊ ጸገም ዘዕገርግሮ ንዉሽጣዊ መንነቱ ሓቢኡ ዝነብር ኣብ መድረኽ ኣይሲስ ሓምሳን ሽዱሽተን ኤርትራዉያን ኣብ ዝተሓርዱሉ እዋን ኣይትረስዑ መስቀላዉያን’ዉን ኔሮም እዮም ኢሉ ትሽዓተ ሚእቲ ዓመታት ንድሕሪት ተጓዒዙ ንመስቀላዉያን ከዘኻኽረና ምፍታኑ ንዉሽጣዊ መንነቱ ብግቡእ ንኽርድኦ እዩ ዝሕግዘኒ፡ ካሊእ ንሳሊሕ ቓዲ ክእርሞ ዝደሊ ነገር፥ ኤርትራዉያን ብዛዕባ ጂሃድ ካብ ፕረዚደንት ቡሽ ኣይተማሃርናን፥ ካብ’ቶም ኣብ ሓራ መሬት ኤርትራ ኣትዮም መስቀላዉያን ሰራዊት መንግስቲ ትግርኛ ደምሲስና ቐቲልና እንዳበሉ ዝጀሃሩ ዝነበሩ ሕጂ’ዉን ምስ ኪዳን ተዳሙን ምስ’ቲ ንስኻ ሳሊሕ ቓዲ ዝድግፎ እስላማዊ ግንባር ተወዲቦም ዘለዉ ጉጅለታት ኢና ፈሊጥናዮ እምበር ከም’ቲ ኣብ ቲቪ ኣዳል ዝተጃሃርካሉ ኣይኮነን።

ብዛዕባ መሬት መታሕት ዘዛርብ የብለይን፥ ብዛዕባ መሬት ኤርትራ ግን እቲ መሬት ናይ ህግደፍ ምዃኑ እየ ዝፈልጥ። ነጻ መሬት ኣይኮነን፡ ሕጂ ኣብ ዲያስፖራ ኮይንካ ናይ መሬት ጉዳይ ኢኤፍኤንዲ ይጽሓፉሉ ይዛረቡሉ ፋይዳ የብሉን። ሳሊሕ ቓዲ’ዉን ብዛዕባ መሬት መታሕት ዋላ ኣዉያት ወሲኽካ ተዛረበሉ ጽሓፈሉ ክትርብርብ እንተዘይኮይንካ ተምጽኦ ፍታሕ የልቦን። መሬታት ደቂ ኸበሳ ህግደፍ መሬትኩም ንቢራ መስርሒ ዝኸዉን ጽቡቕ ስገም ስለዘቡቁል መንግስቲ ክጥቀመሉ እዩ ኢሉ ኣሕዲጉ ንብዙሓት ኣሽሓት ሓረስቶት መሬቶም መንጢሉ ዝነብር መንግስቲ እዩ። ንዓኻን ንተዳሙንን ዘሰክፈኩም ዘሎ ኣብ ባርካ ቤተክርስትያን ተሰሪሑ ኣብ ሆሚብ ኣዋሻይት እንዳ ስዋ ተኸፊቱ ወዘተ እዩ። ኣብ ኤርትራ መስጊድ ይኹን ቤተክርስያትን ኣመንቲ ክሳዕ ዘለዉዎ ኣብዚ ቦታ ኣይስራሕን ዝባሃል ነገር ቑኑዕ ኮይኑ ኣይረኣየንን። እቲ ዝፈሰሰ ደምን ዝተኸስከሰ ኣዕጽምትን ነዚ ጉዳይ’ዚ ፈቲሑ ስለዝሓለፈ ኩዉን ክኸዉን ግድን እዩ። ነዚ ጉዳይ’ዚ ዘይትጸዉር ኤርትራ ናይ ብሓቂ ኤርትራ ኣይኮነትን፥ ኣነ ብዛዕባ ኣነ ዝነብረላ ኤርትራ ኣይሓልምን ዘለኹ፡ ደቀይ ደቂ ደቀይ ዝነብሩላ ኤርትራ እየ ዝሓልም ዘለኹ።

ሕቶ ስደተኛታት ብፍላይ ኣብ ስሳታት ናብ ሱዳን ብዛዕባ ዝተሰደዱ ኤርትራዉያን ብቐዳምነት እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደን ዝተፈጸመን ግፍዕታትን በደላትን፡ ኣዝዩ ዘስካሕክሕን ግፍዓዉን ምንባሩ ገዛዉቶም ነዲዱ ንብረቶምን ጥሪቶምን ተዘሚቶም፥ ዝተቐትለ ተቐቲሉ፥ ዝደሓነ’ዉን ናብ ሱዳን ተሰዲዱ፡ ኮታ ኩሉ ዓይነት ግፍዕታት ኣብ ልዕሊኦም ተፈጺሙ። እዚ ጉዳይ’ዚ ሓደ ኣዝዩ ኣሉታዊ ዝኾነ መድረኽ ምንባሩን ኣብ ታሪኽ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓደ ፍሉይ ናይ ምጽናትን ጥፍኣትን ታሪኽ ክፍለጥ ከምዝግብኦ ሓደ ፉሉይ ዕለት ተወሲኑ’ዉን ዕላዊ ብመንግስቲ ደረጃ ዝበዓል ናይ ሓዘን ዕለት ክዉሰኖ እድግፍ። ብኻሊእ ሸነኽ ከም’ዚ ብዓል ቓዲ ይኹን ተዳሙን፥ ፖለቲካ ንኽሰርሑሉ ነቲ ጥፍኣት ኣብ ክንዲ ንዋንኡ፥ ንመንግስቲ ሃይለስላሴ ምርካብ ምስ ኮማንዲስን ህዝቢ ትግርኛን ኣተኣሳሲሮም እቲ ገበን ብሓባር ከምዝተፈጸመ ኣምሲሎም ክገልጹ ንዝደልዩ ግን ምቅላዕ ግድን እዩ።

ኣብ ስሳታት ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ህዝቢ ምናልባት ደቆም ደቂ ደቆም እምበር መብዛሕቲኦም ነቲ ጉዳይ ስደት ብግቡእ ዝፈልጡን ዝርድኡን ብህይወት ኣለዉ ክትብሎም ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ብብዙሕ መዐቀኒታት’ዉን ካብ ህዝቢ ሱዳን ክትፈልዮም ንባዕሉ ዝከኣል ኣይመስለኒን። ዱልዱል ኤርትራዊ ምትእስሳር ኣለዎም ኢልካ ክትመዝኖም’ዉን ንባዕሉ ሕቶ ዝፈጥር ጉዳይ እዩ። ብሓጺሩ ብናተይ ሚዛን ከምኡ’ዉን ኣብ ኣቡሮኾም፥ ወዲ ዓወት፥ ሱኪ፥ ኡምጸቐጣ፥ ጊርባ፥ በቲ ዓቕመይ ከምዝተዓዘብኩዎም፥ ምስ ኣልዒለዮ ዘለኹ ሚዛን ዝሰማማዕ እምበር ንኤርትራዊ ሃገርነት ቅድሚት ዝሰርዕ ድሌት ኣይረኣኹን። ነቲ ዝወሃቦም ናይ ሱዳን ዜጋ ናይ ምዃን ዕድል ብኽብሪ ተቐቢሎም ሱዳናዉያን ኮይኖም ንኽነብሩ ቀዳማይ ምርጫኦም እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ብዛዕባ ናብራ’ዉን ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ዘለዎ እምበር ተጸበይቲ ሓገዝ እዮም ኢለ ንኽኣምን እጽገም እየ።

ብዓል ሳሊሕ ቓዲ ይኹኑ ኪዳን ተዳሙን ግን፥ ኣይትረስዑዎም ኣብ ሱዳን ኣምኢት ኣሻሓት ኤርትራዉያን ዜጋታት ኣለዉ፥ ኣፍሉጦ ሃቡዎም፥ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ኣብ ፖለቲካ ተሳትፎ ክህልዎም እዩ፥ ኣብ ምርጫ ይኹን ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ኤርትራ ክዋስኡ መሰል ኣለዎም፥ ዝብል መልእኽቲ የሕልፍ ከምዘሎ ስለዝርኣየኒ፥ ናይ ሱዳን ዜግነት ነጺጎም ናይ ኤርትራ ዜግነት ክቕበሉ እንተድኣ ኾይኖም ብርእይቶይ ጸገም ዘለዎ ኮይኑ ኣይረኣየንን። ህዝቢ ትግርኛ ኮማንዲስ ኣይኮነን፡ ኮማንዲስ ወተሃደራት ሃይለስላሴ እዮም ነይሮም። ካብ ብሌን፥ ካብ ሳሆ፥ ካብ ትግረ’ዉን ኮማንዲስ ነይሮም እዮም። ትግርኛ ጥራሕ ኣይነበሩን፡ ንህዝቢ ትግርኛ ኣብ ክንዲ ኮማንዲስ ኣምሲልኩም ክትገልጹዎ ትፍትኑ፥ ነቲ ዝኸፈሎ ዋጋ ዘክሩ። ህዝቢ ትግርኛ ደሙ ኣብ ሙሉእ ኤርትራ ፈሲሱን ተነስኒሱን እዩ፡ ኣዕጽምቱ’ዉን ኣፍ ፎቖዶ ጎብ ኣብ ፎቕዶ ስንጭሮ ፋሕ ኢሉ እዩ። ኣነ ትግርኛ ቑኑዕ እዩ፥ ፍትሓዊ እዩ፥ ካባኻትኩም ዝሓሸ እዩ፥ ኢለ ኣይፈልጥን፥ ሕጂ’ዉን ኣይብልን ዘለኹ። ነቲ ናቱ ጽቡቕ ስራሕ ግን ምኽባር ግቡእ እዩ ኩሉ ግዜ ከም ሽፍታን ከም ዓማጽን ኣይትርኣዩዎ። ትግርኛ ነጺጉኩም ኣይፈልጥን፥ ንስኻትኩም ግን ንትግርኛ ምንጻግ ካብ ትጅምሩ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ብግልጺ’ዉን ምሳኻትኩም ክንነብር ኣይንደልን ወይድማ ብኣና ክትምርሑ ብመገድና ክትጓዓዙ ፍቓደኛታት ኩኑ ትብሉዎም ኣለኹም። ትግርኛ ብሸነኹ ኣይፋልን፥ ብሓባር ተኸባቢርና ንንበር፥ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ሃገር፥ ጥራሕ እዩ ዝብል ዘሎ። ሰውራ ንሕና ጀሚርናዮ፥ እቲ ጉዕዞ ዝያዳ ንዓና ይግባእ ማለት ነቲ ኣነ ዛዚመዮ ንዝብል ህልዉኑኡ ክሒድካ ዋና ምዃን ኣይከኣልን፥ እንታይድኣ እታ ቕንዕቲ ምርጫ ብሓባር ንንበር ትብል እያ። ኩልና ማዕረ ተሰዊእና፥ ማዕረ ዋጋ ኸፊልና ዝብል ቃል ምጽራይ ኣየድልዮን። እቲ ዋጋ ክቡር ስለዝኾነ ግን ምትማኑ ግቡእ እዩ።

ደቂ መታሕት እቶም ኣብ ፖለቲካ ትዋስኡ፥ ካብ ሃይማኖታዉን ቀቢላዉን ዝምባሌታት ነጻ ኮይንኩም ኣይትፈልጡን፥ ንሕና ትግርኛ ግን ንኹሉ መበቆላዊ ባህላዊ ሃይማኖታዊ ታሪኻዊ ዝምድናታትና በቲኽና ሃገራዉያን ክንከዉን በቒዕና ጥራሕ ዘይኮነስ ብሰንኪ ሃገራዉነት ትምክሕታዉያን ናብ ምዃን ኣድሂቡልና። ሃይለስላሴ፥ ናስር ዓብደልቓድር ኮይኑ ነይሩ እንተዝኸዉን ሕጂ ብዛዕባ ኤርትራ ኣይምተዛረብናን ኔርና። ንህግደፍ ትግርኛ እዩ፥ ክርስትያን እዩ ኢልኩም ብምግላጽ ረብሪብኩም፥ ሕጂ ድማ ይወድኣዮም፥ ባዕሎም ፈጢሮሞ፥ እንዳዓለሉ ኣምጺኦሞ ወዘተ እንዳበልኩም ንህልቂት ህዝቢ ትግርኛ ተዓዘብቲ ኮይንኩም ትርእይዎ ኣለዉ። ሳሊሕ ቓዲ ኣብ ቲቪ ኣዳል ህዝቢ ትግርኛ ህዝበይ እዩ እንዳበለ ክጃሃር ሰሚዔዮ፡ እቶም መንእሰያት ክርስትያን ደቂ ትግርኛ ብኣይሲስ ክሕረዱ እንከለዉ ግን ኣጽቂጡ። ዋላ ሓንቲ ክብል’ዉን ኣይደለየን። ሳሊሕ ቓዲ፥ ኪዳን ተዳሙን ኣካላት ናይ ጂሃዳዊ ምንቅስቓስ ኢኹም። ንመታሕት ከም ሃገር እንዳ ጠመትኩም፥ ንሃይማኖት ከም ፖለቲካዊ ዕላማ ወሲድኩም፡ ንዓረባዊ መበቆል ከም ኣገዳሲ ባእታ ጸብጺብኩም፡ ሓዲሽ ዓረባዊ መንነት ክትፈጥሩ ትሓልሙ ኣካላት ኢኹም። ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣምኪንኩም፥ ሕጂ’ዉን ንደምበ ተቛዉሞ ንዓሰርተ ሰለስተ ዓመታት ኮለል ኣቢልኩም፥ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ጌርኩም ኣፍሺልኩሞ።

ንመሰረታዊ ጸገማትካ ሓቢእካ፥ ንመሰረታዊ ፍልልያትካ ሸፊንካ፥ ይትረፍ’ዶ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ሃገር ክንበር፥ ሓንቲ ብግቡእ ክትንቀሳቐስ ትኽእል ስድራ’ዉን ምምስራት ኣይከኣልን። ሕጂ’ዉን ደቂ መታሕት ፖለቲከኛታት ምስ ህዝቢ ትግርኛ ሓደ ናይ ሓባር መንግስቲ መስሪቶም ኣብ ሓንቲ ኤርትራ ንኽነብሩ ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑ ናይ ዝሓለፈ ሰብዓ ዓመታት ተሞክሮን እዚ ሕጂ ኣቲናዮ ዘለና ጋህዲ ዝኾነ ኣተሃላልዋ ጭቡጥ ምስክር እዩ። ርእይቶይን ሚዛነይን ጌጋ ኾይኑ ናይ’ዚ ክልተ ኣካላት ሓድነት ተረጋጊጹ፥ ሓንቲ ኤርትራ ትባሃል ሃገር ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ባንዴራ፥ ሓደ ቅዋም፥ ሓደ መንግስቲ እንተድኣ ተመስሪታ ግን ይትረፍ ናተይ ናይ ሓደ ተራ ሰብ ናይ ክንደይ ፈላስፋታት ሚዛንን ገምጋምን’ዉን ምፍሻሉ ስለዝፈልጥ እቲ ዝድለ ናይ’ታ ዝፈትዋ ሃገረይ ኤርትራ ህልዉና ጥራሕ እዩ እምበር ናተይ ሚዛንን ገምጋምን ኣይኮነን፥ ድልየተይ ናይ ኤርትራ ሃገረይ ጽቡቕ ጥራሕ እዩ።

ኤርትራ ክትህሉ እያ፤ ክትቕጽል እያ፥ ኤርትራ ነጻ ሓራ ዜጋታት ኣለዉዋ ኢለ ስለዝኣምን ህልዉናኣ ቐጻሊ እዩ። ንዜግነት ምስ መበቆል ምስ ሃይማኖት እንዳእተኣሳሰርካ ክትጓዓዝ ምፍታን ኩሉ ግዜ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለዎ። ኣነ ኤርትራዊ ነጻ ሓራን ዜጋ እየ። ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ባንዴራ ሓንቲ ኤርትራ ሓደ ቕዋም ሓደ ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ፥ ትዉንን ኤርትራ ናይ ዜጋታት ሓድነት ናይ ዜጋታት መሰል ዘኽብር፥ ናይ ዜጋታት መንግስቲ ምምስራት መተካእታ ዘይብሉ ቑኑዕ መንገዲ እዩ።

እቲ መንግስታዊ ስርዓት እንታይ እዩ ክባሃል ንዝብል ሕቶ፥ ናይ ዜጋታት መሰል ቅድሚት ናይ ዝሰርዓ ሃገራት መንግዲ ምኽታል ቑኑዕ እዩ ኢለ እኣምን፡፥ ንኣብነት ነተን ዝነበራና ኣዉራጃታት ናብ ስቴት ቐይርና ኣብ ትሕቲ ፌደራልያዊ ስርዓት ክንማሓደር ንኽእል ኢና። ካብ ናይ በሺር ኢሳቕ ፌደራሊዝምን ካብ ናይ ልኡል ጋይም ፌደራሊዝምን ግን ክንጥንቀቕ ኣለና። ኣብ ናይ ዜግነት ኣተረጓጉማ፥ ኤርትራዉያን ኣዝዩ ድኹም ዝኾነ መምዘኒን መዐቀኒን ኣሎና። ዋላ’ዉን እቶም ናብ ምዕራብ ተሰዲዶም ዜግነት ረኺቦም ዘለዉ፥ ነታ ዜግነት ብግቡእ ዘይርድኡዋ ዉሑዳት ኣይኮኑን። ሓሙሽተ ዓመት ተቐሚጥካ ተባሂልካ ዜግነት እንዳረኸብካ፥ ኣብ ኤርትራ ንመዋእል ንዝነበሩ ኣብ ሰዉራ ኤርትራ ኣሽሓት ሂወታት ንዝኸፈሉ ልዕሊ ዜግነት ክዋሃብ ዝግባእ ነገር እንተዝህሉ ክዋሃብ ንዝግብኦም ሰባት፥ መበቆሎም ጸብጺብካ ናይ ዜግነት መሰል ኣብ ናይ ሕቶ ምልክት ከተእቱ ምፍታን ድሕረት እዩ። እዚ ድሕረት’ዚ ድማ ኣብ ዉሽጢ ህዝቢ ትግርኛ ዘሎ ድሕረት እዩ። ዝያዳ ኤርትራዊ ዜጋ ተባሂሉ ዝግለጽ ዜጋ የሎን፡ ኩሉ ዜጋ ማዕረ እዩ። ኣነ ዓሰርተ ክቖጽር ይኽእል፥ ኣነ ዕስራ ክቖጽር ይኽእል ዝብል ድሑር ጃህራታት ናይ ለባማት ኣይኮነን። ዋላ ሚእቲ ይቆጸር፥ ካብ’ቲ ሓደ ክቖጽር ዘይኽእል ዜጋ ንላዕሊ ግን ዜጋ የሎን። እዚ ናይ ዜጋታት ጥርናፈ፥ ናይ ዜጋታት ምትእስሳር፥ ናይ ሓራ ዜጋታት ፖለቲካዊ መልእኽትታት ርእይቶታት ኣብ ኩሉ ከተማታት ዞባታት ብዓለም ለኸ ደረጃ’ዉን ተጠርኒፉ ድምጹ ኸስምዕ ኣለዎ። ናይ ኤርትራዉያን ዜጋታት ምትእኽኻብ ብግቡእ እንዳሓየለ መጺኡ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ንዘሎ ይኹን ኣብ ደገ ንዝለዉ ጸላእቲ’ዉን ክምክት ጸገም የብሉን። ሓራ ዜጋ ኣይፈርህን፥ ናይ ዜግነት ፍቕሪ ሃገር ኣዝዩ ሓያል እዩ። ዜጋ ብመበቆልን ብዓሌትን ኣይምካሕን እዩ። ብዜግነቱ ግን ይምካሕ እዩ። ዜጋ ንደቂ ሃገሩ ብዜግነቶም የፍቅሮም፥ ብዜግነቶም ይገልጾምን የኽብሮምን፥ ናይ ዜግነት ፍቕሪ ንኤርትራዉያን ሓዲሽ ነገር ኣይኮነን።

ብፍላይ እቶም ኣብ ሰብዓታት መንእሰያት ዝነበርና፥ ኣሕዋትና ብስልኪ ተሓኒቖም ክቕተሉ እንከለዉ፥ እንታይ ይስማዓና ነይሩ፥ ኩልና ንዝክሮ ኢና። ደርፊ ሰሚዕና ንነብዕ ኔርና፥ ስለ’ዚ ናይ ዜግነት ስምዒት ሓያል እዩ። ሃገራዊ ፍቕርን ዜጋዊ ፍቕርን ሓደ እዩ። ናይ ንቕሓት ደረጅኡ ግን ክፋላለይ ይኽእል እዩ። ስለ’ዚ ናይ ኤርትራ ቐጻልነት ማለት ምዕቡል ፍትሓዊ ዲሞክራስያዊ ቐጻልነት ከረጋግጽ ዝኽእል ንሕና ኤርትራውያን ዜጋታት ኢና፡ ኢሎም ናይ ዝኣምኑ ኤርትራዉያን ሓያልን ሰፊሕ ቓልስን ኣብ ወጻኢ መሰረት ዝገበረ ናብ ዉሽጢ ዓዲ’ዉን ክልሑኽን ትርጉም ዘለዎ ህዝባዊ ምልዓልንን ህዝባዊ ተቓዉሞን ንኸካይድ ከምዝበቅዕ ምግባር ከም ሓላፍነት ክዉሰድ ኣለዎ። ናይ ብሓቂ ዜጋዊ እምነት፥ ዜጋዊ ፍቕሪ ዘለዎም ኤርትራዉያን ደገፍቲ ተቓወምቲ ተባሂሎም ክፈላለዩ እዮም ኢልካ ኣይእመንን።

ስርዓት ህግደፍ ብዙሕ ዝጸንሕ ኣይመስልን። ከምይ ኢሉ እዩ ክዉገድ፥ መን እዩ ዘወግዶ፥ ንዝብል ሕቶ ግን፥ መልሲ የብለይን። ህግደፍ ሃንደበት እንተድኣ ፈሪሱ ግን ናይ ኤርትራ መጻኢ ጽቡቕ ክኸዉን ኢዩ ኢለ ኣይኣምንን። ስለ’ዚ ህግደፍ ብግቡእ መተካእታ ክዉገድ ኣለዎ፥ መተካእታ ስርዓት ህግደፍ ብደገን ብዉሽጥን ካብ ዝካየድ ናይ ዜጋታት ህዝባዊ ቃልሲ ክፍጠር እዩ ኢለ ይኣምን። ነዚ ቓልሲ’ዚ ንምዕዋት ከቢድ ጻዕርን ተወፋይነትን ዝሓትት ስለዝኾነ ካብ ሕጂ ብህጹጽ ክብገስ ኣለዎ። እንተዘይኮይኑ ግን እቶም ናይ ጥፍኣት ሓይልታት ክዕወቱን ካብ ህግደፍ ንላዕሊ ንኤርትራ ብትንትን ከብል ዝኽእል ጉጅለታትንህግደፍ ክትኩኡ እዮም ማለት ስለዝኾነ ግቡእ ኣድህቦ ክግበረሉ ይግባእ። ንህግደፍ ባይቶ ወዲ ባይቶ ካብ ዝርከብዎ ኣብ ዘለዎ ህግደፍ ክጸንሕ እድግፍ። ህግደፍ ብግቡእ ክትካእ ኣለዎ። ብናይ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ዝፍታሕ ጸገም ይኹን ዝዉገድ ስርዓት የለን። ሃገራዊ ፕሮግራም ዘለዎም ዉድባት ከምዘለዉ ይኣምን፡ ናይ ኤርትራ ጽቡቕ ዝደልዩ ምዃኖም’ዉን ይፈልጥ።

ይኹን እምበር ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ጸገም፥ ብዉድባት ክፍታህ ኣይክእልን። እንኮ ዕድል ናይ ዜጋታት ናይ ሓራ ነጻ ዜጋታት ሰፊሕ ቓልሲ ጥራሕ እዩ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ኢለ ይኣምን። ከም’ቲ ንነዊሕ ዓመታት ንሓድነት፥ ኣስላም ዊሒዶም ክርስትያን በዚሖም፥ ወይ’ዉን ብኣንጻሩ ኣስላም በዚሖም ክርስትያን ዉሒዶም ዝብል ህዉተታ ወጊድና ነቶም ንሕና ኤርትራዉያን ዜጋታት ኢና ኢሎም ንዝኣምኑ ብምጥርናፍ ናይ ኤርትራ ዜጋዊ ሓድነት ብምርግጋጽ ሓንትን ምዕብልትን ንቕድሚት ትስጉም ሓዳስ ኤርትራ ምፍጣር እዩ። ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር፥ ኤርትራ ናይ ዜጋታት መሰልን ልዕልናን ተኽብር ሃገር ኮይና ንቕድሚት ትሰጉም፥

ዘልኣለማዊ ኽብርን ሞጎስን ንኹሎም ሰማእታት!!

ዓወት ንዜጋታት ኤርትራ!!