ፕረዚደንት ጅቡቲ ዑመር ገለ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ባጽዕ ከምዝምስረት ብፈረንሳ ምስ እትሕተም ዠን ኣፍሪክ ዝተባህለት መጺሐት፡ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ ኣቃሊዑ።

0
82


April 8, 2019 
ፕረዚደንት ጅቡቲ ዑመር ገለ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ባጽዕ ከምዝምስረት ብፈረንሳ ምስ እትሕተም ዠን ኣፍሪክ ዝተባህለት መጺሐት፡ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ ኣቃሊዑ።

ብጋዜጠኛ `ታ መጺሐት፡ `ፕረዚደንት ኤማንወል ማክሮን፡ ፈረንሳ፡ ሃገራዊ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ምህናጽ ክትተሓጋገዝ ምዃና ተመባጺዑ ኣሎ። እንተኾነ ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ የብላን። እቲ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ጅቡቲ ዲዩ ክኸውን` ክብል ንዘቕረበሉ ሕቶ፡ ፕረዚደንት ጅቡቲ ዑመር ገለ፡ “ኖኖ፡ ኣይፋሉን። ኣብ ባጽዕ፣ ኣብ ኤርትራ እምበር። ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ኣብ ዘበን ንጉስ ሃይለስላሴ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝነበረሉ ቦታ እዩ ክምስረት። ንኢትዮጵያ፣ ናይ ሃገራዊ ክብሪ ሕቶ እዩ። ይኹን`ምበር፡ ምቛም ሓይሊ ባሕሪ ኣዝዩ ክቡር’ዩ። ካብ ሓይሊ ኣየር ንላዕሊ ኳ ይኸብር።” ክብል መሊሱ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ቀይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስጢራዊ ውዕል ድሕሪ ምግባሩ፡ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ጀነራላቱን ብተደጋጋሚ ግዜ፡ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ከተቕውም ምዃና ኳ እንተገለጹ፡ ነቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ኣበየነይቲ ሃገር ከምዝድኩኑዎ ግን ብጋህዲ ኣይገለጹን።
መራሕቲ ኢትዮጵያ ብቐጻሊ ክዝርግሑዎ ዝጸንሑ መግለጺታት ምቛም ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ`ቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ዝተፈራረሞ ዘይግሉጽ ስምምዓት ብምስዓቡ፡ ኢሳይያስ ንወደባት ኤርትራ ኣሕሊፉ ይህበን ምህላዉ ተገንዚቦም ጽዑቕ ተቓውሞ ስለዘስምዑ፡ እቲ ዝሕሰብ ዘሎ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ `ውን ክኸውን ከምዝኽእል ዘምስል ወረ ብገለ ማዕከናት ዜና ክናፈስ ኳ እንተጸንሐ፡ መራሒ ናይታ ምስ ፈረንሳ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋ ምግላጹ ነቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ስግኣት ዘረጋግጽ እዩ።

ንተኣፋፍነት ናይቲ ስምጢር ብምስትብሃል ፈረንሳ `ውን ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ምህናጽ ክትተሓባበር ምዃና ካብ ምግላጽ ሓሊፋ ኣበይ ከምዝድኮን ኣይገለጸትን።
ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብርጋዴር ጀነራል ክንዱ ገዙ ዝመርሖ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለየ መደበራት ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳን ጅቡቲን ዑደት ከካይድ ከሎ፡ ብዕለት 22 መጋቢት ብመርበብ ሓበሬታ (ኣፍሪካን ኢንተሊጀንስ) africaintelligence ተዘርጊሑ ከምዘሎ፡ ኣዛዚ ሓይልታት ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ኣድሚራል ጀምስ ጂ ፎጎ (Adm. James G foggo, commander of naval forces Africa) `ውን ምስ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብ/ጀ ‘ክንዱ ገዙ’ ብምርኻብ ኣብ ምምዕባል ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዘተኮረ ዝርርብ ምክያዱ ይፍለጥ።

እዚ ጉዳይ`ዚ፡ ኣብ ትዊተር ብኣካውንት ናይ U.S. naval forces Europe-Africa `ውን ብኸፊሉ ተገሊጹ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብ3 ሚያዝያ ምክትል ተሓጋጋዚ ኣዛዚ ሰራዊት ኪዳን ሰሜናዊ ኣትላንቲክ “NATO” ዝኾነ ጆናታን ፓሪሽ ምስ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ዴኤታ ዶክተር ማርቆስ ተክሌ ብምርኻብ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ምትሕግጋዝ ጉዳያት ዘትዮም።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሕልፊ ድማ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻልን ነቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብወደባት ኤርትራ ብስምጢር ዘካይዶ ዘሎ ዋጋ ዕዳጋ ኮነ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዘርእዩዎ ዘለዉ ጸደፍደፍ ብንቕሓት ብምክትታል ከፍሽሉዎ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ትኩርነቶም ከብልሑ ከምዘለዎም ክዝንግዑ ኣይግባእን።

Source:Assenna



NO COMMENTS

LEAVE A REPLY