A Challenge to My Article Advocating for People’s Uprising in Eritrea!

Written By Didiisabel in Response to My እንሆ! እቲ ናብ ዓወት ከብጸሓና ዝኽእል: ኣገባብ ቃልሲ!!!”

“ኣየ ጸጋዝኣብ ሓድሽ ሓሳባት ዘምጻእካ መሲሉካስ ክንድዚ ትደክም? “ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ” ኮይኑ ነገሩ። ምስላም ናይ ሞላ ኣስጎዶም ናብ ወያነ ስለምንታይ ምስ ጉዳይ ናይ ኤርትራ ከም ዘተኣሳሰርካዮ ዘገርም ነገር’ዩ። እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናዕቢ ክፍጠር ትጽውዖ ዘለኻ ግን፣ ህዝቢ ኤርትራ ብኣውራጃ ድዩ ብሃይማኖት ተነዓዒቡ ሃገር ክግምጥል ካብ ዝሕተት ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ሓሊፉ’ሎ። ህዝቢ ኤርትራ ንኸምዚ ዓይነት ጻውዒት ንኸይሰምዕ እዝኑ ተተርኢሱዎ ከም ዝድቅስ ኣይፈለጥካ ኣለኻ “ዶተረ”። ” ወዲ ዓሊዶ” በልካ? በዓል ወዲ ዓሊ ዝፈተንዎ ዕሸላዊ ፈተነ፣ ክሳብ ክንደይ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ዘቖጥዖ እቶም ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበርና ጥራይ ኢና ንፈልጦ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝበለ ግዳማዊ ሓደጋ ከም ዝርከብ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝርዳእ፣ ብግዝያዊ ጸገማት ተረቢሹ ንጥፍኣቱ ዝሳግም ህዝቢ ኣይኮነን። ዶክተር ተባሂልካ ናዕቢ ፈጢርካ መንግስቲ ክትግምጥል ምፍታንን፣ ብረታዊ ቃልሲ ኣካይዳ መንግስቲ ክትኣሊ ዘሎ ዕንወት ክንድምንታይ ፍልልይ ከም ዘለዎ ክትግምት ዘይምኽኣልካ ግን ይገርም’ዩ።

ልዕሊ ኹሉ ግን፣ ክትስሕንዎ ዘይትኽእሉ ሓዊ ከተባርዑ ምፍታን ጽቡቕ ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ሕማቕ ምሕደራን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣሎ እንተ ኾይኑስ መን ድዩ ብቐጥታ ግዳይ ዝኸውን? ንሕና እቶም ኣብ ምዕራብ ሃገራት ዘለና ዲና ዋላ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ? ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ዘይተላዕለስ ኣብ ግዳም ኮንካ “ተላዓል” ክትብሎኸ ንመን ረብሓ ኢዩ?

ህዝቢ ኤርትራ ይመሮ እንተሎ ኾይኑኸ ክለዓል ጸጊምዎ ድዩ? “ንኣድጊ ዘይከበዶስ ንጠይቂ” ኮይኑ ነገሩ። ኩሉኻ “ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ዚ ጭቆና’ዚ ክናገፍ ኣለዎ” ትብል ሓላዪ፣ እታ ናብ ቃልሲ ድያ ናብ ናዕቢ ትወስድ መንገዲ፣ ብኣኻትኩም በቶም “ሓለይቲ ህዝቢ ኤርትራ” ክትውሰድ ኣለዋ፣

ሽዑ ህዝቢ ኤርትራ ይስዕበኩም ድዩ ኣይስዕበኩምን ንርእዮ።”