A Constructive Criticism to Estifanos Temolso!

0
627


ኣቶ እስቲፋኖስ ተመልሶ

ብቐጻሊ ትጽሕፎም ዝነበርካ ጽሑፋት እከታተሎም ነይረ ኢየ። ከም ገዲም ተጋዳላይ መጠን ድማ ካብቲ ትጽሕፎ ዝነበርካ ብዙሕ ጠቓሚ ሓበሬታ እረኽበሉ ነይረ ኢየ። እዛ ሕጂ ንዶ/ርስ ጸገዘኣብ ዝጻሓፍካያ ጽሕፍቲ ግን ምስ ዕድሜኻን ተሞኩሮኻን ኣይትኸይድን ኢያ። ከመይሲ፡ ንስኻ ትኣክል ገዲም ተጋዳላይስ ብዘይ ሓደ ጭብጢ ” ብስዉር ህግደፍ ቈጺሩካ ከይህሉ ኣብ ምጥርጣር ኣትየሎምስ”። ክትብል
ፈጺሙ ኣየምሕረልካን ኢዩ። ስራሕ ህግደፍ ትብሃል ድኣ እዛ ናትካ ኣታሓሳስባ እንዳኣላ ብምጥርጣር ብዘይጭብጢ ሰባት ክዳጉን ዝውዕል ዘሎ ድኣ ህግደፍ’ዶ ኣይኮነን። ኩሉ ናቱ ናጻ ኣረኣእያ ዝገለጸ ህግደፍ ኢዩ ዝባሃል እንተኾይኑ ድኣ ሓሳባትካ ብናጻ ምግላጽ ነቶም ሃገር ኣሕሊፎም ዝህቡ ጥራሕ’ያ ትፍቀድ ማለት ኢዩ፡፡
ኣቶ እስቲፋኖስ እስከ እዘን ዝስዕባ ሕቶታት ክሓተካ፡

1. እዚ ቆይሙ ዘሎ መርማሪ ኮምሽን ናይ ብሓቂ ናጻ`ዶ ይመስለካ?
2. ኣብ ዒራቕ ዳርጋ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ብቦምባታት ኣሜሪካን ሰዓብቶምን ተቐዚፎም፡
( ዊኪ ሊክስ ገሊኡ ብሄሊኮፕተር ሰባት እንዳተመልዓሱ ኣሉ ክበሃሎ ዘይከኣል ኣቃሊዕዎም)። ክሳብ ሎሚ ንምንታይ ነዚ ኩሉ ናይ ኩናት ገበናት እትምርምር ሽማግለ ዘይቆመት?
3. ከሚኡ`ውን ንመንግስቲ ሊብያን ኣፍጋኒስታንን ደምሲሶም ኣማኢት ኣሽሓት ህዝቢ ቀቲሎም፡ ነተን ሃገራት ከምዘይነበራ ደምሲሶመን። ብዛዕባ`ዘን ሃገራት `ዚኣተን መርማሪ ኮምሽን ንምንታይ ዘይቆመ።?
እዚ ዘርእየና እምበኣር እቲ ሕጊ ንድኻታትን ድኹማትን መቕጽዒ ሕጊ ጥራይ`ዩ።
ኣብ ኤርትራ ዝጠፍአ ህይወት`ዶ ካብዘን ሃገራት እዚኣተን ይበዝሕ`ዩ? ንዓና ንኤርትራውያን ዋላ ሓንቲ ሂወት`ውን ተገድሰና ኢያ፡ ግን ኤርትራውያን ባዕልና ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ከነቕርብ ኣኺሉ ዝተርፍ ዓቕሚ ኣለና። ሕጂ`ውን ናጽነትና ብቕልጽምና`ምበር ዝተኾበልና የለን። ንህግደፍ ድማ ባዕልና ብናይ ገዛእ ዓቕምና ብዘይ ናይ ዝኾነ ይኹን ደገፍ ከነልግሶ ኢና። ምናልባት ግዜ ይወስደልና ይኸውን፡ ግን ደሓር ከሐጉሰና ኢዩ፡ ከመይሲ ዝእውደና ሓይሊ ኣይክህሉን`ዩ

By Romay Abraham
ሮማይ ኣብርሃም



NO COMMENTS

LEAVE A REPLY