Important Message to all Eritrean visitors of Mdre Bahri!!

0
506


By mdrebahri

Last Week’s Postponed Program due to some Technical reasons is now planned for this Saturday: Join Us!!

ንዕለት 12-03-2016 ሰዓት 8:30 ናይ በርሊን ኣቆጻጽራ: ኣብ pal-talk RoomEritrean Democracy for Positive Change 2016: ዶርስ. ጸገዘኣብገብረገርግስ: ናይ ታሪኽ ተመራማርን ፖለቲካል ሳይንስ ምሁርን:  ነቲ ኣብልዕሊ ሃገረ ኤርትራ ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ዝተበየነ እገዳ:ንሓቅነቱን ንሕጋውነቱን ኣመልኪቱ ሰፊሕ መግለጺ ክህብ ኢዩ::tsegezab G

እቲ ብዶርስ ጸገዘኣብ ገብረገርግስ ክዝረበሉተዳልዩ ዘሎ ኣርእስቲ:-

1.     ምኽንያትን ዕላማን መበገሲ እገዳ ኣብልዕሊ ኤርትራ: ፖለቲካዊ ሕሳባት ድዩ? ዋላ ኣብባይታ ዘሎ ክውንነት ኢዩ?

2.     ወነንቲ ናይ እገዳ መን ኢዮም?

3.     እዚ እገዳ ናብ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዘንቀደ ድዩ? ዋላንኤርትራን ህዝባን ንምብርኻኽ ዝዓለመ ኢዩ? ብኸመይ መንገዲ? ንምንታይዕላማ?

4.     ብድሕሪዚ እገዳ በዓል መን ኣለው? መወልቱን ዘወርቱን መን ኢዮም?

5.     ኢትዮጵያ: ካብ ብጉዳይ ጅቡትን ሶማል ኢሉ ዝተበገሰ እገዳ: እንታይረብሓ ኣለዋ?

6.     ኢድ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ እገዳ እንታይ ይመስል?

7.     እቲ ንጉዳይ ሶማልን ጁቡትን ክምርምር ኢሉ ዝተመዘዘ ተቆጻጻሪ ጉጅለውድብ ሕቡራት ሃገራት: ዝግባእ ስራሕ ድዩ ዝሰርሕ ነይሩ?

8.     ደረት መደብ ዕዮ ተቆጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እንታይ ኢዩነይሩ? ኣብ ዝብል ጉዳይ: ብሰፊሕ ናብ ህዝቢ ኣስተምህሮ ንምሃብን: ካብህዝቢ ንዝቐርበሉ ሕቶታት ብዘይገደብ ንምምላስን:

ንዕለት 12-03-2016 ኣብ pal-talk Room Eritrean Democracy for Positive Change 2016 ብናይ በርሊን ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 8:30 ናይምሸት ክቐርብ ስለ ዝኾነ ቆጸራኹም! ኣብ pal-talk Room Eritrean Democracy for Positive Change 2016 ይኹን::

ብደሓን ምጹ!!!



NO COMMENTS

LEAVE A REPLY