Is The Tri-colour Eritrean Flag a Collective Identity or Symbol of Oppression?

 Flag_of_Eritrea_(1993-1995).svg What does this tri-colour flag represent?

ምላሽ ዝደሊ ሕቶ? ንተኸታተልቲ መርበብ ምድረ-ባሕሪ:-

መርበብ ምድረ-ባሕሪ ካብ ብቐጻሊ ጽሑፍ ዘቕርቡ ሓደ ካብ ቀወምቲ ተኸታተልቱን: ኣንበብቱን: ከም ዝስዕብ ሕቶ ኣቕሪቡልና:-

እዛ ኣብ ሃገረ ኤርትራ ብመንግስቲ ኤርትራ ተወኪላ: ኣብ መላእ ሃገርን ኣህጉራዊ መጋባእታትን: ዓለም-ለኻዊ ኣብያተ ጽሕፈታትን: ብቐንዱ ‘ውን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተውለብልብ ዘላ ባንዴራ ሃገረ ኤርትራ: ናይ ጭኮናን! ዓመጽን! ምልክት ስለ ዝኾነት: ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሓዲሽ ዓመት 2016: ካብ’ቲ ኣብ መርበብ ምድረ-ባሕሪ ከም ትእምርቲ ሃገራዊ መንነት ሰቒልካያ ዘለኻ እንተትኣልያ: ከመይ ደስ ምበለኒ ክብል ገሊጹልና::

ብወገንኩም ተኸታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ምድረ-ባሕሪ: ነዛ ከም ትእምርቲ ሃገራዊ መንነትን: ዝተኻየደ ትውፊት ሃገራዊ ቓልስን: ዝተኸፍለ መስዋእትን እተንጸባርቕ ባንዴራ: እዚ ተኸታታሊ ኣበርክቶ ዝገብር ሓው: ክትወርድ ከም ዘለዋ ምምሕጻኑ ብወገንኩም እንታይ ትብልዎ? መርበብ ሓበሬታ ምድረ-ባሕሪ ሚዛን ህዝብን ተኸታተልቱን ክልክዕን: ክመዝንን: ክፈልጥን ስለ ዝደለየ ንነጻ ተሳትፎኹም ይዕድም::

መርበብ ሓበሬታ ምድረ-ባሕሪ!!!