Issaias Afeworki is a real sadist Cannibal: He is devouring Eritrea’s devout and best children! Let stop him by any means!!

2
1110


Drs. Tsegezab Gebregergis

As I have already stated, I have received recently authentic and authoritative documents titled “Secret PFDJ Documents (ምስጢራዊ ሰነዳት ህግደፍ)”. These are very important documents which expose the fascistic and barbaric atrocities being committed by the PFDJ gangs ruling Eritrea today.
I am sure these documents are written and compiled by someone who is either on active duty as a member of the Eritrean security services or is a former member still with easy access to classified documents or with active contact with those still working with the security services. In any case, it is someone who has a special interest in exposing the huge crimes being committed by the PFDJ hooligans against the brave and resourceful sons and daughters of Eritrea.
Having read them, I am really shocked/disturbed and helpless to do something practical against what they reveal. And I do not believe I will be the same person I used to be before the day I read these documents. I must confess until I read the documents in my possession, I hardly knew that the PFDJ Eritreans could be so cruel and fascistic/sadistic towards their own people, especially against their former comrades-in-arms.
Here again I invite the readers of Mdre Bahri to read carefully the disturbing account below of our dear beloved sister Senait Debesay who remains unjustly imprisoned along Aster Yohannes and other courageous Eritrean women and men fighters, suffering immensely at the hands of the Eritrean brutes. May the Eritrean people rise up  in their millions and deliver themselves from the rule of the beasts in human clothing.

ተጋዳሊት ሰናይት ደበሳይ: ከም ሽምዓ እናመኸኸት ትዓርብ ዘላ ኮኾብ!!

untitledክቡራት ነበብቲ ደቂ ሓለፍቲ ብገበን ወለዶም ዋላ ተሓተቲ ኣይኩኑ ‘ምበር ብመለኸቲ ዝተዘምተ ሃብቲ ህዝቢን ሃገርን ገለ መዓልኡ ኣበይ ከምዝኾነ ንምግላጽ ይቐርቡ ምህላዎም ክሕብር እፈቱ። ከም ሽምዓ እናመኸኸት ትዓርብ ዘላ ኮኾብ እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተወልደ ሓድሽ ወለዶ እንተዘይኮይኑ ንዓኣ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ኣይክህሉን – ንተጋዳሊት ሰናይት ደበሳይ።
ኣብ ሜዳ ኣብ ክፍሊ ሕክምናን ባህሊ ውድብን፡ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ኣባል ኣመራርሓ ሃማደኤ ከምኡ ‘ውን ሰራሕተና ሚኒስትሪ ቱሪዝም ኮይና ኣገልጊላ። በቲ ፍሉይ ናይ ጊታር ክእለታን ድምጻን ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ኣበርክቶኣ ከም ውልቀ ሰብን ከም ተጋዳሊት ህዝባዊ ግንባር ኣዚዩ ዕዙዝ’ዩ። ክሳብ ሕጂ ካብ ኣእምሮና ዘይሃስስ ምስቲ ውቅብ መልክዓ ጊታራ ሒዛ “ኩሉንትናይ ንዓኺ ንሃገረይ ንህዝብይ” እናበለት ኣብ ባህሊ ውድብ ኮይና ትሓንን ዝነበረት ሰናይት ሎሚ ዘይከም ትማል ኣብ ጸልማት ካርሸሊ ተዳጊና ጽብጽባዕ እንዳዓረብት ትርከብ።
ካብ ሓደ ቤተሰብ ክልተ ውፉያት ገዳይም ተጋደልቲ ታሪኾም ተደብዩ ዘይምሱል መሲሎም ብዘይዝኾነ፡ ምኽንያትን ፍርዳዊ መስርሕን ኣብ ጉድጓድ ተደርቢዮም ምርኣይ ካብቶም ኣብ ዘመነ ስርዓት ኢሳይያስ ብጸሊም ዝስነዱ ታሪኽ ሃገርና ሓደ ‘ዩ። ካብ ኣብራኽ ኣቦይ ደበሳይን ወ/ሮ ለተንኪኤል ንግሩን ዝተወልዱ ተጋደልቲ እርምያስ ደበሳይን ሰናይት ደበሳይን ከም ካልኦት ምዑታት ብጾቶም ካብ ማሙቕ ጎጀኦም ተሓሪፎም ኣብ ጸላም ጎዳጉዲ ካብ ዝዳጎኑ ዓመታት ኣሕሊፎም፡፡ ኣብ 17 ዘመነ ኢሳይያስ ብዘይንሕስያ ሙሉእ ስድራ ብምቕያድ ወለዲ ናብ ጎዳጉዲ፡ ውላድ ናብ ስደት ከቕሰቡ፡ ብምግባር መሰረት ሃገር ዝኾነት ስድራቤት ብምፍራስ መዳርግቲ ዘይብሉ ግፍዕታት ተራእዩ።
ከም ታሪኽ ደቂ ኣቦይ ደበሳይ ብተመሳሳሊ ኣብ በዓል ብርጋዴር ጀነራል ስቲፋኖስ ስዩምን ሓው ኮ/ል ተስፋልደት ስዩምን፡ ጴጥሮስ ሰሎሙንን በዓልቲ ቤቱ ኣስቴር ዮውሃንስን፡ ከምኡ’ውን መሓመድ ሸሮፎን ኣስቴር ፍስሃጽዮንን ምጥቃስ ይከኣል። ንሎሚ ብምኽንያት ማርች 8 ታሪኽ’ቶም ካልኦት ንግዜ ገዲፈ ብዛዕባ ሰናይት ደበሳይ ገለ ክብለኩም፡፡ ድሕረ ባይተኣ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ መገሻ ንኣመሪካ ሓዲጋ ካብ ሱዳን ናብ ህዝባዊ ግንባር ዝተሰለፈት ሓርበኛዊት ተጋዳሊት ሰናይት ደበሳይ ካብ ቀዳም ዕለት 15 ሕዳር 2003 ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ኣብ ካርሸሊ ካሜራ ቁጽሪ 6 ተቐይዳ ትርከብ።
ንመብዛሕትና ስጊንጢር ዝኾነ ምኽንያት መቐዬዲኣ ኣቦ 3 ደቃ ኣምባሳዶር ኤርትራ ኣብ ኬንያ ኮ/ል በየነ ርእሶም (ወዲ ርእሶም) እዩ። ኣብ 2003 ብፋሉላዊ ባህሪያት በየነ ርእሶም ዝተማረረት ሰናይት ደበሳይ ብወግዒ ፍትሕ ሓቲታ ቤት ፍርዲ ትመላለስ ኔራ። ብኣንጻሩ ሰብኣያ ኮ/ል በየነ ርእሶም ብተደጋጋሚ ንጻውዒት ቤ/ፍርዲ ነጺጉ ነቲ ጉዳይ ብዓርኩ ኮ/ል የማነ ኣፈወርቂ (ወዲ ኣፈወርቂ- ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ሓላፊ ዞባ ማእከልን ጸረ ግብረ-ሽበራን ዝነበረ) ክውድኦ እዩ ተረባሪቡ።
ኣብቲ እዋን ሓው ሰናይት ገዲም ተጋዳላይን ኣምባሳዶር እርምያስ ደበሳይ (ፓፓዮ) ከኣ ድሕሪ 7 ዓመት ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ ነይሩ። ሳዕቤናት ኩናት ምስ ኢትዮጵያን ጉዳይ ቀይዲ ኣባላት “ጉጅለ 15ን” ሓያል ስግኣት ስለ ዘሕደረ ብፍላይ ካብ 2001- 2003 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ብስም “ጸጥታን ትሕቲ ሃገራዊነትን” ንዝጠርጠሮ ሰብ ክቕይድ ሙሉእ ሓላፍነት ብቤ/ጽ ፕረሲደንት ተዋሂብዎ ነይሩ። ሰናይትን እርምያስን ከኣ ብጥቆማ ወዲ ርእሶም ኣብ ጠመተ ሃገራዊ ድሕነት ኣትዮም።
ንዕለት 20 ሕዳር 2003 ንጉሆ ናይ ቤት ፍርዲ ቆጸራ እንዳሃለዋ 5 መዓልቲ ቀዲሙ ሓላፊ ሃ/ድሕነት ዞባ ማእከል ዝነበረ ኮ/ል የማነ ኣፈወርቂ (ወዲ ኣፈወርቂ) ንሜጀር ነጋሲ ኪዳነ፡ በርሀ ባሻይን ጎይቶም (ቀይሕ) ዝተብሃሉ ሰለስተ ኣባላት ጉጅለ ዓፈናን ስጉምትን ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኣዚዙ ዓርቢ ዕለት 15/11/2003 ብምስምስ “ተደናጋጺ ጉጅለ 15ን ትሕቲ ሃገራዊነትን” ሰናይት ደበሳይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ። ምስ ኢሳይያስ ካብ ሜዳ ጀሚሩ ጥቡቕ ምሕዝነት ዝነበሮ ሓዋ እርምያስ (ፖፓዮ) ካብ ዝፍታሕ ውሑድ ኣዋርሕ ይግበር እምበር “ገለ ቅሬታታት ክህልዎ እዩ” ተባሂሉ ስለ ዝተጠርጠረ ብኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ ሕቡእ ክትትል ይካየደሉ ነይሩ። ኮ/ል በየነ ርእሶም ነዚ ሃጓፍ ተጠቒሙ ብስም “ትሕቲ ሃገራዊነትን ተደናጋጽቲ ጉጅለ 15ን” ንክልቲኦም ኣሕዋት ዝምልከት ፈጠራዊ ጸብጻብ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት’ውን ኣቕሪቡ’ዩ፡፡ ኣብ ዝንቡዕ ውሳነታት ተሸመመ ኢሳይያስ ንጸብጻብ ኮ/ል በየነ ርእሶም ብቀጥታ ተቐቢሉ ንትግባረኡ ናብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኣውሪድዎ። ትማል እታ “ኩሉ እንትናይ ንዓኺ፡ ንሃገረይ ንህዝበይ!!” እናበለት ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ብምጉስጓስ ንናጽነት ዕዙዝ ተራ ዝተጻወተት ሓርበኛዊት ተጋዳሊት፡ ከም ዘይ ጓል ሃገር ተቆጺራ፡ ሞሶኣ ተሪሲዑ፡ ኣብ ጸላም ተዳጊና፡ ከም ሽምዓ ትመክኽ ኣላ፡፡
ካብ ትእሰር ዛጊት ኣስታት 13 ዓመታት ኮይኑ ብሰሪ ዝወረዳ መግረፍትን ስቓይን ኣብዚ እዋን እዚ ግዳይ ውሽጣዊ ሕማማት ኮይና ኣብ ጥዕናኣ ወሪዱዋ ዘሎ ጸገም ማእለያ የብሉን፡፡ ነብሳ ማህሚኑ እታ ከም ክላሽን ተሓንጊጣ ትሃርማ ዝነበረት ቫይዝ ጊታር ሎሚ ኣይኮነን ክትሕንገጣ ዘይንሳ መሲላ ንገዛእ ነብሳ ካብ መሬት’ውን ክትትስእ ኣይትኽእልን።
ማርች 8 ብደረጃ ዓለም ዝኽበር መዓልቲ ደቂኣንስትዮ’ዩ። ብምኽንያት መዓልቲ ደቂንስትዮ ከም በዓል ሰናይት ደበሳይ ብጣልማይ ኢሳይያስ ታሪኸን ተደብዩ፡ ፈቐዶ ጎዳጉዲ ብእህህታን ስቓይን ንዝነብራ፡ ትሕቲ ህልዋት ተጋደልትን ስውኣትን ብምዝካር፡ ህዝብና ሰሚሩ ንዳግማይ ቃልሲ ንሓርነት ክለዓዓል እላቦ።


2 COMMENTS

  1. It is really sad but this is one out of thouands people in the same situation.if you ask about shalshay brigade saw prisons I donot know what you can think. In hundreds young Eritrean in one hall in that climate. Not toilet now medications….I left my country for good reason. I would like to

    refere you to contact people who have good knowledge of Eritrea . I mean those who came recently. I used to listen your interviews on meskerem. Keep it up and maintain contact with former national service members particularly round 1to 12. For more information

  2. ከም ዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2015 ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣምስተርዳም “ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ፣ ብዙሓት ኣዋልድ ዘይተደላይ ጥንሲ ሒዘን ኣለዋ” ዝብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ወረ ተዘርጊሑ ነይሩ ኢዩ። እዚ ሓደ ኣካል’ቲ ምስሊ ኤርትራን ኤርትራውያንን ንምድዋን ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ኢዩ። ህዝቦምን ሃገሮም ብዝጠለሙ ዜጋታትን፣ ኣብ ድኻምን ጥፍኣትን ህዝቢ ኤርትራ ፍሉይ ረብሓ ዘለዎም ወጻእተኛታትን ድማ ከም ሕሱም ኣጋዊሖሞ። ብእስላማዊ ስነ-ሓሳብን ማእለያ ብዘይብሎም ጂሃዲስትን ዝምወል መርበብ ሓበሬት ተጎርባ ድማ፣ ካብ Google ናይ ሓሶት ስእሊ ኣናድዩ ብምልጣፍን ዘየለሽም ብምስናዕን “ዓለም ዘንቀጥቀጠ ፍጻሜ ክርስትያናት” ክብል ኣንበድቢድዎ።

    ዶክተር ጸጋዝኣብ ናብ Colombo ተቐይሩ፣ መኪናኡ ኣልዒሉ ባሕርን ኩርባን ጠሓሒሱ ኣብ ፈቀዶ ከተማታት ሆላንድ እንዳ ኾለለ ናይ Detective ስራሕ ምብስራሕ፣ እቲ ኩሉ ዝተባህለ፣ ፍጹም ሓቂ ከም ዘይብሉን፣ ዝተፈብረኸ ዛንታ ከም ዝኾነ ብሰፊሑን ብዝርዝርን ከም ጸብጻብ ናብ ህዝቢ ኣመሓላሊፉ። በዚ ድማ ኩሉ ኤርትራዊ ፈታዊ ሃገሩ ኣድኒቕዎን ኣመስጊንዎን። ዶክተር ጸጋዝኣብ እዚ ኹሉ ክገብር ከሎ ግን ሓደ ዘይተረድኦ ነገር ነይሩ። ዝየለን ዘይተግብረን ፍጻሜታት ቤተክርስትያን ኣምስተርዳም ክጋዋሕ ዝገበሩ ሰባት ኣካላት “ደምበ ተቓውሞ” ምዃኖም ምዝንግዑ ኢዩ። ንነብሱ ከም ኣባል “ደምበ ታቓውሞ” ዝሰርዓ ዶተረ፣ ኣንጻር ሰልፉ ነዊሕ ተጓዒዙ። ካብ’ዚ ዝገደደ ድማ ረስኒ ተቛመርቲ ሰማይ ዘዕረገ ጽሑፍ ዘርጊሑ። “ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተስገደደ ክልተ ማዕቀባት፣ ካብ ፖለቲካዊ ቅማረታት ምዕራባውያን ሃገራት ዝተበገሰ’ዩ” ክብል ጽሒፉ። እዚ ንኹሎም ልኡኻት ሳጥናኤል ሓፍኮፍ ኣቢሉ ማእለያ ዘይብሉ ኣሉታዊ ግብረ መልሲ ድማ ኣስዒብሉ። ክሳብ “ህግደፍ ኢኻ” ኢሎሞ። ናዝ የማነ ኣብ መደቡ ጸዊዑ ንዶክተር ጸጋዝኣብ ቃለ-መሕትት ከግብሮ ክዕድሞ ከሎ፣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከዋርዶ ኢሉ’ምበር ብዛዕባ ፍጻሜታት ቤተክርስትያን ኣምስተርዳም መብርሂ ደልዩ ኣይነብረን። ከም’ቲ ኩሉ ዝሰምዖ ድማ ንዶክተር ጸጋዝኣብ ከዋርዶ ፈቲኑ።
    በዚ ዝተሰናበደ ዶተረ፣ ሓቂ ክገልጽ ስለ ዝፈተነ ማኣዝኑ ስሒቱ ሸታሕታሕ ዝብል ዘሎን ኣብ ደምበ ሃገራውነት ዝጽምበር ዘሎ ስለ ዝመሰሎን፣ እግሩ ስሒቡ ናብ ደምበ “ተቓወምቲ” ገጹ ክሳግም ነዊሕ ግዜ ኣይወሰደሉን። እዚ ሕጂ “ሚስጢራዊ ሰነዳት በጺሑኒ” ኢሉ ዘርጊሕዎ ዘሎ ብላሽ ታሪኽ፣ ቀቅድሚ ናብ ዶተረ ምብጽሑ፣ ሓደ “ብሳክቲዝም” ዝፍለጥ “ሳክት” ዝኾነ ሰብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘርጊሕዎ ነይሩ’ዩ። እዚ ከም’ዚ ዝመሰለ ጽሑፋት ክዝርግሑ ሎሚ ናይ መጀመርትኦም ኣይኮነን። በዓል ወዲ ዳፍላ ኣፎም ክሳብ ዝደሚ ሓተላ ዝኾነ ዘይልከፍ ዛንታታት ኣስሚዖምና ኢዮም። በረኸት ደሳለኝ “ታሪኽ ገድሊ ኤርትራ ታሪኽ ሽፍትነት ካብ ምዃን ዝሓልፍ ኣይኮነን” ክብል ብጋህዲ ዓፊሩ ኢዩ። ኣይሓዝናሉን፣ ናብ እንዳብኡ ናብ ኢትዮጵያ ክሕውሰና ዕላማ ስለ ዘለዎ። ናይ ሎሚ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር እንተሎ ኮይኑ ግን “መርድእ” ጸይሩ ምምጽኡ ጥራይ ኢዩ። ሓደ ዝተለማመድናዮ ሓቂ ግን ኣሎ፣ ዓሚ እቶም ሃገራውያን ንመበል 24 ዓመት መዓልቲ ናጽነትና ብኽብ ዝበለ ኣገባብ ከነብዕል ከለና፣ እቶም ህዝቦምን ሃገሮምን ኣብ ዕዳጋ ዘውረዱ ባእታታት ግን፣ ሽምዓ ብምውላዕ ተኾርምዮም ኣሕሊፎማ። ሎሚ ዓመት ንመበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮበልዩ ንምጽንባል ብፍሉይ ንቀራረበሉ ኣብ ዘለና እዋን ድማ፣ ቆለኦም ዝተላዕሎም ደቂ ኣንድነት “ኣሻፈረይ” ብምባል ንጽብል ብሩራዊ ኢዮበልዩ ንምድዋን፣ ሳምንታት ኣብ ዘተረፈሉ ግዜ “መርድእ” ክዝርግሑ ፈቲኖም።

    ታሪኻዊ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ንምድዋንን ዘይመልክዑ ንምትሓዝን ፈኸም እንዳ በለን ብዘገምታን ክመጽእ ዝጸንሐ ሓደገኛ ፕሮፓጋንዳ፣ ትማሊ ስዋኣትና ብምቁሻሽ መዕለቢ ገይሮሙሉ ኣለዉ። እቶም ኣዚና እንሕበነሎምን እንኾርዓሎምን፣ እቶም ነታ እንኮን መወዳድርቲ ዘይብላ ህይወቶም ዝወፈዩ፣ እቶም “ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ” እንዳበሉ ከም ጽምብላሊዕ ናብ መጋርያ ሃልሃልታ ዝተደቕደቑ፣ እቶም ምስ ኣእዛን ዘደንቁር ጭርባሕባሕ ናይ ሓጻዊን ፊተፊት ገጢሞም ኣካላቶም ዝተመታተሩ፣ እቶም ጠዋሪ ዘይብሎም ቤተሰብ ገዲፎም “ናጽነት’ዩ ዓስብኹም” እንዳ በሉ ዘይተመልሱ ሰማእታትና፣ ብእልፊ ደቂ ጦርን ደቂ ኣንድነት ኣብ ቃልዕ ተዘሊፎም። ኣደ ስውኣት፣ ደቂ ስውኣትን ኣንስቲ ስውኣትን ኣብ ግምት ከየእተኻ ከም’ዚ ዝበለ ድፍረት ተፈጺሙ! እዚ ኹሉ ዕንደራ ንሓደ ዕላማ’ዩ፣ ኤርትራ ኣብ መልሕቕ ኢትዮጵያ ንምልሓቕ!! ነዚ ንምግባር ድማ ብወያነ ተመዊሉ ብደቂ ኣንድነት ዝምራሕ ናይ ፕሮፓጋንዳ ዕስለ፣ ኣብ ልዕሊ’ዞም ብዕሸላቶም ዝስደዱ ዘለዉ ህጻናት ጌጋ ታሪኽ ምስራጽ ኢዩ። ብታሪኽ ኣቦታቶምን ኣያታቶምን ኣብ ክንዲ ዝኾርዑ፣ ትርጉም ዘይብሉ ህልቂት ከም ዘካየድናን ናብ ዓባይ ኢትዮጵያ ምጽንባር ከም ዘድልየና ንምእማኖም ዝግበር ዘሎ ሰይጣናዊ ወፍሪ ኢዩ። እታ ምስ ገለ ዝተሃመሉ ዜጋታት ተራኽቦም ዝነበረት ገመድ ግን ስዋኣት ብምዝንጣል በቲኾማ ኣለዉ። ጽባሕ’ውን ካልእ ንህዝቢ ኤርትራ ብገበን ዘሕትት ጽሑፋት ከነንብብ ምዃንና ዘጠራጥር የሎን። ደቂ ኤረይ! እቶም ኣኻልብ ውሕ-ዉሕ ካብ ምባል ስለ ዘየቁርጹ ገመልና እንዳጎተትና ጥራይ ንቕድሚት!! ሰናይ እዋን ናጽነት ይግበረልና! ዓወት ንሓፋሽ ድማ!!!
    መብራህቱ ተወልደ

LEAVE A REPLY