Mdre Bahri Strongly Condemns the Barbaric Act of ISIS Against Innocent Christian Eritreans!!

ስድራቤት ብዳዒሽ ናይ ዝተቐትሉ ኤርትራውያን ይርድኡ ኣለዉ

ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ኣብ ሊብያ ናይ ዝቐተሎም ኤርትራውያን ስድራቤታት ይርድኡ ኣለዉ። እቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ዝጨወዮም ስደተኛታት ክትሃድሙ ፈቲንኩም ንዝበሎም ብውሕዱ 10 ኤርትራውያን ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ከምዝቐተሎም ነቲ ፍጻሜ በዒንቶም ዝተዓዘቡ ኤርትራውያን ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።  

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ከኣ፣ ስድራቤታት ናይ ገለ ካብቶም ግዳያት ዳዒሽ ዝኾኑ ኤርትራውያን ተረዲኦም ምህላዎምውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ዛጊት ተረኺቡ ዘሎ ኣስማት ናይቶም ብዳዒሽ ዝተቐትሉ፣ወጊሑ፣ ተስፊት፣ ስምኦን፣ ሮቤልን ተኽልኣብን ካብ ከባቢ ዓዲ ቀይሕ ክኾኑ እንከለዉ፣ ሰዓረን ኢሰያስን ካብ ከባቢ መንደፈራን ቴድሮስን መሓርን ዝተባህሉ ከኣ ካብ ከባቢ ኣቑርደትዮም ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ኣብ ወርሒ ሰነ፣ ሓምለን ነሓሰን ጥራይ ኣስታት 200 ኤርትራውያን ኣብ ሊብያ ጨውዩ ከምዘሎ ክግለጽ ምጽንሑ ይዝከር። እቲ ጉጅለ፣ ኣቐዲሙ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ናይ ዝቀተሎም 28 ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ቪድዮ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ናይ 2015 ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓያል ቁጠዐ ምፍጣሩ ኣይርሳዕን።