Reaction from a Reader to: ተጋዳላይ ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቦኻን ኣዴኻን ከይትትኵስ ሓደራ!!

ነዚ ዝጸሓፈ ካብ ነዊሕ ግዜ ሓንጎሉ ዝደስከለ ክኸውን ኣለዎ። ዶተረ ናትካ ጽሑፍ እንተድኣ ኮይኑ ነዚ ክትጽሕ ሕማቕ ማዓልቲ ውዒልካ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኩሉ ኣህዛብ ንላዕሊ ህዝባዊ ናዕቢ እንታይ ሳዕቤን ከምዘኸትል ዝፈልጥ ለባም ህዝቢ ኢዩ። ኣብ ናዕቢ ተሸሚመን ዘለዋ ሃገራትከ እንታይ ረብሓ ረኺበን? እንትርፎ ሞትን፡ ዕንወትን፡ ስደትን።እሞ ህዝቢ ኤርትራ ድኣ ንመን ረብሓ ኢሉ ባዕሉ ገዝኡ ንከዕኑ ዝዕደም? ንናይ ሳይበር ኣናብስ? ወይስ ንመጋበርያ ባዕዲ? ሕልሚ ኢዩ።