Should Personal Matters be brought to The Court of Public Opinion?

I am bringing this matter to the attention of readers because I want people to give freely their opinion whether this issue is of any interest to the public other than to those self-appointed human right campaigners actively involved in power struggle and corrupt practices- such as in accusing and blackmailing each other.

Mdre Bahri!

ንወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም ተገፍዑልና!
ቅሉዕ መልእኽቲ ንኹሎም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ

ንሕና ዳንኤል ረዘነ፣ ሜሮን እስቲፋኖስን ሰላም ኪዳነን ዝተበሃልና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ነዚ ቅሉዕ መልእኽቲ’ዚ ብመልክዕ ሓባራዊ መግለጺ፡ “ንወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም ተገፍዑልና!” ብዝብል ተሪር ጻውዒትን ምሕጽንታን፡ ናብ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ነቕርብ ኣለና።
ነዚ መግለጺ እዚ በዚ ሕጂ ቀሪብዎ ዘሎ ኣቀራርባ ነውጽኦ ምህላውና፡ ንዓና ንባዕልና ዝስመዓና ዘሎ መሪር ሓዘን ወሰን የብሉን። እንተኾነ ግን፡ ካብዚ ዝሓሸ ፍታሕ ስለ ዝሰኣና ጥራይ ነዚ ተፊሩና ዘሎ እንኮ ኣማራጺ ክንወስድ ከም እተገደድና፡ ኩሎም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ክርድኡልና ንምሕጸን።
ብርግጽ፡ ኣብ ጽባሕ ናይቲ ብዕለት 26 ሰነ 2015 ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ ዝጨበጥናዮ ናይ ሓባር ኣንጻባራቒ ዓወት፡ ነዚ መግለጺ እዚ ነውጽእ ምህላውና፡ ኣዝዩ መሪር ተሞክሮ ምዃኑ ክንሓብእ ኣይንኽእልን። እንተኾነ ግን፡ ልቢ ምዕባይ ዝመንቀሊኡ ናይ ነዊሕ እዋን ስቕታና ናብዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለና መሪር ተሞክሮ ኣብጺሑና ምህላዉ ብዕምቆት ድሕሪ ምምዛን፡ ነዚ ዝስዕብ ጉዳይ ናብ መጋባኣያ ህዝባዊ ርእይቶ (court of public opinion) ከነቕርብ ተገዲድና ኣለና።
ቀንዲ መንቀሊ ጉዳይና፡ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍና ብወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም ኣብ ዝተፈለላየ እዋንን ብዝተፈላለየ መልክዕን፡ ብግሁድን ዘይግሁድን ኣገባባት፡ ክካየድ ዝጸነሐ ኣዝዩ ተመሳሳሊ መጥቃዕትታትን ተጻብኦታትን፡ ካብ ዝግብኦ ንላዕሊ ስለ ዝኸደ፡ ድሕሪ ደጊም ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበርናዮ “ልቢ ምዕባይ” ብዝብል ዘየዐወትና ኣካይዳ ሸፋፊንናዮ ክንሰግርን ክንቅጽልን ኣብ ዘይንኽእለሉ ደረጃ ስለ ዝበጻሕና ኢና። ተገዲድና ኣብ ቃልዕ ወጺና ንዛረብ ኣለና። “ናይ ቃልሲ ብጸይትና’ያ’ሞ፡ ምስ ግዜስ ልቢ ትገብር ትኸውን ግዲ፡ እተዘይገበረት ድማ እቲ ጉዳይ ግዜ በሊዑ ይዓርፍ ይኸውን” ኢልና ዘርኣናዮ ናይ ነዊሕ እዋን ዓቕልን ትዕግስትን ተጸንቂቑና። ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት፡ ከስምዑዋ ይኽእሉ እዮም ኢልና ዝተዛረብናዮም ሰባት፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ተዛሪቦማ ከብቅዑ፡ ኣዝዩ ፍሉይ ተጻባኢ ባህርያታ ክንዲ ዝግታእ መመሊሱ ስለ ዝገደደ፡ እነሆ ነዚ ቅሉዕ መልእኽቲ እዚ ንጽሕፍ ኣለና።
ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት፡ ብዝተፈላለየ ኣገባባት፡ ከከም ውልቃዊ ተሞሮክናን ጉዳያትናን ስምናን ጽቡቕ ስነ-ምግባርናን ከተነውርን ከተጸየፍን ብግሁድን ዘይግሁድን ኣገባባት፡ ኣብ ሞንጎ ፈትውትናን መሳርሕትናን፡ ብሁልን ዘይብሁልን ወረታት ከም ዝላኻዕ ብምግባር ወይ ባዕላ ብምልኻዕ፡ ብዝተፈላለየ ኣገባባት፡ ብዙሕ ኣጥቂዓትናን ኣሰኪሓትናን ኢያ። እቲ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍና ብዝተፈላለየ መገዲ ዝፈጸመቶ በደላት ኣዝዩ ተመሳሳልን ሓደ ዓይነት መንቀልን ስለ ዘለዎ ኢና ድማ ብሓባር ኮይንና ዓገብ በሉልና ክንብል ዝወሰንና።
ክሳብ ሕጂ ኣብ ኢድና ኣትዩ ብዘሎ መርትዖታት መሰረት፡ ኣብ ሕጋዊ መጋባኣያ ከይተረፈ ቀሪብና ክንምጉተሉን ክንረትዓሉን ዘኽእለና ሰረት ከም ዘለና ዘይንዝንግዖ’ኳ እንተኾነ፡ እዚ ኣማራጺ እዚ ብሕጂ ምስ እተርእዮ ጠባያት ተዛሚዱ ዝኸይድ፡ ከመይነቱ ድማ ከከም ኣድላይነት ምስ ግዜን ኩነታትን እንዳመዘናዮ ንኸይድ ጉዳይ እዩ። ንግዚኡ ግን፡ ግቡእ ፍርዳዊ መስርሕ ናይ ምጥቃም መሰልና ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ በቲ ሕጂ ይጥዕመና ዝበልናዮ ኣገባብ፡ ጉዳይ ኤልሳ ጭሩም ናብ መጋባኣያ ህዝባዊ ርእይቶ (court of public opinion) ከንቕርቦ ወሲንና።
ክስና ጭቡጥን ጥሉልን ዘረባ መታን ክኸውን፡ ዕለትን ቦታን ትሕዝቶ ዘረባታትን እንዳጠቐስና፡ ብጭቡጥ ኢድ ኤልሳ ጭሩም ኣለዎ ኢልና ዝኣመንናሉን ዘረገጋጸናዮን ናይ ተጻብኦ ኣብነታት ጥራይ ክንጠቅስ ኢና። እቲ እልቢ ዘይብሉ ካልእ ናይ ተጻብኦ ኣብነታት፡ ንኸመይነት ኣጠቓቕማ ምንጭታት ሓበሬታና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብፍላይ ድማ ገለ-ገለ ሓበርትና ንግዚኡ ኣስማቶም ብጽኑዕ ክዕቀበሎም ብዝሓተቱና መሰረት፡ ዓቂብናዮ ክንጸንሕ ንመርጽ። ዘድሊ ሕጋዊ መስርሕ ዝጠልቦ ኩነታት ምስ ዝፍጠር ድማ ኩሉ ዝርዝር ክሕበር ምዃኑ ነረጋግጽ።
ኤልሳ ጭሩም ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ብዝተፈላለየ መገድን ኣብ ልዕሌና ዝፈጸመቶ በደላት፡ እንተወሓደ ክሳብ 2009 ናብ ዝነበረ ግዜ ዝምለስ ዝተፈላለየ ፍጻመታት ዘጣቓለለ ኮይኑ፡ ኣብዚ መግለጺ እዚ ንጠቕሶ ዘለና ኣብነታት ግን ገለ ውሱን ካብቲ ብዙሕ በደላት እዩ። ብናይ ቀረባ እዋን ተሞክሮ ክንጅምር ኢና።
ንዳንኤል ረዘነ ዝምልከት ተጻብኦታት
1ይ ኣብነት፡- ብዕለት 1 ሓምለ 2015፡ ኤልሳ ጭሩምን ዳንኤል ረዘነን ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ተራኺቦም፡ ንገለ ደቓይቕ ተዘራሪቦም። ቀንዲ መዛረቢ ነጥቢ፡ ኤልሳ ጭሩም ኣብ ልዕሊ ዳንኤል ዘቕረበቶ፡ እዱብ ኣቀራርባን ቃናን ዘይነበሮ ክሲ’ዩ ዝነበረ። ምስ ምዝርጋሕ ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተተሓሒዙ፡ ካብ ዕለት 8 ሰነ 2015 ጀሚሩ ዳንኤል ኣብ ዘካየዶ ዝተፈላለየ ናይ ሜድያ ቃለ-መጠይቓት ዘተኮረ ዘረባ’ዩ ዝነበረ። ኣብቲ ዝርርብ ምርድዳእ ስለ ዘይነበረ፡ ዳንኤል ረዘነ ነቲ ኤልሳ ጭሩም ትብሎ ዝነበረት ክስን ምስኡ ኣተኣሳሲራ ዘቕረበቶ ዘይምኽኑይ መሲሉ ዝተራእዮ ጠለብን ኣይቅበሎን’የ ምስ በላ፡ “ … ከምኡ እምበኣር ኢልካ! ንስኻ’ኮ ብቐደሙ ውን ኤርትራዊ ኣይኮንካን። ጉዳይና ከተበላሹ ዝተለኣኽካ ኢትዮጵያዊ ምዃንካ ድማ ከቃልዓካ’የ” ብምባል ፈኪራትሉ ከይዳ።
ሰሙናት ድሕሪ እዚ ፍጻመ እዚ፡ መስከረም.ኔት ዝመርሖ፡ ከቢድ ናይ ጠቐነ ወፍሪ ኣንጻር ዳንኤል ረዘነ ካብ ዕለት 22 ሓምለ 2015 ጀሚሩ ይካየድ ኣሎ። ሕመረት ናይቲ ተጻብኦ ድማ “ዳንኤል ረዘነ ኢትዮጵያዊ ስለ ዝኾነ ካብ ቃልሲ ይተኣለ” ዝብል’ዩ። ዳንኤል ረዘነ ካብ ኤርትራዊ መበቆልን ኢትዮጵያዊ መበቆልን ዘለዎም ወለዲ ዝውለድ ምዃኑ ምስጢር ኣይኮነን። እዚ ግን ንኤርትራውነቱ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ነገር ከም ዘይኮነ ፍሉጥ ክነሱ፡ እቲ ናይ ዘለፋ ወፍሪ ሒደት ሳምንታት ድሕሪ እቲ ኤልሳ ጭሩም ንዳንኤል ዝተዛረበቶ ዘረባ ምምጽኡ ብዙሕ ሕቶታት ዘለዓዕል ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ።
2ይ ኣብነት፡- ብዕለት 4 ሰነ 2015፡ ኤልሳ ጭሩምን ዳንኤል ረዘነን ኣብ ጀኔቫ ተራኺቦምሉ ኣብ ዝነበሩ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ብጉዳይ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ (ናይ ዕለት 26 ሰነ 2015) ከምኡ ውን ንዕማማት መርማሪት ኮምሽን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ድሕሪ ዘካየድዎ ዝዝርብ፡ ኣብ ገለ-ገለ ነጥብታት ምርዳዳእ ከም ዘይነበሮም ግሁድ ኮነ። ድሕሪ እቲ ዝርርብ ብሰላም ተፈላላዮም ከብቅዑ፡ ትሕዝቶ ናይቲ ዘየሰማማዖም ነጥብታት ከም ዘለዎ (ምስ ገለ ተወሳኺ ሓሳባት)፡ ድሕሪ ገለ መዓልታት፡ ማለት ብዕለት 13 ሰነ 2015፡ ኣብ ፈይስቡክ “ጎደፍ ቤሎ” ብዝብል ናይ ብርዒ ስም ተለጢፉ። ብዛዕባ እቲ ጎደፍ ቤሎ ኣብ ጽሑፉ ዝዘርዘሮ ኣብ ጀኔቫ ድማ ዳንኤልን ኤልሳን ዝተዘራረብሉ ነጥብታት፡ ብዘይካ ምስ ኤልሳ ጭሩም ዳንኤል ረዘነ ምስ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣይተዘራረበን። ስለ ዝኾነ ድማ፡ እቲ ሓበሬታ ከም ዘለዎ ምስ ገለ ተወሳኺ ሓሳባት ብናይ ብርዒ ስም ምውጽኡ ብዙሕ ሕቶታት ዘለዓዕል ኮይኑ ተረኺቡ። ብስም ኣልማዝ ቢትወደድን ካልእ ናይ ብርዒ ኣስማትን ዝጸሓፍ ዝነበረን ዘሎን ዘረባታት ንግዚኡ ክንሰግሮ ኢና።
3ይ ኣብነት፡- ምስቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ክልተ ፍጻመታት (ብፍላይ ምስቲ ናይቲ ዕለት 1 ሓምለ 2015) ቀጥታዊ ምትእስሳር ብዘለዎ ናይ ፍጻመታት ምዕብልና (development of events)፡ ብዕለት 3 ነሓሰ 2015 ኤልሳ ጭሩም ኣብ ልዕሊ ዳንኤል ረዘነ ዝቐንዐ ወግዓዊ ግን ከኣ ዘየድሊ ክሲ ናብ መርማሪት ኮምሽን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪባ። ካብ መርማሪት ኮምሽን ገና ምላሽ ዘይተወሃበሉ ክሲ ስለ ዝኾነ፡ ትሕዝትኡ ንግዚኡ ክንገልጾ ኣይንኽእልን። ነቲ ዝካየድ ዘሎ ተጻብኦ ናብ ዝበረኸ ጥርዚ ንምብጻሕ ዝቐጸለ ዘይቅዱስ ተግባር ምዃኑ ግን ኣይከሓድን።
ምስዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ነጥብታት ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘለዎ’ኳ እንተዘይኮነ፡ መርማሪት ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዕለት 23 ሰነ 2015 ብዘጸሓፈቶ ደብዳቤ መሰረት፡ ንጸጥታዊ ውሕስነት ዳንኤል ረዘነን ሓዳሩን ብዝምልከት ዘይተደላዪ ምዕባለታት ስለ እተኸስተ፡ ዝምልከቶም መንግስታውያን ኣካላት ናይ ስዊዘርላንድ፡ ነቲ ጉዳይ መርሚሮም፡ ዘድሊ ዘበለ ሕጋዊ ስጉምታት ክወስዱ (ከከም ኣድላይነቱ ውን ሓለዋ ክህቡ) ዝጠልብ ወግዓዊ ምሕጽንታ ቀሪቡ ኣሎ። እቲ ዘድሊ ሕጋዊ ስጉምታት ውን ይወሰድ ኣሎ። ነዚ ጉዳይ እዚ ዝምልከት ብዕለት 25 ሰነ 2015 ብቤት ጽሕፈት ፖሊስ ጀኔቫ ዝተጻሕፈ ሰነድ ውን ኣሎ። እዚ ወግዓዊ ሰነዳት’ዚ ኣድላይነቱ ተመዚኑ ናብ ህዝቢ ዝዝርግሓሉ መገድታት ኣብ ምፍታሽ ከም እንርከብ ክንገልጽ ንፈቱ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣፋፊ ሃዋሁ፡ ብዝኾነ ኣካል ዝግበር ተወሳኺ ሸርሕታት፡ እንሓንሳብ ክበጽሖ ዝደሊ ጥርዚ ምግማቱ ዘጸግምን ብሕልና ወዲ ሰብ ክትሓስቦ ዝኸብድን ተጻብኦታት፡ ካብ ዝመጸ ይምጻእ ከቢድ ሕጋዊ ሳዕቤን ከኸትል ዝኽእል መዘዝ ከም ዘለዎ ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ።
4ይ ኣብነት፡- ነዚ መግለጺ እዚ ኣብ ነውጸሉ ዘለና ህሞት ከይተረፈ፡ ኣንጻር ዳንኤል ረዘነ ውሽጢ-ውሽጢ ዝዘውርን ዝላኻዕን ኢመይላትን መልእኽታትን ከም ዘሎ ውን በጺሕናዮ ኣለና። እቲ ዘሕዝን፡ ገለ ካብዚ ኢመይላት እዚ፡ ኣብ ንቡር እዋን ኣብ ሞንጎ ዳንኤል ረዘነን ኤልሳ ጭሩምን ጥራይ ዝተገብረ ርኽክብ ክነሱ፡ ሕጂ ነገራት ስለ ዝተቐየረ ኣንጻር ዳንኤል ረዘነ ንዝእለም ውዲት ይሕግዝ’ዩ ተባሂሉ ዝብተን ዘሎ ምዃኑ’ዩ።
ንሜሮን እስቲፋኖስ ዝምልከት ተጻብኦታት
1ይ ኣብነት፡- ኤልሳ ጭሩም ብዕለት 12 ጥሪ 2012፡ ናብ ሓደ ንግዚኡ ስሙ ምጥቃስ ዘየድሊ፡ ኣብቲ ንሶማልያን ኤርትራን ዝምልከት መስርሕ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ዝሰርሕ ዝነበረ ሰብ፡ ኣብ ዝጸሓፈቶ ኢመይል፡ ኮነ ኢላ ንቕንዕናን ሰናይ ስነ-ምግባርን ሜሮን እስቲፋኖስ ኣብ ከቢድ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ጽሑፍ ጽሒፋ። ቃል ብቓሉ ክትርጎም እንከሎ፡ ኣብቲ መልኽእቲ ከምዚ ዝስዕብ ኢላ፡- “ብዛዕባ ንስኻ ትሰርሖ ብዙሕ ሓበሬታ ከይትህባ ተጠንቀቕ [ንሜሮን ማለታ’ያ]። ካብኣ ብዝከኣል ብዙሕ ኣክብ … ክትረከበሉ እትኽእል ሓበሬታ (contact details) ኣነ ከም ዝሓበርኩኻ ንገራ” ኢላ ጽሒፋ። ተቓልዒ ክብላ፡ እቲ መልእኽቲ ናብቲ ዝተባህለ ሰብ ክትጽሕፎ እንከላ፡ ብጌጋ ናብ ሜሮን እስቲፋኖስ እንኮላይ ስለ ዝቐድሓቶ፡ እቲ ሰነድ ብጭቡጥ ኣብ ኢድና ዘሎ መርትዖ እዩ።
2ይ ኣብነት፡- ብዕለት 28 ነሓሰ 2011፡ ኤልሳ ጭሩም ናብ ሓደ ኤርትራዊ ኣብ ዝጸሓፈቶ ናይ ኢመይል መልእኽቲ፡ ሜሮን እስቲፋኖስ ንግዳያት ሲናይ ንምሕጋዝ ትገብሮ ዝነበረት ኣበርክቶ ኣመልኪቱ እቲ ሰብ ንዝጸሓፎ እወታዊ ርእይቶ ብምቅዋም፡ ኣዝዩ ተጻባኢ ብዝኾነ ኣጸሓሕፋ፡ “ከምኡ ዓይነት ርእይቶ ክትህብ የብልካን” ዘስምዕ ዘይምኽኑይ ምጉብዕባዕ ጌራትሉ። እቲ ሰብ፡ ንሜሮንን ንሓምዲ ኣል ዓዚዚን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ንግዳያት ሲናይ ኣብ ዝርኢ ስርሓት ካብዞም ክልተ ሰብ ንላዕሊ ኣፍልጦ ዘለዎ ሰብ ኣይረኣኹን ክብል ንዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣዝዩ ተጻራሪ፣ ዘይምኽኑይ፣ ንዘይተደልየ ምፍጣጥ መገዲ ዝኸፈተ ዘይሓላፍነታዊ ግብረ-መልሲ ሂባ። እቲ ብዛዕባ ሜሮን እስቲፋኖስ ዝተውሃበ ርእይቶ ስለ ዘይተበርሃ ድማ፡ “Not all activists have the opportunity to broadcast their work on satellite radio” ዝብል ርኡይ ንተጻብኦ ዝዕድም ርእይቶ ሂባ። እዚ ማለት፡ ኩሉ ተቓላሳይ ስርሑ ከም ናይ ሜሮን እስቲፋኖስ ብናይ ሳተላይት ራድዮ ክቃለሓሉ ዕድል ይረከብ’ዩ ማለት ኣይኮነን ዝብል ዘይተደላዪ ኣሽሙር ዝሓዘለ ዘረባ’ዩ።
3ይ ኣብነት፡- ንግዚኡ ምስጢራውነቶም ክዕቀበሎም ዝሓተቱና ምንጪ ሓበሬታና፡ ጠለቦም ከነማልእ ክንብል ዕለቱን ቦትኡን ክንጠቕሶ ዘይንደሊ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ንዝተፈላለዩ ሰባት ዝተነግረ ጽዑቕ ናይ ጸለመ ጎስጓሳት ኣንጻር ሜሮን እስቲፋኖስ ከም ዝነበረ ንጠቅስ። ገሊኡ ክስታትን ጠቐነታትን ኣብዚ ምድጋሙ ውን ኣዝዩ ኣጸያፊ’ዩ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ራድዮ ኤረና ዘለዉ ዳርጋ ኩሎም መሳርሕቲ ሜሮን እስቲፋኖስ ዝሰማምዕሉ፡ እንተስ ንሜሮን ካብ ራድዮ ኤረና ንምብርቋቕ፡ እንተስ ንኻልእ ዕላማታት ብቴሌፎን ከይተረፈ ዝግበር ተጻብኦታትን ጹዑቕ ናይ ጸለመ ጎስጓስን ውን ማእለያ ዘይብሉ ምዃኑ ጥራይ ምጥቃስ እኹል’ዩ። ሕመረት ትሕዝትኡ ሜሮን ሓሳዊት’ያ’ሞ ኣይትእመንዋ ዝብል’ዩ።
ንሰላም ኪዳነ ዝምልከት ተጻብኦታት
1ይ ኣብነት፡- ብዕለት 25 ሰነ 2015፡ ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዳልዩ ኣብ ዝነበረ ጎናዊ መደብ (side event)፡ ብዘጋጠመ ቴክኒካዊ ጸገም፡ ናይ ትካለይ ሎጎ ወይ ኣርማ ኮነ ኢልኪ ከም ዘይሕተም ጌርኪ ብዝብል ሰበብ፡ ኤልሳ ጭሩም ንሰላም ኪዳነ “ኣብ ቅድሚ ሓሰን ሽረ ከዛርበኪ እደሊ’የ” ብምባል፡ ብሁልን ዘይብሁልን ተዛሪባ። ሓሰን ሽረ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ተገዳስነት ዘለዎ ሶማልያዊ’ዩ። ንኤልሳ ጭሩም ዘዛርባ ዝነበረ ጸገም ምስቲ ዝነበረ ጻዕቂ ስራሕን ሕጽረት ግዜን ዝተኸስተ ጉድለት ምዃኑ ርዱእ’ዩ ኔሩ። ሰላም ኪዳነ ነዚ ከተረድእን ይቕረታ ክሓትትን ንዘርኣየቶ ሰናይ ተበግሶ ብምጽራር፡ ቅድሚ ሕጂ ንዘነበረና ናይ ነዊሕ እዋን ዘይምርድዳእ ምርኩስ ብምግባር ክትጎድእኒ ኢልኪ ትገብርዮ ዘለኺ ተንኮል’ዩ ብዝብል ኣጉል ጥርጠራ ብምኽሳስ፡ ብኣንጻሩ ሰላም ኪዳነ ንዝነበረን ናይ ነዊሕ ግዜ ዘይምርድዳእ ንምፍዋሱ ብዝተፈላለየ መልክዕ ክትወስዶ ዝጸንሐት ሰናይ ተበግሶታት ዝርምስ ዘይሓላፍነታዊ ዘለፋን ጸርፍን ኣብ ቅድሚ ሓሰን ሽረ ኣዝኒባትላ።
2ይ ኣብነት፡- ኣብ ግንቦት 2012፡ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ናይ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (EYSC)፡ ሰላም ኪዳነ መደረ ትገብር ኣብ ዝነበርትሉ እዋን፡ ኤልሳ ጭሩም ካብ ስነ-ምግባር ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብ ንሰላም ዘረባኣ ኮሊፋ ከም ዘይትቕጽል ጌራታ። ናይ ሕቶን ርእይቶን ግዜ ክህሉ’ዩ’ሞ በጃኺ ተጸመምኒ ኢላ ሰላም ንዘቕረበቶ ምሕጽንታ ኤልሳ ክትሰምዖ ስለ ዘይከኣለት፡ ወደብቲ ናይቲ ዋዕላ ውን ውራዮም ክውግኑ ይግባእ ስለ ዝነበረ፡ ሰላም ከተቋርጽ ተገዲዳ ካብ መድረኽ ወሪዳ። ብድሕር’ዚ ፍጻመ’ዚ ብስዉር ብዛዕባ ሰላም ተካይዶ ናይ ጸለመን ስም ምኽፋእን ጎስጎስ ብዝገደደ ተዓጢቓትሉ። ኣብ ሎንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ነባራትን ለባማትን ተቓለስቲ ነቲ ጉዳይ ክኣትውዎን ክዓርቅወንን ብዝብል ሓሳብ ሰላም ዘካየደቶ ጻዕሪ ኣይተዓወተን። ሰላም ኪዳነ ጌጋኣ ብንጹር እንተተንጊራ ክሳብ ይቕረታ ምሕታት ክትበጽሕ ምዃና ሓቢራ ከተብቅዕ፡ ክትሰምዓና ስለ ዘይከኣለት በጃኺ ንስኺ ተዓገሲ፡ ኣብ ስራሕኪ ጥራይ ድማ ኣድህቢ ተባሂላ።
3ይ ኣብነት፡- ኣብ 2013 ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝነበረ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ቅድሚ ነባራት ተቓለስቲ፡ ኤልሳ ጭሩም ምስ ሰላም ኪዳነ ዘለዋ ጸገም እንታይ ምዃኑ ክትነግር ብሰላም ምስ ተሓተት፡ ን20 ደቓይቕ ዝኸውን፡ እንኮላይ ንውልቃዊ ክብሪ ሰላም ኪዳነ ዝደፍር ጸርፍን ዘለፋን ኣውሪዳትላ። ካብዚ ዝሓልፍ ጥሉል ክሲ ኣይነበራን። ለባማት ብዝመዓድዋ መሰረት፡ ሰላም ኪዳነ ንነገራት ሸለል ክትብል’ኳ እንተፈተነት ኣይሰለጠን። ብኮር ተገልበጥ፡ ኣንጻር ሰላም ኪዳነ ብኤልሳ ጭሩም ዝካየድ ናይ ጸለመ ጎስጓስ ፈጺሙ ኣየቋረጸን። ኣብ ቅድሚ በዓል ዶ/ር ብርሃነ ኣስመላሽን ኣቶ ፍቓዱ ኣብራሃን ንውልቃዊ ባህርያት ሰላም ኪዳነ ኣመልኪታ ዝተዛረበቶ ነውራም ዘረባታት፡ እንተ ተተድልዩ ውን ኣብ ሕጋዊ መጋባኣያ ዝድገም ጸለመ፡ ህያው ምስክር እዩ።
4ይ ኣብነት፡- ካብ 2009 ክሳብ 2013 ኣብ ዝነበረ ዝተፈላለየ እዋናት፡ ኣብ ሞንጎ ኤልሳ ጭሩምን ሰላም ኪዳነን፡ ከምኡ ውን ምስ ካልኦት ኤርትራውያን ኣብ ዝተገብረ ናይ ኢመይል ርክባት፡ ብዝተፈላለየ ትሕዝቶን ቃናን ዝተጻሕፈ ኣዝዩ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ካብ ምብዝሑ ዝተላዕለ ኣብዚ ምዝርዛሩ ኣይከኣለን። መብዛሕትኡ እዚ ኢመይላት እዚ ካብቲ ካብ 2009 ኣትሒዙ ዝካየድ ዝነበረ ዋዕላ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ከምኡ ውን ንገለ ጉዳያት ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነትን EYSCን ዝምልከት ዝርዝራት ኮይኑ፡ ንተጻብኦታት ኤልሳ ጭሩም ብዝምልከት ብዙሕ ጭቡጥ ኣብነታት ዘጠቓለለ ምዃኑ ጠቒስካ ምሕላፍ ጥራይ እኹል’ዩ ንሕጂ። ገለ ካብዚ ዝተጠቕሰ ናይ ኢመይል ምልውዋጣት፡ ከም በዓል ፕሮፌሰር ጋይም ክብርኣብ፣ ልኡል ስዩምን ኖኤል መድሃኔን ዝፈልጥዎ ጉዳያት’ዩ። ብተመሳሳሊ ኣገባብ፡ ንሓደስቲ ኣብ ቃልሲ ዝጽንበሩ ዘለዉ መንእሰያት ታርጌት ዝገበረ፡ ምስ ሰላም ኪዳነ ኣይትተሓባበሩ እንዳበለት ትዘርዎ ናይ ተጻብኦ ወረ ውን ካልእ ኣብነት’ዩ። ነዚ ብዝርኢ ተሞክሮ ፌሩዝ ቀይሲ እቲ ዝበለጸ መወከሲ’ኳ እንተኾነ ካልኦት መንእሰያት ውን ከም ዘለዉ ኣይዝንጋዕን።
መደምደምታ
ኣብ መደምደምታ፡ ኣብ ዝስዕብ መሰረታዊ ትዕዝብታት ኣስሚርና መልእኽትና ክንዛዝም። ኤልሳ ጭሩም፡ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ከም ኩሉ ካልእ ተቓላሲ እጃማ ዘበርከተት ምዃና ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ጸገም ግን ንኹሉ እቲ ዝሰርሐቶ ስራሓት ዘማራስሕ፡ ንዓኣ ንውልቃ መዓርግ ዘይብሉ፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ ነቲ ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ንምንጋስ ዝካየድ ዘሎ መሪር ቃልሲ ንድሕሪት ዝጎትትን ዝርስምን መሰረታዊ ጸገም ኣለዋ። መዛሕትኡ እዋን፡ ብወገን ኤልሳ ጭሩም ከም መዛረቢ ተሓሲቡ ኣንጻርና ዝለዓል ጉዳያት፡ ካብ ቆሎ-ጥጥቖ ዝሓልፍ መግለጺ ከም ዘይወሃቦ ከነስምረሉ ንደሊ።
ባህርያት ኤልሳ ጭሩም ኣዳዲቑ ንዝፈልጥ ሰብ፡ ሓደ ቀንዲ እትልለየሉ ፍሉጥ ናይ ኣሰራርሓን ኣካይዳን ባህርይ (pattern) ኣለዋ። እዚ ትዕዝብቲ እዚ ጥር ኢልና ብሓደ ረፍዲ ዝበጻሕናዮ መደምደምታ ዘይኮነ፡ ኣብ ናይ ነዊሕ እዋን ውህሉል ናይ ቃልሲ መስርሕ ብሓባር ዝተመሃርናዮን ዝሰካሕናሉን መሪር ተሞክሮ እዩ። ብገለ መዳያቱ ምስቲ ህግደፍ ንደለይቲ ፍትሒ ንምምቕቓል ዝጥቀመሉ ሜላታት ብዙሕ ተመሳሳልነት ኣለዎ። ኤልሳ ጭሩም፡ ኣብቲ ንሳ ናተይ ዓውዲ ትብሎ ወይ ድማ እንተስ ብስምዒት እንተስ ብርድኢት (perception or reality) ናታ ዓውዲ መሲሉ ዝራኣያ ናይ ቃልሲ መዳያት፡ ብዘይካኣ ካልእ ሰብ ፍርዝን ኢሉ ክርአ ኣይትደልን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከምኡ ዝመስል ተርእዮ እንተተኸሲቱ ብሕቡእን ብግሁድን ግን ከኣ ብኣዝዩ ረቂቕን ዘሰንድብን ውዲት ክትኮልፎ ትፍትን። እዚ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብዝተፈላለየ መለክዕ ኣብ ርእሴና ክትፍጽሞ ዝጸንሐት በደላት፡ ተመሳሳሊ ዝገብሮ እዚ ንገልጾ ዘለና ናይ ሓባር ረቛሒ’ዩ።
ኣብ ካልእ ተሞክሮታት፡ ንኻልኦት ንምጥቃዕ ዝተጠቕመትሉ በታኒ ሜላታት፡ ተቓልዒ ክብላ ብድምጺ ዝተቐድሐ መርትዖታት ከም ዘሎ ውን ኣይዝንግዖን። እዚ ከም ኣብነት ንጠቕሶ ዘለና ጉዳይ ኮይኑ፡ ምሳና ቀጥታዊ ምትእስሳር ስለ ዘይብሉ ግን ናብ ዝርዝር ክንኣቱ ኣይንደልን። ብዘይካ እቲ ድሮ ናብ ህዝቢ ተዘርጊሑ ዘሎ ናይ ድምጺ ፋይላት፡ ካልእ ተወሳኺ ገና ዘይተዘርግሐ ፋይላት ከም ዘሎ ግን ሓበሬታ በጺሑና ኣሎ።
ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተባህለ፡ ኣብዚ መግለጺ እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብነታት ካብ ባሕሪ ብጭልፋ’ዩ። ኩሉ ብስዉርን ግሁድን መገድታት ኣንጻርና ብኤልሳ ጭሩም ይካየድ ናይ ዝነበረን ዘሎን ተጻብኦታት ጸብጻብ ዘርዚርካ ዝወዳእ ኣይኮነን። እቲ ንሕና ንደልዮ ፍታሕ ግን ከምዚ ዝስዕብ’ዩ። ንሕና ብዝጥዕም መገድን ኣብ ዝመረጽናዮ እዋንን (እንተብሓባር እንተብውልቂ) ክንወስዶ ንእንግደድ ሕጋዊ ስጉምታት ናይ ምውሳድ መሰልና ከም ዘለዎ ኮይኑ (ከምዚ ንምግባር ድማ ኣኽል-ታርፍ ሓበሬታ ኣለና)፡ እዚ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ክፍኣትን ተንኮልን መስርሕ ነቲ ንሕናን ብዙሓት ከማናን ከነዕውቶ ንጽዕረሉ ዘለና ናይ ፍትሒ ቃልሲ ዝደቁስ ሰራም ውዲት ስለ ዝኾነ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ዓገብ ከባህለና ንጽውዕ ኣለና።
ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ኣብ ዘዝሰሰነሉ ወሳኒ ብርክታት ንነዊሕ እዋን ዝተፈላለየ ማሕለኻታት ክዕንቅፎ ጸኒሑ’ዩ። ነዚ ሕጂ ንዛረበሉ ዘለና ውዲት ክንከሽሕ ነጥፍኦ ዘለና ግዜን ሃልክን ብዙሕ የጉህየና። ከምቲ ዝበልናዮ ግን ኣማራጺ ስለ ዝሰኣና ጥራይ’ዩ ብኸምዚ መልክዕ ነቕርቦ ዘለና። ኣብቲ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ እጃምና ብኣማድዕነት ከይነበርክት ይዕንቀጸና ንዘሎ ማሕለኻ ምእላይ እንተዘይኮኑ፡ ኪኖ’ዚ ዝኸይድ ንኻልኦት ናይ ምጽላምን ምጥቃንን ከምኡ ውን ኣብ ሸንኮለል ግዜ ናይ ምጥፋእን መደብ ከም ዘይብልና ድማ ክፍለጠልና ንደሊ።
ብድሕሪ ሕጂ ንዝጸበየና ናይ ቃልሲ ኣበርክቶ ብዝምልከት፡ ምስ ዝኾነ ደላይ ፍትሒ ዓቕምን ኩነታትን ብዝፈቕዶ ብናይ ሓባር ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ ከስርሐና ዝኽእል መገድታት ካብ ምንዳይ ዓዲ ኣንክንውዕልን ኢና። እዚ ንነዊሕ እዋን ኣንጻርና ክካየድ ዘጸንሐ፡ ዘዕርፍ ዘይመስል ዘሎ ናይ ጸለመን ተጻብኦን ጎስጓስ ዘየቋርጽ እንተድኣ ኮይኑ፡ ኣድላይ ዘበለ ሕጋዊ ስጉምታት ናይ ምውሳድ መሰልና ኣብ ቦትኡ ከም ዘሎ ከነዘኻኽር ንፈቱ። ነዚ ጉዳይ እዚ መፍትሒ ኣብ ምርካብ ዓቕምን ክእለትን ኣለና ንዝብሉ ወገናት ድማ ኣበርክቶኦም ከይፍለየና ንላቦ።
መዘኻኽሪ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ንነብሲ ወከፍና ዝምልከት ኣብነታት፡ ንኣጸሓሕፋ ክጥዕም ተባሂሉ ብቀዳማይ ኣካል ድርብ ውክልና (first person plural form) ዝቐረበ’ኳ እንተኾነ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ናይ ውልቀ-ተሞክሮን ምንጭታቱን ግን ንነብሲ ወከፍና ጥራይ ዝምልከት ምዃኑ ንሕብር።
ዳንኤል ረዘነ
ሜሮን እስቲፋኖስ
ሰላም ኪዳነ
17 ነሓሰ 2015