The Eritrean Dictator has issued a cynical response to the authors of the open letter!!

0
62


ኤርትራ፡ መንግስቲ ብኣፍሪቃውያን ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ንዝተጽሓፈ ደብዳበ ምላሽ ሂቡ

ኣብዚ ሰሙን፡ 103 ጸለውቲ ኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲ፣ ጋዜጤኛታትን ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት፣ ምፍታሕ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታት ለውጢ ክትገብር ዝጠልብ ደብዳበ ናብ ፕሬዝደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ጽሒፎም ነይሮም።

ወከልቶም ናብ ኤርትራ ኣትዮም ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ መንግስቲ፣ ህዝብን ምስቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታትን ክራኸቡ ክፍቀደሎም ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ሓቲቶም’ዮም።

መንግስቲ ኤርትራ ድማ፡ ነቲ በቶም ጸሓፍቲ፣ ጋዜጠኛታትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ንዝቀረበሉ ሕቶ ሎሚ መዓልቲ ምላሽ ሂቡሉ።

እዞም ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቅሉዕ ደብዳበ ዝጸሓፉ፡ ኣብ ክንዲ እንታይ ድርኺት እዩ ናብዚ መሪሕዎም ምትንታን፡ ናብ ቀጥታዊ መልሲ ንሕቶኦም ከተኮር ከም ዝመርጽ’ዩ፡ እቲ ብሚኒስትሪ ሓበሬታ ኤርትራ ዝተዘርግሐ መግለጺ ዘብርህ።

ኤርትራ ካብ 1961-1991 ኣብ ዝተኻየደ ዕጥቃዊ ቓልሲ፡ 65000 ስውኣት ከፊላ፣ ካብ 1998-2000 መንግስቲ ንምቕያር ኣብ ዝተኻየደ ኵናት’ውን ልዕሊ 20000 ስውአት ከፊላ ይብል።

ነዚ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 60 ዓመታት ዝወርዳ ዝነበረ ዘይፍትሓዊ ነገራት፡ ኣብዝሓ ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣፍሪቃውያን ብወግዒ ይኹን ብዘይወግዒ ትም ክብሉ እዮም መሪጾም እዩ ዝብል።

ብኻልእ ወገን፡ ዝሓለፈ 16 ዓመት ነቲ ብዓለማዊ ቤት ፍርዲ ኣብ 13 ሚያዝያ 2002 ብናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ንኤርትራ ዝተበየነ መሬት፡ ኢትዮጵያ ጎቢጣቶ እንከላ ብጭቕ ዝበለ ኣፍሪቃዊ ከም ዘይነበረ እቲ ሓተታ ይጠቕስ።

ኣብ ዝሓለፈ 57 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ውሑዳት ዓመታት [ሸውዓተ ዓመታት ጥራይ] ሩፍታ ከም ዝረኸበ ብምሕባር፡ ዝሓለፈ ዓመት ኢትዮጵያ ንውሳነ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም እተተግብር ብምግላጻ፡ ሰላም ክልቲአን ሃገራት ናብ ንቡር ከም ዝተመለሰን 5 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ክታም ሰላምን ምሕዝነትን ከም ዝተፈረመን ይጠቕስ።

ብምኻኑ ድማ፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኤርትራ ንዝተኸሰሩ ዕድላት ኣብ ምምላስ ቀዳምነታት ንእትህቦም ጉዳያት ሰሪዓ ትሰርሕ ከም ዘላ ሓቢሩ።

እዞም ኣፍሪቃውያን ጸሓፍትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈርወቂ ኣብ ዝጽሓፉዎ ቅሉዕ ደብዳበ ብዛዕባ እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታት ሓቲቶም’ዮም።

መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኤርትራ ኣብ ጽንኩርን ወጣርን ዶባዊ ኩናት ኣብ ዝነበረትሉ ነገራት ንምንዓብ ይሰርሑ ምንባሮም ህዝቢ ዝፈልጦን ዝተደብተረን መርትዖ ስለ ዘሎ፡ ነዚ ሓቂ ሰጊርካ ዝግበር፡ ክፍኣትን ዘይሓላፍነታውን’ዩ ኢሉ።

እቲ መግለጺ ብምስዓብ ካብዞም ነዚ ደብዳበ ዝጸሓፉ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ንኤርትራ በጺሑ ዝፈልጥን ከም ዘይብሎምን ቀዳማይ ምንጪ ዘይብሎም ወይ’ውን እታ ሃገር ርእዮምዋ ዘይፈልጡ’ዮም ኢሉዎም።

ስለ ዝኾነ፡ ‘ምጽኡ፤ ርኣዩ’ ፈላማይ ጭርሖ መንግስቲ ኤርትራ’ዩ ብምባል፡ ኹሉ ነታ ሃገር፡ ህዝባን መሪሕነታን ክፈልጥ ንዝደሊ፡ ኤርትራ ክፍትቲ ምዃና ይሕብር።

Source:BBC

 



NO COMMENTS

LEAVE A REPLY