The representatives of ‘Yiakil Movement’ in North America have formed a Committee to look into the validity of the criteria adopted in electing its representatives!!

0
48


ለባም ስጉምቲ ፡ ምቛም መርማሪት ሽማግለ፡

ድሕሪ ነዊሕ ምጽባይ፡ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣመሪካ፡ 7 ምስ 2 ተጠባብቕቲ መሪሕነት ከም ዝመረጸት ተሰምዔ፡፤ 

እቲ ብሃንቀውታ ዝጽበ ዝነበረ ህዝቢ “በሉ፡ ዲጊም ኣብ ንጡፍ ስራሕ ንእቶ” እንዳበለ ከሎ፡ ገለ ኣሰካፊ ወረ ተቐልቀለ። ካልእ ዝሰክፍ ጉዳይ ከም ዝሎ እኳ እንተተሓበረ፡ ኣቲ ቀንዲ ዘሰንበደ ግን፡ ኣብ ግዜ ምርጫ ዝቐረበ ቅጥዒ (criteria/condition) እዩ። እቲ ቅጠዒ ከም’ዚ ዝስዕብ ነበረ። ናብ መሪሕነት ባይቶ ይአክል ዝምረጽ ኣብ ናይ ፍትሒ ቃልሲ ናይ ሰለስተ ዓመት ተምኩሮ ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እዩ።

እዚ ቅጥዒ፡ ሓደ ዘጋ ክመርጽን ክምረጽን ዘለዎ ቀንድን መሰረታውን መስል ዝግህስ/ዝጠሓሰ ብምኻኑ ህዝቢ ብዓውታ ይቃወሞ ኣሎ። ኩሉ ብይአክል ዝግደስ፡ ንባይቶን ዝተመርጹ መሪሕነትን፡ እዚ ጉዳይ ካልእ ሳዕቤን ከይምጽኤ ፍታሕ ክግበረሉ ብምጥላቡ፡ ነዚ ጉዳይ እትምርምር ሽማግለ ቆይማ ከም ዘላ መስከረም ካብ ገለ ኣካላት ናይታ ዝተመርጸት መሪሕነት ተሓቢሩ አሎ። ለባም ስጉምቲ።
 
እቲ ዝተገበረ ምርጫ ንመስል ዘጋታት ዝጥሕስ፡ ፍጹም ዘይቅቡል ስለ ዝኾነ፡ እታ ቆይማ ዘላ መርማሪት ሽማግል ነዚ ቅጥዒ ብምልዓል ናብ ሓዲስ፡ ዲሞክራስያዊ፡ ለባም፡ ናብ ብዙሕነት ዘማልኤ ናይ ምርጫ መድረኽ ከተሰጋግር ትምሕጸን። እዚ ተር እዮ፡ መለበሚናን፡ መሓየሊናን፡ ናብ ዝለዓለ ስጡም ሓድንት ዘሰጋግርናን ትምህርትን ተምኩሮ ክንጥቀመሉ ይግባእ.

Source: Meskerem.net

 

 

 



NO COMMENTS

LEAVE A REPLY