Some Unknown assailants Have Thrown Bombs to members of PFDJ Security in Tessenei!!

3
639


ኣብ ከተማ ተሰነይ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስለያ መንነቶም ብዘይተፈለጠ ሰባት መጥቓዕቲ ተፈጺሙ

ተቃውሞታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ እንዳ ሓየለ ይመጽእ ኣሎ ።  ከም መርኣያ ናይዚ ድማ ኣብ ከተማ ተሰነይ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት  ወትሃደራዊ ስለያን ሃገራዊ ድሕነትን መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ።

እዞም ኣብ ሓደ ባር ኮፍ ኢሎም መስተ ዝሰትዩ ዝነበሩ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነቲን ወትሃደራዊ ስለያን ዝኾኑ ሰባት ካብ መንነቶም ዘይተራጋገጹ ሰባት ናይ ኢድ ቡንባ ከም ዝተደርበየሎም ሻቡ ከቢድ ዝኾነ መቁሰልቲ ገጢምዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቂቦም ከም ዘለዉ ተረጋጊጹ ።

ብፍላይ ካብቶም ዝቆሰሉ ኣባላት የማነ ገብረሚካኤል ዝተባህለ ሓላፊ ወትሃደራዊ ስለያ ኣብቲ መጥቃዕቲ ብኸቢድ ስለዝቖሰለ ብህጹጽ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሰምበል ከም ዝተላእከ ክሕበር ከሎ ካልኦት ምስኡ ዝነበሩ ድማ ፈኩስ መጉዳእቲ ስለዘጋጠሞም ኣብ ተሰነይ ዝረከብ ሆስፒታል ተዓቁቦም ከም ዘለዉ ተረጋጊጹ ።

 ብመሰረት ዝበጸሓና ሓብሬታ እቲ ፍጻመ ከባቢ ሰዓት 10፡30 ናይ ምሸት ከም ዘጋጠመን ብልክዕ ነቲ ቡንባ ዝደርበይዋ ሰባት መንነቶም ክፍለጥ ብዘይምኻኣሉ ብርክት ዝበሉ ጥርጡራት ብኣባላት ወትሃደራዊ ስለያን ሃገራዊ ድሕነቲን ተለቒሞም ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዶም ከም ዘለዉ ክረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ ።

Source:   



3 COMMENTS

  1. እዚ ባርባራዊ ተግባር’ዚ እንድዩ ክኹነን ዘለዎ ደኣ። ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝኾኑ ወታሃደራዊ ስለያ ምጥቃዕ ብዝኾነ መልክዑ ምኽኑይ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ወትሃደራዊ ስለያን ሃገራዊ ድሕነትን ክልተ ዝተፈላለየ ትካላት ኢዩ። ወትሃደራዊ ስለያ ፍሉይ ስርሓቱን ተሓታትነቱን ንሓይልታት ምክልኻል ኢዩ። ወትሃደራዊ ስለያ ብነባራት ተጋደልትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝቖመ ኢዩ። ነዚኦም ዕላማ ጌርካ ኣብርእሲኦም ሓደጋ ምውራድ ኩኑን ኢዩ። እቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ዘገልግሉ ዘለዉ ኣሕዋትና ከምዚ ክፍደዩ ዘይግባእ ኢዩ። ከምዚ ጌርካ ኣብ ርእሲ ንጹሃት ዜጋታት ብራዕድን ሽበራን ስርዓት ክትቅይር ድማ ፈጺሙ ዘይሕሰብ ኢዩ። እዞም ጸረ ሰላም ዝኾኑ ጉጅለ ወይ ባእታታ መዓንጣ እንተለዎም ነቶም ዓበይቲ ወስ ዘይብሉ። እዚ ነቲ ናይ ገዛእትና ኣምሓራ ምስላ ጥራሕ ኢዩ ዘዛኻክረካ። ኣምሓሩ “ኣህያውን ፈርተው ዳውላውን” ኢሎም ይምስሉ ከምዝበሃል እዞም ንጹሃት ዜጋታት ደኣ ኣብ ምንታይ ውዒሎም? ሃገሮም ከገልግሉ ከርፋሕ ናብራ ናይ ዘሕለፉ? ኣብ በረኻን ኣጻምእን ምስ ናይ ጸላኢ ወትሃደራዊ ስለያ ፊት ንፊት ስለ ዝገጠሙ። ትማሊ ኣብ ማእከል ኣስመራ ተቐቲሎም ኢሎም ውጭጭ ክበሃልዶ ኣይቀነየን ኢዩ? እዚኦምስ ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ኢርትትራ ዝወጹ ኣሕዋቶም’ዶ ኣይኮኑን። ነዞም ገበነኛታት እዚኦም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኢርትራ ክቐትሉ ልቸንሳ ዝሃቦም መን ኢዩ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ህግደፍን ፈላሊና ክንሪኦ ኣለና። ፈቲና ጸሊእና ሓይልታት ምክልኻል ኢርትራ እንድሕር ለሚሱ ወይ ተዳኺሙ እታ ኤርትራ ሃገርና ኢልና እንሕበነላ ሃገር ኣይክትህሉን ኢያ። ህላወ ልኡላዊት ኤርትራ ምስ ህላወን ብርትዐን ሓይልታት ምክልኻልና ኢዩ።
    ሮማይ ኣብራሃም
    romayabraham@gmail.com

LEAVE A REPLY